Sunday, April 10, 2022

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝልላፍ ስለምንታይ?

ገለ ሒደት ሰባት ኣብ ቅድሚ ዉልቀ ሰብ ዘይበሃል ነገራት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ክድርጉሕዎ ንርእይ ኣሎና። እዚኦም ሰባት ብቋንቋ እንግሊዘኛ "Self-righteous ignorant idiot." ወይ "Dummy." ወይ "Absolute human garbage." ተባሂሎም ይጽውዑ።

ብተፈጥሮ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ተወዳደርቲ እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ወላ’ኳ ይቀናንኣ እንተኾና ንነብሰን ናብ ውድድርን ምዝልላፍን ከይኣትዋ ካብ ደቂ-ተብዕትዮ ንላዕሊ ይገትኣኣ እየን። ተመራመርቲ ስነ-ቑጠባን ፖለቲካን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፣ ተወዳደርቲ ሰባት ዝሓሸ ውጽኢት ኣብ ትምህርቲን ስራሕን ከምዘምጽኡ ይንገር። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ እንተ ርኢና ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ 76ሚእታዊት ናይ ደሞዝን ዕብየትን ፍልልይ ይረአ። እዚ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ተወዳደርቲ ስለ ዝኾኑ’ዩ።

ስለዚ ጥዕና ዘለዎ ውድድር ክሳብ ዝኾነ ጽቡቕ`ዩ ማለት`ዩ። እንተኾነ ኣብዚ ግዜ ኣብ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ናይ ላይክን ቪወርስን ውድድር ኣብ ቲክ-ቶክ፣ ፈይስቡክ፣ ኢንስታግራምን ዩቱብን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ምዝልላፍን ምብኻስን ዝኸደ ነገር ግን ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ውድድር ንዕብየት እንተኾነ`ዩ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል እምበር፣ እንድሕር ደኣ ኣብ ዘይጠቅም ነገር እንተኾይኑ ንዕንወትን መጥፍኢ ግዜን እዩ። ሂወት ማለት ከኣ ኣብዛ ፕላኔት ንነብረላ ግዜ ማለት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ሒደት ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ጸርፊን ምድህሃልን ክነጥፉ ይርኣዩ እዮም። መበገሲ እዚ ነገር’ኳ ውድድር እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ግን ቅንኢ ዝተዓዂለለ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ሒደት ምምልላስ ናይ ኮመንት ናብ ጸርፊ ይኸይድ። ምዝላፍፍ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝቐለለ ዝገብሮ ምኽንያት እቲ ሰብ ብኣካል ምሳኻ ስለ ዘየለ ከምድላይካ ጌርካ ክትዝልፎ ኣዝዩ ዝቐለለ ስለ ዝኾነ’ዩ። (ብኣካል’ስ እባ ጉስጢ ምውሳድ ኣሎ) ከም ተወሳኺ መመኽኔታ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ሓጸርቲ ግብረ-መልሲ ክትጽሕፍ ስለ ዘሎካ፣ ኣብተን ሓጸርቲ ጽሑፋት ከኣ ኣጥቂዕካ ክትውድእ ምድላይ ስለ ዝሕወሶ’ዩ ሕማቕ መልሲ ዝኸውን።

ስለዚ ንነብስኻ ኣብዚ ሓሸውያ ከይትረኽባ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ብቀደም ተኸተል ኣተግብረን፣

1-   እቲ ሰብ እንታይ ክብለካ ደልዩ ተረደኣዮ

2-   እቲ ኮመንት ደጋጊምካ ኣምብቦ

3-   ዘይጠቅም መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጠብ

4-   ትሕትና ዘለዎ ኮመንት ጥራይ መልስ

5-   ዘይጠቕሙ ሰባት ብሎክ ግበሮም
ብሩኽ ሰምበት…. ጠጥዑሙ።

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...