Wednesday, May 22, 2019


መሸጣ ፊልምታት ኤርትራን ጸገማቱን

 ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና፡ ናብ Youtube ገጽና ኣይምለስን ኢና’! Youtube ኣየዋጽኣናን’ዩ ዝብል ዘረባታት ብዙሕ ክደጋገም ክንሰምዕ ጀሚርና ኣሎና። ግን እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ናይ ሸርፊ ኩነታት ድዩ እቲ ጸገም ወላ’ሰ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ስለ ዝተረኽበ’ዩ?
Photoshop by Filmon Alemseghed @Fil Mon 

ኣገራሚት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ጥራይ ዝጥቀሙላ ሓንቲ ፍልስፍና ኣላ። ንዓዮም ፊልምታት ከም ደቅና ኢና ንርእዮም። ወነንቲ ፊልምና ክንከውን ኢና ንደሊ’። ፊልምታትና ኣይንሸይጥን ዝብሉ ዘይምሉኣት ፍልስፍናታት ከጋውሑ ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኣሎና። ከመይ ገይሮም ናብ ዕዳጋታት የውርድዎ፡ ወይ ድማ ከመይ ገይሮም ኣብ ናይ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ዓበይቲ ሲነማታት ከም ዝርአ ዝገብርዎም ስለ ዘይፈልጡ ድማ ነታ ፊልም ሒዞማ ዓመታት ይኾሉ’ሞ፡ እታ ፊልም ድማ ኣብ ኢዶም ግዜኣ ተሕልፍ።


ዩቱብ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ exposure ወይ ናይ ምርኣይ ዕድል ‘ከ ስለምንታይ እዩ ኣነኣኢስካ ዝርአ ዘሎ። ወላስ እዘን ካብ ህንዲን ባንግላዲሻውያን ብ $500 ክግዝኣን ክስርሓን ዝኽእላ ናብ ህዝቢ ቀሪበን ዘለዋ 10 ዝበጽሓ Applications ናይ ዩቱብ ኣሚኖም እዮም። ቁጽረን ድማ ብተዓጻጻፊ ክውስኽ ከምዝኽእል ግምታት ብዙሓት’ዩ!
እዘን ሓደስቲ Applications ንሰብ ስለ ዝሓደሳኦ፡ ከም ፋሽን እሕሽሸለን ከምዘሎ ይንገር፡ እንተኾነ ንመጻኢ ሓደ ሰብ ንሓንቲ ፊልም 5ኤሮ እንዳ ኸፈለ ክሳብ መዓስ ‘ዩ ክርእይ? ተኸታታሊ ፊልም ድማ ኣዝዮ ኣገራሚ ዋጋታት’ዩ ተሰሊዕዎ ዘሎ፡ ንሓንቲ ክፋል ከባቢ 2.5ኤሮ፡ 40 ክፋል እንተሃልዩዋ ክንደይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ መካረዩ ዋጋ’ዛ ፊልም $100!?
ከም Empire ዝኣመሰላት ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ መላእ ዓለም ልዑል ህቡቡነት ዝነበራ ዓባይ ተኸታታሊት ፊልም ናይ ሆሊዉድ ን 3 Season ወይ ድማ 45 ክፋላት ብ 35 ዶላር ወናኒ ዲቪዲ ናይታ ፊልም ክትከውን እንዳ ተኻእለ፡ ብቑዕ ደረጃ ዘይብሉ ናይ ሃገርና ተኸታታሊ ፊልም ግን ሰፍ ዘይብል ዋጋታት ተተሚኑ። መን’ዩ ‘ኸ እዚ ዋጋታት ዝትምን ዘሎ ሰብ? ዋናታት ዩቱብ ቻነል…….?

