Sunday, March 30, 2025

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?


ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ባህርያት ሰባትን ሕብረተሰባትን ስስዐ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፣ ሕያውነት ብዘይ ምስትውዓል ንገለ ሰባት ዕሽነት እዩ። ምኽንያቱ ሰባት ክምዝምዙኻ ስለ ዝኽእሉ።

 ኣስተብህል ጽቡቕ ጌርካ፣ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ድሌትን ምትላልን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ። ገለ ሰባት ድንጋጸን ጸጋታትን ንምርካብ ረዳኢ ዘይብሎም ኣምሲሎም ክቐርቡ ይፍትኑ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእትው ! ስለዚ..

1. ባህሪ ሰብ ተዓዘብ ቐጻሊ ጽግዕተኛታት ድዮም ወይስ ብሓቂ ንምምሕያሽ ይጽዕሩ?

2. ድርኺት ምግምጋም፣ ሕቶኦም ፍሉይን ዕላማ ዝገበረን ድዩ፡ ወይስ ዘይንጹር እዩ?

3. ኣይፋል ምባል ጸገም የብሉን፣ ንናይ ምትላል ሕቶታት ኣይፋል ምባል ጸገም የብሉን።

4. ንልብኻ ስምዓያ፣ ሓደ ነገር ልብኻ ዘይመልእ ኮይኑ እንተ እንተተሰሚዑካ ጥንቃቐ ጌጋ ግበር።

5. ኣብ ምርጫኻ ተጠንቀቕ፣ ጽግዕተኛነት ካብ ምዕባይ፣ ሰባት ንነብሶም ክሕግዙ ኣብ ምሕያል ምጽዓር።

ሓቀኛ ግብሪ ሕያውነት ብሓበሬታን መጽናዕቲን ኮነ ኢልካ ዝግበር እዩ። ልግስኻ ነቶም ብሓቂ ዝግብኦም ከም ዝድግፍ ምርግጋጽ ስራሕካ ይከውን። እንተዘይኮይኑ፣ ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከይ ኮነካ።

 

 

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...