Friday, June 18, 2021

20 ሰነ፣ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

 

መስዋእቲ ማለት ብዕላማ ሂወት ምኽፋል ማለት’ዩ።  ከም ፍጡር ወዲ ኣዳም ክትከፍሎ እትኽእል ዝዓየ ነገር ከኣ ሂወት እዩ፣ ምኽንያቱ ልዕሊ ሂወት ወልሓንቲ ስለ ዘየሎ። ኣብ ሃገርና ታሪኽ መስዋእቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተሰጋገረ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኸደ ኮይኑ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ንናጽነትናን ሉኣላውነት ሃገርና ዝተኸፍለ ዋጋ ኣዝዩ ልዑል‘ዩ።

20 ሰነ ኤርትራ ነቶም ንእስነቶም ከይበቐቑ ንህላዌሃገሮምን ህላዌናን ዝሓለፉ ደቃ ትዝክር። 

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብሪን ንሰማእታትና!!


Eternal Glory to the Eritrean heroes who sacrificed their only life and through their unflinching conviction they made possible the rebirth of Eritrea. They didn’t vanish in vain!

On June 20 Eritrea remembers her hero sons and heroine daughters ..



Saturday, June 12, 2021

ኣወዳት `ናይ ፍቕሪ ከተማ’ ፓሪስ ስለምንታይ እዮም ብደቂ-ኣንስትዮ ተባሃግቲ

ከተማ ፓሪስ ብ The City of Love ‘ያ እትፍለጥ። እዚ ኣበሃህላ ንፈለማ ግዜ ይገርመኒ`ኳ እንተነበረ ንዓመታት ኣብዛ ከተማ ብዝተቐመጥኩን ብመገሻ ብዙሓት ሃገራት ምስ ረኣኹ`ዩ ክርደኣኒ ክኢሉ። ከምኡ’ውን እቲ ቋንቋ እንዳ መለኽክዎ ብዝኸድኩ እቲ ዝጥቀሙሉ ሮማንቲክ (ፍቕራዊ) ዝበሃል መግለጺታት ናይ ብሓቂ ደስ ዝብል ኮይኑ ረኺበዮ። ዝኾነ ፈረንሳዊ ንሰበይቱ ወይ ዓርኩ ብስማ ክጽውዓ ሰሚዐ ኣይፈልጥን`የ። ma chérie, ma puce, ma belle, mon amour, mon cœur, mon bébé, chérie.. ወዘተ.. ዝብላ ቅጽላት`ዮም ብተደጋጋሚ ዘዘውትሩ። እዘን ቅጽላት ብቋንቋ ትግርኛ ክትርጎማ እንከለዋ ከኣ ክብርተይ፣ ጅብዕተይ፣ ፣ድራረይ፣ጎነይ፣ከም ልበይ ወዘተ`ዩ ዘስምዕ።

ኤውሮጳውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፈረንሳውያን ብመልክዕን ሓራካትን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እየን ዝሰርዓኦም። ብፍላይ ላህጃኦምን ኣወጻጽኣ ቃላቶምን ኣዝዩ ከምዝማርኸን`የን ዝዛረባ። ኢጣልያውያን ወላ`ኳ ኣብ መልክዕ ፍረ-ገጽ ንፈረንሳውያን ዝበልጽዎም ይኹኑ ብቁመትን ኣሰራርዓ ኣካላትን ስለ ዝቕደሙ ግን እቲ ዓብላልነት ኣብ ፈረንሳውያን`ዩ። ኣመሪካውያን`ኳ እቶም ናይ ሆሊዉድ ተዋሳእቲ ገዲፍካ ገዘፍቲን ኣብ ኣከዳድና ዘይግደሱን`ዮም።

ፈረንሳውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ፓሪሳውያን ኣብ ‘ስታይልን ፋሽንን’ ዘለዎም ርድኢት ኣዝዩ ልዑል`ዩ። ምናልባት ንፓሪሳውያን ብኣከዳድና ክወዳደርዎም ዝኽእሉ ኢጣልያውያን`ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ እምበር ካልእ ወላ ሓደ ክወዳደሮም ዝኽእል የሎን። እንተኾነ ቁጠባ ናይ ፈረንሳውያን ኣዝዩ ዝተመሓየሸ ስለ ዝኾነ ድላዮም ዓይነት ክዳውንቲ ክገዝኡ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም።

ገለ ፈረንሳውያን ኣዕሩኽ ብዝተላለኹ ኣነባብራን ድሌታትን ኣጉባዝ ፓሪሳውያን ብዓሙቊ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ንሶም ዝኾነ ዝገዝእዎ ክዳውንቲ ሓደ ምስ ሓደ ዝወሃሃድ ገይሮም እዮም ዝገዝኡ። እዚ ክበሃል እንከሎ ዘለዎም ኣርማድዮ ኩሉ ብሕብርን ስታይልን ዝወሃሃድ ክዳውንቲ ገይሮም`ዮም ዝመልእዎ።

ሓደ ወዲ ፓሪስ ግዜ ኣብ ዝረኸበሉ ኣብ ኢንተርነት ክዳውንቲ ምርኣይን ምምራጽን የዘውትር። ብፍላይ Vintage collection/ብቅዲ ፍልይ ዝበለን ደረጃኡ ዝሓለወ ክዳውንቲ ሃሰው ምባል ደስ`ዩ ዝብሎም። ሓደ ኤርትራዊ ሓድሽ ናይ ቻይና ክዳን ክመርጽ እንከሎ ሓደ ወዲ ፓሪስ ግን ብተመሳሳሊ ዋጋ ሓደ ናይ ፈረንሳ ወይ ኢጣልያ ካልኣይ-ኢድ brand/ማርክ ክዳን ምግዛእ ይመርጽ።

ናይ ፈረንሳውያን ልዕሊ ኩሉ ዘድንቖ ባህርያት ግን minimalist ማለት ውሑድን ደረጃኡ ዝሓለወ ክዳውንትን ንብረትን ስለ ዝመርጹ`ዩ። ብኣንጻሩ ግን መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ብፍላይ ወዲ ከተማ (ኣስመራ) ኣርማድዮኡ ዘይለብሶን ዝረስዖን ክዳውንቲ`ዩ  ዝመልእ።

ክዳን ክንዲ ዝጸበቐ ይጸብቕ ስሩዕ ኣቃውማ እንተ-ዘይሃልዩካ ወላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ነዚ ብትኽክል ዝርድኡ ፈረንሳውያን ድማ ንግሆ ተንሲኦም ካብ 5-10ኪ.ሜ ጉያ፡ ድሒሮም ድማ ናይ ከብዲ ስፖርት የዘውትሩ። ስለዚ ድማ`ዩ ኣብ ፓሪስ ዳርጋ ከብዳም ጻዕዳ መንእሰይ ዘይትርእይ።