እቶም ዋጋ ዝውስኑ ሰባት ድማ፡ ወርሓዊ ኣታዊ ሓደ ኤርትራዊ ክንደይ ናቕፋ፡ ዶላር ወይ ኤሮ’ዩ ከይገመቱ ድዮም ዋጋ ዝውስኑ? ደሓር ድማ ከምቲ ዝድለ ሰብ ኣይሰዓበናን ዝብል ምዕዝምዛማት ከስምዑ ይረኣዩ። ኣብ ኣውሮጳ ስቱድዮ ወላ ንእሽቶ ኦፊስ ክትከፍት ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ከምዝሓትት ርዱእ’ዩ። ግን ክብሪ ዋጋ ከም ፍታሕ’ዶ ክውሰድ ይግብኦ’ዩ?
ንኣብነት Ella Application ምሉእ ብምሉእ ዘይማዕበለት ምዃና ካብ ብዙሓት ዝረኸብክዎ መጽናዕታዊ ሓበሬታ’ዩ። ኣብ ቴሌቪዥን ኣስጊርካ ምርኣይ (Cast) ዘይተኽእል ምዃና ድማ ንብዙሓት ሰባት ተወኪሰን ባዕለይን ተዓዚበ። ስለዚ ኢድካ ክሳብ ትርብርብ ብኢድካ ሒዝካ ጨምጪምካ ብሞባይልካ ፊልም ምሉእ ትርእይ ማለት’ዩ። ኣዝዩ ዘገርም ነገር! ብገንዘብካ ሕማቕ ኣገልግሎት ኢልና ክንሓልፎ።
ሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና ግዜ፡ ሰብ’ኮ ክንደይ ክቡር ነገራት ኦንላይን ከምዝገዝእ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ውሽ ዝበሃል ወብሳይት ብምእታዎ ክንደይ ንብረት ድዩ ዝገዝእ ክብል’ዩ ሓሳቡ ከፍስስ ሰሚዐ ሓደ ዓቢ ስነ-ጥበበኛ። ከም ተወሳኺ ውን ኣብ ሓደ ጣውላ ንቢራ ክንደይ የውጽእ ሓደ ኤርትራዊ ክብል’ዩ መጒቱኒ። እንተኾነ ኤርትራዊ ከም ልምዲ ኤርትራዊ ፍርያት ከምዘየህልኽ ዘይፈልጥ ምዃኑ’ዩ ኣጉህይኒ።
ሲነማ ተባሂሉ ወርዙይ ዝመስል ዘረባ ኣብ  YouTube ክንሰምዕ ቀኒና፡ ዓበይቲ ዝበሃሉ ስነ-ጥበበኛታት ውን ድጋፎም ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ኣስመራ ብዘይካ  ሲነማ ሮማ ኣየነይቲ ጥዕይቲ ሲነማ ስለ ዘላ’ያ? እዘን ሲነማታት፡ ጸወታ premiere league/ Champions league እንተሃልዩ፡ ፍጹም ንፊልም ከምዘየካርዩ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ ዕዳጋ መዝሚዝካ ኣታዊኻ ምብርካት’ዩ ‘ቲ ምስጢር።

Inside Cinema Roma, Asmara Eritrea
እታ ደሓን ትበሃል ሲነማ ሮማ ድማ፡ ብመንግስታዊ በዓላትን ኣኼባታትን ካልእ ምርኢታትን ትንፋስ ዘይብላ ምዃና ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ከም ባህሊ ድማ ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ እንትርፎ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ናብ ካልእ ቦታ ዝኽየድ ኮይኑ ኣይስምዖምን’ዩ። ከም ደቀምሓረ፡መንደፈራ፡ጊንዳዕ፡ባረንቱ፡ደባርዋ ዝኣመሰላ ከተማታት ደሓን ዝኾነ ኣደራሻት ኣለወን። ኣያታት’ዞም ሕጂ ኣሎና ዝብሉ ዘለው ተዋሳእቲ፡ ማይክሮፎን ሒዞም ኣብ ሓንቲ መኪና ኮለል እንዳበሉን እንዳወዓውዑን ፈቐዶ ከተማ ዝርከብ ኣዳራሻት ተኻርዮም ፊልም የርእዩ ከምዝነበሩ ዝተረስዐ ታሪኽ’ዩ። ኣብ ኢምፐርያል ሆቴል፡ ቺነማ ኣዝመራን ኩዋን ኮለል ብምባል ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ ግን ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።
ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ትሑት ኣታዊ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጠናዊ ዝኾነ ገንዘባዊ ወፍሪ ኣብ ፊልምታት ክህሉ ኣገዳሲ’ዩ። ዝኾነ ሰራሒ ፊልም Quality እትብል ቃል ብዙሕ እዩ ዝጥቀመላ፡ እንተኾነ ወጻኢታቱ ከመይ ገይሩ ክሽፍኖ ከምዝኽእል ድማ ክሓስበሉ ዘለዎ ነገር’ዩ። እዚ ዋጋታት ወላ እኹል ዶሞዝ ወይ ድማ እኹል ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘለዎ ሰብ ከምዚ ኣብ ኣፕሊኬሽናት ወጺኡ ዘሎ ዋጋታት እንዳከፈለ ፊልም ክሕሽሽ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ‘ሞ ዘይሕሰብ’ዩ!!
ከም ተወሳኺ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ሓደ ቀታሊ ባህሊ ኣለዎም። ኣብ ዘይረብሓ ጉጅለታት ዝተመቓቐሉን ዝተገማምዑን ድማ’ዮም። ጥበብ ዘድንቕ ስነ-ጥበበኛ ድማ ከም ኣጋጣሚ ሓደ ወይ ክልተ እንተዘይኮይኖም ኩሎም ዘሎ ጌጋ ጥራይ እዩም ክረኽቡ ዝደልዩ። ስለዚ ንህዝቢ ጌጋ ዝኾነ ስእሊ ይህቡ፡ ብቐሊሉ ድማ ኣደዳ ምዝመዛ ዓደግቲን ዘርጋሕቲን ፊልም ይኾኑ ማለት’ዩ።
እዞም ስነ-ጥበበኛታት ምስ ሰብ ጸጋ ክጽግዑ ጥራይ እዮም ዝረኣዩ። ሓደ ሃብታም ሓንቲ ፊልም ከምዝካረየሎምን፡ ሓደ ድኻ ውን ሓንቲ ፊልም ከምዝካረ ኣይርደኦምን’ዩ። ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ዓንኬል ዕዳጋኦም ኣዝያ ንእሽቶን ዘይትረብሕን ትኸውን።


Cinema Roma: One of the biggest Eritrean Cinemas located in Asmara
Cinema Roma, Asmara Eritrea 

ስነ-ጥበብኛታትና ሓንቲ ኣሰልቻዊትን ብዙሕ ግዜ ዘዘውትርዋን ዕላል ኣላቶም። ኣነ ፊልም ክሰርሕ ክንድዚ ወጻኢታት ገይረ’ ክብሉ ይስምዑ፡ ኣዝዩ ዝተጋነነ ቁጽርታት ድማ’ዩ። እንተኾነ ግን እንትርፎ ዉሑዳት ዳርጋ ዝበዝሑ ከምዘጋንኑ ዝኽወሎ ዉሑድ ጥራይ’ዩ። ምኽንያቱ ንኤዲቲንግ ዝጥቀሙለን ናይ ገዛ PC ኮምፒተራትን፡ ዝተጠቕሙለን ካሜራታትን ብልማኖ ኣብ ካፈታት ዝሰኣል ሲናት/ትርኢታት ርኢኻ ምግማት ኣየሸግርን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ሓንቲ ኤርትራዊት ፊልም ኣብ ዓቢ ሲነማ ኣመሪካ ከምእትርአ ተገይሩ። ብዙሕ ሰብ ውን ተሓጒሱ። እንተኾነ ነዚ ምርኢት ዕዉት ንምግባር ዝለዓለ ተራ ዝተጻወቱ፡ ስነ-ጥበበኛታት ዝይኮኑ ክኢላታት Web marketingን ኢንጂነራት ናይ ዓውደ ኮምፕዩተር ዝኾኑ ኣባላት EriSat እዮም።
ኣብ ማዕከናት ዜናን Socialmediaን ሓንቲ ፊልም ተዓዊታ ኢልካ ቅድሚ ምግዋሕ እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ፊልም ዝስልም ትካል ዘይምህላው ዓበዪ ጥፋኣት’ዩ። ተዓዋቲት ናይ ወርሓዊ ስልማት ድያ ወላ ዓመታዊ ፈላሊኻ ብንጹር ምግላጽ ውን እቲ ዝበለጸ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ጌጋ ሓበሬታ ዝርከብ ወላሓንቲ ትምህርቲን መኽሰብን ስለ ዘየሎ።
 ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ፡ ን Social media ብግቡእ ኣይጥቀሙሎምን’ዮም። ወላ ትርጉም Digital presence ወይ ድማ ንነብስኻ ከመይ ጌርካ ዝተማሓየሸ ናይ ስራሕ ዕድል ትፈጥር ዝኾነ ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን። እታ እንኮ ዝፈልጥዋ ነገር፡ ስእሊ ምጥቃዕ ጥራይ ‘ያ። እዞም ኣብ ዕዳጋ ልዑል ተራ ዘለዎም ከም Facebook adds ወይ ድማ Instagram influencers ዝበሃሉ ባእታታት ከም ሓሳብ ውን ክጥቀሙሎም ኣይሓስቡን እዮም። ኪላታት Digital Markering ተወኪሰ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ድማ፡ ‘ንዝኾነ ስነ-ጥበበኛ ብዛዕባ’ዞም ጉዳያት እንተተዛሪብናዮም ከምዚ ላግጺ ወይ ድማ ገለ ረብሓ ዝደለና እዩ ዝመስሎም’ ዝብል መልሲ’የ ረኺበ።
Qerana Film, The first Eritrean film to win the Best future film in Europe

