Saturday, January 29, 2022

እዘን ባህርያት ተንጸባርቕ እንተኾንካ ፋራ ኢኻ!

ፍርነት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም`ዩ ኢለ`የ ዝኣምን። ምኽንያቱ ሓደ ፋራ ዘንጸባርቐን ቀዳሞት ባህርያት ምስ ንዕዘብ ርእሰ-ተኣማንነት ምጥፋእን ነብሰ-ምትሓትን እየን። እዚኦም ዓይነት ሰባት ከም ከውሊ ባህሊ ኣቦታትና ዘኽብሩ ኮይኖም ክቐርቡኻ ይፍትኑ። ማለተይ`ሲ ብቋንቋ ትግርኛ ተሓቢኦም ባህላዊ ኣዘራርባታት ገይሮም ለባም ለባም ይጻወቱ። ፋራ ኣዝዩ ሕሱር`ዩ፣ ዓበይቲ ነገራት ገዲፉ ብዛዕባ ቀንጠ መንጢ`ዩ ዝዛረብ። ኩሎም ፋራታት ሓደ ውዱእ ስነ-ሓሳብ የብሎምን፣ እዚ ድማ ምስ ጉድለት ፍልጠት ዝመጽእ`ዩ። ክትረትዖም እንተ መሲልካ ከኣ ከምዚ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ንርእዮ ዘሎና ኣብ ጸርፊ ይሕብኡ። ከም ካልእ ዝተዓዘብክዎ ነገር እንተሃልዩ ውን ፋራታት መዝመዝቲ`ዩም። ንኣብነት ኣብዚ ግዜ ኣደዳ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ሓለይቲን ሓገዝቲን መሲሎም ዝናን ገንዘብን ናብ ምግባር ይጒየዩ ኣለዉ። ሓደ ምሁር ንህዝቢ ዝጠቅም ዓቢ ምህዞ ወይ ኣፕሊኬሽን ምሂዙ ሓግዙኒ እንተኢልዎም ግን ልዕሊኦም ስለ ዝኾነ ኣንጻሩ እዮም ዝኸዱ፣ ወረ ዝበልዖ ዘይብሉ ሌባ ይብልዎ። ፋራን ኣሉታዊ ሓሳባትን ኢድን ጓንቲን እዮም። ንሓደ ዋጃዓኒ ብዛዕባ ናይ ንግዲ ሓሳብት እንተኣዕሊልካዮ ገለ ደኣ ክብለጸለይ ደልዩ እዩ ዝብል። እንድሕር ንስተ እንተኢልካዮ ከኣ ደስ እንዳበሎ`ዩ ነዓናይ ዝብለካ። ምኽንያቱ ንሱ ዝመልካ ዓለም ቢራ ጨሊጥካ ሃተፍተፍ ምባል`ያ። ኣብዛ ዓለም ከኣ ፈጺምካ ኣይትበልጾን ኢኻ። መብዛሕትኦም ፋራታት ወገናውያን`ዮም። ንኣብነት ኣብ ኲናት ትግራይ ዘለዎም ርድኢት ምስ ንዕዘብ፣ ገሊኦም ንዘይፈልጥዋ ወያነ ተሓለቕቲ`ዮም። ሞት ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ከኣ ብሓጎስ የውግዕሉ፣ ገሊኦም ከኣ ብኣንጻሩ ! ዝገርመኒ ግን ኣብቲ ኲናት ድኻን ወዲ ሓረስታይን ጥራይ ይመውት ከምዘሎ ኣይርዳኦምን ምዃኑ`ዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ከይዕረ ቀዳማይ ጸገም ፋራታት`ዮም። ብዝተዓዘብክዎ ፋራ ብርእሰ ምትሓት ስለዝሳቐ ኩሉ ግዜ ንሓደ ወገን ከጥቅዕ`ዩ ዝደሊ። ኩሉ ኤርትራዊ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ ኣሎ፣ ኤርትራ ናይ ቁጠባ፣ ምምሕዳር ካልእ ዝተሓለለኸ ፖለቲካዊ ሽግራት ኣለዋ። መንግስቲ ኤርትራ ውን ብዙሕ ሃጓፋት