ካልእ ደስ ዝብለኒ ባህርያት ናይ ፓሪሳውያን ኣወዳት ኣሎ። ንሱ ድማ ሓንቲ ጓል ምስ እትስሕቦም ብዙሕ ከይተሰከፉ እዮም ዝዛረብዋ። እቲ መልሲ ናይታ ጓል ኣሉታ ምስ ዝኸውን ድማ ብትሕትና፣ ጸገም የሎን ንመጻኢ ጽቡቕ ዕድል ይምነየልኪ ኢሎም’ዮም ዝፋነውዋ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ብተደጋጋሚ ዘጋጠመኒ ነገር ግን ሓንቲ ጓል ንሕቶ`ቲ ወዲ ምስ ዘይትቕበሎ ንኽትጽረፍ ዘሎ ተክእሎኣ ኣዝዩ ልዑል`ዩ። ካብ ርእሲ ኤርትራውያን ክጠፍእ ዘለዎ ቫይረስ ኮይኑ ድማ ይስመዓኒ።

ፓሪሳውያን ክብርሆም እንከሎ ሽጋራኦም ኣብ ቴራስ እንዳ ሰሓቡ በቲ ሓደ ኢዶም ድማ ኤስፕሬሶ (ቡን) ሒዞም ከዕልሉ እንከለዉ ብዛዕባ ንፓሳጆ/vacation ዝኸድዎ ቦታታትን ዝተፈላለየ መግቢታት ዓዶምን እዮም ዘዕልሉ። ብዛዕባ ባህሊ ዓዶም ዘለዎም ፍቕሪን ዓሙቊ ኣፍልጦን ወትሩ ምስ ኣድነቕክዎም`የ። ኤርትራውያን ኣወዳት ከም ባህሊ ከነታኣታትዎ ዘሎና ነገር ኮይኑ ድማ ይስመዓኒ፡ (እንታይ ኣወዳት ጥራይ እተን ኣዋልድናስ ነዚ ባህሊ ተሰዓብክንኦ እንታይ ምበለ ፧ ግዳ ናብቶም ኣወዳት’ዩ ዘሎ ዕላልና) ። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ሰብ ከሐውሰካ ዝኽእል ናይ ዕላል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ኣብ ሕብረተሰቡ ክብሪ ዘለዎ ሰብ ኩሉ ግዜ ብደቂ-ኣንስትዮ ተመራጺ`ዩ።

እዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ባህርያት ግን ነቶም ኣብ ፈረንሳ ተወሊዶም ዝዓበዩ እምበር እቶም ካብ ካልኦት ሃገራትን ምብራቕ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝመጹ ብዙሕ ኣይምልከቶምን`ዩ። ነዚ ኣርእስቲ መምረጺየይ ምኽንያት ኤርትራውያን መንእሰያት ብዙሕ ዝጎድለና ናይ ኣቀራርባን ኣለባብሳን ሜላ ስለ ዘሎ`የ ካብ ትዕዝብተይ ወስ ክብል መሪጸ።

እንታይ ደኣ ዘዝበለጸ እናወሰድና፡ ንዘሎና ጽቡቕ እናዓቀብናንን ናብ ካልኦት እናኣባጻሕናን፡ ወትሩ ኣብ ዕብየት ወርትግ ኣብ ለውጢ ክንህሉ ካብ ምብሃግ ዝተላዕለ’ዩ። ኣይተስተዋሕድዎ !

ተወሳኺ ርእይቶ እንተሃልዩኩም እንዳ ተሓጎስኩ ክቕበሎ`የ። ምናልባት ከልዕሎ ዘሎኒ ኣርእስቲ እንተሃልዩ ወይ ነይሩ’ውን ብርእይቶኹም ከተዘኻኽሩኒ ይላበወኩም።


ኣብ ልብና የሕድሮ…  ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት Bon week-end ድዮም ዝብሉ ፈረንሳውያን።

Monday, May 31, 2021

« Blue Monday » : ‘ሰማያዊት-ሰኑይ’ እታ ዝበዝሐ ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ

 

እዛ «Blue Monday »  እትብል ሓረግ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ሜድያታት ህብብቲ ካብ እትኸውን ልዕሊ 15 ዓመታት ገይራ`ላ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰሙን ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ንእትርከብ መዓልቲ ሰኑይ ከኣ`ያ እትውክል። ሎሚ ዓመት እዛ መዓልቲ 18 ጥሪ`ያ ነይራ። ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ ተባሂላ ከም እትፍለጥ ድማ ይንገረላ። ስለምንታይ`ዶ ኢልኩም?

Blue Monday ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝረዓመ ኮይኑ ካብ ‘Feeling Blue’ ዝብል ሓረግ ዝረዓመ`ዩ። እንግሊዛውያን Feeling Blue ማለት ጭንቀት ወይ ጸቕጢ ክስመዓካ እንከሎ ንምግላጽ ዝጥቀሙላ ኣበሃህላ`ያ።

እዛ ልዑል ጭንቀት ዝረኣየላ መዓልቲ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ‘’ሰማያዊት-ሰኑይ``  ካብ ክኢላታት ስነ-ልቦና/ሳይኮሎጂስት ዝተኣከበ ዳታታትን ሓበሬታን`ዩ ነዚ ስም ክትሕዝ ኣብቒዑዋ። ኣብዛ መዓልቲ ጭንቀት ዝረኣየሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ሰብ ካብ ሓድሽ ዓመት ክገብሮ ዝሓለነ ውጥናት ካብዛ መዓልቲ ኣትሒዙ በብሓደ ኣብ ግብሪ ከምዘየውዓሎ ስለ ዝፍለጦ`ዩ። ዓመት መጸ ሰባት ዝተፈላለዩ መደባት ይሕንጽጹ። ንኣብነት ገለ ሰብ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ፣ ገለ መስተ ደው ከብል፣ እኒ ገለ ድማ ሚዛን ክጎድሉ እዮም መደብ ዝሕንጽጹ። እተን ቀዳሞት ሰሙናት ናይ ሓጎስ ቅነ ስለ ዝኾና ንመብዛሕትኦም ሰባት ብዙሕ ኣይፍለጣኦምን`የን። ምክንያቱ ውዕዉዕ ናይ በዓል ሙድ ዘለወን መዓልታት`የን። ሰባት ይበልዑ ይሰትዩ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ይራኸቡን ደስ ዘብል ግዜ ናይ መገሻ የሕልፉ።


ኣብ ምጅማር ሳልሳይቲ ሰሙን ምስ ምሕላፍ ልደትን ሓድሽ ዓምትን ናብ ክውንነት ይምለሱ`ሞ፣ መብዛሕትኡ ዝሓንጸጽዎ መደባቶም በብሓደ ፋሕ ከምዝበለ ክፈልጡን ከስተንትኑን ስለ ዝጅምሩ`ያ እዛ መዓልቲ ከቢድ ጭንቀት ዝረኣየላ።

