ጸጋብርሃን ጎይትኦም ሃብተማርያም ይበሃል ብ1984 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ጸጋብርሃን ናብ ድርሰት መጽሓፍቲ ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ነንኣሽቱ ጽሑፋት የበርክት ነይሩ። ብፍሉይ ከኣ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ትፈልጡ’ዶ፧ ንፍሽኽታ! ዝብላ ዓምዲታት የዳሉ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ተማሃራይ ዝነበረ ጸጋብርሃን፡ ድሕሪ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ኣዳላዊ ዓምዲ ሰነ-ጥበብ ክኸውን ውን በቒዑ’ዩ።
ኣብ ኣስመራ፡ ነዚ ደራሲ ኣብ ንያላ ሆቴል ንነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ኢሉ ክጽሕፍ ርኢኹሞ ትኾኑ ኢኹም (ነቶም ብቐረባ ትፈልጥዎ ማለተይ’የ)። ኣብ ዕላሉ ውን ንኣስመራ ብፍላይ ከኣ ሆቴል ኒያላ ብፍሉይ ከምዝናፍቐን’ዩ ዘዕልል። ኣብ ጉዕዞ ስነ-ጥበብን ድርሰትን ዘገም እንዳበለ’ዩ ማዕረ ምስ ናይዚ ዓመት ብሉጻት-ሸውዓተ ብሉጻት ደረስቲ ሽወደን ንውድድር ክርቋሕ ዝበቕዐ። ብዙሕ ማሕልኾታትን ብዙሕ ጻዕሪን ዝሓተተ ጉዕዞ ምንባሩ ካብ ዕላል ደራሲ ትረኽቦ።
ኣብ ጽምዉ ዝበለ ቦታ ኰንካ ምጽሓፍ ዘዘውትር ጸጋብርሃን፡ ዝሑል ሙዚቃ እንዳሰምዐ’ዩ ቢሮን ወረቐትን እናፋቐረ ተሃኑ ዘውጽእ። ዋላ’ኳ ዝኾነ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ይሃሉ ሓንሳብ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ዓለም ምስ ኣተወ ወልሓንቲ ኣቓልቦ ከምዘይገብረሉ’ዩ ዝዛረብ። በቃ ኣብ ጽሑፉ’ዩ ዝጠልቕ፡ ዝገይሽ፡ ዝሰጥም…
ኣብ 2005 እታ ናብ ሕትመት ዝበቕዐት ፋልመይቲ መጽሓፉ ‘ኣይወድኻን’ዩ’ ዘርእስታ ኮይና፡ ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓቖፈት’ያ። እዛ መጽሓፍ ወላ’ኳ ጀማሪ ደራሲ እንከሎ እንተጸሓፋ ኣብ ኣንበብቲ ደሓን ዝኾነ ተቐባልነት ከምዝነበራ ይዝከር። ጸጋብርሃን ብወገኑ፡ ‘ነዛ መጽሓፍ ከም ቦኽሪ ውሉደይ’የ ዝርእያ!’