Friday, December 21, 2018

ባህላዊ ሕክምናን ስነ-ጽባቐን vs ዘመናዊ

ማይ ጨሎት (ማይ ጸሎት) ኣብ ኤርትራ ዝውቱር ዝኾነ ባህላዊ ፍወሳ’ዩ። ናይ ሃገርና ማይ ጨሎት ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ዳርጋ ካብ ኩሉ ዓይነት እምነታት ኣብ ሓደ ቅዱስ ቦታታት ዝሕጸብን ተመሳሳሊ ኣገባባት ፍወሳ ዝጥቀም ምዃኑን እዩ። ንመዋእላት ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ሕክምና ብምዃኑ ድማ ኣገዳሲ ቅርሲ’ዩ። ማይ ጨሎት ዝተሓጸቡ ሰባት ከምዝብልዎ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣእምራዊን ኣካላዊን ኣስተማጽኦ (Optimize) ኣብ ምግባር ልዑል ተራ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ እዩ።
Eritrean traditional medicinal plants and spices

ክልተ ዓይነት ኣጠቓቕማ ማይ ጨሎት (ማይ ጸሎት) ኣሎ፡-
1 ግዜ 7 (ሓደ ሸውዓተ) መላዓሊ
2 ግዜ 7 (ክልተ ሸውዓተ) መምሓሪ ይበሃሉ።
ናይ ዘመንና መናእሰይ ንእሽቶ ምስ ዝጽልኦም፡ ናብ ከም ሓሊበትን ኦሮታን ዝኣመሰላ መወከሲ ሆስፒታል ክጎዩ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ኣደታትና ምስ ዝጽልአን ድማ፦
ጋብር ደርዓንቶ፡ ኣብ ከባቢ ሽማ ንጉስ ዝርከብ እንዳ ምኪኤል፡ ሚካኤል ዓዲ ራእሲኣብ ከባቢ በለዛ እንዳ ማርያም፡ ፈቐይሒ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረን ካልኦት ዘይጠቐስክዎም ማይጸሎታትን ክጎያ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ ነገር እዩ።
እዘን ቦታታት ናይ ገዛእ ርእሰን ክኢላታት ባህላውያን ስነ-ቐመማት ዝውንና ኮይነን፡ ክሳብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ብዙሓት በጻሕቲ ከምዝነበረን ይንገር። እንተኾነ ግን ኣብዚ ግዜ’ ዚ ልዑል ምንቁልቋል ናይ ተመላለስቲ ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ። ምስፍሕፋሕ ዘመናውነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ-ሕማመይዝምን ሓድሽ እምነታት ጴንጠቖስጠን ክኸውን ከምዝኽእል ገለ ተንተንቲ ይእምቱ።
እዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሃይማኖተ ናይ ሕማመይዝም ልዕሊ 50 ትእዛዛት ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡ ገለ ካብኡ፥-
- ናይ Facebookን Instagramን ኣባል ኩን። ዳርጋ ኣባል ቤተክርስትያን ዝኾንካ።
- ኣብ ግዜ ሽግርካ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ብምጥቃዕ/ሼር ምግባር። ባዕልኻ ዘይጸለኻ ካልኦት ጸሎት ክገብሩልካ ምምሽኻን።
- ቅድሚ መግቢ ምብላዕካ፡ ዝተቐረበ መግቢ እንተዋሓደ 2 ግዜ ስእሊ ሰኣል (ከምዝጸለኻ)
- ኣውደኣመት ኣብ ፈይስቡክ ስእሊ ትጥቀዓሉ ኣጋጣሚ እዩ’ሞ ኣይትረስዕ። ስድራቤት ዳርጋ ዝበጻሕካ
- ንብዙሓት ናይ Instagram followers ጌርካ ኣገዳሲ ምሰል። ውሽጥኻ ግን ባዶ።
- ሰብ ዝገበሮ ኣገዳስነቱ ብዘይ የገድስ ድገሞ
- ኣብ ብዙሕ ሰብ Like/Comment ዝገብረሉ ጉዳይ ተሳታፋይ ኩን (ወላ ኣይትፍተዎ ወላ ዘይምልከተካ) >>>>>>>>>>>>>ወዘተ
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ብሓኪም ዘይተረጋገጸ ናይ ጭንቀት ጸገም ዝገበረ መንእሰይ ብድፍኢት ናይ ኣደኡ ናብ ማይ ጨሎት ከደልኩም፡፡ ኩሉ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ክዳን እዩ ዝሕምብስ፡ ኣዝየን ብዙሓት ጎራዙ ኣለዋ ገለ ዝብል ወረታት እሰምዕ ስለ ዝነበረ፡ ገለ ነፋጺ ስምዒት (wild imagination) ሒዙ ነበረ። ኣብቲ ቦታ ናይ ማይ ጨሎት ምስ ከደ፡ ኣብ መእተዊ በሪ ብሓደ ኣባ ቃለ-መሕትት ተኻየደሉ! ሕማሙ ናይ ጭንቀት ምዃኑ ስለ ዝተረጋገጸ ድማ፡ ናብ ቀዳማይ ጨንፈር (ጭኑቓት ዝሕጸቡሉ ቦታ) ተላእከ። እዚ ጨንፈር ጉልቡታት ኣጉባዝ ሃለቃታት መናእሰይ ብብዝሒ ዘገልግልሉ ቦታ’ዩ።
ወዮ መንእሰይ፡ ኣሲሮም ናብ ዘሰምብድ ዕምቆት ዘለዎ ዒላ ደጋጊሞም ሰንደውዎ፡ ተዛረብ መን ሒዝካ እንዳበሉ ሸለው-ኣጥልቕ ምስ ደጋገምዎ፡ ወደያት ዝብሎ ጠፍኦ! ደጋጊሞም ምስ ማይ ጮምቦላሕ ምስ ኣበልዎ ኣብ ካፈታት ኣስመራ ብብዝሒ ሻሂ ስለ ዘዘውትር ዝነበረ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣነ ሊፕቶን Lipton እየ ክብል መለሰ።
ወደያት መበቆል ሽግሩ ኩብላልያ ምዃንን ምሉእ መዓልቲ ኣብ ፈቖዶ እንዳሻሂ ዉዑይ ነገር ምስታይ ምዃኑ ተሰወጦ። በዚኣ ድማ ምሉእ መዓልቲ ካብ ኣብ ከተማ ኮለል ምባልን ሻሂ ምስታይን ተናጊፉ ኣብ ስራሕ ክውዕል ጀመረ’ሞ ጭንቀት ናብኡ ገጻ ምቕራብ ገደፈቶ። ስለዚ’ስ ማይ ጨሎት ንከምዚኦም ዓይነት ሰባት ውጽኢታዊ ምዃኑ ይንገር እዩ!!
One of ancient Eritrean monasteries 