ነዚ ዘጽንዑ ክኢላታት ነዛ መዓልቲ ናብ ረብሓኦም ንምልዋጥ ኣብዛ መዓልቲ ብዛዕባ ጭንቀትካ ከይትሓስብ መእንቲ ደስ ዝብለካ ንብረት ንነብስኻ ግዝኣላ ዘስምዕ ጎስጓስ ነዛ መዓልቲ ናብ ዓባይ ናይ ንብረት ዝዕደገላ መዓልቲ ቀይሮማ ይርከቡ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ 9 ካብ 10 ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ሕማቕ ምስ ዝስምዖም ናብ ክዳውንቲን ኤሌትሮኒክስን ምግዛእ ከምዝጓየዩ ይሕብር። እዚ ዓይነት ሸመተ ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ምዕቡል ዘመን፣ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ጭንቀት ምስ ዝኣትዉ ከም መደዓዓሲ  ኢሎም ብኣልማማ ሸመተ ክገብሩ ይረኣዩ። ብኣንጻሩ ግን ከምዚ ዓይነት ሸመተ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ`ዮም ዝብሉ ኪኢላታት፣ ምኽንያቱ ዘይጠቕመካ ንብረት ምግዛእ ንጽባሒቱ ኣብ ተወሳኺ ጭንቀት ስለ ዝሸመካ። እንተኾነ ኪኢላታት ስነ-ልቦና ካብ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ክትድሕን ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግዛእካ እንተ-ወሓደ 48 ሰዓታት ከትሓስበሉ ከምዘሎካ`ዮም ዝመኽሩ።

ካብ ጋዜጣ Le Monde ዝተራዕመ ጽሑፍ።

Thursday, April 1, 2021

‘ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነቱ ሕጉስ ኣይኮነን፣’ ‘ኲናት ባህላዊ ጸወታና፣’ Toxic positivity !!

 ብዙሕ ነገረናን ርእየትናን ብ Motivational speech ብደረኽቲ ዝኾኑ መደረታትን ጽሑፋትን መኣዝን ከነትሕዞ ንኽእል ንኸውን ኢና። ንህይወትና ዝሕሻን ዝበልጻን እናበልና ድማ ንዓና ኮይና ንፈተውትና ዝኸውን ሃነጽቲ ሓሳባት ንረኽበሉ ንኽእል። እዚ ብኻልእ ኩርናዕ ክቕየር ዝኽእልን ኣብ ካልእ ባይታን ኩነታትን ሓድሽ ርእየት ክንሕዝ የኽእለና ይኸውን እዩ። ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ግን ብመደረ፡ ብስብከት፡ ብጽሑፍ፡ ብቪድዮ ኣይኮነን ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ፡ ምስ ደመ-ነፍስና እዩ ተተሓሒዙ። እዚ ድማ ምረት መግዛእቲ ካብ ወለድና እናሰማዕና፡ ፍረ ናጽነት ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣካሎምን ግዜኦምን ዝኸፈልዎ ዋጋ ስለ ዝረኣና ጥራይ፡ ተሰበኽቲ ዘይኮናስ መስከርቲ ይገብረና እሞ ዝያዳ ዝብጽሓና፡ ሕልፊ ኩሉ መዓልታት መዓልቲ ናጽነት ከነኽብር ይገብረና።

ናጽነት ኤርትራ ታሪኽ ጅግንነት ኣቦታትና`ዩ፣  ህዝቢ ኤርትራ ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነቱን ልኣላውነቱ ብሓበን` ዘኽብራ። ናጽነት ኤርትራ ብስራሕን መሪር ቃንሲን ስለ ዝመጸ’ዩ። ምናልባት ኣብዚ ግዜ እዚ `ዲጂታል ወያነ` ዓሰርተታት ናይ ሓሶት ኣድራሻታት ወይ  `ፌክ ኣካውንት` ኣውጺኦም ኤርትራውነት ዝበሃል ነገር የለን`ዶ፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይነበረትን ኣይክትህሉን እውን እያ ዶ፡ ገለ እንተበሉ ተጋጊኹም ከይትኾኑ። እምበር` ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጽያ ሃገር ምንባራ ትፈልጡ ኢኹም ፧

Toxic positivity፣  ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ሓደ ኣምባሳደር ‘ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ምሉእ፡ ሕጉስ ኣይኮነን፣ መዓልቲ ናጽነቱ ኣየብዕልን`ዩ’ ክብል ኣብ መግዓዊ መግለጺ ምስማዕ ከስደምምን ዘርምምን`ዩ። እዚ ስነ-ሓሳብ ካብ ተራ ዘረባ ሓሊፉ ናብ ብሓቂ ዝተኣምነ ስነ-ሓሳብ ተቐይሩ ምርኣይ ከኣ ካልኣይ ዘይብሉ ክቱር ዕሽነቱ ዝተቐልዐ ድንቁርና`ዩ። ብመንጽር እዚ እውን ኣቐዲምና ከም ዝሰማዕናዮ ወያነን ደገፍቶምን ኲናት ከምዚ ናይ ቪድዮ-ገይም ገይሮም ክሓስብዎ ጀሚሮም ጥራይ ዘይኮነ፣ `ኲናት ባህላዊ ጸወታና`ዩ` ክብሉ ሰሚዕና። ካብ ኲናት እንትርፎ ሕሰምን መከራን እንታይ ዝርከብ ስለ ዘሎ`ዩ ፧ እሞ`ኸ እቲ ጸላኢኻ ስቕ ኢሉ ይርኣየካ ወይ ሓዊ እንዳ ደርበኻሉ ማይ ይኽዕወልካ ማለት ድዩ ፧ ናይ ባህላዊ ጸወተኦም ስብራ ከመይ ነበረ ሓደ መዓልቲ የውጉዑና ይኾኑ።

ግዳ…

ኣብዚ ግዜ ኣብ ብዙሓት ኣህዛብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎረቤትና ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ Toxic positivity ዝበሃል ቫይረስ መጺኡ`ሎ። እዚ ድማ ካብ እምብዛ ናይ ስነ-ልቦና መተባብዒ ሜድያታትን መደርቲን ምክትታል ዝመጽእ ናይ ዘይምምዝዛን ጸገም`ዩ። ኩስቶ ዝበሃል ቢልዮኔር ኮይኑ፣ ንስኻ ድማ `ዝሓሰብካያ ክትገብር ትኽእል ኢኻ` ትበሃል ሓረግ ብዘይ ውረድ ደይብ ኣብ ርእሲ ትስመር`ሞ ብሕልሚ ጥራይ ዓወት ምጭባጥ ዝዓይነቱ ካብ ክውንነት ዝወጸ ሕልማዊ ዓለም ይጅመር። ስሕበት መሬት ስርሑ ከም ዘይርስዕ እናረሳዕካ ኣብ ሰማየ ሰማይ ተንሳፍፍ እሞ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብዛ መሬትካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንድቲ ዝበረኽካዮ ክትወድቕ ከለኻ ከኣ ብናህሪ ስለዝኸውን ሕቆኻ ሕቆ ኣባ-ጎብየ ኮይኑ ጭድድድ ኢልካ ብህይወት ኣይትተርፍን እንተተረፍካ ከኣ ንምርኣዩ ዘይበሃግ ኮንካ ጠጠው ትኸውን።

