Saturday, May 4, 2024


ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ 'ኣውደኣመት' ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ጀመረት፡ ምእመናን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተኣኪቦም ጸሎት ናብ ስቁል የሱስ የዕርግ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኣኸለ፡ ንዝኽርን ምሕዳስ ድሕነቶምን ኣብያተ ክርስቲያናት ብናይ ሓጐስ መንፈስ፡ ሃሌሉያ (ክብሪ ንኣምላኽ) እናበሉ ምስ ድምጺ ደወል ቤተ-ክርስትያንን ብርሃን ኣብ ኣኣዳዎም ሒዞምን፡ 'ክርስቶስ ተንሲኡ ካብ ምውታን፡ ብዓብይ ሓይልን ስልጣንን፡ ኣሲሩ ንሰይጣን ኣድሒኑ ንኣዳም፡ ንውትሩ ኣስፊኑ ፍስሃን ሰላምን' (ብግእዝ እዩ ዝብሃል፡ ትርጉም ምዃኑ ኣይንዘንግዕ) ብምባል፡ ስለ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ጸሎትን ቅዳሴን ይገብራ። ካብ ቅዳሴ ዝተመልሱ ኣመንቲ ነቲ 55 መዓልታት ብትግሃት ካብ ጥልላትን ካልእን ጸይሞም ብጸሎት ተጊሆም ዘሕለፍዎ ግዜያት ምስ ክርስቶስ ብምትንሳእ መኽፈቲ ኣፉ ግዓት ክበልዑ ይርኣዩ።  

ንንግህኡ ሰንበት ገና ከይረፈደ ምእመናን እንደገና ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይሳለሙ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ምሳሌ መስዋእቲ ክርስቶስን ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወትን ዝኾነ ቅዱስ መስቀል ይሳለሙ። መስቀል ሓያል መግለጺ እምነትን መዘኻኸሪ ናይቲ ፋሲካ ዘምጽኦ ተስፋን እዩ።

ርሑስ ኣውደኣመት

ስቡሕ ኣዝመራን ምእታው ክረምትን ይግበረልና! 

እግዚኣብሄር ንሃገርና ይባርኽ!

No comments:

Post a Comment

Happy Bastille day! Vive la France!

  For a decade, France has been my cherished abode, a land that has captivated my heart with its unparalleled charm. The vibrant tapestry of...