Sunday, September 6, 2020

ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ። መክ 7፣ 5


ነቲ ዓጺፉን ደሪቡን ዝባረኸኒ ኣምላኽ ክብሪ ይኹንርሑስ መዓልቲ ልደት ይግበረለይ!

እቲ ብዙሕ ሰብ ከም መዐየሪ ዝጥቀመሉ ከም ገንዘብን ብሉጽ መነባብሮን ኣይህልወኒን ይኸውን። ግን በታ እጹብ-ድንቅ ዘይኮነት ጥዕምቲን ንእሽቶን ዝኾነት ሂወትይ ግን ኣዝየ ሕጉስ`የ።

 ብጸጋ ፈጣሪ ክሳብ ሎሚ ጸኒሐ፣ ደጊመ ደጋጊመ ከኣ አመስግኖ። ዕድመ ጸጋ ኣምላኽ`30ታት ከኣ ምቁር`ዩ። ሓደ መዓልቲ ከምዚ ሎሚ 1987 ተወሊደ። በብመዓልቱ እንዳተማሃርኩን እንዳ ተመኮርኩን ከኣ ክሳብ ሎሚ በጺሐ።

 ካብ ነሓሰ 23 ክሳብ መስከረም 22 ዝተወልዱ ሰባት ብኣጸዋውዓ ስነ-ኮኾብ Astrology ቪርጎ Virgo ተባሂልና ኢና ንጽዋዕ። ከም ባህርያት ግብራውያን፣ መስተብሃልቲን ቅኑዓትን ሰብ ሓገዝቲን ኢና ንበሃል። ዝያዳ ከኣ ናብ ስነ-ጥበብ ዝምባለ ዘሎናን ኣብ ፍትሒ ንኣምን ምዃንና`ዩ ኣስትሮሎጂ ዝገልጸና። እኩብ ሰብ ዘይንፈቱን ሰብ ክንኣምን ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስደልና ይበሃል።

ክሳብ ሕጂ ተማሃራይ ናይ ሂወት ኣለኹ፣ ንሂወተይ ምቅርቲ ንኽትከውን ዝገበሩ ክቡራት ስድራይ፣ ኣሕዋተይ፣ ብፍላይ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ነታ ዘፍቅራ ሰበይተይ ምስጋና ይኹኖም።

 I am so blessed 

I may not have big things according to the world's standard. But I am surrounded by people who really cares for me and love me. And with great value that makes my life worth living.

I am still a work in progress in so many aspects, yet already I am living a wonderful and phenomenal life.

Thank you is not enough but that's all I've got now. So, thank you the Almighty God for being so kind and generous to me. 


Thank you, God, for loving me this much. I could not ask for more.

Happy birthday to me indeed! 

 

 

 



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...