እንተ ንሕና ግን ክንኮኖ ዘለና…



ሃገር ልዕሊ ኩሉ ነገር፣  ሃገርን ህዝብን መጀመርታ ይመጽእ። ድሕሪኡ ፖለቲካዊ ርድኢት ይስዕብ። ከም ኩሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእስና ፖለቲካዊ ርድኢት ክህልወና ይኽኣል፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሰማምዕን ዘየሰማምዕን ነገራት ክህልወና እውን`ዩ። ኩሉ ግን ወግዒ ኣለዎ፣ ኣብ ኤርትራ ገዛ ስለ ዘይሰራሕካ ወይ ከምድላይካ ኣቲኻ ስለ ዘይወጻእካን ብሸርፊ ተሓጊዝካ ልዕሊ ሰብካ ስለ ዘይተረኣኻ፡ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ከተነኣእስ ነቶም ምእንታኻን ምእንቲ ህዝቦምን ኩሉ ተሪፉ እኳ ግዜኦ ጥራይ ወላ ዝኸፈሉ ከተነኣእስ ኣይግባእን። ንመን ትጠቕመሉ ነገር ኣሎካ ኮይኑ`ዩ ናይ ዞባ ትግራይ ሒዝካ መንነት`ዶ ግዛዕ ትብል ? ኣማስይኡ ንስኻ ዘይኮንካ ታሪኽካ እዩ ዝነብር እኮ ! መጻሕፍቲ ታሪኽ እንዶ ገንጽል ሓላይን በዳልን ህዝቡ እንተለዉ ወዲ መኖም ክትከውን ምተፈተወካ ፧

ስለዝስ… ከምቲ ዝሓለፈ  

ጸላእቲ ኤርትራ በብሓደ ክድምሱ`ዮም፣ ዓቃልን መስተብሃሊን ህዝቢ እትውንን ኤርትራ ካብ ሃይለ ስላሴ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምድምሳስ ጸላእትና ተሞኲራ ኣላ። እዚ ገዚፍ ተሞኩሮ`ዚ ከም ህዝቢ ክንሓብር ዘገድደና`ዩ። ኣብ ሃገርና ኤኮኖሚያዊ-ፖለቲካዊ-ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ ክግበር ናይ ሓባር ዘይሕለል ጻዕሪ ከድሊ`ዩ። ጎድኑ ጎድኑ ድማ ህላወ ሃገርና ምስ ህላዌ ወትሩ እናተተኻኽአ ዝነብር ሕዝቢ፡ ሓያል ውህደቱን ብውህደቱ ዘቆሞ ሓያል-መንግስትን ጥራይ`ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ስለዚ ኩላትና ንለውጢ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ወጺእና ብእወታዊ ድሌት ንስራሕ።

ኤርትራዊ ዲጂታላዊ ሕብረት፣ ልኣላውነትን ናይ ምግሃስ ፈተነታትን ብሜድያ ኮነ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝተፈላለዩ መዳያት ክቕጽል ምዃኑ ርዱእ`ዩ። ስለዚ ኩላትና ከም ኤርትራውያን ዘሎና ፍልልያት ንድሕሪት ገዲፍና ነዞም ዘየሎ ስእሊ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፈጥሩ ሓኾት ዝብሉ ሰብ ቀይሕ ባንዴራ ሃሱሳን ብዙሕ ገጽ ከየርኣና ሓደ ኣድማዒ ዝኾነ ዲጂታላዊ ሕብረት ክህልወና ከምዘለዎ ክንስሕቶ የብልናን።

ንዘይምጥባር….

ሓድሕዳዊ ምክብባር፣  ምክብባር ክበሃል እንከሎ ድላይካ ኢልካ ይቕሬታ ምሕታት ኣይኮነን። ከምኡ እንተኾይኑ፣ ባንዴራ ኦሮሞ ሒዝና ፊንፊና ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ኦሮሞ ኢና ንኣምን ክንብል ክንቅኒ`ሞ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ተናወጸት ይቕሬታ ንብል። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ሸፈጥ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዝወስድ ኣይኮነን። ስለዚ ሰብ መደመር ንኽእል ኢና ኢልኩም ቆፎ ንህቢ ምስ ትትንክፉ ግን…..



ከምቲ ናፖልዮን ቦናፓርተ፡ ብቕልጽሙ ንዘምጽኦ ስልጣን ባርኾት ናይ ካልኦት ከይተጸበየ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ፡ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፡ ብቕልጽሙ ዘምጽኦን እግዚኣብሔር እውን ዝባረኸሉን ዘውዲ እዩ ዘለዎ እሞ……።

‘ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ' ዘውዲ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ: እግዛኣብሄር ከኣ ባሪኽሉ'' ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ !’ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣቦ ኤርትራ።

ዘልዓለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!

 

 

 

Thursday, March 11, 2021

ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ዘንጸባርቕዎ፡ ተደላይ ናይ ምምሳል ክቱር ድሌት (neediness)

     

         ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ እቲ ዝኸፍአ ከጽልኣ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ሓሶት`ዩ። ከም ዘስተብሃልክዎ እንተ ኮይኑ ንሓሳዊ ወዲ ቀልጢፈን ብምልላይ ዘየዳግም ናይ ዕድል ዘይምሃብ ውሳኔ እየን ዝወስዳ። ምስ ሓንቲ ጓል ትጻወትን ትሓባብላን ጽቡቕ ኔርካ፣ ተስፋታትካ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ ሃንደበት እታ ጓል ካባኻ ክትርሕቕ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ`ዶ ፧ እወ ንኹላትና ! እቲ ምኽንያት እቲ ኣባኻ ዝነበራ ስሕበት ሰለ ዝጠፍእ`ዩ። ቁሩብ መዓልታት ብስክፍታ እንተ-ተዓረየ ኢላ ክትረኽበካ ትፍትን`ሞ…. እንተኾነ ንሳ’ውን እቲ ትደልዮ ስምዒታት ክትፈጥረላ ስለ ዘይከኣልካ`ያ ካባኻ ትርሕቕ ዘላ። ትፈልጡ`ዶ ከም ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ገይሩ `እንተኾነለይ`ዶ’ ኢለን ብዙሕ ዕድል ዝህባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘየለዋ…. ደቂ-ኣንስትዮ ናባኻ ክቐርባ እንከለዋ `ከምቲ ዝደልዮ ወዲ ይግበረለይ` ኢለን እየን ዝምነያ።

