Tuesday, January 28, 2025

ሓወይ፣ ቅድሚ ፍቕሪ ወ ሓዳር፣ ምምስራትካ ጁባኻ ክትመልእ ኣሎካ ኣይመስለኩምን 😜!


እቲ ምኽንያቱ ኣካላውን መንፈሳዊን ከምኡ'ውን ቁጠባዊ ሓይልኻ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ። ኩለን ኣዋልድ ገንዘብ ይፈትዋ እየን፡ ሒደት ጥራይ እየን ምስ ካልኣየይ ኮይነ ሰሪሐ ክህብም ዝኽእል ኢለን ዝኣምና።


ሰብኣይ ኮንካ ምንጪ ኣታዊኻ ግቡእ ጌርካ ተኸናኸን ምኽንያቱ ኩሉ እዩ ክምንጥለካ ዝደሊ።
ድኽነት ብማዕጾ ክትኣቱ እንከላ፡ ባእሲ ኣብ ሓዳር ድማ ብፍኒስትራ ትዘልል። ምኽንያቱ ናይ ላዕሊ ባኒ’ዶ ወላ ገለ ኢልካ ትትንትኖ ዝነበርካ ፍቕሪ ኣዝዩ ዝተሓለለኸን ጉዳይ ቑጠባ እንተ-ተወሲኽዎ ከኣ ዝበኣሰ ይኸውን።

እንታይ ደኣ ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ይዛረብ ኣሎ ትብሉ እንተሃሊኹም፡ ብዘይ ገንዘብ ዝኸውን ነገር ኣብዛ ዓለም እንታይ ኣሎ ? ወላ ብሉጽ ትምህርቲ ክትመሃር ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ። ወላ ተማሂርካ ዝረብሕ ዶሞዝ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

ጁባኻ ባዶ ኮይኑ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ፣ እዚ ሕጂ ዝብለካ ዘለኹ ሓቂ ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ምስ ድኽነት ሓዳር ዝመርሑ ሰብኡት ኮፍ ኢልካ ኣዕልል፡ ማዕረ ክንደይ መሪር ምዃኑን ብዘይ ገንዘብ ክብረት ከምዘየሎን ክነግሩኻ እዮም።

ስለዚ ኣብ ባህሊና ዘላ ኣረኣእያ ገንዘብ፡ ማለት ሃብቲ ከምዚ ንውሑዳት ሰባት ጥራይ እዩ ዝምልከቶም ዝብል ኣራእያ ኣልግሶ፡ እዚ ማለት ከኣ ጸዓር ከም ዘስምዕ ኣይትጠራጠር።

No comments:

Post a Comment

The Misrepresentation of Cushitic History: Unpacking Ethiopian Historians' Controversial Claims

The historical narrative surrounding the Cushitic peoples and their relationship to Abyssinia (Ethiopia) is complex and contested. Some sour...