Thursday, February 28, 2019

መዓልቲ ፍቑራትን መዘዛን!


ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዝጽበይኣ መዓልቲ‘ያ። መዓልቲ ፍቑራት ዝተደባለቐ ስምዒታት ዝረኣየላን ትሕቲ ትጽቢት ውጽኢትን ኣደዳ ዘይተደልየ መዘዝን ዝርከባ መዓልቲ እያ። ኣብ ሃገርና ድሕሪ 2000 ዓ/ም ግኑን ስም ክትሕዝ ከም ዝጀመረት ብዙሓት ይሰማምዑ። ጋዜጣ ዊንታና ውን ብግደኣ ኣብ ምውዕዋዕ እዛ መዓልቲ ልዑል ተራ ከም ዝነበራ ይዝከር።
ናይ ኣስመራ መሕኩማ ኢና ዝብሉ ኣጉባዝ፡ ኣብዛ መዓልቲ ካብ ከባቢ ሰዓት 6 ድ.ቐ ኣትሒዞም ‘ዮም ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ዓበይቲ ክለባት ዝዓርዱ። እቶም ፍርዝን ዝበለ ገንዘብ ዘለዎም ድማ ናብ ዓበይቲ ሆቴላት ከም ኣስመራ ፓላስን ካልኦትን ከም ዝዓርዱ ይንገር። እንዳ 74 ወይ ድማ መካናይዝድ (ሰብ መካይን) ድማ ኤክስፖ፡ ክለብ ዓይባይን ሰምበሊኖን ገጾም ከም ዝርኣዩ ደቂ-ጉናዛ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።
A photo by Filtalmon (Mosob Ade photography) 

ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኩነታት ፋራታትን ሓራይፍን ከመይ ከም ዝመስል ቀጻሊ እትለዓል ሕቶ እያ። ፋራታትን ሓራይፍን ዝባሃሉ ፍጡራት ብሰነሓሳብ ናይ ፍቕሪ ኣይሳነዩን ‘ዮም። ሓራይፍ ወላ ሕክያኦም ኬፍ ይሃልዎ፡ ታህዋኽ ስለ ዘለዎም ኩሉ ግዜ እዮም ዝርከሱ። ወረ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ደቀንስትዮ ፡ እንታይ ‘ዮም እዞም ኣወዳት ኣሌቶ ገለ እንዳሸየፉ ዝዛረቡ ክብላ ይስመዓ እየን ። ፋራታት ግን ክድውሩ ከለዉ ነታ ጓል ግዜ ወሲዶም ጎግል ጌሮማ ስለ ዝጸንሑ ነዚ ዝወርዶም ዝናብ ናይ ሕቶታት ተረጋጊኦም እዮም ዝሓልፍዎ።
ሓራይፍ ብዙሕ ዘይርዳኦም ደርፍታት ናይ እንግሊዛኛ ገይሮም ክድውሩ ይፍትኑ። ‘’Hit the road jack’’ ናይ Ray Charles፡ "End of the Road" ናይ Boyz II Men ገለ ካብ ንምድዋር ዝጥቀሙለን ደርፊታት እየን። እቲ ዘስደምም ድማ እዘን ደርፊ ናይ ዝተሰብረ ፍቕሪ ወይ ድማ ጥፍኣለይ ዝዓይነቱ ትርጉም ዘለወን ምዃነን እዩ! ፋራታት ግን ደርፊ ትግርኛ እዮም ዝጥቀሙ። ውጽኢታዊ ምዃኑ ድማ ይንገረሉ!
ኣብዛ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ መዘናግዒ ማእከላት ዘሎ ናይ ፍቕሪ ደርፊ ክጋብዛ ይውዕላ። ኣፍልጦ ዘይብሎም ኮይኑ ድዩ ወላ ብብዝሒ ልቦም ዝተሰብሩ DJ ኣለዉ ኮይኖም፡ ዝበዝሐ ናይ ጥልመት ደርፊታት እዮም ዝውልዑ። ”ስድራኺ ዮም ነዓይ ዘግድዑኒ”፡ ”ድኽነተይ” ፡”ኣነሞ በይነይ በይነይ ” ገለ ካብተን ህቡባት እየን።ንገለ ከንብዑ ይውዕሉ ንገለ ኣብ ገምገም ዘሎ ከኣ. . . .
ደቂ-ከረን ካብ ኤርትራ እተን ኣዝዩ ደስ ዘብል ኣደማምጻ accent ናይ ቋንቋ ትግርኛ ዘለወን ምዃነን ይፍለጥ። ከም ግምት ብዙሓት ‘ኮ ሻሂ ናይ ሓጋዝ ምዝውታር መልሓስካ ብሉጽ ኣወጻጽኣ ቃላት ከም ዝህልዎ እዩ ዝገብር ይበሃል።ኣነ ብወገነይ ግን ሕብሪ ቋንቋታት ኣብ ከረን ዘሎ ( ትግረ፡ ዓረብ፡ ብሌን፡ ትግርኛ) ምበልኩ። ደቂ-ከረን ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ፡ ተንኮበቶም ኣንጺፎም፡ ዓካት እንዳ ገሃጹ ‘ያዓኽ ናይ ከብደይ ክቕደሓልኪ ሑቢ፡ ማራ ኢኺ ኣቲኽኒ፡ ማርያም ደዓሪት ምስክረይ’ እንዳበሉ ትግረ እንዳሓወሱ እዮም ፍቕሮም ዝገልጹ። እቶም ገንዘብ ዘለዎም ብ ሎሪታት ዝነግዱን ኣስሊ ደቂ-ከረንን ድማ ኣብ ደዓሪት ትሕቲ ገረብ: ኣብ መናፈሻ ሳሕል ጽማቆም እንዳ ሰተዩ ወይ ኣብ ባርካ ሆቴል ፍቅሮም ብጥዑም ቋንቋታት እገላለጹ፥ ንሰን ከኣ ትቕብል ኣቢለን፡ ‘እስ’ ይብላ ፡እንዳተዃሸማ ድማ ጸባ ዝመስል ስነን ጫሕ ኣቢለን ይስሕቓ። ‘ግርም እንቲ, ወላሂ ለግርመትኪ ልብ ሸባብ ትሳረ፡’ ድማ ይውስኹ ደቂ ከረን። ‘’ምን ልብየ እፈትየኪ ሓመልማል’’ ሓሚመልኪ ዝዓይነቱ እዩ። ስራይ ኣልባብ እንቲ, ግርም ምብራቅ ጸሐይ! ኬፍ ዝለዎ ግእዛዊ መደወሪ ቋንቋ እዩ። ቋንቋ ትግረ!
ሓደ ቻማክ ዝቕምቀም ናይ ሕማመይ፡ ኣብዛ መዓልቲ ኣፍቃሪቱ ገለ ‘ተኸይፈኒ’ ትኸውን ዝብል ተስፋ ነበሮ። ምስኪናይ ወዲ ንኣፍቃሪቱ ኣብ ዝኾነ ግዜ ገለ ሃሰስ ክብላ እንተፈቲኑ፡ ‘ ግደፍ ኢለ ካብ ፈለማ….. ዘይተማሲ እንተኾነካ ዙፋን ክብረይ ኣይትተናኽፍ’’ እትብል ደርፊ ናይ ሄለን መለስ ተዝይመሉ ነበረት። ብሰንኪ ኣፍቃሪቱ ኣብ ልዕሊ ‘ዛ ስነ-ጥበባዊት ክቱር ጽልኢ ከምዘሕደረ ድማ ይንገረሉ። ኣብዛ መዓልቲ ናብ ጉርጉሱም-ባጽዕ ወሲዱ ክሓባብላ ጀመረ፡፡ ጓል ከንተበት ድማ……. ሃኒ! መዓስ ኢኻ ትምርዓወኒ ኢላ ሕክያ ጀመረትሉ! ምስኪናይ ወዲ………. ቫለንቲኖ መባልዕቱ ኣይኮነን!!
