Friday, December 11, 2020

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ደናቁርን ሓሰውቲን ኣወዳት ኣይፈትዋን’የን

ሓደ መዓልቲ ኣዳም ንኣምላኽ ‘ንምንታይ ንሄዋን ኣዝያ ጽብቕቲ ጌርካ ፈጢርካያ ‘’ኢሉ ሓተቶ። ‘’ድንቁርናኣ ሪኢኻ ከይትጸልኣ’’ ኢሉ መለሰሉ። ስለምንታይ’ከ ደንቆሮ ጌርካያ ኢሉ ምስ ሓተቶ ከኣ ኣምላኽ ‘’ነቲ ግናይ ገጽካ ርእያ ከይትሃድም’’ በሎ ይበሃል። ዋዛ ናይ ኣቦታትና’ዩ።

እምበር ስነ-ፍልጠት’ሲ ሓንቲ ጓል ንመሰተኣ ወዲ ብ IQ ኣይ.ኪው (መዐቀኒ ብልሒ) ከምእትበልጾ’ዩ ዝሕብር። እንተኾነ ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ምስ ዘይኮነን ወዲ ክወጻ ንርእየን? እዚኣ ነዓይ ጋን እትኾነኒ ነገር’ያ።

ሓደ ወዲ ባህርያቱ፡ ዕላሉ፡ ኣቀራርባኡ፡ መልክዑ ወላ ሓራካቱ ኬፍ ዘለዎ እንከሎ። ኣብ ሞንጎ መዛንኡ ኣወዳት ጽቡቕ ጠባይ ዘንጸባርቕ ክነሱ፡ ኣብ ዝተኣከብካሉ ኣጋጣሚ ሓንቲ ጓል ምስ ትጽንበረካ፡ እቲ ወዲ ሃንደበት ባህርያቱ ሓርኢ ይቕየር በቃ፡ ዘይንሱ ይኸውን፡ ነዓኻ ብሕክያ ከወጻጽኣካ ይፍትን፡ ይወራዘን ይሕሱን። እዚ ኩሉ ድንቁርናስ ኣበይ ተሓቢኡ ነይሩ’ዩ ዘብለካ። ስለምንታይ እትብል ሕቶ ምስ ትሓትት? ነቶም ኣዋልድ ነውጽእ ኢና ዝብልዎ ኣወዳት ክመሳሰል ስለ ዝደሊን፡ እታ እትሰርሕ ቀመር (formula) እዚኣ ኢሉ ስለ ዝኣምን’ዩ።  

ኣብ ኣስመራ ገለ ሒደት ልሙዳት ብሂላት (Stereotypes) ኣለዋ። ብደቂ ኣንስትዮ ተፈታዊ ክትከውን እንተደሊኻ… ሙድ ናይ ሕክያ ዘለዎ ወዲ ክትከውን ኣሎካ’ እትብል ነጥቢያ ኣብ ቀዳማይ ትመጽእ። ኣብ ዓድና እንተኣስተብሂልና፡ እቶም ሓራካት ዘለዎምን ዕላል ናይ ምምሃዝን ምሕሳውን ልምዲ ዝነበሮም እዮም ጓል ከድዕሱ ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ዕላሎም ከም ወሓዚ’ዩ፡ ኣቀራርባኦም ውን ድራማቲካዊ’ዩ፡ ኣብ ትሕዝቶ ኣእምሮ ግን መብዛሕትኦም ዜሮ እዮም።

ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ኣስመራ ፍልስፍና ናይ ምድዋር፡ ሓንቲ ጓል ምሳኻ ትዘውር ስለ ዘእመንካያ’ዩ ዝብል ዜሮ እኩብ ዝኾነ ብሂል ኣሎ። ጓል ግን ሸኺዓ ዘይኮነት’ሲ ፈትያ ጥራይ’ያ ምስ ወዲ ትወጽእ። ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ትላለያ ኣትሒዛ ድሌታትካ ኩሉ ኣጽኒዓቶ’ላ፡ ንገሊኦም ዘይርዳኦም ግን ደልያ ምስኦም ትኸይድ ከም ዘላ ኣይፈልጡን’ዮም። ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ባህርያት ኣብ ምምዛን ኣዝየን ሓያላት’የን። ብፍላይ ንሓንቲ ጓል ኣስመራ ብኣእምሮ ይበልጻ’የ ሞ ኢልካ ብትዕቢት ከተጥቅዓ ምስ ትፍትን፡ ቅጭን ሕርቕን ብሓንሳብ ስለ ዝመጻ፡ ጸርፊን ውርደትን ኣሰኪማ’ያ ማዕጾ ኣብ ገጽካ ትዓጽዎ።

