Friday, May 10, 2019

ዘመናዊ ኣስማት ዲያስፖራ ኤርትራውያን ህጻናት



 ኣብ ፈረንሳ ሓንቲ ንንውሕ ዝበላ ኣዋርሕ ሒዘያ ዝነበርኩ ትምህርቲ ቅድሚ ምውድኣ፡ ን 60 መዓልታት ግብራዊ ልምምድ ክገብር ግዴታ ነይሩ። እዚ ልምምድ/Internship ድማ ዝኾነ ከይተኸፈልካ ዝትግበር’ዩ። ዓባይ ከተማ ፓሪስ ምስ ከባቢኣ ትጨደድ ሓፍተዲኣ እንተበልኩ መን ክቕበለኒ። ኦን ላይን ልዕሊ 100 ናይ ስራሕ መረድኢ/CV ሰዲደ። ወይከ! ክልተወርሒ መልሲ የሎን። ፍርቂ ካብ መማህርተይ ድማ ቀልጢፎም ዕድላት ከምዝረኸቡ ተዓዚበ። መምህረይ ውን ብኣካል ምኻድ ይበልጽ ኢሉ ክደጋግመለይ እዝከረኒ። ስለምንታይ ከምኡ ይብለኒ ከምዝነበረ ኣይርደኣኒን’ዩ ነይሩ። ኣነ ዓሻ ………….

Lunch time at the Baptism Party

ሃብተገርግሽ፡ ወልደስላሴ፡ ተስፋሚካኤል-ዝጊ፡ ተስፋጼነ-ማርያም ………. ዝኣመሰሉ ኣስማት ምስ ረኣዩ ወላ ንትሕዝቶ CV ናትካ ከየምበቡ’ዮም ዝጉሕፍዎ። እዚ ንኽንበብ‘የ ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንክትምረጽ ‘ሞ!!!!? ስለዚ ነታ ቐዳመይቲ መልሓኲ ክትሓልፋ Andre, Baptiste, Claude ዝኣመሰለ ስም ክህልወካ ኣለዎ ማለት’ዩ።
ኣብ ፈረሳ ኣዝዩ ስግንጢር ኮይኑ ዝረኸብክዎ ነገር ኣሎ። ምስ ናይ ስራሕ መረድኢ CV ብጥብቆ ዝስደድ ደብዳቤ’ዩ። ኣዝዩ ስምዒታዊን ዝተጋነነን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ስነ ሓሳብ’ዮም ዝኽተሉ።

ንኣብነት፦ ናብ ክቡር ኣማሓዳሪ’ዚ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ትካልካ ልዑል ኣኽብሮት ኣሎኒ፡፡ ብጻዕዳ ኢደይ ገዲፈ ብጸሊም ከገልግል ድሉው ዝኾንኩ ሓቦኛ፡ ጽኑዕ፡ ዘይሓምም፡ እንተሓሚሙ ዘየቡኩር፡ ኩሉ ዝጸውር፡ ኩሉ ዝኽእል፡ መጎዓዝያ እንተተሳኢኑ ብናዓሪት ዝጨድድ ………… ኢልካ እንተዘይ ጽሒፍካ፡ ዕድል ናይ ምርካብ ተኽእሎኻ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።

Baby Amanda few seconds before Baptism
ኣብ ዝሕለፈ ቅንያት ዘይትተርፍ ጥምቀት ናይ ቤተሰብ ስለ ዝነበረትኒ ናብ ሃገረ ስዊዝ መገሻ ግድን ነበረ፡፡ ኣብቲ ጥምቀት ዝግበረሉ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ንግሆ ክሳተፍ ስለ ዝነበረኒ ድማ ኣብ ሰዓተይ ደበኽ በልኩ። ከም ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ጫማኻ ኣውጺእካ ምእታው ግድን ‘ዩ። እንተኾነ ግን ቁሪ ኣይተኻእለን። ወዲናዮ ዝነበርና ካልሲ ሓሊፉ ኩሉ ነብስና ኣብሪዱና።
ኣብ ከተማ በርን ዝቕመጡ ኤርትራውያን  ናይ ቤተ ክርስትያን ሕጊ ሰተት ዘየብሉ ማሕበረኮም እዮም። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኣነን ግርሜሶ ዓርከይን ቤተሰበይን፡ ሔው ሒው ከንፈር ድማ ሃበበበበ በበ ክብል ጀመረ ብቑሪ። ግርሜሶ፡ ‘ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ናይ ቁሪ ኣምላኽ እዩ ዘሎ’ ብምባል ሕክያ ጀመረ። ከመይ ኢለ ስቕ ክብል፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብሰሓቕ ክንኽነኽ ጀሚረ። ኩላ ዘርከበት ዓይና ብምፍጣጥ ንዓይን ንዓርከይን ከተፈራርሓና ጀመረት። ሰሓቕና ክንኩለፍ ግድን ነበረ። እንተኾነ ግን ጉዳይ ቁሪ ወላ ፍታሕ ኣይተረኽቦን።

Me & Cousin Girmay

ከንፈርና ከንፈጥፍጥ ዝተዓዘበት ሓንቲ ጎርዞ፡ በጃኻትኩም ጫማኹም ግበሩ፡ ኣጋይሽ ኢኹም ምሽ በለትና?’ ድንጋጸ ሓዊሳ። ዘረባኣ ከይወደአት ናብ ጫማ ምድላይ ከድና። ጫማታትና ድሕሪ ምውዳይ ድማ፡ ንቑሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምጽናሕ ከይተገጠምና ሸተት ኢልና ንፋስ ወሲድና መዳእና። ህጻን ኣማንዳ ብዙሕ ከይበኸየት ተጠሚቓ! እቲ ዛሕሊ ናይቲ ዝተጠመቐትሉ ማይ በቲ ከብዲ እግረይ ሓሊፉ ክሳብ ብርከይ ዘብረደኒ ዛሕሊ እንዳ ሓሳብኩ፥ ስእሊ ከልዕል እፍትን ነበርኩ።


 
Family photo
ኣብቲ ናይ ጥምቀት ዝነበረ እንግዶት ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ዝተሳተፍዎ ነበረ። ኣብኡ ድማ ኣስማት ናይ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ስለምንታይ ‘ዩ ናይ ምዕራባውያን ዝኸውን ዘሎ ዝብል ኣርእስቲ ተላዕለ። ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣነ ሓደ ካብ ቀዳሞት መደርቲ ኣስማት ባህልና ክዕቀብ ኣለዎ ዝብሉ‘የ ነይረ። ኣሎ ዝበሃል መርትዖታት ሒዘ ከም መቃምምቲ ድማ ሳፊ ዝኾነ ናይ ሻዕብያ ትግርኛ ብምጥቃም፡ ንዝተኻታዓኒ ሰብ ከምዚ ናይ ካድር ትምህርቲ ዝመስል ፍልስፍና ኣብ ኣእምሮኡ ከምዝሰርጽ ገይረ የፋኑ ነይረ። ኣዝየ ዝመለኽዋን ካብ ኣብ ፓሪስ ዘለዉ መዛኑየይ ክላሰይ ተመሓይሸለይ ኣርእስቲ ድማ’ያ ዝነበረት። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውን ብዙሕ ዘይግጥሞ ሰብ ኣኳሊላ ናብዛ ኣርእቲ ብምእታው ሃት ትሪክ ሰሪሐ፡ እዛ ሕክያ ይዛዝማ ነይረ።
ከመይ ዲና………
ገለ ካብቲ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ልዕሊ ሃገራዊ ምሉእ ሓሳባት፦
ስም እመርሕ ጥዋፍ የብርህ።
ኣስማትና መንነትና እዩ፡ ክጠፍእ የብሉን።
ምዕራባዊ ኣስማት ናብ ሃገርና ዘይምምላስ’ዩ ዘርእይ።
ንጠፍእ ኣሎና…….. ወዘተን  ዝኣመሰሉ ሓራካታትን ዘመተታትን ርጡብ ኣዘራርባ ብምውሳኽ የፈራርህ ነይረ።
Efrem and Tikea. Parents of the baby and
to be wedded on 27/07/2019
ነገር ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ናይ internship ጉዳይ ኣብ ስራሕ ምድላይ ውን ተመሳሳሊ ምረት ምስ ኣሕለፍኩ፡ እዞም ኣብ ስደት ዝውለዱ ቆልዑ ብዝተኻእለ መጠን  ምስቲ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም Integrate ገይሮም ክነብሩ ኣለዎም ዝብል ስነ-ሓሳብ ኣብ ርእሰይ ካብዝቕመጥ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ።

Auntie Mekdes with baby Amanda 
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ናይ ምዕራባዊ ኣስማት ምውጻእ ኣዝየ’የ ዝቃወሞ። ኣብዚ ግዜ ብዝለዓለ መልክዑ ከስፋሕፍሕ ድማ ንዕዘብ ኣሎና። ንኣብነት ከም ኢብራሂሞቪች፡ ቤካም፡ ሜርሲ ….ወዘተ.,,,,,,, ክንጠቅስ ንኽእል። እዚ ድማ ምሕካክ ባህሊን መንነትን’ዩ።
ህንዲ እቶም ካብ ባህሎም ወጻኢ ስም ዘይጥቀሙ ዓሌት ክኾኑ እንከለዉ፡ ቻይናን ፊሊፒንስን ድማ እቶም ጠቕላላ ንዝነብሩሉ ቦታ መሲሎም ዝነብሩ ኮይኖም ረኺበዮም። ብሓፈሻ ኤስያውያን ምስ ተክኖሎጂ ዝተኣሳሰረ ስራሕ እዮም ዘዘውትሩ። እዚ ድማ ዝሓሸ ተቐባልነት ኣብ ስራሕ ከምዝህልዎም ይገብሮም።

ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሰርሑ ሓለፍቲ ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ባህሊ ኣውሮጳ፡ Facebook ናይ ኤርትራውያን እንተዝርእይዎ፡ ጌና ኣፍሪቃውያን ጉዑሎት ኢኹም ዘለኹም ኢሎም ንኩላትና ዜግነት ኣይምሃቡናን፡፡ በዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ፋሽናዊ ናይ ናሽናሊዝም ስነ-ሓሳብ ድማ ዓድና ምሰጎጉና! ምኽንያቱ፡ ኣላን’ዶ ዛ Integration ዝብልዋ ቃል፡ ብሱሩ ኣየማላእናያን!
ስለዚ ናብራ ኣብ ስደት ወይ ነቲ ምሳኻ ዘሎ ሕብረተሰብ ምምሳል’ያ ወይ ድማ፡ ኮብሊለ ነይረ ኢለ በለዛ ምምልካት’ያ፡ እንታይ ደኣ’ሞ?
 ዓዲ ኣበይቶ’ዶ ተራእያትኩም?

እዞም ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝውለዱ ህጻናት ን መጻኢ ክጠቕሞም ዝኽእል ከመይ ዓይነት ስም እዩ ትብሉ? ርእይቶኹም ኣብ ኮመንት ዶርጉሕዎ።

መባልዕትኺ ስም ይግበረልኪ ህጻን ኣማንዳ!



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...