Wednesday, May 8, 2019

መዳን ኣፍቃሪቱን - ፊልም ቀራና ንምርኣይ ናብ ሲነማ የቶቦሪ

ምስ ኣፍቃሪትካ ናብ ሲነማ ምኻድ እቲ ዝበለጸ መማሰዩ ምዃኑ ዝበዝሑ ሓራይፍ ዝሰማምዕሉ ሓቂ ‘ዩ። ምኽንያቱ ካብ ኣፍቃሪትካ ክወርድ ዝኽእል ዘምቢ ሕቶታት ብልዕሊ ፍርቂ ከጓድሎ ዘክእል ብሉጽ ምርጫ ‘ዩ። እዚ ማለት ንኣፍቃሪትካ በይና ኣብ ሬስቶራት ድራር እንተጋቢዝካያ፡ በሊዓ ምስ ወደአት እትሽምቡቦም ሕቶታት ከም ኢንተርቬው - ንላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ብጉዳይ ዶብ ምሕንጻጽን ምጥያስ ሰራዊትን ጌርኩም ውሰድዎ!!
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣፍቃሪአን ቆጸራ ምስ ዝህልወን፡ መጀመርያ ንመሓዛአን ‘እወይ ሎሚ ደኣ ምስ መን ድየ ከምስየልኪ’ እንዳበላ ሓራካት ይገብራላ። ዝተረፈ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ ክዳን ኣብ ምምራጽ ከምዘሕልፋኦ ይፍለጥ። 
Senay Solomon the leading actor, director and the producer of the film Qerana.

ናይ ድራር ዕድመ እንተኾይኑ ድማ ሓጺር ጎና-ክዳን ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ገለ ክፋል ናይ ኣፍልበን ዘርኢ ጅልዕ ዝበለ ናይ ላዕሊ ክዳን ከምዘዘውትራ ይንገር። ኣየወ ምስኪናይ ወዲ ድማ ኣቓልቦኡ ናብቲ ብዙሕ ንፋስ ዘይሃርሞ ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ሰባሕ ቆርበት ኣፍልቢ ክርኢ ኣቓልቦኡ ስሒቱ የምሲ።
መብዛሕትአን ኣዋልድ ናይ ሬስቶራንት መግቢ በሊዐን ምስ ጸገባ ኩሉ ግዜ ዘልዕላኣ ሕቶ ኣላ። እዛ ሕቶ ድማ ድሕሪ ደዘርት(መጠዓዓሚ) ገለ ምዕጎ ናይ ነቢትን (wine) እየን ዝሹምብባኣ። ‘ሃኒ መዓስ ኢና ንምርዖ!?’ ከም ኣጋጣሚ እቲ ወዲ ወታእታእ እንተኢሉ ግን…………… በቃ: “ይኣክል”፡ ዳውን ዳውን! ናይ መርዓ ዕለት እንተተወሰነ ጽቡቕ። እንተዘይኮይኑ ግን ዶብና ይተሓንጸጽ ትብል። ኣይረድ ‘ዩ ነገሩ። ኣይሰላም ኣይኲናት ምሸት።
Cinema in Guthenburg, During Qerana film day view 
Qerana Film poster

መዳ ዓርከይ ሓደ ካብ ፈተናን ተደጋጋሚ ሕቶታት መርዓ ንኽሃድሙ ብዙሕ ታክቲክን ተክኒክን ዝጥቀሙ መናእሰይ‘ዩ። ሓንቲ ካብኡ እትነውሕ ዓርኪ ከምዝሓዘ ብወረ በጺሕኒ ነይሩ። ኣዝዩ ኣድናቓይ ብልሙድ ኣጸዋውዓ ድማ Romantic ንምምሳል ዘይፍሕራ ጉድጓድን ዘይሓስቦ ነገርን የልቦን።
ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ facebook ብዙሕ ምውዕዋዕ ዝግበረላ ዝነበረት ‘ቀራና’ እትብል ኤርትራዊት ፊልም ምስ ተዓዘበ። ከም ሓሳብ ሓደ Movie night out ምስ ኣፍቃሪቱ ወሰነ። ብኢንተርነት ክልተ ትኬት ገዝአ። ንኣሞረኡ ድማ ሳፕራይዝ ኣሎኪ ብምባል ዓይና ዓሚቱ ሓባቢሉ ትኬት ሃባ። እዚ እንክብለኩም ከለኹ ግን ልዕሊ እዛ ፊልም ዝተዋህበቶ ሽልማት ናይ ብልጽቲ ፊልም ናይ ኣፍሪቃ። ናይ ዓለም ማዕረ ኣቫታር ኣምሲሉ’ዩ ሓራካት ገይሩላ። ሰምበት ምሸት ድማ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ሽወደን ዝርከብ ሲነማ ምስ ኣሞረኡ ተራኣየ።
ደቂ ኣንስትዮ ፊልም ክርእያ እንከለዋ እንዳተዛረባ እየን ዝርእያ። እዚ ድማ እቲ ብኣቓልቦ ምክትታል ዝፈቱ ወዲ ተባዕታይ ኣዝዩ ‘ዩ ዘሕርቖ። ሓደ መታለሊ ገጸ ባህሪ ኣብቲ ፊልም ምስ ዝህሉ፡ ምስኪናይ ወዲ ክሳብ እታ ፊልም እትውዳእ‘ዩ ዝጽረፍ። ሓንቲ ከተም ጓል ንሓደ ወዲ ክትጸፍዖ ምስ ዝርእያ’ሞ፡ ሞራለን ማራ እዩ ክብ ዝብል። ጅግና፣ ኣምበሲት ኢለን ክምጉሳኣ እስምዓ። ሓንቲ በሃም ዝተታለለት ጓል ወይ ካራክተር ምስ እትህሉ’ሞ፡ ቻው! እታ ፊልም ክሳብ እትውዳእ ክምዕዳኣ ይውዕላ። መብዛሕተአን ዝሕጎሳሉ ኣጋጣሚ እንተሃልዩ ግን! ሓደ መታለሊ ኣክተር/ ካራክተር ብፖሊስ ክተሓዝ እንከሎ……… yes ፡እንቋዕ’ሰይ ኢለን እየን ሓጎሰን ወሰን ዘይብሉ ምዃነን ዝገልጻ።
ንጽባሒቱ መዳ ንዓይ ብ Whatapp ደዊሉ፡ ‘ኣንታ ሓላ ዘይከማኻ ብ Application ዘይኮነ ኣብ ሲነማ ‘የ ዝርኢ።’ ኣነ ድማ ትቕብል ኣቢለ ደሓን ናቱ ደኣ፡ ከመይ? ሰሊጥካ’ዶ? በልክዎ።


