About


ዲናር ሕሩይ ይበሃል። ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊደ ዓብየ። ናይ ላዕዋይ ደረጃ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛመይ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንኣስታት 6 ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ኮይነ ኣገልጊለ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ኣብ ከታማ ፓሪስ ይቕመጥ ኣለኹ።

ዳርጋ ኩሎም ጽሑፋተይ ምስ ሂወት ኤርትራውያን ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም መጽናዕታዊ ድማ እዮም። እዚ ማለት ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ፡ ጽሑፋንት ሰባትን ብምዉካስ’የ ዝጽሕፎም። እቲ ምኽንያት ከኣ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዘንብበሉ ግዜ መእንቲ ክመሃርን ክዘናጋዕን ዝብል ሓሳብ’የ።

ክቡራት ኣምበብቲ ጽሑፋተይ፡ ዕላማ እዛ ወብሳይት ናተይ ናይ ምጽሓፍ ጥሙሕ ንምርዋይን፡ ገለ ዝተሰመዓኒ ነገራት ብናተይ ኩርናዕ ርእየት ፈይ ክብል’የ ጀሚረያ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከኣ በጻሕታ እንዳ ዓበዩ ይኸዱ ኣለዉ።

ኣነ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ትግርኛን ምዕባይ ቁጽሪ ኣንበብቲን ልዑል ከምዝኾነ ይኣምን። ምስ ግዜ ድማ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ጽሑፋት ከበርክት’የ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሃገርና ብዙሕ ዘይተጻሕፈን ወጻእተኛታት ዘይፈልጥዎ ሃብታም ታሪኽን ትሕዝቶ ባህሊን ስለ ዘሎና።

ኣብ ጽሑፋተይ ዘለኩም ርእይቶ ምስ ትጽሕፉለይ፡ እንዳ ተሓጎስኩ ክምልሰልኩም’የ።

ሳብስክራይብ ኣይትረስዑ


ኣብ ቀጻሊ ብኻልእ ጽሑፍ የራኽበና!!
ሓውኩም ዲናር ሕሩይ (ዶን)


No comments:

Post a Comment

እቲ ናይ ሕያውነት ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ልግስኻ ንመን ይግብኦ?

ሕያውነት፣ ሰብ ክህልዎ ካብ ዝኽእል ብሉጽ ባህርያት ሓደ እዩ። ሕያውነት እንተሃልዩ ልግሲን ሓልዮትን ውን ኣሎ ማለት እዩ። ግን ሕያውነት ኢልካ ብድብድቡ ክትዛረበሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ...