Wednesday, April 3, 2019

ቃዛ-ጨጎራ-ክራር-ትግርኛ!

ቃዛ ክበሃል እንከሎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ኣስመራ ንዝርከብ ኣከባቢ ‘ዩ ዝውክል። እዚ ንኣባሻውል፡ ገዛ ብርሃኑ፡ ሓድሽ ዓዲ፡ ጨርሒን ገዛ ማንዳ ሓበሻን ዘጠቓልል ገዛውቲ መጀመርያ ብ ዞባ 7 ‘ዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ካብ ድሕሪ 2001 ድማ ቃዛ ዝብል ቅጽል ስም ክሕዝ ክኢሉ። 
ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝስማዕ ፍልስፍና ስነ-ህንጻ ኣሎ። ማዕጾ ናብ ሰሜን እንተ ጠሚቱ ገዛ ዛሕሊ ይገብር፡ ናብ ደቡብ ገጹ እንተ ጠሚቱ ድማ ጽንጽያ ይገብር ዝብል ፍልስፍናታት ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል። ገለ ገዛውቲ ድማ ካብ ናብ መንበሪ ገዛውቲ ናብ ዱፋዕ ገጾም ዝቐርቡ እዮም። ስለምንታይ እዮም ኣብ’ዚ ከባቢ ዘለዉ ገዛውቲ እኹል ብርሃን ከምዘይኣትዎም ኮይኖም ዝስርሑ? ኣዝዩ ንእሽቶ መሳኹቲ ካብ ናብ መሬት ናብ ቦሎፎን ዝቐርብ ኮይኑ ይርካዕ ካብ ብማዕጾ ብቦሎፎን ክትኩሕኲሕ ዝቐለካ መንበሪ ገዛውቲ ቃዛ ድማ ንኡስ ኣብነት ኤርትራዊ ስርሓት ኣርክተክቸር 19 ክፍለዘመን እዮም።
Cherhi, Asmara Eritrea

ነበርቲ እዚ ከባቢ ብማዕርግ ሕርፍናን ኣዝማሪኖነትን ኣብ ቀዳማይ ዝስርዑ ኮይኖም፡ ሳፊ ናይ ተጋደልቲ ትግርኛ ከም ‘ ነጥበ ስርዓት ግበር’ ዝኣመሰሉ ቅላጼታት ኣብ ዕሙር ናይ ሕጋዊን ሕብረተ-ሰባዊን ጉዳያት ክጥቀሙ ይረኣዩ፡፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብራኦም ድማ ግዲ ብብዝሒ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ የዘውትሩ ኮይኖም ግእዝን ትግሬን እንዳሓዋወሱ ይጥቀሙ። ኣዝዩ ጌጋታት ዝበዝሖ ቃላት እንግሊዝ እንዳሓዋወሱ ክዛረቡ'ውን ይስምዑ እዮም።
ብዙሓት ነበርቲ ‘ዚ ዞባ ዘይኮኑ ውን ቃዛውያን እኾኑ’ዮም ወይ ድማ ናይ ቃዛ ፓስፖርት ይወሃቡ እዮም። መብዛሕትኦም ሕክያ ናይ እንዳስዋታት መቂርዎም ስርሖምን ናብርኦምን ገዲፎም ካብቲ ከባቢ ዘይእለዩ ወይ ድማ ብሓንቲ ጓል’ዚ ከባቢ ሑብ ምስተረበጡ እዮም ምምጻእ ናብዚ ከባቢ ዝጅምሩ። ምስ ግዜ ድማ ፍቕሪ’ዚ ከባቢ ምውጻእ ይኣብዮም። ድሕሪ ቁሩብ ጻንሖት ድማ ንዜግነት ብቑዓት ይኾኑ።
ነበርቲ’ዚ ከባቢ ምስ ቤተ-ክርስትያን እንዳማርያምን ቤት ማእሰርቲ ካርቸሊን ልዑል ዝምድና ከምዘለዎም ይፍለጥ። ከም ብሂል ሓደ ሰብ ብሰንኪ ባእሲን ነኣሽቱ ስርቂን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ተኣሲሩ ብ ዋሕስ ምስ ዝወጽእ፡ ኩስቶ ደኣ ንፍዮኡ ኣሕሊፉ’ ይበሃል። ጓል እንተኾይና ድማ ተፐሪዳ ትበሃል *ተፈሪዳን ግዜኣ ኣሕሊፋን ማለት እዩ።
ኣሞረ-ቃዛ ከኣ ከምቲ ኩላትና እንግጥሞ *ፌንቲ እዩ። ፍቕሪ ቃዛ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ንሶም ድማ፡
ሑብ መደመስን፡ ሑብ መሰላሕን ድማ ይበሃሉ። ሑብ መሰላሕ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይንገረሉ። ን ከም በዓል ገብረ ወዲ ኣባሻውል፡ ብፍቕሪ ፍሬታ ኣደዳ ኣረቂ ገይሩ። ካብ ጎበዝ ሰብኣይ ናብ ሓደ ማንጢስ ሕቋፍ ቆልዓ ከምዝመስል ዝገበረ ምዃኑ ድማ ተንተንቲ ሑብ ካብቲ ቦታ ይዛረቡ።
ተመሃሮ ነበርቲ ኣባሽውል- ገዛ ብርሃኑ- ሓድሽ ዓዲ ንፉግራታትን ሑፍራታትን’ዚ (ጎዳጉዲ) ከም ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም'ዮም ዝፈልጥዎ። እዚ ፉግራታት ናይ ቃዛ ማራ ስለ ዘደንቖም ከይኮነ ኣይተርፍን Civil Engineering ወይ ምህንድስና ከጽንዑ ከም ዝተባብዑ ሕክያታት ኣሎ። ዝበዝሑ ሓደስቲ ተመረቕቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ብ ዓውዲ ምህንድስና ካብዚ ኣከባቢ ምኳኑ ውን ሕክያታት ኣሎ። ካብ ጽበት ገዛውቲ ዝተበገሰ ኣብ ሓደ ዳስ ክልተ ሰለስተ ምሩቓት ብሓደ ከሕልፍዎ ምርኣይ ደስ ዘብል ነገር እዩ። ፍቕሪ ደኣ’ሞ መን ቃዛ!! ቅልጣፈ ኣሰራርሓ ዳስ ከ’ መን ን ቃዛ ክወዳደሮም!

ሓደ ግዜ ሓደ ወዲ ንኣብ ሓድሽ-ዓዲ እትቕመጥ ኣሞረኡ፡ ‘ነበርቲ እዚ ገዛውቲ ማኪና እንተገዚኦም እንታይ ይገብሩ’ ኢሉ ሕቶ ምስ ኣቕረበላ፡ ብጽበት ጎደናታት ናይዚ ከባቢ እንዳተገረመ። ሑቢ ከኣ፡ ቅጭ ስለዝመጻ፡ ዞባ 7 መኪና ኣይገዝኡን ‘ዮም። ካስኮ ‘ዮም ዝገዝኡ ርእሶም ዚንጎ ወይ መንደቕ ከይሃርሞም ኢላ መለሰትሉ!
መብዛሕትኦም ጓል ቃዛ ዝተቓጠቡ ኣወዳት ብብዝሒ ጻዕዳ ማልያ ምውዳይ የዘውትሩ። ስግንጢር ነገር ‘ዩ! መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ከም ኣዋልድ ‘ዚ ገዛውቲ ገይሩ ጻዕዳ ማልያ ቀሲሉ (ሓጺቡ) ዝኽእል የሎን። ኩሉ ግዜ ንቑሕ-ጻዕዳ፡ ዝኾነ ጅላዕ ወይ ዕምጻጽ ዘይብላ ገይረን እየን ዘውጻኦ።
Abashawl Asmara Eritrea 

ደቂ ኣስመራ ከም ልምዲ ቢልያርዶ ምጽዋት ከዘውትሩ እንከለዉ። ቃዛውያን ድማ ቢንጎ፡ ቻሩን ጀቶነን የዘውትሩ። ኣብ ኣመጋግባ ድማ ደቂ ኣስመራ ፋታ ከዘውትሩ እንከለዉ ቃዛውያን ድማ ጨጎራ እቲ ኣዝዩ ዝሓሙሉ መግቢ እዩ። በይንኻ ምብላዕ ከኣ'ሞ ኣብዚ ዞባ ነውሪ'ዩ። ኣብ ቃዛ ዝኽርቸሙ (ዘይሕጋዊ ሓዳር) መዓልታዊ ስምብር ከምዝግምስሉ ጽጹይ ሓበሬታ’ሎ። ቸካይስ ኣባሻውል፡ ሰምበት ድሕሪ ቤተ-ክርስትያን ካብ እንዳ ማርያም ሰቲ ሒዘን ብምምጻእ ገዛ ኣፖስቶ ገይረን፡ ቀዳማይ ደረጃ ቡን ንኣሞረአን ከምዘስትያኦም ይፍለጥ።

ን ሓንቲ ጓል’ዚ ከባቢ ዝተኸርቸመ ወዲ ማራ ከምዝጥዕሞን ካልእ ከምዘይጥምትን ተንተንቲ ስነ ሕርፍና ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡሉ ጉዳይ‘ዩ። ምናልባት ከም ኣጋጣሚ እቲ ወዲ ምስ ካልእ ጓል ክዘውር እንተተረኺቡ ድማ ሕርሕራይ ገይረን ከምዝምንጭጫኣ ብዓይነይ ተዓዚበ ‘የ። ንዓርከን ድማ ኣድላይ እንተኾይኑ ደፊዐን ከደርባኦ ከም ዝኽእላ ገለ ካብ ዝፍክራሉ ጉዳያት’ዩ።
View From Cherhi, Asmara 


ሓደ ግዜ ኣብ ከባቢ ኣባሻውል ፋታ ክንበልዕ ምስ ሓደ ዓርከይ ኣብ ሓንቲ ቤት ቁርሲ ኣተናልኩም። ኣብኡ ድማ ዘገርም ነገር ርኢና፡ ኣብ ማእከል ቤት ቁርሲ መጻወቲ ጀቶነ፡ እታ ኩዕሶ ነጢራ ናብ ሓንቲ ሸሓኒ ፋታ ምስ ኣተወት፡ ያ ቐስ ኢልኩም ተጻወቱ ኢሎም ነታ ኩዕሶ ኣልሚጾም መሊሶማ። ሄህ ሄህ ኣብዛ ቤት ቁርሲ ዝመጹ ኮተቴ ሸሓኒ ክእዝዙ እንከለዉ፡ ፋታ ብዘይ ጉዕ ብዘይ ድዱዕ ኢሎም እዮም ዝእዝዙ። 

ቃዛውያን ኣዝዮም ስሚዕታውያን እዮም፡ መብዛሕትኦም ድማ ደገፍቲ ኣርሰናል እዮም። ሙድ ናይ ኩዕሶ ኣብ ሲነማ ሓማሴንን ሲነማ ሮማን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ሲነማ ሓማሴን ትብል ንስኻ ኣብ ስታድዩም ግጥም ኩዕሶ ትርኢ ዘሎኻ ኮይኑ ይስመዓካ። ኣብ ጉዳይ ባእሲ ድማ ኣዝዮም ተገማሰልቲን ዘይማሓርቲን እዮም። ኣዝዩ ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ዓበይቲ ድቂ-ገዛውቶምን ኣያታቶምን ኣዝዮም‘ዩም ዘኽብሩ። 

እዚ ሕብራዊ ገዛውቲ ኩሉ ዓይነት ብሄራትን ሃይማኖታትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ፍልቀት ቋንቋ ትግርኛ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ ሓቂ- እዩ። ካሊእ ድማ፡ ሓንቲ ሓዳስ ደርፊ ምስ ትወጽእ ደስ ትብል እንተኾይና ኣብ ሰዓታት እዮም ዘጽንዕዋ። ኣብ ቃዛ ዝተፈተወት ደርፊ፡ ኣብ ምሉእ ኣስመራ ዘይኮነ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከምትስማዕ ይፍለጥ። ዳርጋ ባህላውያን ነቐፍቲን ኣድነቕቲን ስነ-ጥበብ እዮም እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ ከም ዳዊት ሽላን፡ ነፍሲ-ሄር ስነ-ጥበበኛ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍን ካልኦትን ኣብዚ ከባቢ ዝዓበዩን ዝፈረዩን ምዃኖም ይፍለጥ። እቶም ካልኦት ስነጥበባውያን ውን ብፍቕሪን ሂወትን ሻውለይ ተማሪኾም ናብኡ ከምዝመላለሱ ባዕላቶም ዝምስክርዎ ሓቂ'ዩ።
ኣንቲ ኣነ ኣነ ንስኺ ንስኺ ኣበይ ከይንፈላለ ሻውለይ ከለኺ’።
Abashawl Enda ksha area, Asmara Eritrea 
ቃዛዊ ምዃነይ ኣዝየ ኩሩዕ ‘የ! ሻውለይ መለይ ንበርለይ!!
መዘከርታ ን ነብሲሄር ፊልሞን ገደ ትኹነለይ!
ብዙሕ ዝተረፈኒ ነገር ከምዘሎ ርግጸኛ'የ፡ ዝተረፈኒ ባዕላትኩም መልኡለይ ምባል ነውሪ ስለዘይኮነ ከከም ዓቕምኹም ተወሰኽኩምኒ ክንደይ ደስ ምበለኒ መስለኩም? ኣቤት'ወ ሂወት ሻውለይ ደኣ በዛ ንጣብ ብርዒ ዶ ይግለጽ ኮይኑ?
ኤዲተር Temesghen Abraha

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...