Saturday, June 15, 2019

ፓሪሳውያን ናይ ሕማመይ Wesh/ Ouaiche


ኮተቴታት ፈረንሳ ብፍላይ ድማ ነባሮ ፓሪስን ከባቢኣን ልክዕ ከምቶም ናይ ዓድና ትሪም ትሪም ዝብሉ ናይ ሕማመይ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕምቶ ዝኾነ ቋንቋ ፈረንሳ ኣለዎም። እዞም ካብ ኩሉ ዓለም ዝተዋጽኡ ብ ወሽ-ወሽ ዝፍለጡ ኮተቴ ሂፕ-ሆፕን ራፕ ዝዓይነቱ ቅዲ ሙዚቃ ምስማዕ ከምዘዘውትሩ ይፍለጥ።እዛ ወሽ ኣትብል ቃል ካብ Oui (እወ ብቋንቋ ፈረንሳ) ዝማዕበለት እያ። ኣብ ፈቐዶ መዕረፊ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ድማ በዘን ብተክኖሎጂ ዝተራቐቓ ናኣሽቱን ኣዝዩ ብርቱዕን ንጹርን ድምጺ ዘጉልሓ ስፒከራት ራፕ ዝዓይነቱ ደርፊ ብቋንቋ ፈረንሳ ንኹላ ሓላፊ መንገዲ ብግዲ ይጋብዝዋ።
ፈረንሳውያን ኣብ ዓዶም ዝፈረየ ንብረት፡ ናይ ዓዶም መደባት ቴሌቪዥን፡ ነቢት፡ ችኮላታ፡ ማካይንን ኤሌትሮኒካዊ ኣቅሑን… ወዘተ እዮም ዝፈትዉ፡፡ እዞም ኮተቴታት ድማ ዝገደዱ’ዮም፡ ፍጹም ቋንቋ እንግሊዝ ዘይዛረቡን፡ ገለ ቃላት ዓረብን ካልእ ቋንቋታት ዝተዋጽአ ቃላት እንዳሓወሱ ደባልቆ ዝዓይነቱ ፍሉይ ናይ ተክስት ቋንቋን ናይ ኣዘራርባ ላህጃን ከምዘማዕበሉ ይንገረሎም። ገለ ካብ ዝጥቀሙሉ ቃላት፡ ብላድ (መበቆል ዓዲ)፡ ቱጁኽ ወላይ፡ (ካብ ወላሂ ዘረዓመ) ናይ ብሓቀይ ዘስምዕ ትርጉም ድማ’ዩ ዘለዎ። እዞም ወለዶ ፍጹም ፕረሜር ሊግ ወይ ላሊጋ ዘይከታተሉ እዮም፡፡ ግጥም ክለባት ፈረንሳ ወይ ድማ ሊግ ኣ ‘League 1”ጥራይ ብዕምቆት ዝከታተሉ’ዮም። እቶም ኣብ ፓሪስ ዘለዉ ድማ ደገፍቲ ፓሪ ሳን ጀርማ Paris Saint Germain (PSG) እዮም። ዜና ከይተኸታተልካ ውዒልካ PSG ጸወታ ከምዘለዎም ኣብ ጎደናታት ፓሪስን ከባቢኣን ዝርከባ ልጉባት ከተማታት ሰማያዊ ማልያ ዝወደዩ ኣጉባዝ ከም ኣጋጣሚ እንተርኢኻ ብቐሊሉ ምግማት ይከኣል።
ካልእ ኣዝዩ ዝገርመኒን ዘደንጽወኒን ነገር ኣሎ። PSG ምስ Olympique de Marseille ክትጻወት ኣንከላ፡ ፓሪስ ብ ሰራዊትን ፖሊስን እያ ትሕሎ። ኣየ’ወ ሽዑ ዘሎ ባእሲ፡ ዝረኸብዋ ማኪናን ቪትሮን ትስበር። ዝቓጸል ማልያታትን ዝንኳዕ ኣራእስን’ሞ ኣይቁጸርን’ዩ። ኣብ’ዛ ዓመት’ኳ እሓይሽ።