ኢንቨስት እንተጌርካ ደኣ ማእሙና’ዩ ዝሰልጠካ፡ ግን ምስ ኬፍ ዘይብሎም ሰባት ናይ ኔትዎርኪን ሽግር ኣጋጢሙ’ሎ ውስኽ ኣቢሉ ድማ ናይ ባንክ ካርደይ ከኣ ረሲና ኣላ …….. ኢሂ ደኣ በልክዎ እንዳሰሓቕኩ!?
‘ያ ኣብታ ፊልም ዝነበረት ሓንቲ ሄለን ዝስማ ሑርማ ወድያታ ዝነበረት ሰማያዊት ቦዲ ክትጽብቕ ኢላ ምስ ደጋገመትለይ። ግዝኣለይ ማለታ ምዃኑ ተረዲኡኒ። ከይፈተኹ፡ እሞ እንተረኺብናያ እንዶ ናብዚ ዓቢ ሹቕ (ሞል) ንርኣያ ብምባል ናብ ሓደ እንዳ ክዳውንቲ ሒዘያ ኣትየ ። ደሓን ኣይእቶ በዓል ዱኳን ብፍሽኽታ ተጻዊቱለይ። እቲ ኣብቲ ክዳውንቲ ተጠቂዑ ዝነበረ ዋጋ ድማ ብዙሕ ዜሮታት ነበሮ። ጓል ኣያት መዓስ ናታ ክዳን ጥራይ ዘግዘኣትኒ መሲሉካ፡ ሓደ ኣሌክስ ዝብሃል ኣክተር ከኣ ነይሩ ኣብታ ፊልም፡ ከምናቱ ካሙቻ ተዘይ ገዛእካ ኢላ ብሓይሊ ኣግዚኣትኒ። ………… ዲቢዛ ዝኾነት ምሸት ያዓኽ! ሀሀ Meda at his best 

Kahsay Berhe, Famous Eritrean singer during
Qerana Film day view 

ጓል- ኣያት ድሕሪ ሲነማን ሸመተ ክዳውንቲን ሃለፍ ስለ ዝበላ ኣብዚ ንደረር ኢላ ናብ ሓደ ሬስቶራንት ሒዛቶ ኣተወት። ኣብኡ ድማ ቀመጽመጽ እንዳበለት፡ ብ Slow motion እንዳበልዐት፡ ኣዒንታ ጉልሕምሕም እንዳኣበለት ንልቢ መዳ ሸተት ኣበለታ። ጸኒሓ ሞባይላ ሓዘት፡ ነዊሕ ደቓይቕ ድማ ወሰደት። ሃኒ፡ እንታይ ደኣ በለ? ‘እውይ ሶሪ። ኣብታ ፊልም ዘላ ክላሲካል/Sound track ካብ itunes ክደልያ ጸኒሐ።
መዓስ ንሱ ጥራይ! ወዲ ዘይረኽቦ ዘይብሉ፡ ጓል ኣያት ንኩሎም ኤርትራውያን ተዋሳእቲን ፕሮዲሰራትን Friend request ክትሰደሎም ኣምስያ። እዚ ዝተዓዘበ መዳ፡ ስምዒ እንዶ እንታይ ደኣ ኣወዳት ጥራይ ዲኺ Friend request ትሰዲሎም ምስ በላ። ኣነ’ኳ ኣዋልድ ኣይፈቱን ‘የ። ካብ ናይ ዓድና ከዋክብቲ@Mereb Estifanos Eritrean ሲዶንን ጥራይ እየን ኬፍ ዝህባኒ በለቶ። እዚ ድማ ንመዳ ዓርከይ ምቑሓም እንተኣቢዩካ ጉሰሞ ኮይኑዎ።


ኣብ ቴሌፎን፡ ‘ስማዕ እንዶ ዶን፡’ ሰናይ ወዲ መምህር እንድዩ ሰሪሕዋ። መዓት ገንዘብ ኣውጺአላ ከኣ ኢሉ ይዛረበልካ እምበር። ብመዘዝ እዛ ፊልም ክንደይ ከምዘውጻእና ንገሮ። ጁባና ኣንኲሉና። ሕማቕ ትምህር በሎ።
ፊልም ‘ኮ ሲነማቶግራፊ ኣይትበል ወላ ድርሰት ተባዕታይ’ዩ ነይሩ ። ንተባዕትዮ ከምዚ ከማይ ዘይከውን ደኣ እምበር። ናይ ሰበይተይ friend request ከኣ ኣይትቀበሎ በለለይ …….. ሀሀ
ፊልም ቀራና ፓሪስ ትመጽ ኣላ ኢሎማ’ሞ ከመይ ከም ዝተናገፍኩ ከሕክየኩም ‘የ። ብ ቐርና ደኣ ከይተወግዐና እምበር።…….. ይቕጽል

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...