      ኩሉ ሓሶት፡ `ኣዋልድ ባዕለን እየን ዝመጻኒ፣ እንተኾነ ኣነ ብዙሕ ኣይግደስን እየ።` ዘጽመመትኒ ናይ ኣወዳት ዘረባ`ያ። እዚ ከምዚ ዝብል ወዲ፡ ናቱ ሄሊኮፕተር እተዕልብ ንእሽቶ መርከብ ኣላቶ ክትከውን ኣለዋ እምበር እዩ ዘብል። እንተኾነ ግን ቅንይ ኢልካ ምስ ትርእዮ ቢራኡ ሒዙ ወላ ቀዳመ-ሰንበት ኣብታ ጽምዋ ገዝኡ ተለቪዥን ወይ NETFLIX ክርእይ የምሲ (ገለ ከኣ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝርእዩ ኣይሰኣኑን)። ኣብታ ብዙሓት እንዳ-ደወላ ይርብሻኒ ዝብላ ሞባይሉ ከኣ 10 ግዜ መን ኦንላይን ኣላ መን የላን ተመላሊሱ ይርእይ። ግን ስለምንታይ እዮም ኣወዳት ኣብ ኩሉ ዕላላቶም ብኣዋልድ ተደልይቲ ኮይኖም ክቐርቡ ዝመርጹ ፧ ኣዝያ እትገርመኒ ነገር`ያ : እቲ ዘስደምመኒ ነገር ግን ወላ ንጎራዙ ከምኡ ይብልወን ምኳኖም`ዩ። እዚ ከኣ ክቱር ተደላዪ ናይ ምዃን ባህጊ`ዩ። ባህጊን ክውንነትን ግን ገፊሕ ፍልልይ ዘለዎ ነገር`ዩ።

ሓደ ወዲ ይጠቅም`ዩ ዝበሎ ቃላትን ኣካላዊ ምርድዳእን ሸምዲዱ መጺኡ ንሓንቲ ጓል ዘይንሱ ኮይኑ ይቐርባ`ሞ፣ ጓል ብኩለንትናኡ ተደኒቓ ኣብ ሓጺር ግዜ ልዑል ኣቓልቦ ትህቦ። ምስ መሓዙታ ተላልዮ`ሞ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ከሰልክያ ይጅምር እቲ ደስ ዝብላ ዝነበረ ባህርያቱ ገለ ዘይምሉእነትን ኣንፈት ምስሉይነትን ትርእየሉ ትጅምር። ቴክስት-ሜሴጅ ደንጉያ ክትምልሰሉ ትጅምር፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ኣሕዲራን ኣቐንያን ትምልሰሉ። ተሰኪፋ ንዘቕርበላ ዕድመ ናይ ቆጸራ ትርከብ`ሞ ኣመኻንያ ቀልጢፋ ከም እትኸይድ ትገብር። ድሕሪ ግዜ እቲ ወዲ ነብሰ-ምትሓት ክገብር ስለ ዝጅምር፡ ክልምና ይጅምር`ሞ ንሳ እውን ቅጭ ይመጻ። እቲ ርክብ ድማ ብሕማቕ ይዛዘም። ሓውና ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጽልኣት የሕድር። `ክላ እዚአን ኣይሓስባን እየን፣ ርእሲ የብለንን።’ ዝብላ ጋኔናት ሓሳባት ርእሱ ይመልኦ። እዚኣ እታ ኩሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝዕዘባ ፊልም ሂወት ኣጉባዝ ደቂ-ተብዕትዮ`ያ። ገለ ነብስኹም ረኺብኩማ`ዶ ?

ብሂል ደቂ-ኣስመራ /ደቂ ከተማ/፡ ንሓንቲ ጓል ትሽር-ሽራ/ተርግጻ/ ዛን-ዛን ተብላ ዝብላ ቃላት ብብዝሒ ክደጋገማ ክሳብ ዒቕ ዝብለኒ ሰሚዐ`የ። ምውራዝ ወይ ጓል ምትሕብባል ምስ ባህሊ ምትእስሳር ዘለዎን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ`ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣብ ፓሪስ ካብ ዝቕመጥ ሒደት ዓመታት ገይረ ኣለኹ፣ ምትሕብባል ዓለምለኻዊ ነገር ምዃኑ ከኣ ከረጋግጽ ክኢለ። ካብ ዝኾነ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ትምጻእ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ነብሳ ከተሕስር ኣይትደሊን`ያ። ጸዓዱ ኣብ ቀረባ`የን፣ ዓረብ ገንዘብ ጥራይ እየን ዝደልያ፣ ጸለምቲ ጥይት ኣብ ዓንቀር ወዘተ… ዝብሉ ወረታት መበገሲኦም ካበይ`ዩ ኣይፈልጥን ግን ፍጹም ጌጋ`ዮም። ጓል ሄዋን ጻዕዳ ትኹን ጸላም ንነብሱ ዘይመስል ወዲ ቀልጢፋ`ያ ትሃድመሉ። ኣብ ምስሉይነት ምንባር መን ይፈትዎ ፧

ተደላይ ናይ ምዃን ህርፋን (neediness) እቲ ንኹሉ ነገር ዝቐትል ባህርያት`ዩ። ከም ወዲ ግዝያዊት ዓርኪ ክትደሊ፡ ጾታዊ ርክብ ክትብህግ፣ ብታህዋኽ መጻምዲ ንምርካብ ክትምነ ተፈጥሮኣዊ ነገር`ዩ። እንተኾነ ግን ግዙእ ናይዘን ነገራት ምስ እትኸውን ወይ ክትቆጻጸረን ዘይትኽእል ምስ ትኸውን ቀተልቲኻ ክኾና ይኽእላ`የን። እዚ ማለት ነብሰ ግትኣት ዘይብልካ ወዲ ምስ ትኸውን ካብ እንስሳ ዝፈልየካ ነገር የለን። ምስ እንስሳ ክትነብር እትደሊ ጓል`ውን የላን። ስለዚ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክትቅየር ካብ ሎሚ ተጋደል።

