Tuesday, July 28, 2020

2ይ መዓልቲ፡ Day 2


ብጻይ Kibri Kebari ብዝገበረለይ ዕድመ መሰረት፡ 7 ሂወተይ ዝለወጣ ወይ ድማ ጽልዋ ዘለወን መጽሓፍቲ ክጠቅስ……..
The Power of Positive Thinking: ብ Norman Vincent Peale፡ ነዛ መጽሓፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ እንከለኹ’የ ከንብባ በቒዐ። ክሳብ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ነይረ-ነይረ ሒደት ገጻት እናደጋገምኩ ካብ ዘንብበን መጽሓፍቲ ድማ’ያ። ጁባ ምስ ሙቐትን ድኽነትን ብዙሕ ደስ ዝብል ሂወት ዘይብሉ ቦታ’ዩ። እንተኾነ ግን ወጺእካ እትገብሮ ብዙሕ ነገር ስለ ዘየለ፡ ንከተንብብ ዝሕግዝ ዓዲ’ዩ። ኣብዛ ከተማ ሓደ ዝገርመንን መልሲ ዝስእነሉን ነገር ነይሩ፡ ንሱ ከኣ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ደረስቲ መጽሓፍቲ ኣብ ጎደናታትን ስቴሽነሪታትን ብሕሱር ዋጋ ክሽየጡ ምርኣይ። ኣብ ኤርትራ ዝመጸ ሰብ፡ እሞ ድማ መጽሓፍ ኣይኮነን ፎቶ ኮፒ ዝኸብሮ ሰብ ከመይ ይግረም መስለኩም።
እዛ መጽሓፍ ደፊረ ክሓልም፡ ደፊረ ክጽሕፍ፡ ከም ድላየይ ሰብ ከይብለኒ ከይበልኩ ብድፍረት ግላዊ ሓሳባተይ ከመንጩ፡ ብግለይ ክውስንን፡ ዝተሰመዓኒ ክዛረብን ዝሓገዘትኒ’ያ። ዕባይ ኣስመራ ከም ምዃነይ መጠን ኣዝየ ስልችዉን መዕጠይጠይን’የ ነይረ። እንተኾነ ምስጢር ሓደ ስጉሚ ንመዓልቲ ኣብ ሂወት ተኣምራት ክሰርሕ ከምዝኽእልን ምስ ኣብነታቱ ዘብርሃትለይ መጽሓፍ’ያ።
ብዛዕባ’ዚ ጸሓፊ ገለ ክብል ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ Norman Vincent ኣመሪካዊ ፓስተር/ ቀሺ ኮይኑ ክሳብ 44 መጽሓፍቲ ዝጸሓፈ ሓያል ጸሓፊ’ዩ። መጽሓፍቱን ዓንቀጻቱን ድማ ብፎኪስ ቋንቋን መጽናዕታውን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተሞርኮሰ ፍልስፍናን ስነ-ልቦናን’ዩ። ተስፋ ይገብር ኣቕሽሽትን መሻይኽን ዓዲና ንሂወት ዝልውጥ ብቋንቋታት ዓድና ከምዚ ዓይነት ዘበራትዕን ውሽጥኻ ዝፍትሽን መጽሓፍቲ ክጽሕፉ።



Jah Bertad ገለ ካብ ኣብ ጁባ ዘንበብካዮን ኣብ ጎደናታት ጁባ ዝገዛእካዮ መጽሓፍቲ ገለ በለና ኢኻ። ክጽበየካ’የ………

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...