Sunday, November 13, 2022

ኣብ ዓለም ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የልቦን!

ብህቡብ ተዋሳኢ ፊልምታት ሆሊዉድ ቶም ሃንክስ እትዕየይ The Terminal እትብል ፊልም ተከታቲልኩማ ትኾኑ ኢኹም። እዛ ፊልም ሓቀኛ ታሪክ ሂወት መህራን ካሪሚ ናሰሪ ዝበሃል ኢራናዊ ተሞርኲሳ ዝተሰርሐት`ያ። ንሱ ኣብ ኤርፖርት ፓሪስ ቻርል-ድ-ጎል CDG ካብ 1998-2006 ን18 ዓመት ተቐሚጡ።  መህራን ካሪሚ ብ1945 ኣብ ሶለይመን እትበሃል ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ከተማ ኢራን ተወሊዱ። ብ1974 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመሃር መጺኡ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ ኢራን ኣንጻር እቲ መንግስቲ ናዕቢ ስለ ዝገበረ ከኣ ካብታ ሃገር ክወጽእ ተገዲዱ። ወረቐት መንበሪ ኣብ ፈረንሳ ተኸሊኡ፣ ናብ ዓዱ ከይምለስ ውን ኢራን ንስኻ እንግሊዛዊ ኢኻ ኢላ ዜግነቱ ኣሕዲጋቶ። ስለዚ ዜጋ ናይ ዝኾነት ሃገር ኣይኮነን ማለት`ዩ።

 

ን18 ዓመታት ኣብ ኤርፖርት ፓሪስ  ኣብ ቀይሕ ሴድያ እንዳ ደቀሰ፣ ኣብ ናይ ሰራሕተናታት ዓይኒ ምድሪ ነብሱ እንዳ ተሓጽበ፣ መጺሔታት እንዳ ኣምበበ፣ ዝገሹ ሰባት ንዓነዊሕ ሰዓታት እንዳ ተዓዘበን ኣሕሊፍዎ። ሰራሕተናታት ኤርፖርት ንመህራን ‘Lord Alfred’ ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም።

 

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ፈረንሳ ፍቓድ መንበሪ ሂባቶ። ቤልጁም ውን ናይ ስደተኛ ወረቐት ሂባቶ ነይራ`ያ። ንሱ ግን ኣነ እንግሊዛዊ`የ ከመይ ኢልኩም ኢራናዊ ትብሉኒ ብምባል ወረቐቶም ኣይተቐበሎን።

 

ካብዚ ኤርፖርት ወጺኡ ንቁሩብ ዓመታት ድሕሪ ምቕማጡ ጸኒሑ ውን ተመሊሱ ኣብ ተርሚናል 2-ኤፍ መንበሪ ገዛ ከም ዝወሃቦ ተገብረ። ትማሊ ቀዳም 12 ሕዳር ኣብ ኤርፖርት እንከሎ ብወቕዒ ልቢ ምስ ተጠቕዐ ፖሊስ ክረድእዎ ተጓዮም ወላ`ኳ እንተመጹ፣ ከይጸንሐ ብኡ ንብኡ ኣብ መበል 77ዓመቱ ናብ ዓዲ ኩላትና ከይዱ።

 

እዛ The Terminal ዝተባህለት ፊልም ኣዝያ ግኑን ስም ዘለዎ`ያ። ናይ 219.4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊታት ኔርዋ፣ ዓቢ ናይ ሆሊዉድ ፊልም ዳይረክተር Spielberg ንበህራን ናሲሪ 210 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈሎ ይሕበር። እዚ ድማ ንታሪኽ ሂወቱ ኣብታ ፊልም ንክስራሕ ናይ ፍቓድ ውዕል`ዩ።

ዘገርም ታሪኽ....

 

 


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...