ንስኻ እተውጽአን ዓይነት ኣዋልድ፡ ንስኻ ከመይ ዓይነት ወዲ ምዃንካ ብቐሊሉ ይገልጸካ። ንኣብነት ሓንቲ ኣብ ሽግር ዘላ ጓል መዝሚዝካ ክትጥቀመላ ምስ ትሓስብ፡ ንስኻ ሓደ ድኹም መዝማዚ ኢኻ ማለት`ዩ። ሓንቲ ብኹሉ መለክዒታት ጽብቕቲ ወይ ምህርቲ እትበሃል ጓል እተውጽእ ምስ ትኸውን ከኣ ርእሰ-ተኣመንነት ዘሎካ ምዃንካ ይገልጽ። ስለዚ ኣብ ሂወትካ ዝተጸጋዕካየን ደቂ-ኣንስትዮ ዘክር`ሞ፣ መን ምዃንካ ክርደኣካ`ዩ። እታ ጓል ክትጥቀመላ ተጸጊዕካያ ከም ዘለኻ እንተፈሊጣ ከኣ ንሳ‘ውን ካባኻ ክትርሕቕ`ያ። ስለዚ ቅንዕ ኢልካ ምኻድ ኣገዳሲ`ዩ።


ምምሳልን ምዃንን ፍልልዮም 180 ዲግሪ እዩ፡ ክራኸቡ ድማ ጥራሽ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ዘይንሱ መሲሉ ናይ ፍቕሪ መስርሕ ዝጀመረ ፈላጢና፡ ኣብ ዕላሉ ድሕሪ መርዓ ክልተ ሰራሕተኛታት ገዛ እየ ዝገብረልኪ እናበለ ሃነይ-ነይ ዘበላ ጎርዞ፡ ድሕሪ መርዓ ግን ንሳ እያ ናይ ስድርኡ ሰራሕተኛ ጌርዋ። ኪዳኖም ብምንታይ ተዛዚሙ ግምት እንተ ኣለካ ጽቡቕ ገመትካ። ሰሪ ዘይንሱ ምምሳል ድማ ሓጎስ ዝመልኦ ህይወት ከይነብር ተዓጊቱ፡ ‘እዚአን’ ኣብ ምባል ይነብር ኣሎ።

ናይ ዝርርብ ፎርሙላታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ክግበር ዘለዎ ነገራት ዝሕብሩኻ መጋገይቲ መዛኑ ይህልዉ ይኾነ`ዮም። ቴክስት ምስ ትሰደልካ ቀልጢፍካ ኣይትመልሰላ፣ ቴሌፎን ኩሉ ግዜ ኣይትደውለላ፣ ብዙሕ ኣይትዛረብን ካልእን ዝብል ነገራት ይምዕዱ ፧ እንተኾነ ግን ንሳ እንተዘይ ደዊላ`ኸ ፧  እንተዘይ ተገደሰትልካ ኸ ፧ ኣብ ሞንጎ ሓሳባ እንተቐየረት ከ ? መልሲ የለን። ስለዚ ንነብስኻ ምሰል ! ንነብስኻ ክትመስል ከኣ ሓሶት ኣቋርጽ፣ ምቕሉል ኩን።  ጓል ኖእ ኣይደሌካን`የ ምስ ትብለካ ኣዝዩ ኖርማል /ተራ/ ነገር`ዩ። ምኽንያቱ ንሳ ካልእ ዓይነት ሰብ`ያ ትደሊ ማለት`ዩ እምበር ንስኻ ጎሓፍ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ እወታዊ መልሲ ተጸቢኻ ትፍትን ኣሉታዊ ከምዘሎ ከኣ ፍለጥ። ኖእ ትጸልእ እንተኾንካ ከኣ ዓሪፍካ ተቐመጥ። ሓደ መምህርሲ ተመሃርኡ ባዶ ካብ ዓሰርተ ከምጽኡ እንከለዉ `ፍልጠት ዝበሃል የብልኩምን ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ትፈልጥዎስ ኣብ ፈተና ኣይመጸን ማለት እዩ` እናበለ ተስፋ ተመሃርኡ ዝሕሉ ነበረ። ስለዚ ኣይደልየካን ዝብል መልሲ ክመጽእ እንከሎ፡ እትደልየካ ኣብ ካልእ ጎደና ከም ዘላ ምዝካር’ዩ እንበር ነቲ ትደልዮ ሰብ ተዘይመሰልኩ ኢልካ ኣብ ሓሳት ካብ ምንባር ተቆጠብ።

ካብ ሎሚ ጀሚርካ ምሉእ ሰብ ክትከውን ጸዓርን ንነብስኻ ምሰልን። ምሉእ ሰብ ከኣ ምልእቲ ጓል ይረክብ ወይ ብሉጽ ዕድል ይኽፈተሉ። ስለዚ ኣብ መንገዲ እንዳሓለፍካ ወላ ኣይመልሱልካ ንሰብ ሰላም ምባል ፣ ንዘይትፈልጦ ሰብ ፍሽኽ ኢልካ ምዝራብ፣ ቅንዕ ኢልካ ብጽቡቕ ኣቃውማ ምስጓም። እቲ ምስጢር ዓወት ሂወት፡ ንጓል ኢልካ ዘይኮነ ንነብስኻ ኢልካ ግበሮ። ከምዚ ቆልዑ እንከሎና ስድራና ከነሐጉስ ብልጫ ክንወስድ ንጽዕሮ ዝነበርና ከይመስል። ወይ ውን ናይ ዲግሪ መዓርግ ስእልና ኣብ ሳሎን ክንሰቅል ኢልና ንመሃር ከይመስል።

ነቶም ሓሳባት ምኹምሳዕ ደስ ዝብሎም መተዓብይቲ ትኹነለይ። ካብ ዕላላት ቤት ቁርሲ ሸኻ-ስምልተ ኣስመራ ..

 

Wednesday, February 17, 2021

ኣእምሮ ጎሓፍ ምስ ዝመልእ ፡ መልሓስ ግዕዘይ ትዛረብ


ጎሓፍ ዝኾነ ፍልጠት ዝመልአ ኣእምሮ ጽባቐ ዘለዎ ስራሕ ክሰርሕን ጽባቐ ዘለዎ ልኡም ዘረባ ክዛረብ ማለት ዘበት’ዩ። ብሓጺር ኣዘራርባ ጎሓፍ ዝመልአ ኣእምሮ ጎሓፍ ስራሕ ይሰርሕ ማለት’ዩ። እዚ ስነ-ሓሳብ Garbage in, Garbage out (GIGO) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ህቡብ ኣየርላንዳዊ ደራሲ Oscar Wilde : ‘ንስኻ እቲ እተንብቦ ኢኻ’ እዩ ዝብል ነይሩ። You are what you read.

