Friday, March 8, 2019

ምሰላ ን ኣደኽን ምሰላ!



  ኣብቲ ሕሱም ግዜ መግዛእቲን ኲናትን፡ ተስፋ ዘይቆርጻን ተቢዐን ዘትብዓን ብራኢኤን ድማ እዛ ንጹህ ኣየር እነተንፍሰላ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኢድ ዋናታታ ክትኣቱ ኣደታትና፡ ተጋዲለን ዘጋደላ ጀጋኑ፡ መሃይምነት ኣጥፊኤን ንደቀን ኣብ ዝብጻሕ ዘብጻሓ፡ ብራኢ ዝምርሓ፡ ብማሕበራዊ ክብርታት ሓብሒበን ዘስንቓ፡ ንነብሰን ገዲፈን ንዉልደን ዘቐድማ፡ ኣብ ግዜ ጸገም ክምህ ከይበላ ፍሽኽታ ዘቐድማ፡ ዕድሚአን ምሉእ ዝዓቖርኦ
Eritrean woman wearing traditional Eritrean clothes
ስልማት ቀንጢጠን ንሃገረን ዘበርክታ፡ ኮታስ ከም መጽሓፍ ገንጺልካ ዘይትውድአን ዓንዲ ሕቆ ኤርትራ እየን። ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ብሉጽ ክብርታትን ቅጽላትን ድማ ንጽባቐን ብቕዓትን ኣደታትና ክገልጽ ብፍጹም ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ምንታይ ኪንዮኡ ስለዝኾና።
 ኣደታትና ብሕሱም ናብራ ድኽነት መልክዐን ዘይድወን፡ ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ ከም ወርቂ ተኾሊዐን ዝጎልሓ እየን።  እቲ ዓቢ ገጣማይን ማሰኛን ዶክተር ርእሶም ሃይለ ንመልክዕ ኣደታትና ምስ ሕብርታት ቀስተደበና እዩ ዝገልጾ። *እተን 7 ሕብርታት ኩልዓት ግን ሓንቲ ካብ ሓንቲ ዘይበላለጻ፡ ሓንቲ ንሓንቲ ደሚቓ ዘይትድውና ወትሩ ዉቁባትን ጽቡቓትን* ይብል።
 ልክዕ ከምቲ ሕብርታት ቀስተ-ደመና ርኢኻ ዘይጽገብ፡ ጽባቐ ኣደታትና ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ። ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍቲ ዝበሃል፡ ቀስተ ደመና እግዚኣብሄር ንኖህ ቃል ኪዳን ናይ ሰላምን ማይ ኣይሂ ከምዘብቅዐን ከበስር ዝገበሮ። ኣደታትና ድማ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ጸልማትን ደልሃመትን መግዛእቲ ተስፋታትናን ብርሃንናን እየን ነይረን። ዓሌት ሃይማኖት ከይፈለያ ከም ሕብርታት ቀስተ-ደመና ኮይነን ከም ቅናት ሓቢረን ሃገርና የድምቓ።

 
Eritrean women at school. (Rural areas)
መዓልቲ 8 መጋቢት ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ኣመሪካ ከም መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዝከር ጀሚሩ። እዚ በዓል ብ1917 ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ኮነ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብ1975 ዓለምለኻዊ ገበሮ። ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ሰላምን ኮነት። ኣብዛ ዕለት ፍረ-ዕዩ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ።
 ኣብ ሃገርና ምጅማር ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ወላ ብወግዒ ኣይፈለጥ ካብ 1940ታት ከም ዝጅምር ገለ ጽሑፋት ይገልጹ፡፡ ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ቤት ትምህርቲታትን ካልእን ምስ መዛኑአን ደቂ-ተባዕትዮ ብምዃን ድምጸን የስምዓ ከምዝነበራ ድማ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
 ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ተራ ክሳብ ሓላፍነት ኣዝዩ ልዑል እዩ ነይሩ። ዝቐጸላ ወለዶ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ምክልኻል ሃገርን ኣብ ቁጠባ ሃገርን ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶ ኣብ ምስራሕ ወፊረን ይርከባ። ኣብዚ ግዜ ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ካሊእ ዓበይቲ ጽፍሕታትን ይመርሓን የገልግላን ኣለዋ።
  ኣብ ሃገርና ብደቂ ኣንስትዮ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈታት ስሉጥን ካብ ብልሽውና ናጻን እዩ። ምኽንያቱ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መዘናግዒ ማእከላትን ካልእን ብምኻድ ክትጋብዝን ሕቶኻ ከተቕርብን ግዜ ስለዘይብለን። ከምኡ ውን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ብጽፈት ስራሐን ምስ ተደነቓ ‘የን። 
Asia Zeru, A young Eritrean Medical doctor 

 ኣደታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ብሄራት ኣብ ሓደ ውራይ ተኣኪበን ናብዚን ናብትን ክብላ፡ ነሓድሕደን ብዓይኒ ለውሃትን ክብርን ፍቕሪን ክከባበራን ተሓናኒቐን ክሰዓዓማን ሰላም ክበሃላን ክትርኢ ካብዚ ንላዕሊ ደስታ ንልብኻ ዝመልእ ነገር የልቦን። *ሓንቲ ካብ ሓንቲ ከይተበላለጻ ኩሉ ዘጸብቓ* ኢሉ ይገልጸን ዶክተር ርእሶም።
 ናይዚ ግዜ ኮተቴታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተዛማዲ ናይ ሰላም ንፋሳት ኣብ ዝነፍሰሉ ዘሎ ግዜ ምስ ምኳኑ ካባኺን ብዙሕ ክንጽበ ኢና። ምኽንያቱ ካብ ኣደታትክን ዝሓሸ ትምህርቲን ደሓን ዝኾነ ዕድላት ቴክኖሎጂን ምስ ምህላዉ፡ ብፍልጠትን ሓቦን እንዳ ሰጎምኪን ነዚ ኣብ ዓለም ወጺኡ ዘሎ ኣጀንዳ ‘ኣብ 2030፡ ብዝሒ ሰራሕተኛታት ክልቲኡ ጾታ ማዕረ ክኸውን’ ዝብል ከተተግብራኦ ምዃንክን ብዘይጥርጥር ካብ ሕጂ የረጋግጽ። 

Eritrean Freedom fighters 
 ኣብዚ ግዜ ማዕቢልና እንዳተባህለ ባህሊን ክብርታትን ክጠፍእ ንርእይ ኣሎና። እንተኾነ ግን እቲ ብሉጽ ናይ ኣደታትና ክብርታት ከም ዘለዎ ተዓቂቡ ከ-ከም ኣድላይነቱ ምምሕያሽ ኣብ ግዜኡ ክትገብራሉ'ምበር ክትድምስሳኦ ኣይንጽበይን። ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ብሉጽ ትሕዝቶ ናይ ኣደታትክን ኣብ ደምኪን ስለ ዘሎ ነዓኺን ሒዝና ከምንዕወትን ኣይንጠራጠርን።
 ዝኸበርክን ኣሓት፡ ሓንቲ ጓል ተማሂራ ማለት ሓንቲ ምህርቲ ስድራ ቆይማ ማለት ‘ዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ስራሕ ወፊራ ማለት ቁጠባ ስድራ ብ ፍርቂ ተማሓይሹ ማለት እዩ። ብኸምዚ ድማ ማሕበራዊ ምዕባለን ኩነታት ሃገርን ይቕየር። ደቂ ኣንስትዮ እንተ ተማሂረን ጥበብ ናይታ ሃገር ክምዕብል ግድን እዩ። ጥበብ እንተማዕቢሉ ድማ ቋንቋ እምዕብል። ቋንቋን መንነትን ድማ ጎድኒ-ጎድኒ ዝኸይድ ነገር እዩ። ስለዚ ሰረትን ሞዕባለን፡ ኣብ ሕብረተሰብናን ሃገርናን ንስኺን ኢኽን። 
Athlete Mekdes encouraging Daniel T/haimanot in Tour de France
 ሓደ ሰብኣይ እንተተዓዊቱ ኣብ ድሕሪኡ ሰበይቲ ኣላ፣ እንተወዲቑ ውን ሰበይቲ ኣላ። ስለዚስ ኩሉ ዓወታትናን ውድቀትናን ኣብ ኢድክን ስለዘሎ ሎሚ ተማሂርክን ምሃራና፣ ኮስኪስክን የዕብያና፣ ኣብ ስራሕና ብርሃን ኣብርሃልና፣ ኣብ ሃገርና ፍቕሪ ዝርኣልና፣ ንሎሚ ዘይኮነስ ንጽባሕ ዝጥምት ሕብረተሰብ ክትሃንጻ ሎሚ ነብስኽን ኣብ ትምህርትን ስራሕን ውፈራ። እቲ ምንታይ ሰብ ድርብ ሓላፍነት ስለዝኾንክን፣ ጾር ስድራቤትክንን ሃገርክንን ኣብ ኢድክን ስለዝኾነ።

ክብሪን ሞጎስን ንኹለን ኣደታትናን የሕዋትናን።



1 comment:

  1. Vint Ceramic Art | TITNIA & TECHNOLOGY
    Explore an titanium metal trim all 토토사이트 new deccasino “Vint Ceramic Art” project on casino-roll.com TITNIA & jancasino.com TECHNOLOGY. Our team of sculptors and artists have created new and

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...