ምስ ምዕባለ፡ ከም ማሕጎማ ዝኣመሰሉ ባህላዊ ልምዲታት ጠቕላላ ከም ዝጠፍኡ ይፍለጥ። እቲ ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዝነበረ ዓቢ ቑጽሪ፡ ማለት ሽሕን ሚእቲን ዓሰርተር ሓደን 1111 ዳርጋ ናብ ምጥፋእ ገጹ ከደ። ኣብ ባህሊ ምዕቃብ ልዑል ኣተኩሮ ከምዝገብራ ዝንገረለን ኤርትራውያን ችክሳት ኣውሮጳ ድማ ካብ መቐመጫአን ልዕል ኢለን ን ኣሃዝ 1111 ብውቃጦ ተኪአናኦ ኣለዋ። *ኣብ ታሕቲ ስእሊ ተመልከት።
ክሳብ መፋርቕ 90ታት ልሙዳት ትግባረታት ባህላዊ ሕክምና ነይረን። ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ናይ 30ታትን መጀምርያ 40ታት ክሊ ዕድመ ዘለዉ/ዋ መንእሰያት በዚአን እዮም ሓሊፎም። ኩሉ ግዜ ውን ኣብ ተዘክሮኦም ኣለዋ። ገለ ካብ ዕላላት ዝተወስደ ነጥብታትን እስዕባ፦
- ዝኾነ ዝቖሰለ ክፍሊ ኣካላት ቴትራሳይክል (Tetracycline) ኣብ ቁስሊኻ ምድፍዳፍ
- ሓዊ እንተነዲድካ ኮልጌት ምልጣፍ/ ወይ ላፋ
- ሰዓል፦ ቀላሚጦስ ምዕጣን ፡ ስብቆ ናይ ጣፍ ምስታይ
- ቅርጸት፦ በርበረ በጽቢጽካ ማይ ምስታይ፡ ኮካን ቡናን ሓዋዊስካ ምስታይ
- ውጽኣት፦ ስብቆ ናይ ሩዝ
- ቁሩምባ (ዓሶ እትመስል ሓይልኻ እተድክም ሕማም)፡- ማዕጺድ ኣርሲንካ ንዓባይ ዓባይቶ እግርኻ ጽፍሪ ምትኳስ። እቲ ዝርዝራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ነዚአን ከም ኣብነት ጠቒስና ንሕለፎ።
Tetracycline, one of the famous pills in the 90s