ዩ ዝብል። ነዛ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ዝቐስቀሶ ክቱር ናይ ምጽሓፍ ድሌትን ስምዒት’ዩ፡ ታህን ናይ ምጽሓፍ ዘውጸኣላ ስራሕ ምዃና’ዩ ድማ ዝገልጽ። እዛ ስራሕ ምስ ህዝቢ ዘላለየቶን፡ ሞያኡ ንኸዕቢ ድማ ኣዝያ ሓጋዚት ነይራ፡ ኣምበብቲ ብዝሃብዎ ርእይቶታትን መልሰ ዕንጋለን ከኣ ዘለዎ ጉድለታት ጎሊሑ ከምዝተረኣዮን ኣብ ምልከት ናይ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ጠሊቑ ክሰርሕ ዓቢ ድርኺት ከም ዝፈጠረትሉ ይዛረብ።
‘ድርሰት መጽሓፍ ከቢድ’ዩ፡ በይንኻ እትዋስኦን ብዙሕ ጻዕሪን ዓቕሊን ዝሓትት ናይ ዓመታት ስራሕ’ዩ’ ይብል ጸጋብርሃን። ኣብ ኤርትራ ደራሲ ምዃን ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ሞያኻ ከተዕቢን ታህንካ ከተውጽእን ጥራይ እምበር ኣታዊታት ክትረኽበሉ ኢልካ ስለ ዘይስራሕ’ዩ። ‘እቲ ራእይ ኣምበብቲ ምፍራይ’ዩ! ኣምበብቲ ምስ በዝሑ ክንከሓስ ኢና ዝብል ሕልሚ ከኣ’ዩ።’ ልዕሊ ኩሉ ግን መጽሓፍ ምጽሓፍ ማለት ነባሪ ሰነድ ኣብ ሕብረተሰብ ምግባር ማለት ምዃኑ’ዩ ዝኣምን ደራሲ ጸጋብርሃን።
ካልኣይቲ መጽሓፍ፡ ‘ዛንታ ሄለን’፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮሰት ኮይና ንክትጸሓፍ 3 ዓመታት ወሲዳ። ድሕሪ 2 ዓመት ድማ ናብ ኣምበብቲ በጺሓ። ስለዚ 5 ዓመታት ወሲዱላ ማለት’ዩ። እዚ ደራሲ ንደርሰት ክገልጾ እንከሎ፡ ‘መጽሓፍ ምስ ኣምበብቲ ብዕሙቕ ዝበለ ትሕዝቶ እትራኸበሉ ድልድል’ዩ፡ ሰፊሕ መልእኽቲ ናይ ምሕላፍ ዝለዓለ መድረኽ ውን ይህበካ።’ ኢሉ ይገልጾ። ብኣንጻሩ ኣብ ጋዜጣ ወይ ኣብ መጽሔት እትጽሕፎ ግን ቅርጡውን፡ ብኣሳራርሓ ናይቲ ትካል (መጺሔት/ጋዜጣ) ዝተቐየድካ ኢኻ።’ ይብል።
ሓደ ገጽ ናይ ሽወደን ጋዜጣ |
ኣብ ሃገረ ሽወደን ካብ ዝቕመጥ ሒደት ዓመታት ዘቑጸረ ጸጋብርሃን፡ ኣብ ስደት ውን ፍቕሪ ምጽሓፍን ምንባብን ኣይሓደጎን። ክብደት ናብራ ናይ ስደት ከይዓንቀጾ ከኣ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ጽዑቕ ናይ ምጽሓፍን መጽናዕቲን ሓበሬታ ምእካብን ስራሕ’ዩ ተዋፊሩ። ፍረ-ጻማ ከይተሓለልካ ብራእይ ምስራሕ ከኣ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና እዛ መጽሓፍ ምስ ብሉጻት ደረስቲ ሃገረ ሽወደን ክተወዳድሮ በቒዓ። እንቋዕ ሓጎሰካ ይብል!