እዞም ወለዶ መብዛሕትኦም ኣብ HLM ወይ ድማ ኮንዶሚንዮም ወይ ድማ ከም እንዳኮርያ ዝመሳሰል ገዛውቲ ዝዓበዩ’ዮም። ኣብ ፈረንሳ ድማ ከምዚ ዓይነት ኣከባቢ ብብዝሒ ጸለምቲን ዓረብን ዝርከዎ ናይ ድኻታት ቦታ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ከባቢ ሓንቲ ሓዳሽ ሞዴል ማኪና ፓርኪንግ ኣይትገብርን እያ። እንተ ረኺቦማ ድማ ናይ ብርጅዋ እንዳበሉ ሳንቲም ብምጥቃም እንዳፈሓቑ ኣሳእል ከም ዘውጽኡላ ይንገር።
ነሓሰ 14 ብ Bastille Day እትፍለጥ ሃገራዊ መዓልቲ ሃገረ ፈረንሳ ኮይና ገለ ካብዞም ጸይቂ ኮተቴ፡ ማካይን ምንዳድ ከምዘዘውትሩ ይፍለጥ። ብቴሌቪዥናት’ዛ ሃገር ኣብ ዜና ኣብ ከምዚ ከተማ ክንድዚ መካይን ተቓጺለን ኣብ ከምዚ ድማ ክንድዚ ዝብዝሐን ተቓጺለን ክበሃል እንከሎ። ብኹርዓት ከተማና ዝያዳ ኣቃጺልና ኢሎም ፌስታ ከምዝገብሩ ዝነበሩ ይንገር። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዜና ብዝሒ ዝነደዳ መካይን ከይንገር ከምዝተኸልከለ ይፍለጥ።
እዞም ኮተቴ ቀዳማይ ከም ስራሕ ዝሓስብዎ መሸጣ ሓሽሽ ወይ ዊድ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ዘይሸጡ ድማ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ሓሽሽን ካልኦት ድራጋትን ክደርፉ እውዕሉ። እዞም ወለዶ እዚኦም ናብ ክለብ ገጾም ብዙሕ ከምዘይኣትዉን ኣብ ፈቐዶ ገዛውቲ ዝግበር ፓርቲታት ከምዘዘውትሩን ይንገረሎም። እቲ ምኽንያት ድማ ከምቲ ዝደልይዎ ሓያል ናይ ከበሮ ህርመት ዘለዎ ብቋንቋ ፈረንሳ ድረፍ ራፕ ስለ ዘይረክቡ’ዩ። ከም ዕላል ብዛዕባ ደረፍቲ ኣመሪካ፡ 2pac, Biggie, Snoop, Dre, Drake ,Lil wayne ካልኦትን እንተሓቲትካዮም ወላ ዝኾነ ኣፍልጦ የብሎምን። እቲ ሓደ ዝፈልጥዎ እንግሊዘኛ ዝደርፍ ድምጻዊ Bob Marley ኮይኑ፡ ንሱ ከማን በተን ናይ ሕማሞም ሓሽሽ ስለ ዝደረፈሎም’ዩ።……lol
እዞም ወለዶ ወሽ ዓው ኢሎም ምክታዕ ዘዘውትሩ ኮይኖም፡ ከም ካልኣይ መለለይ ባህርያቶም፡ ምልማን ሽጋራ’ዩ። ዘይሰከፉ ለመንቲ ሽጋራ ምዃኖም ድማ ንብዙሓት ዘገረመ ነገር’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ መዓልቲ 10 ግዜ ክልምኑ ኣይስከፉን እዮም፡ መዓልታዊ ክልምኑ ድማ ፍጹም ቅጭጭ ኣይብሎምን’ዩ። ነገሩ ንሓንቲ ባኮ ሽጋራ 10 ኤሮ እንዳኸፈሉ ካበይ ከምጽእዎ። ኣዝዩ ዘደንጽወኒ ነገር ናይዞም ፍሉያት መናእሰይ ኣሎ፡ ሽጋራ መስርሒ ዘኽእል ኩሉ ነገራት ኣብ ገዝኦም ኣለዎም፡፡ ካብ ፈቐዶ መናፈሻታት ዝርከብ ሳዕሪን፡ ኣቑጽልቲ ኣግራብን ቀንጢቦም፡ ኣንቂጾም፡ ረፍቲቶም፡ ብፕሮፈሽናል ኣገባብ ብምጥቕላልን ብምዕሻግ ካብ ሞሮኮ ዝመጸ ሕሱር ሽጋራ ብምባል ናብ ህዝቢ ከምዝሸጡ ድማ ይንገረሎም። ስለዚ ናብ ፓሪስ ክትዛወሩ ምስ እትመጹ ኣብ ጎደና ሽጋራ ኣይትግዝኡ’ዩ ዘሎ ‘ቲ ወረ…………
እዞም ወለዶ ከም ተመላኢ ናይ ቀትሪ ስራሕ፡ ብሽክለታ ምስራቕ ከም ወልፊ ዝተተሓዝዎ’ዮም። ኣብ ቦርሳኦም ዓቢ መቐስ መቑረጺ ሓጺን ሒዞም ከም ዝጎዓዙን ዝጸንሓቶም ብሽክለታን ንእሽቶ ሞቶን ድማ መፍትሓ ክርትም ኣቢሎም ከምዝወስድዋን፡ ብዙሕ ከይረሓቑ ብዋጋ ባኮ ሽጋራ ከምዝሸጥወን ድማ ይፍለጥ።
ወሽ-ወሽ ምስ ፖሊስ ሽግር ምፍጣር ባህ ከምዝብሎም ይፍለጥ፡፡ ኣብ ዓድና ፖሊስ ርኢና ንርሕቕ፡ ኣብዚ ከኣ ፖሊስ እንተሓሊፉ ብጸርፊ ይጅምርዎ። ኣዝዩ ዝገርመኒ ነገር ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ መናእሰይ NYPD (ናይ ከተማ ኒውዮርክ ፖሊስ ማለት’ዩ) ዝብል ማልያታት ወድዮም ክዛወሩ ትርእይ። ኣብ ፓሪስ Gendarmerie ‘’ፖሊስ’ ዝብል ማልያ ወዲኻ ክትከይድ ምስ ትፍትን፡ ወላ ጸዓዱ ከይተረፉ ከዋርዱኻ’ዶ። ከም ፈረንሳውያን ገይሩ ፖሊስ ዝጸልእ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። በዚታት ከይኮነ ኣይተርፍን ውን ኣብ ዓመት ብዙሓት ፖሊስ ናይዛ ሃገር ርእሰ-ቅትለት ዝፍጽሙ።
ወሽ-ወሽ ዝተሰርቃ ሞባይላትን ታብለታትን ኣብ ምሻጥ ብብዝሒ ከምዝዋፈሩ ዝፍለጥ ኮይኑ። ዝኾነ ዝሸጥዎ ኤለኢትሮኒካዊ ንብረት ‘Tombées du Camion’ ካብ ዓባይ ማኪና ዝወደቐ እዮም ዝብልዎ፡፡ ኣዝያ ደስ ትብል መግለጺ ምሽ። ሀሀ
ተቐማጦ ካልኦት ከተማታት ከኣ ገለ በሉና………..
www.daydreamersinparis.com
Photo by Dinar HURUi

1 comment:

  1. ዲኑ ዓርከይ፡ ከም ወትሩ ብሉጽ ጽሑፍ!!!

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...