Tuesday, March 1, 2022

ሓዳስ ወርሒ ብሓድሽ እወታዊ ሓሳብ ምጅማር 01/03/2022


ኣብዛ ሓዳስ ወርሒ: ኣብ ሂወትካ ሓድሽ ኣደናቒ ታሪኽ ብምግባር ኣብ ገጻት ታሪኽካ ሓድሽ ምዕራፍ ምጽሓፍ ክሰብ። እታ ሓዳስ ገጽ ብሓጎስ፣ ዓወትን ፍቕሪን ዝመልአት ግበራ። ሂወት ኩሉ ግዜ መከራ ከምዘይኮነት ደጋጊምካ ንነብስኻ ኣዘኻኽራ፣ ግን ሓደ ግዜ ሂወት ክትቀልል ምኳና ፍለጥ። ሽግራትካን ዝመላለሱኻ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ብዘየገድስ፣ ድሌት እንተሎ ንስኻ ከምቲ እትብህጎ መልሲ ንኽትረኽበሎም ሓይሊ ክህልወካ እዩ።

መንገዲኻ እትመርጽ እንኮ ሰብ ንስኻ ምዃንካ ዘክር። ንሕና ካበይ ንብገስ ኣይንመርጽን ኢና። ክንበጽሖ ንደሊ ሕንጻጽ ዕላማ ግን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ነገር ብዘየገድስ፣ ኣብዚ ሓድሽ ወርሒ እንደገና ሓድሽ ዕድል ተዋሂብካ ከምዘለኻ ንነብስኻ ንገራ፣ ኩሉ ዝከኣለካ ፈቲንካ ነዚ ሓድሽ ዕድል ዝበለጸ ግበሮ::

No comments:

Post a Comment

The Misrepresentation of Cushitic History: Unpacking Ethiopian Historians' Controversial Claims

The historical narrative surrounding the Cushitic peoples and their relationship to Abyssinia (Ethiopia) is complex and contested. Some sour...