‘ስምካ ምስ ብሉጻት ደረስቲ ሽወደን’ሞ ኣብ ዓቢ ጋዜጣ ምስ ስእልኻ ንውድድር ብሉጻት መጽሓፍቲ ምውጻእካ እንታይ ይስምዓካ?’ ኢለ ብዝሓተትክዎ። ‘ሓጎሰይ ወሰን የብሉን፡ ሓሲበዮን ሓሊመዮን ውን ኣይፈልጥን’የ ሳላ ሞራል ኣምበብቲን ፈተውተይን’የ ኣብዚ በጺሐ። እዚ ድማ ንዝመጽእ ስራሓተይን ንኩላትና ኤርትራውያን ደረስቲን ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት’ዩ ኢሉ።’
ከም ደራሲ ብዙሕ ዓይነት መጽሓፍቲ ምንባብ ግዴታ’ዩ፡ ግን እንታይ ዓይነት መጽሓፍቲ ምንባብ ተዘውትር፡ ካብ ናይ ሃገርና ደረስቲ’ኸ ንመን ተድንቕ?’ ኢለ ምስ ሓተትክዎ። ‘ኣነ’ኳ ኣንጠልጣሊ ጽሑፋት’የ ዝፈቱ። ብዝተኻእለኒ መጠን ድማ ንኩሉ ክረኽቦ ዝኽእል መጽሓፍቲ ናይ ትግርኛ ከንብቦ’የ ዝፍትን፡ ኣብ ኩሎም ደረስቲ ሃገርና ድማ ኣድናቖት ኣሎኒ። ብፍላይ ግን፡-
• ዶክተር ክብረኣብ ፍረ
• በየነ ሃይለ
• ቢንያም ፍስሓጼን ... እቶም ዝምስጡኒ ጸሓፍቲ’ዮም ይብል።
እዚ መንእሰይ ደራሲ ኣብ ዕላሉን ኣቃራርባኡን ኣዝዩ ትሑትን ምቕሉልን’ዩ። ምስ ኣበርክቶኡን ጻዕሩን ርኢኻ ዘለዎ ትሕትና ኣዝዩ ዘገርም’ዩ። ኣብ ኩሉ ስርሓቱ ድማ ካብ ዝቐደመ ዝሓሸ ንኸፍሪ ምስ ነብሱ እንዳተወዳደረ’ዩ ክሳብ’ዛ ግዜ’ዚኣ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣበርክቶኡ ዝርዝሩ ነዊሕ’ዩ። ኣብ ራይሞክ፡ ፌስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገጣሚታት ብዙሕ ግዜ ዝተሸለምን ዝተሮቕሐን ድማ’ዩ።
ገለ ካብ መጽሓፍቲ ደራሲ ጸጋ-ብርሃን |
2011 ታሪኽ ሂወት ስነ-ጥበበኛ ትበርህ ተስፋሁነይ ብነዊሕ ድራማ ናብ ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ኣቢልዋ፡ ጻዕሪ ዝሓተተት ከምኡ ውን ታሪኽ’ታ ዓባይ ስነ-ጥበበኛ ሃገርና ዝኾነት ትበርህ ብግቡእን ደቂቕን ስለ ዝቐረቦ፡ እዛ ስራሕ ኣብ ፌስቲቫል ኤርትራ ክትሽለም በቒዓ።
2012 ገንዘብ’ዩ ሂወተይ - ሓጻር ዛንታ
2014 ብኸመይ ሃብቲማ - ሓጻር ዛንታ
ኣብ 2013
ን 2015 ተመርዓወኒ’ባን ንክልቴና’ባ ተመርዖ ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ኣከታቲሉ ኣሕቲሙ ናብ ህዝቢ ኣቢሉ ነይሩ። ኣብ 2016 ድማ ምስ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ከም ዓብደልቃድር ኣሕመድ (ደራሲ ጉዕዞ ገርግስ ኣብ 50 ዓመቱ) ፡ ዓቢ ተዋሳኢ ጆን ሜራ፡ ከምኡ ውን ደራሲ ቢንያም ፍስሓጼን (ልቢ ሳሌም) ብምዃን ‘ብኸመይ ሃብቲማ’ እትብል ናይ ሓጸርቲ ዛንታት መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ኣብጺሑ’ዩ።
ብተወሳኺ እዚ ደራሲ ኣብ ምጅማር ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣባላት ምንባሩ ይፍለጥ። ናይ ብሓቂ ኣብነታዊ መንእሰይ’ዩ። ብዓወቱ ኩላትና ኤርትራውያን ሕጉሳት ኢና። እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብ ምምዕባል ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ዘለዎ ተራ ልዑል ምዃኑ ድማ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ቀጻሊ ስራሕካ ዓወት ንምነየልካ። ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ’ዩ ሞ ፈጣሪ ጸጋኡ የዕዚዙ ብርሃን ወለዶና ንኽትከውን
ከይተሓለልካ ጉዕዞዝኻ ክትቅጽል ብስም ኣንበብቲ እላበወካ።
ጋዜጠኛ ዲናር ሕሩይ (Don Dinar)
No comments:
Post a Comment