ኣካላዊ ኣቃውማኻን ሚዛን ኣካላትካን ምስ ኣመጋግባኻ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ሕማቕ ኣመጋግባ


ዘለዎ ሰብ ዝተባላሸወ ቅርጺን ኣብ ኣካላቱ ዘየድሊ ስብሒ ይገብር። መኣዛታት መግቢ ዝጎደሎ ኣመጋግባ ዘዘውትር ሰብ ድማ ንሕማማት ክቃላዕ ግድን ይኸውን። ነዚ ብሰፊሑ እትገልጽ ኣብ 1826 ፈረንሳዊ ጸሓፊ Anthelme Brillat-Savarin ‘እንታይ ከምትበልዕ ንገረኒ፡ መን ምዃንካ ክነግረካ እየ’ እትብል መጽሓፍ ጽሒፉ ነይሩ። ኣእምሮና’ውን ብወገኑ ግቡእ ሓበሬታን ፍልጠትን ክምገብን ክረክብን እንተ ዘይክኢሉ ልክዕ ከም ኣካላትና ይበላሾ ማለት’ዩ። ንሱ ዘፍርዮ ዘበለ ሓሳብ ድማ ሕማቕን ነዋሪን ይኸውን። ብልሙድ ብሂል ኣቦታትና ‘ዝለመጸ እምሮ’ ይኸውን ማለት’ዩ።

ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ጎሓፍ ባህርያት ወይ ዘሕፍር፡ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓፋሽ ዝዛረቡ እትብል ሕቶ ብዙሕ ግዜ’ያ ትመላለሰኒ ነይራ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግን መልሲ ረኺበላ። እቲ ሽግር ድማ ኣእምሮ ጎሓፍ ምስ መልአ’ዩ ጎሓፍ ዘረባ ዝፍነው ዘሎ። ሓጻር’ያ በቃ ብዙሕ ኮለል እተብል ነገር ኣይኮነትን።  

ነዘን ዝስዕባ ነጥቢታት ንተዓዘብ :-

ü  ስብሒ ዘለዎ መግቢ ምስ ተብዝሕ ከሳዕ ሰብ ትኸውን

ü  ድቃስ ምስ ተውሕድ ድኻም ይስመዓካ

ü  ምስ ኣመንዝራታት ትውዕል እንተኾንካ ኩለን ደቀ-ንስትዮ ኣመንዝራታት ኮይነን ይስመዓኻ

ü  ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትውዕል እንተኾንካ ዘድሊን ዘየድሊን ክትኣኻኽብ ትውዕል

ü  ቅዱስ መጽሓፍ ተንብብ ሰብ ምስትኸውን ህዱእን መስተብሃሊን ትኸውን

ü  ስፖርት ምስ እተዘውትር ጥዕናን ሓይሊን ይስመዓካ

ü   መጽሓፍቲ ምንባብ ምስ እተዘውትር ናይ ለውጢ ሰብ ትኸውን።

ብሓፈሻ ናብ ኣእምሮኻ ተእትዎ ዘበለ ኩሉ ነገር ኣብ ኣተሓሳስባኻ ጽልዋ ኣለዎ። ብተወሳኺ ከባቢኻ እቲ ዝዓበየ ጸላዊ ባእታ ከምዝኾነ ኣሚንካ ኣካባቢኻ ነዓኻ ዝሃንጽን ዝጠቅምን ክኸውን ከምዘለዎ ዘክር። እትርእዮም ፊልምታት፣ እተንብቦም መጽሓፍቲ፣ እትስዕቦም ጸለውቲ ሰባት፣ እትከታተሎም ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰባት፡ ኩሉ ኣብ ኣእምሮኻ ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ኣብ ኣእምሮዊ ጥዕናኻ ጽልዋ ኣለዎ።

ብፋላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ እትስዕቦም ሰባት ካብ ግዜኻ ምብኻን ሓሊፎም ዝገብሩልካ ነገር ዘየለ ከይከውን ኣስተብህል። እዚ ማለት ክንደይ ሰዓት ኣብ ማሕበሪዊ መራኸቢታት ተጥፍእ ኣብ ግምት ኣእትዎ`ሞ? ሂወት ከኣ ግዜ ምዃና ዘክር። ስለዚ ሓንቲ መጽሓፍ ኣንቢቦም ዘይፈልጡ ሰባት ብግዜኻ ይላገጹ ከይህልዉ ደጊምካ ሕሰብ። ስለዚ UNFOLLOW እትብል ወርቃዊት መልጎም ብዙሕ ግዜ ክትጥቀመላ ከድልየካ`ዩ። ስድነት ዝመልአ ኣንደበቶም፡ ዕሽነት እናዘርኡ ዝነብሩ፡ ኣብ ጣውላ ምስ ካልኣይካ ክትዛረቦ ዘሰክፍ ኣበሃህላታት ኣብ ሓፋሽ እናተዛረቡ ክብረት ወለዶምን ሕብረተ-ሰቦምን ዘነውሩ፡ ሕልፊ ኩሉ ግን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ሓሳብ ሒዞም ንሰዓታት ዓጀው ዝብሉ፡ ንምዝንጋዕ እውን ትስዕቦም እንተኾንካ ንኣእምሮኻ ምብልሻው ንዓኣቶም ድማ ምግጋይ ከስዕበሎም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሕብረቶም ኢድካ ኣይትሓውስ UNFOLLOW ብምባል ምርጫኻ ኣርእዮም።


ኣብ ገጻት ፈይስቡክ፣ ቲክ-ቶክ፣ ኢንስታግራምን ዩቱብን ዘድልዩኻን ዘማዕብሉኻን ሰባት ጥራይ ሰዓቦም ወላ ኣዕሩኽትኻን ቀረብቲኻን ይኹኑ፡ ተባህለ እናበሉ ከህተፍትፉ ዝውዕሉ እንተኾይኖም ለከምትኻ ምዃኖም ኣይትረስዕ። እቲ ናትካ ቀንዲ ገጽ News-Feed ኣድላይ ዝኾነ ነገራት ጥራይ ግበሮ። እተዘይኮይኑ ዘገድሰካን ዘየገድሰካን ክትፈሊ ኣሸጋሪ ክኸውን’ዩ። ጎሓፍ እንተ ኣኪብኣ ከኣ ናብ ጎዱፍ ክትጸሪ ኣአንፊትካ ከምዘሎኻ ዘክር።

ስለዚ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ካብዛ እዛ ጽሕፍቲ ኣንቢብካ ምውዳእካ ኤዲት ምግባር ከድልየካ`ዩ። እቲ ብሉጽ ነገር ድማ ኣብ 15 ደቓይቕ ልዕሊ 50 ሰባት unfollow ክትብል ትኽእል ምዃኑዩ። ቅዱስ መጽሓፍኢሳይያስ 32፡8 ‘ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ’ ይብል። ካብ ደናቁርን ክፉእ ዝልቦምን እንታይ ክትማሃር ኢልካ ኢኻ`ሞ ክትሰምዖም። ንሶም ዝብልዋ ዘለዉ እውን ዓቕሞምን ሰኣን ፍልጠቶምን’ያ፡ ንስኻ ትስዕቦም ዘለኻ ኸ ሰኣን ምንታይ ትበሃል ፧

በሉ`ስ ከ ኣብ ልብና የሕድሮ…

 

 