ስለዚ ስነ-ጥበበኛታትና ስራሕ ምስ ዝደልዩ ድማ ናብተን ጥዕና ዘይብለን ጉጅለታት ብምጽጋዕ ጥራይ እዮም ስራሕ ክረኽቡ ዝፍትኑ። ኣባላት እዘን ናይ ጥፍኣት ጉጅለታት ክኾኑ ድማ ምስ ወልሓንቲ ዘይበደሎም ሰብ ክርሕቁን መዛኑኦምን መሳርሕቶምን ከቆናጽቡን ንዕዘብ።
ስለዚ ፊልምታትና ዕዳጋ ክረኽቡን ኩነታት ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና ክመሓየሽ፡ እታ ኩዕሶ ምስ ስነ ጥበበኛታት’ያ ዘላ። ስነ-ጥበብኛታትና ምስ ክኢላታት Webmarketing/ Digital marketing ተሻሪኾም፡ ሓይሊ SocialMedia ደሪዖም ፊልምታቶም ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝረኣያ ክገብሩ፡ ከምኡ ውን ፊልምታቶም ብ ፍላሽ USB ከይዘርቕ ይኣምነካ’የ እንዳበሉ ንፈተውቶም ብፍላሽን ዲጂታል መልክዕን ምዕዳል ከቋርጹን ፊልምታቶም ድማ ብርትዓዊ ዋጋ ንዕዳጋ ክዝርግሑን ኣለዎም።

ኣብ መወዳእታ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ብምስማር ንርእቶኹም ንጽበ!

·       ሰስራሕካ ምፍላጥ፡ ኤዲተር ናይ ኤዲተሩ ካሜራ ናይ ካሜራኡ፡ ዳይረክተር ናይ ዳይረክተሩ ተዋስኣይ ከኣ ናይ ምውሳኡ ስራሕ ምስራሕ።
·       ኣፍረይቲ ድማ ኣብቲ ሞያ ዘለዉ ነጋዶ ዘይኮኑስ ነቲ ሞያ ዝፈልጡ ነጋዶ እንተዝኾኑ።
·       ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎን ጉዳይ ማርኬቲን ብግቡእ መጽናዕቲ ብምግባር ዋጋታት ፊልም ምሽናን። ምኽንያቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ወጻኢታትካ ሸፊንካ ናብ መኽሰብ እንተዘይኣቲኻ ምስ ግዜ እቲ ፊልም ስለ ዝመውት።
·         እቶም ፊልምታቶም ባዕሎም ክሸጡ ዝደልዩ ድማ ካብ ስምዒታት ርሒቖም ጽፉፍ ዝኾነ ትምህርትን መጽናዕትን ብምውሳድ ነዚ ናይ ዲጂታል ፈነወ ብግቡእ ክጥቀምሉ።
·       ኣብዚ እዋን እቲ ጻዕሪ ንምውድዳር ዘይኮነስ የእሙሮ ተኸታተልቲ ዝትንክፍ መጽናዕቲ ዝሓወሰ ብሉጽ ስራሕ ምቕራብ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ሞይቱ ዘሎ ኢንዳስትሪ ፊልም ንምምዕባል እምበር ኣብ ዝሞተ ኢንዳስትሪ ኮይንካ ምውድዳር ስለዘየዕቢ።


ነዚ ጽሑፍ ክዉን ንምግባር ዝተሓባበሩ፡

ተመስገን ኣብርሃ
ኤልሳ ተስፋስላሴ
ደንደን እስማዒል
ክብሮም ሙልጌታ
ፊልሞን ኣለምሰገድ 


1 comment:

  1. Thanks Nd interesting idea ma dears may God bless u

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...