Wednesday, December 13, 2023

ኣብዛ ዘይምግዳስን ዘይምትእምማንን ዝነገሰላ ዓለም፡ ፈቃር ኣደ..

ገና ወርቃዊ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ፡ ሳላ ውርዝይነቶምን ዓቢ ልግሶምን ድማ ወትሩ ኣብ ​​ሰብኣውነት ዘለና እምነት ክመልሱ ዝኽእሉ`ዮም። እዚ ስእሊ ኣብ ስራሕ ዝነበረት ፖሊስ`ዩ፣ እቲ ህጻን ውላዳ ኣይኮነን…

ብ14 ነሓሰ 2018፡ ሴሌስተ ኣላያ ዝተባህለት መንእሰይ ኣርጀንቲናዊት ፖሊስ፡ ኣብ ቦነስ-ኣይረስ (ዋና ከተማ ኣርጀንቲና) ሃንደበት ብዘየቋርጽ ኣውያት ናይ ሓደ ዕሸል ተዓዘበት። ኣብቲ ሆስፒታል እቶም ሓካይም ብኻልኦት ቆልዑ ከም ዝተጸምዱ ምስ ኣስተብሃለት ድማ`ያ ነቲ ህጻን ንምሕጋዝ ገለ ክትገብር ዝወሰነት። እዛ ፖሊስ ንሓላፊኣ ነዚ ዕሸል ጡብ ከተጥብዎ እንተኽኢላ ሓተተቶ፣ ንሱ ውን ናይ ሓቃ ድያ ዝዓይነቱ እንዳ ጠመተ ሓራይ በላ።

ብተግባር ጅግንነትን ፍቕርን ኣዝዩ ዝተተንከፈ መሳርሕታ፡ ነቲ ድኻ ህጻን ጡብ ኣደ ክትጥብዎ ከላ ብምስኣል ነቲ ህሞት ብስእሊ ብምልዓል ዘይመውት ገበሮ። ነታ ስእሊ ኣብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታ ድሕሪ ምልጣፋ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ጥራይ፡ ኣሽሓት ተጠቀምቲ ኢንተርነት ምስጋናኦምን ኣድናቖቶምን ገሊጾሙላ። ሚኒስተር ጸጥታ`ዛ ሃገር ውን ን ሴሌስት ኣድናቖታን ኣኽብሮታን ገሊጻትላ።

ብመሰረት ኣርጀንቲናውያን ጋዜጠኛታት፡ እታ ህጻን ጓል 8 ወርሒ ኮይና፡ ኣካል ናይ 6 ቆልዑ ዝሓቖፈት ስድራቤት እያ። ኩሎም ብውሳነ ቤት ፍርዲ ካብ ኣዲኦም ዝተወስዱ እዮም። ብተወሳኺ ሓትነኦም ዋላ እኳ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ እንተሃለዋ፣ ሓላፍነት ክትወስደሎም ከም ዘይደለየት ይሕበር።

ሎሚ ዘካፈልኩኹም ታሪኽ ኣብ ሰብኣውነት እምነት ከነጥፍእ ከምዘይብልና፣ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ኩሉ ክፍኣት እናሃለወ፣ ኩሉ ግዜ ዓለምን ኣተሓሳስባን ክንቅይር ከም እንኽእል ህያው ኣብነት እዩ።

ኣደናቒት ኣደ !

No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...