Thursday, December 7, 2023

ክውንነት ህይወት፣ ሓንቲ ስእሊ ክንዲ ኣሽሓት ቃላት


ኣንበሳ ምስ ኣረገ ድሕሪ ደጊም ክሃድን፡ ክቐትል ወይ ክከላኸል ኣይክእልን እዩ። ክሳብ ዝደክም ይግዕርን ይጉረምረምን፣ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዕስለ ኣዛብእ ተኸቢቡ፣ ክንክስን ክብላዕን እዩ። በቃ ክሳብ ዝመውት  ኣይገድፍዎን እዮም።

ህይወት ሓጻር እያ፡ እቲ ኣብ ኣንበሳ ዘጋጥም ንዓና ንደቂ ሰባት እውን የጋጥመና እዩ።


ንዘልኣለም መንእሰያት ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ሓያላት ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ኣብ ላዕሊ ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ሓለፍቲ ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ንጉስ ጫካ ወይ ንጉስ ህይወት ኣይንኸውንን ኢና።

እግዚኣብሔር ህይወትን ጉብዝናን ዕድላትን ክሳብ ዝሃበና ትሑታት ንኹን፡ ትዕቢትን ግፍዒን ነወግድ።

ምኽንያቱ ይንዋሕ ይሕጸር ህይወት ‘’ኢድ ሸናሒት ጸናሒት’’ እያ ልክዕ ዝዘራእናዮ ክንዓጽድ ኢና።

No comments:

Post a Comment

ኣብ ናይ ሞት ዓራት

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ሞቱ ርግጸኛ ነበረ፡ ምስ ሓኪሙ ኣብ ህይወት ዘለዎ ርድኢት ከካፍል ወሰነ። " ዶክተር ኣይትሻቐል። ክመውት ምዃነይ እፈልጥ’የ። ናብዚ ክመጽእ ኣይደለኹን ግን ናብዚ...