ብጻይ Kibri Kebari ብዝገበረለይ ዕድመ መሰረት፡ 7 ሂወተይ ዝለወጣ ወይ ድማ ጽልዋ ዘለወን መጽሓፍቲ ክጠቅስ……..

እዛ መጽሓፍ ደፊረ ክሓልም፡ ደፊረ ክጽሕፍ፡ ከም ድላየይ ሰብ ከይብለኒ ከይበልኩ ብድፍረት ግላዊ ሓሳባተይ ከመንጩ፡ ብግለይ ክውስንን፡ ዝተሰመዓኒ ክዛረብን ዝሓገዘትኒ’ያ። ዕባይ ኣስመራ ከም ምዃነይ መጠን ኣዝየ ስልችዉን መዕጠይጠይን’የ ነይረ። እንተኾነ ምስጢር ሓደ ስጉሚ ንመዓልቲ ኣብ ሂወት ተኣምራት ክሰርሕ ከምዝኽእልን ምስ ኣብነታቱ ዘብርሃትለይ መጽሓፍ’ያ።
ብዛዕባ’ዚ ጸሓፊ ገለ ክብል ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ Norman Vincent ኣመሪካዊ ፓስተር/ ቀሺ ኮይኑ ክሳብ 44 መጽሓፍቲ ዝጸሓፈ ሓያል ጸሓፊ’ዩ። መጽሓፍቱን ዓንቀጻቱን ድማ ብፎኪስ ቋንቋን መጽናዕታውን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተሞርኮሰ ፍልስፍናን ስነ-ልቦናን’ዩ። ተስፋ ይገብር ኣቕሽሽትን መሻይኽን ዓዲና ንሂወት ዝልውጥ ብቋንቋታት ዓድና ከምዚ ዓይነት ዘበራትዕን ውሽጥኻ ዝፍትሽን መጽሓፍቲ ክጽሕፉ።
Jah Bertad ገለ ካብ ኣብ ጁባ ዘንበብካዮን ኣብ ጎደናታት ጁባ ዝገዛእካዮ መጽሓፍቲ ገለ በለና ኢኻ። ክጽበየካ’የ………
No comments:
Post a Comment