Sunday, December 17, 2023

ሎረን ላንደን፣ ኣፍቃሪት ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ራፐር ነፍሲ-ሄር ኒፕሲ ከምዚ ኢላ..

 

Nipsey Hussle with Lauren London
ፈጺምና ተኻቲዕና ወይ ተባኢስና ኣይንፈልጥን። ኣነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ጽልልቲ` ዝቕየር ነይረ፣ ኣብ ከምዚ ህሞታት ከኣ ሓሪቑ መሊሱለይ ኣይፈልጥን`ዩ። ብስመይ ጸዊዑኒ ኣይፈልጥን፣ ናይ ብሓቂ`ዩ ዘፍቅረኒ ነይሩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ኣልዕል ኣቢለ ክሓርቕ እንከለኹን ሓዊ ክድፈኣኒ እንከሎን፣ ንኒፕሲ እንታይ ይብሎ ኣይፈልጥን`የ ዝነበርኩ።

ንሱ ግን የፍቅረኒ፡ ሓቚፉ የቀባጥረለይ፡ ይዕገሰኒ፡ ካብ ሕርቃነይ ድማ ይመልሰኒ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ናይ ልበይ ሰብ ከም ዝሰኣንኩ`የ ዝፈልጥ። ካልእ ከምኡ ዘፍቅረኒ ሰብ ኣይክህሉን`ዩ፡ ካልእ ከምኡ ንነፍሰይ ዘጸናንዓ የለን።

ሰይጣን ኣሉታዊ ሓሳብ ናብ ርእሰይ ከደይበለይ እንከሎ፣ ንሱ ናተይ ኣወንታዊ እዩ ነይሩ።

ንሱ ናይ በሓቂ ምሉእ ሰብ እዩ ነይሩ። ንሱ ነዓይ ኢሉ ዝተፈጥረ ሰብ`ዩ ነይሩ።

ኩላትና ኣብ ህይወትና እንተወሓደ ሓደ ግዜ ሓቀኛ ፍቕሪ ከነስተማቕር ይግብኣና...

ዋላ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ይኹን።

መንግስተ ሰማይ ይዋርስካ Nipsey Hussle

 

 

No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...