ጎራዙ ኣስመራ ኣትሒቱ ዝርእየን ወዲን ከሕስረን ዝፍትንን ወዲ ቀዳማይ ጸላኢአን’ዩ። ንከምዚ ኩነታት ዜሮ ናይ ተጻዋርነት  ሕጊ’ዩ ዘለወን። ገለ ኣወዳት ከኣ ነዚኣ ስለ ዘይፈልጡ’ዮም ክጽረፉን ኩለን ኣዋልድ ዝንዕቆኦምን። ኣካይዳ ናይ ኣስመራ ኣዋልድ ንጽርቲ’ያ። ተኽብራ ተኽብረካ! ኣብ ትሕቲ ድላያ ከኣ ዓለምካ ትርእይ። ምናልባት ኣሽኪዐያ ኢልካ ትሓስብ እንተኮንካ ግን፡ ሓወይ ትጋገ ኣሎኻ።

ዕላል ናይ ሓደስቲ ፍቑራት ሕብእ ኢልካ እንተሰሚዕካዩ፡ እቲ ወዲ ክልምንን፡ ከቐባጥራን’ዩ ዝውዕል። እዚ ወዲ’ዚ ግን ምስ ኣዕሩኽቱ ከዕልል እንከሎ፡ …በቃ ዛን ዛን ኢላ፡ ሓሚማትለይ፡ ማራ እንድያ ትቐንእን ካልእን ዝብላ ሓረጋት ክደጋግመን ይውዕል። ስለዚ’ስ መብዛኦትኦም ነገራት ከምቲ ዝመስሉና ኣይኮኑን።

ምሉእ መዓልቲ ውዳሴ ዝጥዕም ዘረባ ምስ ሓሶት ኣቀናቢሮም ክዛረቡ ጸሓይ ዝዓርቦም ኣጉባዝ፡ ኣዋልድ ነውጽእ ኢና ክብሉኻን ዝገበርዎን ዘይገበርዎን መላሊኦም ከዕልሉኻን፡ ካብዚ ንላዕሊ መሰልቸው ነገር የለን። እዚ ኩሉ ገይሮም ከኣ ክሳብ’ታ ወድዮማ ዘለዉ ማስኬራ ትወድቕ’ዩ። እዘን ንፈልጠን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ እንተኾይነን ከኣ’ሞ 20 ደቒቕ ምስ ኣዕለልካ’የን ኩሉ ኩነታትካ ዝርድአን፡ ኣብ ቦታኻ ከኣ ዘጸግዓኻ። ስለዚ’ስ ካብ ከምዚኦም ኣወዳት ግዜኻን ዘይምብካን።

ዓበይቲ ናይ ውረዛ (dating coaches) ኣብ ነብስካ ወፍሪ ምግባርን ኣብ ርእሰ ተኣማንነትካ ምስራሕን እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ኣብ ምስሓብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦ ነገር ምኳኑ’ዮም ዝዛረቡ። ኪኖ’ዚ ውን ርእሰ ተኣማንነት ነብስኻ ምምሳል ኣኽኢሉ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ቀንዲ ሕመረት ሂወት’ዩ። ስለዚ ንነብስና ንምሰል፡ እዞም ብቴሌፎን ክልምኑ ዝውዕሉ ሰሚዕና ኣዋልድ ብከምዚ እየን ዝርከባ ኢልና ሓርኢ ጠባይ ኣይነማዕብል፡ ንነብስና ንምሰል!

ብቁጠባ ርእሱ ዝኸኣለን ነብሱ ቀጻሊ ዘማዕብልን ሰብ’ዩ ብደቂ-ኣንስትዮ ፍቱው። ከምዚ ዓይነት ሰብ ከኣ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ከም እሙንን ጸላዊን ሰብ’ዩ ዝሕሰብ።

ደቂ ኣንስትዮ ደናቁርን ሓሰውቲን ኣይፈትዋን’የን…..

 



2 comments:

  1. “ሞዴሉ ዝወደቀ ጽሑፍ እዩ፣” ክብል ምደለኹ። ምኽንያቱ፥ ነዘን ኣብዚ ግዜ ዝርከባ ብፍላይ ትሕቲ 25ዓመት ዝዉክል ጽሑፍ ስለዘይኮነ። ዲናር፡ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋትካ ነቢበዮም እየ። ከምኡ እዉን፥ መሳጥነት ኣለዎም። እዚኣ ግን፥ ነተን ክሳብ መወዳእታ ሰማንያታት ጥራይ ዚተወልዳ ዚተጻሕፈት ኮይና ተሰሚዓትኒ።

    ምስ ምሉእ ኣኽብሮት!

    ReplyDelete
  2. ስለ'ቲ ተገዲስካ ርእይቶኻ ምጽሓፍካ ካብ ልቢ የመስግን። ግን ንጹር መልሲ መእንቲ ክህበካ፡ ነጥቢታትካን ቅሬታኻን ብቀደም ተኸተል እንተተቐምጠለይ ክንደይ ባህ ብመለኒ።
    - ስለምንታይ ካብ 25 ዓመት .....ኢልካ
    - ኣበየናይ ነጥቢታት ኣይተሰማማዕካን? ስለምንታይ ከ?
    - ኣየናይ ክፋል ናይቲ ጽሑፍ'ከ ጌጋ ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዑካ?
    የቐኔለይ።

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...