ኣብ እዋን ቫለንታይን ዝያዳ ኩሉ ሰብ ፍቕሪ ፍቕሪ ምጽዋት ዘዘውትሩ ተማሃሮ ኮለጃት ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ መዓልቲ 2 ሚልዮን ኪሎ ዋት ፍቕሪ ኣብ ኮለጃት ማይ ነፍሒን፡ ዓዲ ቐይሕን፡ ሓልሓለን ከም ዝምንጭው ይሕመ። እዚ ድማ ን ባጽዕ ንወርሒ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከብርህ ከምዝኽእል ኣካየድቲ ሕርጊጎ ይዛረቡ።
ኣብዛ ምሸት ቁጠባዊ ቅልውላው ዘለዎም ናይ ሕማመይ ኣብ ኣንጎሎታት ናይ ኣስመራ ዝዓርዱ ውን ሒደት ኣይኮኑን። ኣቦታት ኣብ ጽልምትምት ዝበለ ቦታ ወዲን ጓልን ምስ ዝርእዩ። ፖርካ ላ ሚዘርያ፡ ማለዴቲ እንዳበሉ ኣጋፊዖም ከም ዘሳጉጉዎም ዝነበሩ ኣብዚ ግዜ 30ታት ገይሮም ዘለዉ መንእሰያት ይናስሑ።
ሓደ ቻማክ ዝተቐምቀመ ናይ ሕማመይ ፋካ ትኽርሖ (እስእን)። ንዘላ ጀምዓ ዳም-ዳም ተበለ ድማ ኩላ ዘይብላ። ነገራት ሓሚምካ እንተኸድካዮም ሞይቶም ይጸንሑኻ ኮይናቶ፡ ነታ መዓልቲ እንዳማረረ ከኣ፡ እዞም ጽዓዱ ቫለንታይን ገለ እንተዘይ ምህዙ እኮ እዚ ኹሉ ሽግር ኣይምጀየበን! ያዓኽ ሓደ ቐሺ እኮ እዩ እዚ ኹሉ ሰበብ ኣጀይቡ። ኣብ ስጅን ኮይኑ ብጓል ዝኣሰሮ ሰብኣይ ሑብ ተረቢጡ ደብዳቤ ይቕልመላ ነይሩ። ሳክት ኣብ ገንዘብ ዘይብልና መዓልቲ መጺኣ እዛ ኣጋጣሚ፡ ሕጂ ኣሞረ ተዘይ ኣጀሪረያ፡ ጉማማ ሓላ ኣይትርደኦን’ያ!
ኣብ ገጠራት ውን እዛ መዓልቲ ከይተገጠሙ ‘ዮም ዘብዕልዋ። ኣጉባዝ ካብ ሩባ ማይ ኣወራርዳኣ፡ ብልጽቲ ኣራይት ዕንጸይቲን፡ ኣሓኣ ዝምእዘዛኣ፡ ጥዑም ዝስዋኣ ወሓለ ኢሎም ዝሓስብዋ እዮም ዝመርጹ። ኣብ ሓዲግ ሰማይ ኮይኑ ድማ፡ “በዓልቲ በራውር’የ፡ ፍሉይ ኣተዓጥቓ ዕጣቓ፡ ኣብቲ ሸኻ ፡ኣብቲ ወላኻ ፡ዘይነንገርግር ከም ኣድጊ ማይላኻ ” ኢሎም ከምዘዝይሙ ይፍለጥ።
ዝገርም ነገር፡ ደቂ ገጠር ቸካይስ ኣብ ሓንቲ ስርቖት ናይ ዓይኒ ዝርየኦ ነገር ንወዲ ናይ 20 ደቒቕ ምጥማት የድልዮ። እቲ ወዲ ኬፍ ይህባ እንተነይሩ ፍሽኽ ኢላ ክሳዳ ጉልዕጽዕጽ ተበልሉ’ሞ። ኣንቲ ሎኽሳስ ፡ ፈዛው፡ ዝኣመሰለ ቅጽላት እንዳተጠቕመ ኢዳ ጠውዩ ይሓባብላ። ኣንታ ኡይ ክብል እየ፡ ኣንታ ግደፍ…………. ኩሉ ምስ ተወደአ። ቃንጫ መሸላ’ዩ ሓሪዱኒ በሊ ኢሉ የዝይመላ ይበሃል!
ሓደ ግዜ ኣብ Valentine’s day ሓደ ካብ ገጠር ዝመጸ ወዲ፡ ንሓንቲ ሓሪፍ እየ ባሃሊት ጓል ከተማ ንፍቕሪ ይሓታ። ያ ኣነ ክሕነቕ ‘የ፡ መወዳእትኡ ብ በትሪ ምቕርቃር ሓንቲ ቱሽቱሹ ዝበርሐት ንኣሞረ ይሓተኒ ኣሎ። ዘራዓይ! ‘ያ ‘ዛ መዓልቲ እዚኣ New personal low ኢለ ክምዝግባ እየ በለት።
ጥብቆ፡
ፍዮሪ ገዚእኩም ንኣፍቃሪትኩም/ኣፍቃሪኽን ከም ህያብ ክትህቡ እትደልዩ ዋሕዲ ፍዮሪታት ከጋጥም ስለዝኽእል ኣቐዲምካ ምድላው ተመራጺ ይኸውን።
ኣብዛ መዓልቲ ዳርጋ ኩለን ሆቴላት ኣቐዲመን ስለዝተሓዛ፡ ኣማስያኡ ኮለል ከይከውን ኣቐዲምካ ቦታ ምሓዝ ተመራጺ ምዃኑ ሰብ ተሞክሮ የማኽሩ።
Happy Valentine’s Day !!!
ነዛ ጽሕፍቲ ክውንቲ ንምግባር ዝተሓባበሩ ደቂ-ከረን ከምኡ ውን ደቂ ሓጋዝ ኣዝየ አመስግነኩም!
ምስጋና ን Dinar Girmai
Awet Aregay
Photography by Filtalmon Mosob Ade
ኤዲተር፡ Temesghen Abraha 

No comments:

Post a Comment

ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ ...