Wednesday, November 29, 2023

ሄለን መለስ፣ ንግስቲ ዘመናዊ ደርፊታት ትግርኛ


ሄለን መለስ፣ ድምጻ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝውሕዝ ዘሎ ኮይኑ`ዩ ዝስመዓካ፣ ደርፍታታ ከኣ ኣብ ኣየር እተንሳፍፍ ዘለኻ ኮይኑ ከም ዝስመዓካ ይገብር ... በቲ ሓያልን ፍሉይ ቅዲ ኣደራርፋኣን፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዘለዋ ጽልዋ መወዳድርቲ ኣልቦ ኮኾብ`ያ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ኣዋልድን ሓደስቲ ስነ-ጥበበኛታት ዘለዋ ገዚፍ ጽልዋ ልዕሊ ዓቐን`ዩ።

ፍሉይ ድምጽን ቅዲን ሄለን ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ሕደማታት ደርፊታታ ንኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰማዕቲ ብዓሙቚ ስምዒታዊ ደረጃ ምስኣ ክራኸቡ የኽእሎም። ንሳ እትጥቀመሉ ቅዲ ኣደራርፋ፡ ከቢድን ሓይሊ ድምጺ ዝሓትትን ምዃኑ፣ ኣብ ውድድር ሽንግርዋ ወይ ውን ኣብ ኢትዮጵያን-ኣይዶል ዝግበር ውድድራት ንተወዳደርቲ ኣብ ብዙሕ ሽግር ከውድቐን ምርኣይ ልሙድ ነገር`ዩ።

ደርፊታት ሄለን ክትሰምዖ ባህ ዘብል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ ነዛ ድምጻዊት ፍልይቲ ስነጥበባዊት ይገብራ። ድምጻ ኣብ መድረኽ ዘይቅየር ምዃኑ ከኣ እቲ መግለጺ እትስእነሉ ትዕድልታ`ዩ።

ኩሉ ደርፍታታ ዓሙቚ ውስጠዘ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ዕድመን ኣብ ኩሉ ድሕረ ባይታ ዘለዉ ሰባት ብሓደ ይትንኪ፣ ግን ዝተፈላለየ ስሞዒት ይፈጥረሎም። ሓያል ድምጻ ድማ ነቲ ኣብ ግጥሚታታ ዘሎ ቃንዛን ልቢ፣ ነበልባል ፍቕሪን ብዑምቀትን ኣስተንትኖን ይገልጽ።
ፍቕሪ፣ ቃንዛ ልቢ፣ ሃነይነይታ፣ ሓጎስ፣ ሓዘን፣ ሃገራዊ፣ መስዋእቲን ወዘተ…

ብቕዓታ ኣብ ዘመንና ካብ ዘለዋ ጸለውቲ ስነ-ጥበባውያን ቋንቋ ትግርኛ እታ ዝዓበየት ንምዃን ኣብቂዕዋ`ዩ።


No comments:

Post a Comment

ኣብ ናይ ሞት ዓራት

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ሞቱ ርግጸኛ ነበረ፡ ምስ ሓኪሙ ኣብ ህይወት ዘለዎ ርድኢት ከካፍል ወሰነ። " ዶክተር ኣይትሻቐል። ክመውት ምዃነይ እፈልጥ’የ። ናብዚ ክመጽእ ኣይደለኹን ግን ናብዚ...