Saturday, May 16, 2020

ኤርትራውያን ፍልጠትን ጥበብን ፈላሊና ምርኣይ ከድልየና እዩ




ምሁራን ሰባት ወይ ድማ ኣዝዮም ፈላጣት ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ሂወቶም ኮነ ሕብረተ-ሰቦም ወላሓንቲ ነገር ዘየፍርዩ ግን ከኣ  ዝተሰርሐ ነገር ከቆናጽቡ ጸሓይ እትዓርቦም ኣዲኦም ትቑጸሮም። ብዙሕ ናይ ምህሮ (ቀለም) ፍልጠት ዘይብሎም ግን ከኣ ጻዕራማትን ጥበበኛታትን ሰባት ክዕወቱ ምርኣይ ድማ ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ነዚ ስነ-ሓሳብ ከራጉዶ ዝኽእል ነገር ከኣ፡ ዓለም ካብ ዝረኣየቶም መብዛሕትኦም መሃዝቲን ቢልዮነራትን ከም ሰቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ውን ትሕቲኡ ዘለዎም እዮም። ዝያዳ ኣብ ጥበብ (ሜላ) ብምጽጋዕ ድማ’ዮም ዓበይቲ ነገራት ክገብሩ ዝኸኣሉ።
ጥበብ ልክዕ ከም ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ካብ ውሽጢ ዝዛሪ ኮይኑ፡ ንኽወጽእ ድማ እምነት ኣብ ነብስና ዝጠልብ ሓርነታዊ ነገር’ዩ። ትምህርቲ ድማ ልክዕ ከም ዝዓቖረ ማይ ናይ ዲጋ ኮይኑ፡ ንኸይጨኑ፣ ከይበላሾ፣ ድበት ከይመልእን ልዑል ክትትልን ጸዕሪን ምስ ክንክን ዘድልዮ ነገር’ዩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ፍልጠትን ጥበብን ዘሎ ረቂቕ ፍልልይ ክንግንዘቦ ኣገዳሲ’ዩ’።
‘ብናይ ካልኦት ትምህርቲ ምሁራን ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ጥበበኛታት ክንከውን ግን ብናይ ገዛእ-ርእስና ጥበብ ጥራይ’ዩ።’ ምንታፕ
ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ንጉስ ሰሎሙን ወዲ ዳዊት እቲ ዝዓበየ ጥበበኛ’ዩ። እዚ ቅድሚ 932 ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ንጉስ ክሳብ ሕጂ ብህሎታቱ ከም መወከሲ ንጥቀመሉ ኣሎና። ኣቦታትና ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ስነ-ሓሳብ ናይ ምውሻብ ከኣ ዓለም ኣብ 2020 ቀዲሓ ክትጥቀመሉ ተዓዚብና። 
ጥበብና ክዓቢ እንተኾይኑ ምስትውዓል ምስ ስነ-ስርዓት፡ ቀጻሊ ጻዕሪን ልምምድን የድሊ። ከም በዓል ሊዮነል መሲ፡  ማይክል ጆርዳን፡ ክርስትያኖ ሮናልዶን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ንዓለም ዘገረሙ ስፖርተኛታት ንዓመታት ኣቃውማኦም ከይፈረሰ ዝለዓለ ውጽኢት ከመዝገቡ ክኢሎም’ዮም። ንዝነበረ ክብረወሰናት ድማ ሓደ ድሕሪ ሓደ ሰይሮሞን ይሰብርዎ ኣለዉን። ስለዚ ሓደ ምሁር ነዞም ሰባት ናተይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ የብሎምን ኢሉ ክወራዘየሎም የጥዕመሉ’ዶ?

ብዛዕባ ሎሚ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ዝሓስብ ሰብ ዉሑድ’ዩ። ሓደ ጥበብኛ ሎሚ/ሕጂ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ’ዩ ዝሓስብ። እታ ዝዓበየት ፍልልይ ኣብ ትማሊ ዝነብሩ ምሁራን፡ ኣብ መጻኢ ዝህውትቱ ተንተንቲን ሰብ ጥበብን ድማ እዚኣ’ያ። እታ እንኮ ክንቆጻጸራ ዝኽእል እዋን ሕጂ ምዃና ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ከኣ ኣብ ሂወትና ሱር መሰረታዊ ፍልልይ ክገብር ዝኽእል’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ ሕሉፍን መጻኢን ምስትንታን ብዙሕ ግዜ ዘይምጥፋእ።

