Thursday, December 7, 2023

ክውንነት ህይወት፣ ሓንቲ ስእሊ ክንዲ ኣሽሓት ቃላት


ኣንበሳ ምስ ኣረገ ድሕሪ ደጊም ክሃድን፡ ክቐትል ወይ ክከላኸል ኣይክእልን እዩ። ክሳብ ዝደክም ይግዕርን ይጉረምረምን፣ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዕስለ ኣዛብእ ተኸቢቡ፣ ክንክስን ክብላዕን እዩ። በቃ ክሳብ ዝመውት  ኣይገድፍዎን እዮም።

ህይወት ሓጻር እያ፡ እቲ ኣብ ኣንበሳ ዘጋጥም ንዓና ንደቂ ሰባት እውን የጋጥመና እዩ።


ንዘልኣለም መንእሰያት ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ሓያላት ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ኣብ ላዕሊ ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ሓለፍቲ ኣይንኸውንን ኢና።

ኩሉ ግዜ ንጉስ ጫካ ወይ ንጉስ ህይወት ኣይንኸውንን ኢና።

እግዚኣብሔር ህይወትን ጉብዝናን ዕድላትን ክሳብ ዝሃበና ትሑታት ንኹን፡ ትዕቢትን ግፍዒን ነወግድ።

ምኽንያቱ ይንዋሕ ይሕጸር ህይወት ‘’ኢድ ሸናሒት ጸናሒት’’ እያ ልክዕ ዝዘራእናዮ ክንዓጽድ ኢና።

No comments:

Post a Comment

Mekdes Woldu Shatters French Marathon Record at Barcelona

Mekdes Woldu, the French-Eritrean athlete, has made headlines by breaking a national record for France in the Barcelona Marathon, finishing ...