Thursday, February 28, 2019

ደቂ-ኣንስትዮ ስለምንታይ *ንክስታይ ከም ግንዖ ዝወስዳኦ?


ደቂ-ኣንስትዮ ንዝፈትዋኦ ወዲ ምጽራፍ ስለምንታይ ደስ ይብለን? ክሳብ ሕጂ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ ‘ዩ።መስደመም!! እዚ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ሕቶ ቀሊል ዝመስል ‘ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ መልሲ ስለ ዘይተረኽቦ ግን ማዕረ ክንደይ ዝተሓለለኸ ምዃኑ ምግማቱ ኣየጸግምን።
ጉድኒ ጎድና ድማ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ጎበዝ ወዲ ምስ ካልኦት ኣዋልድ ብብዝሒ ከምዝዘውር እንዳፈለጣ ሪጋአን ሓልየን ምስኡ ክወጻ ይረኣያ? እዚኣ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ እትገርሞምን ተንጸርጽሮምን ነገር እያ። ክኢላ ስነ- ውረዛ ወይ Dating ዝኾነ ኣመሪካዊ ጸሓፊ David De Angelo ኣብታ Double your dating እትብል መጽሓፉ ነዚ ኩነታት Women like a guy who gets attention from other women ብምባል እዩ ዝገልጾ። ደቂ ኣንስትዮ ብኻልኦት ኣዋልድ ተጠማቲ ንዝኾነ ወዲ እየን ዝምሰጣሉ ዘስምዕ ነገር ድማ እዩ! እዚ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ ምቑሓም እንተኣብዩኩም ጉሰምዎ’ዩ። 
A photo by Filtalmon (Mosob Ade photography)

እዚ ደራሲ ካብተን 77 ኢሉ ዝገልጸን ሕግታት ናይ ምትሕብባል ቆናጁ ኣዋልድ፡ እታ ኣዝያ ተኣማኒትን ምስኩሉ ኩነታት እትኸይድን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ከምዚ ዝገብራ ኢልኩም ኣይተማርሩ፡ ባህርያተን ኣጽኒዕኩም ኣብ መስመር እተዉ እትብል’ያ።በቃ ኮለል ግደፍዎ።
ካልእ Nil Stauss ዝበሃል ጸሓፊ ኣብታ The Game እትብል ናይ ምቕጣብ/ምርጋጽ ደቂ-ኣንስትዮ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ብዙሕ ተሓላላኺ ስነ-ሓሳባት ኣቐሚጡ ይርከብ፡፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኣስሚሩላ ዘሎ Cocky and Funny ወይ ድማ ርእሰ-ተኣማንነት ምህላውን ዋዛ ውስኽ ምባልን እትብል ሓሳብ እያ፡፡ ገለ ካብተን ምስ ባህልና ክኸዳ ይኽእላ እየን ዝብለን ዝሰማምዓለንን ነጥቢታት እየን።
ኣብ ኤርትራ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝውረን፡ ዝእመነሉን ብዙሕ መምርሒታት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ምትሕብባል ኣሎ። እንተኾነ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባል ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ይራኸብ። እዚ ድማ ኣጉባዝ ክሓባብሉ ኮለል ክብሉ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ እንታይ ከምዝደለዩ ፈሊጠን ኣብ ክሳድ ምሕናቕ(ምኽታት) ክጽበያ ተረባረብ ይኸውን። ‘ኣብዑር ኣወዳት ደኣ፡ ኩሉ ግዜ ሓንቲ ነገር ኢኹም ትድልዩ’፡ ከም ተወሳኺ ውን፡ ‘ብጠልጠልኩም ኢኹም ትሓስቡ’ ዝብላ ውን ኣይሰኣናን። ሸኽ ኩኑ ወላ ቀሺ ኩኑ ኩሉኹም ሓደ ባሃልቲ እየን ብዙሓት ካብ ደቂ-ኣንስትዮ።(ክሳብ ክንዳኡስ ኣይረድ)
እንተኾነ ግን ከም በዓል Robert Green ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸሓፍቲን ተመራመርቲን። ባህርያትካን ኣካውናኻን ፈሊጥካ ሓደ Self image ምፍጣር ዘሎካ ሽግራት ኩሉ ድሕሬኻ ብምግባር ኣብ ርእሲ ሰባት ሓደ ስእሊ ምፍጣር ዝብል ስነ-ሓሳብ ኣለዎ። ንኣብነት ድማ ንግስቲ ጥንታዊት ግብጺ ኪልዮፓትራ ኣዝያ ምልክዕቲ ኣይነበረትን፡ ንሳ ግን ን ስነ-ውረዛ ወይ ምወጫ ብዕምምቈት ንምምላኽ ሓደ ዓቢ ዝና ከም መልክዐኛን ኣዝያ ፍልይቲን ምስሊ ከምዝህልዋ ብምግባር ን ከም በዓል ሃጸይ ኣንቶኒ ዝኣመሰሉ ነገስታትን ጀነራላትን ዓበይቲ ሓለፍቲን ንግስነት ሮማ ኣብ ኢዳ ብምእታው ከም ድላያ ትገብር ነይራ። ስማ ድማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ምስ ዓበይቲ ነጋውስ ዓለም ይጽዋዕ ኣሎ።
ሓንቲ ጓል ኣዝዩ ጽፉፍ ወዲ እያ እትፈቱ፡ ወይ ተዛሪቡ ዝኽእል እያ እትደሊ ዝብል ብሂላት ኣሎ። ብኣንጻሩ ግን ሓደ በዓል ካሙቻ ብ ኣኽብሮት ክዛረባን፡ እሞ መዓስ ሻሂ ክንሰቲ/ ክጋብዘኪ ኢሉ ሓቲቱ ክሰልጦ ዘይረኣኻ። ሓደ ቶምባኽ ጸሊም ከንፈሩን ባዕኻኽ ስኑን ብዙሕ ጌጋ ናይ ሰዋስዉን ፊደላትን ዝገብር ኮተቴ ሓንቲ ኬፍ ዘለዋ ጓል ሒዙ ክወጽእ ምርኣይ ኣዝዩ ኖርማል ነገር እዩ። ገለ ውን እንዳ ኣንገላደዉ ክወስድወን ርኢና ንኸውን ኢና። ይምለሳኦም ከኣ፡ ወይጉድ! ……… ኣዝዩ ዝገርም ነገር እዩ።
ኣብ ፈረንሳ ከም ዝተዓዘብክዎ፡ ደቂ-ኣንትዮ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትር ወዲ-ታባዕታይ ይፈትዋ፡ ድሕሬኡ ድማ ቁመት ይሰርዓ። ድሕሪ ቀሩብ ቆጸራታት ድማ ደስ ዘብል ዕላላት ዘዕልለንን፡ ብሕት ዝበለ ቦታታት እንዳኣዛወረ ሂወት ዘርእየን ከምዝፈትዋ ይዛረባ። ኣብ ከተማ ፓሪስ ከብዲ እንተሃልዩካ (ከራሽ እንተኾይንካ) ዳርጋ ስንክልና እዩ ዝሕሰብ። ብኣንጻሩ ኣብ ሃገርና ሓደ ተርባብ ወዲ ከም ሃብታም እዩ ዝቑጸር።
ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ሰብኣይ ኣርሓ ክመስል ኣለዎ ብቋንቋ እንግሊዝ ድማ Alpha male እትብል ዘረባ ክደጋግማኣ ብዙሕ ግዜ ሰሚዕና ኣሎና። እንተኾነ ግን ከም ማይክል ጃክሰን፡ ኤልቪስ ፕረስሊ፡ ኤሮ ስሚትዝ ዝኣመሰሉ ወሩያት ስነ ጥበበኛታት ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐርብ መልክዕ ከምዝነበሮም ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ። ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝመሳሰል መጋየጺ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ውን ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝየን እየን ዝሓማሎም። ኣዝዩ ተገራጨዊን ኣገራሚን ነገር እዩ። ስለዚ እታ ጓል ንእትፈትዎ ወዲ ብጸርፊ ትጅምሮ ዝብል ብሂል ኣቦታትና ሓቂ ማለት እዩ። ስለዚ ዝጸረፋና ምዝካር ኣድላዩ እዩ።(ተጸሪፍና ኢልኩም ሽሻይኩም ከይትዓጽዉ።
ንሓብትና ሰምሃር፡ ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፈትዋኦ ወዲ ይጸርፋኦ እትብል ሕቶ ምስ ኣቕረብኩላ፡- ውድቀት ንዘይምቕባል ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ከምዘለዋ ትገልጽ። ወሲኻ ድማ፡ ኣነ’ዶ በዚ ክስነፍ ዝብል ርድኢት ውን ናብ ጸርፊ ከምዘብል ትውስኽ።
ብዛዕባ ምስ ሓደ ዘዋር ወዲ ክትወጽእ ምድላይ ድማ ካብ እንታይ ርእየናሉ ዝብል ጥሙሕ ዝብገስ ምዃኑ’ያ ትገልጽ። ስለዚ ሓደ ህንጥይና ዝፈጥር ገጸ ባህሪ ምምዕባል ኣገዳሲ ይኸውን ማለት እዩ። ደራሲ Robert Green ትኽክል ነይሩ ማለት እዩ!
ደቂ-ኣንስትዮ ንጾታዊ ርክብ ግንዖ ከምዝሃባኻ ጌረን ክሓስባኦ ተዓዚብና ንኸውን ኢና! እዚ ኣዝዩ ድሑር እተሓሳስባ እዩ፡ ምናልባት እታ ጓል ንስምዒት ወዲ ምድቕቓስ ኢላ ዝተፈጥረት ኮይኑ ዝስምዓ ክኸውን ኣለዎ። ወይ ድማ እቲ ወዲ ተባዕታይ የፍቅራ ድዩ ወይ ድማ ኣየፍቅራን ኣብ ጥርጥር እንተሃልያ፣ ነቲ ወዲ ንኸይትኸስር ኢላ ንነብሳ ኣሕሊፋ እትህቦ ምስ እትኸውን እዩ ዝብል መብርሂ ሂባትና ሰምሃር።
ስምዒት ከ ከምጉንዖ ይወሃብ ድዩ? ? ? ኣነ ብወገነይ’ኳ ከምናይ ሓባር ረብሓ (mutual benefit) እየ ዝሓስቦ። ጉንዖ እንተኾይኑስ ይትረፈኒ!!!
ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓንቲ ርእሰተኣማንነት ዘለዋ ምህርቲ ጓል ብዙሕ ኣይመርጹን እዮም። ወይ ውን ካብአ ንላዕሊ ንሓንቲ ትሕቲኦም ዝብልዋ ጓል ይመርጹ፡ ስለምንታይ? መልሲ ኣብ ኮመንት
ዶክተር ማይልስ ማንሮይ ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ ኔሩ። ጓለንስተይቲ ምህርቲ እንተኾይና፡ ከምሓንቲ ዘይትቕረብ እሾኽ ኮይና ክትስመዓና ትኽእል’ያ። እንተኾነ ግን ደቂ ተባዕትዮ ብግቡእ ፍልጠት ስለዘይዓጠቑ እዮም ክቐርብወን ዘይፍትኑ/ዘይክእሉ ብምባል የረድእ። ኣነ ብወገነይ’ኳ ይሰማምዓሉ’የ። ንስኹም ከ እንታይ ትብሉ? ? ? ?
ምስጋና ን Jah Bertad Semhar Erina Peace
ስእሊ Filtalmon Mosob Ade
ኤዲተር Temesghen Abraha

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...