ሓደ ጥበበኛ ዝኾነ ሽግር ከጋጥሞ እንከሎ፡ ሽግር ዘይብሉ ህይወት ከምዘየሎ ስለ ዝርዳእ ኣብ ሓጺር ግዜ ፎኪስ ሜላታት እንዳተጠቕመ ክፈትሖም ይረአ። ብኣንጻሩ ሓደ ምሁር ዓበይቲ ሰባት ንተመሳሳሊ ሽግር ብኸመይ ፈቲሖም ክፍትሽ ብዙሕ ግዜ ከጥፍእ ይረአ። ስለዚ ነቲ ሽግር ከም ነብሱ ዘይኮነ ክፈትሖ ዝፍትን ከም ናይቶም ኣብነት ዝወስዶም ዘሎ ሰባት’ዩ ክፈትሖ ዝህቅን ዘሎ ማለት’ዩ። 
ቀንዲ ዕላማ ትምህርቲ: ዘለካ ውሽጣዊ ጸጋታት ብምፍላጥ ንጥበብን ተውህቦኻን ንምድራዕ እዩ እምበር:: ሓደ ውሽጡ ዘይሰምዕ ካብ ካልኦት ቀዳዲሑ ዘይንሱ ዝኾነ ሰብ ምምሳል ኣይኮነን። ንባዕሉ ትምህርቲ ክርደኣናን ኣብ ግቡእ መዓላን ከነውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ዝሓትት’ዩ። ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝኣቱ ፍልጠት ገላሊህካ፡ ጾሚቕካ፡ ኣጻሪርካ ደኣ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ እምበር፡ ከምዘለዎ ምቕባል ካብ ሂወት ክትገብሮ እትኽእል ዝዓበየ ጌጋ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ነጥቢ ህያው ኣብነት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ደርጊ ጀነራላት ኣብ ሩስያ ኣሎ ዝበሃል ናይ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙን፡ ኣሎ ዝበሃል ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቑን ክነሶም፡ ብደረጃ ትምህርቲ ክንዳኦም ዘይዳረጉ ተቓለስቲ ህዝባዊ ግንባር ብስትራተጂ ተበሊጾም ክሰዓሩ ተራእዮም። እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተጠረየ ልዑል ርቀት ናይ ምሕደራ ሰራዊት ምስ ልዑል እምነትን ፍልጠት ናይ ቅርጺ መሬት ተደሪዑ ጸብለል ክብል ተራእዩ። 
እታ ብኣሳራርሓኣ ኣዝያ ኣገራሚት ዝኾነት ብረት ካላሽን ኤኬ-47 ብሓደ ትምህርቲ ዘይጸገበ ሓጓዳይ’ያ ተማሂዛ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዓለም ስሙ ከሰፍር ዝኸኣለ ሩስያዊ ካላሽንኮቭ ድሒሩ’ዩ ክሳብ ናይ ዶክተርነት ማዕርግ ከመሃር ዝኸኣለ። ወናኒ ፈይስቡክ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ ውን ተማሃራይ እንከሎ’ዩ ነዛ ሕጂ ንዓለም ጸልያ ዘላ ማሕበራዊት ሜድያ ክምህዛ ዝኸኣለ። ኣብቲ ግዜ ካብኡ ብዕጽፍጻፍ ዝበልጹ ክኢላታት ናይ ስነ-ዓውዲ ኮዲንግ ወይ ፕሮግራሚንግ ግን ነይሮም እዮም። እንተኾነ እቲ ዉሽጡ ዝሰምዐን ኣብ ጥበቡ ዝኣመነን ትምህርቲ ብምቁራጽ ኣብ 23 ዕድሜኡ ቢልዮነር ክኸውን በቒዑ።
ስለዚ ፍልጠትን ጥበብን ተማላላእቲ ነገራት እየን። ምስጢር ዓወት ንዘሎካ ጥበብ ብግቡእ ፈሊጥካ ብትምህርቲን ፍልጠትን ደሪዕካ ጥራይ’ዩ ዝጭበጥ። ስለዚ ኣብ መብዛሕትኦም ምሁራት ዝረአ ናይ ኣንነት ወይ ድማ ፈላጥ’የ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ጥበበኛታት ከምዘይኮኑ’ዩ ዘርእየካ። ‘እምነት ዓያሹ ካብ ከውሒ ይተርር’ ዝበሃል ኣዘራርባ ሓቂ’ዩ። ካብ ጥበብ ዘይብልካ ክትከውን ፍልጠት ዘይብልካ ክትከውን ይሓይሽ፡ ፍልጠት ዘይብልካ ምዃንካ ምፍላጥ ውን ርእሱ ዝኸኣለ ጥበብ’ዩ። ስለዚ ጥበብናን ክእለትናን ከነዕቢ መዓልታዊ ንጽዓር፡ ምስ ካልኦን ክንወዳደር የብልናን ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ። ጥበብና ከም ፈልፋሊ ማይ ክዛሪ ግዜ፡ ጻዕሪ፡ ፍቕሪን ጽንዓትን ክሓተና’ዩ። 
ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ዘለዎ ሰብ ስራሕ ክስእን ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ነዚ ነገር ብዙሕ ምኽንያት ከነምጽእ ንኽእል ንኸውን እንተኾነ ስራሕ ምርካብ ውን ርእሱ ዝኸኣለ ሜላን ጥበብን ዝሓትት ምዃኑ ኮሊልና-ኮሊልና ናብ ኣርስትና ኢና ክንምለስ። ኣብዚ ግዜ ኩሉ ሰብ በብኣፉ ከምድላዩ ክዛረብ ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ምሁር ነዓይ ስምዑኒ ኣነ ናይ ከምዚ ዶክተርነት፡ ማስተርስ፡ ወላ 3-4 ዲግሪ ኣሎኒ ይብል። እቲ ዘይሓፍርን ወልሓንቲ ዘይፈልጥን ድማ ተማሂርኩም እንታይ ጌርኩም እንዳበለ ይጻረፍ።
‘ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸው፡ …………’ ሮሜ1 22
‘ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዝለዎም ኩላቶም ይምጽኡ፡ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኩሉ ድማ ይግበሩ።’ ዘጻ35: 10

 ኤዲተር፡ ተመስገን ኣብራሃ


No comments:

Post a Comment

ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ ...