Saturday, December 19, 2020

ስም ኤርትራዊ ደራሲ ምስ ብሉጻት ደረስቲ ሽወደን ይለዓል

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም ሃብተማርያም ይበሃል 1984 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ጸጋብርሃን ናብ ድርሰት መጽሓፍቲ ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ነንኣሽቱ ጽሑፋት የበርክት ነይሩ። ብፍሉይ ከኣ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ትፈልጡዶ፧ ንፍሽኽታ! ዝብላ ዓምዲታት የዳሉ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ተማሃራይ ዝነበረ ጸጋብርሃን፡ ድሕሪ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ኣዳላዊ ዓምዲ ሰነ-ጥበብ ክኸውን ውን በቒዑዩ።

ኣብ ኣስመራ፡ ነዚ ደራሲ ኣብ ንያላ ሆቴል ንነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ኢሉ ክጽሕፍ ርኢኹሞ ትኾኑ ኢኹም (ነቶም ብቐረባ ትፈልጥዎ ማለተይ’የ)። ኣብ ዕላሉ ውን ንኣስመራ ብፍላይ ከኣ ሆቴል ኒያላ ብፍሉይ ከምዝናፍቐን ዘዕልል። ኣብ ጉዕዞ ስነ-ጥበብን ድርሰትን ዘገም እንዳበለ ማዕረ ምስ ናይዚ ዓመት ብሉጻት-ሸውዓተ ብሉጻት ደረስቲ ሽወደን ንውድድር ክርቋሕ ዝበቕዐ። ብዙሕ ማሕልኾታትን ብዙሕ ጻዕሪን ዝሓተተ ጉዕዞ ምንባሩ ካብ ዕላል ደራሲ ትረኽቦ።



ኣብ ጽምዉ ዝበለ ቦታ ኰንካ ምጽሓፍ ዘዘውትር ጸጋብርሃን፡ ዝሑል ሙዚቃ እንዳሰምዐ ቢሮን ወረቐትን እናፋቐረ ተሃኑ ዘውጽእ። ዋላ’ኳ ዝኾነ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ይሃሉ ሓንሳብ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ዓለም ምስ ኣተወ ወልሓንቲ ኣቓልቦ ከምዘይገብረሉ ዝዛረብ። በቃ ኣብ ጽሑፉ ዝጠልቕ፡ ዝገይሽ፡ ዝሰጥም

ኣብ 2005 እታ ናብ ሕትመት ዝበቕዐት ፋልመይቲ መጽሓፉኣይወድኻንዘርእስታ ኮይና፡ ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓቖፈት እዛ መጽሓፍ ወላ ጀማሪ ደራሲ እንከሎ እንተጸሓፋ ኣብ ኣንበብቲ ደሓን ዝኾነ ተቐባልነት ከምዝነበራ ይዝከር። ጸጋብርሃን ብወገኑ፡ነዛ መጽሓፍ ከም ቦኽሪ ውሉደይ ዝርእያ!’ ዝብል። ነዛ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ዝቐስቀሶ ክቱር ናይ ምጽሓፍ ድሌትን ስምዒትዩ፡ ታህን ናይ ምጽሓፍ ዘውጸኣላ ስራሕ ምዃና ድማ ዝገልጽ። እዛ ስራሕ ምስ ህዝቢ ዘላለየቶን፡ ሞያኡ ንኸዕቢ ድማ ኣዝያ ሓጋዚት ነይራ፡ ኣምበብቲ ዝሃብዎ ርእይቶታትን መልሰ ዕንጋለን ከኣ ዘለዎ ጉድለታት ጎሊሑ ከምዝተረኣዮን ኣብ ምልከት ናይ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ጠሊቑ ክሰርሕ ዓቢ ድርኺት ከም ዝፈጠረትሉ ይዛረብ።  

ድርሰት መጽሓፍ ከቢድዩ፡ በይንኻ እትዋስኦን ብዙሕ ጻዕሪን ዓቕሊን ዝሓትት ናይ ዓመታት ስራሕይብል ጸጋብርሃን። ኣብ ኤርትራ ደራሲ ምዃን ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ሞያኻ ከተዕቢን ታህንካ ከተውጽእን ጥራይ እምበር ኣታዊታት ክትረኽበሉ ኢልካ ስለ ዘይስራሕዩ።እቲ ራእይ ኣምበብቲ ምፍራይ! ኣምበብቲ ምስ በዝሑ ክንከሓስ ኢና ዝብል ሕልሚ ከኣዩ።’ ልዕሊ ኩሉ ግን መጽሓፍ ምጽሓፍ ማለት ነባሪ ሰነድ ኣብ ሕብረተሰብ ምግባር ማለት ምዃኑ ዝኣምን ደራሲ ጸጋብርሃን። 

ካልኣይቲ መጽሓፍ፡ዛንታ ሄለን እዛ መጽሓፍ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮሰት ኮይና ንክትጸሓፍ 3 ዓመታት ወሲዳ። ድሕሪ 2 ዓመት ድማ ናብ ኣምበብቲ በጺሓ። ስለዚ 5 ዓመታት ወሲዱላ ማለትዩ። እዚ ደራሲ ንደርሰት ክገልጾ እንከሎ፡መጽሓፍ ምስ ኣምበብቲ ብዕሙቕ ዝበለ ትሕዝቶ እትራኸበሉ ድልድልዩ፡ ሰፊሕ መልእኽቲ ናይ ምሕላፍ ዝለዓለ መድረኽ ውን ይህበካ።ኢሉ ይገልጾ። ብኣንጻሩ ኣብ ጋዜጣ ወይ ኣብ መጽሔት እትጽሕፎ ግን ቅርጡውን፡ ብኣሳራርሓ ናይቲ ትካል (መጺሔት/ጋዜጣ) ዝተቐየድካ ኢኻ።ይብል።


ሓደ ገጽ ናይ ሽወደን ጋዜጣ 

ኣብ
ሃገረ ሽወደን ካብ ዝቕመጥ ሒደት ዓመታት ዘቑጸረ ጸጋብርሃን፡ ኣብ ስደት ውን ፍቕሪ ምጽሓፍን ምንባብን ኣይሓደጎን። ክብደት ናብራ ናይ ስደት ከይዓንቀጾ ከኣ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ጽዑቕ ናይ ምጽሓፍን መጽናዕቲን ሓበሬታ ምእካብን ስራሕ ተዋፊሩ። ፍረ-ጻማ ከይተሓለልካ ብራእይ ምስራሕ ከኣ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና እዛ መጽሓፍ ምስ ብሉጻት ደረስቲ ሃገረ ሽወደን ክተወዳድሮ በቒዓ። እንቋዕ ሓጎሰካ ይብል!

ስምካ ምስ ብሉጻት ደረስቲ ሽወደን ኣብ ዓቢ ጋዜጣ ምስ ስእልኻ ንውድድር ብሉጻት መጽሓፍቲ ምውጻእካ እንታይ ይስምዓካ?’ ኢለ ብዝሓተትክዎ።ሓጎሰይ ወሰን የብሉን፡ ሓሲበዮን ሓሊመዮን ውን ኣይፈልጥን ሳላ ሞራል ኣምበብቲን ፈተውተይን ኣብዚ በጺሐ። እዚ ድማ ንዝመጽእ ስራሓተይን ንኩላትና ኤርትራውያን ደረስቲን ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ኢሉ።

ከም ደራሲ ብዙሕ ዓይነት መጽሓፍቲ ምንባብ ግዴታዩ፡ ግን እንታይ ዓይነት መጽሓፍቲ ምንባብ ተዘውትር፡ ካብ ናይ ሃገርና ደረስቲ ንመን ተድንቕ?’ ኢለ ምስ ሓተትክዎ።ኣነ ኣንጠልጣሊ ጽሑፋት ዝፈቱ። ብዝተኻእለኒ መጠን ድማ ንኩሉ ክረኽቦ ዝኽእል መጽሓፍቲ ናይ ትግርኛ ከንብቦ ዝፍትን፡ ኣብ ኩሎም ደረስቲ ሃገርና ድማ ኣድናቖት ኣሎኒ። ብፍላይ ግን፡-

 

           ዶክተር ክብረኣብ ፍረ

           በየነ ሃይለ

           ቢንያም ፍስሓጼን ... እቶም ዝምስጡኒ ጸሓፍቲዮም ይብል።

 

እዚ መንእሰይ ደራሲ ኣብ ዕላሉን ኣቃራርባኡን ኣዝዩ ትሑትን ምቕሉልንዩ። ምስ ኣበርክቶኡን ጻዕሩን ርኢኻ ዘለዎ ትሕትና ኣዝዩ ዘገርምዩ። ኣብ ኩሉ ስርሓቱ ድማ ካብ ዝቐደመ ዝሓሸ ንኸፍሪ ምስ ነብሱ እንዳተወዳደረ ክሳብ ግዜዚኣ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣበርክቶኡ ዝርዝሩ ነዊሕዩ። ኣብ ራይሞክ፡ ፌስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገጣሚታት ብዙሕ ግዜ ዝተሸለምን ዝተሮቕሐን ድማዩ።


ገለ ካብ መጽሓፍቲ ደራሲ ጸጋ-ብርሃን
ገለ ካብኡ፡ 

2011 ታሪኽ ሂወት ስነ-ጥበበኛ ትበርህ ተስፋሁነይ ብነዊሕ ድራማ ናብ ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ኣቢልዋ፡ ጻዕሪ ዝሓተተት ከምኡ ውን ታሪኽ ዓባይ ስነ-ጥበበኛ ሃገርና ዝኾነት ትበርህ ብግቡእን ደቂቕን ስለ ዝቐረቦ፡ እዛ ስራሕ ኣብ ፌስቲቫል ኤርትራ ክትሽለም በቒዓ። 

2012 ገንዘብ ሂወተይ - ሓጻር ዛንታ

2014 ብኸመይ ሃብቲማ - ሓጻር ዛንታ

 

ኣብ 2013 2015 ተመርዓወኒባን ንክልቴና ተመርዖ ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ኣከታቲሉ ኣሕቲሙ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ነይሩ። ኣብ 2016 ድማ ምስ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ከም ዓብደልቃድር ኣሕመድ (ደራሲ ጉዕዞ ገርግስ ኣብ 50 ዓመቱ) ዓቢ ተዋሳኢ ጆን ሜራ፡ ከምኡ ውን ደራሲ ቢንያም ፍስሓጼን (ልቢ ሳሌም) ብምዃንብኸመይ ሃብቲማእትብል ናይ ሓጸርቲ ዛንታት መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ኣብጺሑዩ።

ብተወሳኺ እዚ ደራሲ ኣብ ምጅማር ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣባላት ምንባሩ ይፍለጥ። ናይ ብሓቂ ኣብነታዊ መንእሰይዩ። ብዓወቱ ኩላትና ኤርትራውያን ሕጉሳት ኢና። እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብ ምምዕባል ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ዘለዎ ተራ ልዑል ምዃኑ ድማ ምግንዛብ የድሊ።  ኣብ ቀጻሊ ስራሕካ ዓወት ንምነየልካ። ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ’ዩ ሞ ፈጣሪ ጸጋኡ የዕዚዙ ብርሃን ወለዶና ንኽትከውን ከይተሓለልካ ጉዕዞዝኻ ክትቅጽል ብስም ኣንበብቲ እላበወካ።

ጋዜጠኛ ዲናር ሕሩይ (Don Dinar)

 

No comments:

Post a Comment

መርሃዊ ቁዱስ ኣፍሪቃዊ ኣርኣያ!

ኣብ ዓለም ፕሮፌሽናል ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ብቕዓትን ተጻዋርነትን ናይቲ ንፈትዎ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝመጣጠኑ ስፖርተኛታት ውሑዳት እዮም። ብዓወታቱ ብዙሕ ናእዳታትን ዘትረፈ፡ ብሓቂ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሉጻት ምዃኑ ብ...