Tuesday, February 16, 2021

ኣብ ፍቕሪ ርዒመ


ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ነፍሲ-ወከፍ ናይ' ዘመን በጽሒ ጎበዝ ዘይገለጸን ዘይነበበን፣ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ነቢብካን ጸዊኻን ጥራይ ድዩ'  ዝጎልሕን ዝፍለጥን ዝርዳእን፧ ኣይመስለንን ኢዩ መልሰይ። ካብታ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸልኩላ ናይ ክሊ ዉዑይ ዕድመይ ኣትሒዘ ብዛዕባ ፍቕሪ ከስተማቕር ሃቂነን ሃሰው ኢለን ኢየ።

ኣብ ጀርመን ዝተወስደ ስእሊ

እንተኾነ ግን፥ ንነዊሕ ዓመታት፣ ነዛ ሂወት ንበይነይ ክገጥማን ከሰንፋን ጸኒሐ`የ።  እምበኣርከስ ፍቕሪ ዝብልዎ ካብ ቖላሕታን ናይ መጀመርታ መስታን ኣዒንትን ኢዩ ዝጅምር ክብል`የ ገልጾ።

ካብ ነይሩኒ" ኣሎኒ። ኢዩ ነገሩ። ምክንያቱ፥ ነዚ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ንእስነት ጉዕዞ ሂወተይ ብብሕታውነት ዝቐዘንኩዎን ዝጸመኹዎን፣ ብናይ ቛሕ ሰም መስታ ከም በርቀ ነጎዳ ብትንትን ኣቢላ፣ ብዘይ ፍቓደይ ኣብ ዉሽጠይ ክትቅመጥ ዝኸኣለት፣ እታ ንኩሉ ህዋሳተይ እተለዓዕል፣ ብዓይነይ ስለዝረኣኹዋ ምስክርነተይ ብቑዕ ይገብሮ። ኣብ ፍቕሪ ዘይተጸምደ በጽሒ፣ ካብ ምንባር ተኣልዩ፣ ንዝነብሩ የናብር ከይህሉ ምስ ዉሽጡ ምምይያጥ ዘድልዮ ኮይኑ`ዩ ምዓኒ።

ኣብዚ ሕጂ ኮይነ፣ ነቲ ነታ ናይ ልበይ ንምድላይ ኣብ ኮለል ዘሕለፍኩዎ ዓመታት ክዝክሮ እንከለኹ፣ ኮምፓስ ዘይብላ መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተንሳፍፍ ከምዝነበረት ጌረ ይገልጾ። ኣብቲ ግዜያት' "ቖፎ" ልበይ ከፊታ ከም መዓር በርቢራ፣ ንዉሽጠይ እትስዕርን እትማርኽን  ሄዋን ዘይምርካበይ የሕዝነን የጉህየን። 

ምስ ብዙሓት ሄዋናት እኸይድ። ኣብ ልዕሊኤን ግን ዝኾነ ስሚዒት ኣይፈጥረለይን። ንሰን ስለ'ዝተማረኻለይ ኣነ ክማረኸለን ግድነት ክኾኖ ኣሎኒ ዝብል እምነት የብለይን።  ፍቕሪ ድፋዓቱ ኣዳልዩ፣ ኣብ ናይ ዕርዲ ቦታ ተቓጽዩ፣ ንዝደረቐ ልበይ ብኲናቱ ከይወገኦ ንብዓት ፍቕርን ደም ልብን ኣይክዛርይን ኢሉ ሓንጊዱ ዝነበረ" እንሆ ሎሚ ከም ማይ

ተክሉ ተስፋገርግስ ኣብ ጀርመን
ነሃሰ፣ መትሓዚ ተሳኢንዎ ክዛሪ ይርከብ። እምበኣረከስ ፍቕሪ ከም ዝተቶኮሰት ዓረር ኢዩ ዝወግእ። ልክዕ ፍቕሪ ኣብ ሓንቲ ናይ ቛሕ ሰም ኢዩ ዝፍጠር።

ዝተፈላለየ ፍቕሪ ክህሉ ኣይክእልን ይብል የለኹን። እንታይ ደኣ ብዝተረደኣንን ብዝኣመንኩሉን ኢዩ። ካብታ ብወርወር ፍእሪ ዝተወጋእካላ ህሞት ምንባር ጀሚርካ'ሎኻ ማለት ኢዩ። ፍቕሪ ትርጉም ምንባር ኢዩ። ብዘይ ፍቕሪ ወላ ሓደ' ሂወት ኣሕሊፈ ክብል ኣይደፍርን። ኣብ' ሕሉፍ ከርፋሕ ሂወት፣ ምንባር ክሕርብተኒ፣ ዓለም ክትውሕጠኒ እንከላ' ኣበይ ደኣ ነይርካ ፍቕሪ?..... ነባቢ ክምልሶ ከፋት ቦታ ደኣ ይገድፎ ምበር ዓቕሚ ብለይን ክገልጾ። ሰላም ክህልወካ ፍቕሪ ክሕዘካ ኣለዎ ዝብል ሓዲሽ ስምምዕ ኣሎኒ። ፈጣሪ ክፈትወካ ብእዋንካ ፍቕሪ ይዕድለካ። ለካ ፈጣሪ ፍቕሪ ብኣካሉ'ዩ።  ፍቕሪ እንተይልካ ፈጣሪ ኢልካ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ነዓይ ሰብ ዝገበረኒ ፍቕርን ፈጣርንዩ። ዘልኩ ሲኒ፣ ንምሉእ ዘመናት ካብ ፍቕሪ ኮብሊለ፣ ተሓሲመን ሓንጊደን፣ ኣንፈተይ ኣጥፊኤ ኣብ ኮለል እንከለኹ" ሃንደበት ብገለ ኣጋጣሚ፣ ጎፍ ዝበልክኒ ልበይ ዝመለስኪ ምልኣት ሂወት፣ ዓለምን ሂወትን ኣፍሊጥክኒ። ትርጉም ሰብን ሰብኣውነትን፣ ምኽንያት ምፍጣርን ምንባርን ኣላሊኽኒ። እነኹ ሰብ ኮይነ" ሰብ-ሰብ ይሽትት፥ ፍቕሪ ይቕዳሕን ይስተን ይሰትይን። ብስለ መን ከምስግነኪ ይፈልጥ የለኹን። መግለጺ ዝኸውን ዓቅምን ቃላትን ሲኢነ'  `ፍቕራ ሪዒመኢለ ኣብዚ ምስክረይ ክዓጹ።


20 ሰነ፣ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

  መስዋእቲ ማለት ብዕላማ ሂወት ምኽፋል ማለት’ዩ።  ከም ፍጡር ወዲ ኣዳም ክትከፍሎ እትኽእል ዝዓየ ነገር ከኣ ሂወት እዩ፣ ምኽንያቱ ልዕሊ ሂወት ወልሓንቲ ስለ ዘየሎ። ኣብ ሃገርና ታሪኽ መስዋእቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እ...