ከምዘለዎ ኩላትና ንሰማምዓሉ ሓቂ`ዩ። እንተኾነ ሓደ ፋራ ምጽእ ኢሉ ንጀጋኑ ጀነራላት ኤርትራ ይዝልፍ፣ ንስነ-ጥበበኛታት ይጥቅን፣ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ የጥቅዕ። በዚ ከኣ እተን ንመንግስቲ ጸቕጢ ክገብራን ምስ መንግስቲ እንዳ-ተራዳድኣን ክሰርሓ ዝግባአን ደምበታት ንልዕሊ 10ዓመት ኮለል ኣቢሎመን። ናብራ ምስ ፋራ መከራ`ዩ በቃ…. ፋራ ምንባብ ኣለርጂ`ዩ ዝገብረሉ፣ ዘየንብብ ሰብ ከኣ ኩሉ ግዜ outdated`ዩ። ወረ ሓደ ግዜ`ስ ንሓደ ፋራ እንታይ ክብል ሰሚዐዮ፣ ``ኤርትራውያን መጽሓፍ ምጽሓፍ ጥራይ ኮይኖም፣ ካልእ ቁምነገር ተሳኢኑ ድዩ ?’’ ወይሲ ቢዝነስ ኣለዋ እያ ክንፍትና ኢሉኒ፣ በቃ ብጥሪኣ !! ኣየ በዓል ትርከ-ምርኪ ዝገብሩ….. ፋራ ከኣ ኩሉ ግዜ ንከምኡ ፋራ`ዩ ዝስዕብ፣ ናይ ፋራታት ዩቱብ ጥራይ ውን`ዩ ዝከታተል። እቲ ፋራ ወናኒ ዩቱብ ውን ከየምበበ`ዩ ዝሰርሕ፣ ወናኒ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝኾነ ድንቁርና ከኣ`ዩ። ፋራ ፍጹም ኣይተሓባበርን`ዩ፣ ክተሓባበር እንተኾይኑ ከኣ ነዓኡ ዝመስልል ፋራ ወይ ትሕቲኡ ጥራይ እዩ ዝሕግዝ። እንተኾነ ግን ትሕትና ዘለዎ መሲሉ ይቐርብ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከኣ ክገብርዎ ዝኽእሉን ዘይክእሉን ገይሮም ከፈራርሑ ዝፍትኑ ፈራታት ጥራይ`ዮም። ፍሉይ ምዕባለ ሎሚ ከኣ Fake account ገይሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ። ኣየ ፋራታት…. ፋራ መሲለ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ዝእክበሉ ዝነበርኩ እዋን። ፋራታት ምስ መዘናኦም ከዕልሉ እንከለዉ ክፋእን ተንኮልን ጥራይ`ዮም ዝኣልሙ፣ ብውሽጦም ኩሉ ግዜ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ክኾኑ ምስ ደለዩ እዮም። ናብ ላዕሊ ንኽድይቡ ግን ኩሉ ሰብ ከውርድዎ ይፍትኑ። እመኑ ኣይትእመኑ ከኣ ፋራ ኣብ ሓዳር መሰል ጓል ሄዋን ዘየኽብር ኣምባ-ገነን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ባህላዊ ኣካይዳ ዝኸይድ እንዳመሰለ`ዩ ንኣማኒቱ ካብ መሰላ ዝጉዕጽጻ። እዘን ዝጠቐስክወን ነጥቢታት ተንጸባርእ እንተኾንካ ተናሳሕ ኢኻ…. ኢሂ ረኺብካ`ዶ?


1 comment:

  1. ኣብቲ እንዳፋራታት ፖስት ኢልካዮስ፡ ኮመንት ምስ ጸሓፍና ወራር ፋራ ከየጋጥመና ዘሪጥና።

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...