ዘመናውያን ስደተኛታት መንእሰያት ብወገኖም ስቑሬን ክተርፍ የብሉን ብምባል ከም እንደገና ከዘውትርዎ ከምዝጀመሩ ይንገር። ብዙሓት ተማሰይቲ ከምዝብልዎ ግን ግርናብ ዘለዎ ወዲ ክስቆር ኬፍ የብሉን ዝብል እዩ! (ኣነ’ኳ የለኹላን እዚኣ ሰሚዐ ጥራይ’የ።)
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ባድመ ቁኖ ዝገበረት (ፍርቂ ቁኖ ምስ ጀብጀብ ብምግባር ንጸጉራ ዝሰርሓቶ ጓል)
ብዝረኣኹ ደስ ዝብል ባህላዊ ቁኖ ከመልከዓልኪ እንተበልክዋ፡ ጓል ብሰሓቕ ክርትም ኢላ ክትድህለኒ ፈተነት፡ ጸኒሓ ውን እዚ እኮ ናይ ኣሊሻ ኪ Alicia Keys እትበሃል ኣመሪካዊት ደራፊት ስታይል እዩ በለትኒ። በየን ጀሚረ እየ እሞ በየን ከረደኣ፡ ‘ወይ ባህልኻ ዘይምፍላጥ ጸገም’ ኢለ ስእሊ ናይ ብሄራት ኤርትራ ኣብ Google ጋበዝኩዋ!!
ኣብ ዓለም ስቲምን ሓማምን ኣዝዩ ግኑን ስም ዘለወን ኮይነን፡ ኣብ ሃገርና ድማ ጥሽ ምውባእ ልምድቲን ህብብቲን ባህላዊት ስነ ጽባቐ እያ። ጥሽ ዝያዳ ብመርዓውቲ ወይ ከኣ ነብሰጾራት ዝውቱር ኮይኑ፡ ታህሰስ፡ሒሖት፡ሃምቦሃምቦ ዝዓይነቱ ኣቁጽልቲ ከምዝጥቀማ ይፍለጥ። ጥሽ ኣብ ዝገብራሉ ግዜ ድማ ልኻይ ኣብ ርእሰን ከምዘዘውትራ ይፍለጥ።

ኣደታትና ምስ ልኻይ ፍሉይ ፍቕሪ እዩ ዘለወን። ብብዝሒ’ዉን እየን ዘዘውትራ፡ ኣብ ጥዕና ዓይኒ ልዑል ተራ ከምዘለዎ እየን ዝኣምና። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ክሳብ ግዜ ሽምግልነአን ብዘይ ዝኾነ መረጼን እኽሊ ክኣርያ ዝኽእላ። ወይለኸን ደኣ ወለዶ iPhoneን Facebookን 40 ከይመላእክን ዓይኒ ኣብዩ ትብላ ኣለኽን።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝቕመጣ ዘመናውያን ኢና በሃልቲ ኣዋልድ፡ጨና ልኻይ ኣዝዩ ከምዘጸይነን እየን ዝዛረባ። ኣብ ከም መርዓ ዝኣመሰለ ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝእከብሉ ኣጋጣሚ ምስ ትርከብ፡ ኣብ ኣዴታተን ዘይነበረ ማዳታት ትርኢ። እቲ ምኽንያት ድማ ጥቕሙ ዘይፈልጣኦ መመላኽዒ ክሬማት ኣብ ገጸን ስለ ዝልፍጣ እየን።
ቀደም ዘመን ኣደታትና ክምርዓዋ እንከለዋ ብግለት ንመዓልታት ኣከታቲለን ከምዝሕጸባን ዝፍሕፍሓን ዝነበራ ተመራመርቲ ስነ-ባህሊ ይገልጹ። ኣብ እዋናት ድሕሪ ቐትሪ ድማ ግብኣታ ኣቦታት ትምህርቲ ብሓትነታተን ወይ ብኣሞታተን ይወሃበን ነበረ። በዚ ድማ ብጽሬትን ብክልሰ ሓሳብን ድልዋት ኮይነን ናብ ሓዳር ይኣትዋ ከምዝነበራ ብኹርዓት የዕልላ። ኣደታትና ነብሰጾራት ከለዋ እንጣጢዕ ምስታይ ከምዘዘውትራ ይፍለጥ። ድርቀት ናይ ማዓናጡ ዝበሃል ሕማም ውን ኣይፈልጣኦን እየን። ኣብ ግዜ ሕርሲ ውን፡ ህጻን ስቱኽ ኢሉ ከምዝወጽእን መጥባሕቲ ዝበሃል ነገር ከምዘይፈልጣ ዝነበራን ኣብ ወግዒ ቡን የዘንትዋ። 

ናይ ሎሚ ጥኑሳት ግና ከብደን ቀሊዐን ኣብ ፈይስቡክ እንዳጠቀዓ፡ ንኣዳም ገረሞ! ዘደንጹ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዘገርም ግን ናይ ኣደታትና ውሕልነትን ፍልጠትን እዘን ደቂ ሎሚ ማዕቢልና ክብላ ኩሉ ሸለል ስለዝበልኦ፡ ብሕጂ ዝውለዳ ደቅና ወይ ከኣ የሕዋትና ኣንፈተን ናበይ ኮን ይኸውን?
መጻኢ ወለዶ ኣንፈቱ የፍርሓኒ ኣሎ ሞ፡
ዘሎና ‘ዶ ይሓይሽ ወላ’ስ ዝነበረና። ኣየናይ ከ ምሓሸና?
ልቦና ወለድና ዶ ወላስ ዘመን ኣምጾ ናይ ባዕዲ ሰነ-ሓሳብ ምስዓብ!
ምስጋና ን ኤዲተር Temesghen Abraha

2 comments:

  1. It's very helpful information, please continue writing.

    ReplyDelete
  2. Goyang Casino Hotel - Las Vegas
    Goyang 출장안마 Casino Hotel is the official name goyangfc of the poormansguidetocasinogambling.com property for its gaming facilities in the resort Las 바카라 사이트 Vegas. The resort's gaming floor, www.jtmhub.com casino, and spa are

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...