Tuesday, March 1, 2022

ሓዳስ ወርሒ ብሓድሽ እወታዊ ሓሳብ ምጅማር 01/03/2022


ኣብዛ ሓዳስ ወርሒ: ኣብ ሂወትካ ሓድሽ ኣደናቒ ታሪኽ ብምግባር ኣብ ገጻት ታሪኽካ ሓድሽ ምዕራፍ ምጽሓፍ ክሰብ። እታ ሓዳስ ገጽ ብሓጎስ፣ ዓወትን ፍቕሪን ዝመልአት ግበራ። ሂወት ኩሉ ግዜ መከራ ከምዘይኮነት ደጋጊምካ ንነብስኻ ኣዘኻኽራ፣ ግን ሓደ ግዜ ሂወት ክትቀልል ምኳና ፍለጥ። ሽግራትካን ዝመላለሱኻ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ብዘየገድስ፣ ድሌት እንተሎ ንስኻ ከምቲ እትብህጎ መልሲ ንኽትረኽበሎም ሓይሊ ክህልወካ እዩ።

መንገዲኻ እትመርጽ እንኮ ሰብ ንስኻ ምዃንካ ዘክር። ንሕና ካበይ ንብገስ ኣይንመርጽን ኢና። ክንበጽሖ ንደሊ ሕንጻጽ ዕላማ ግን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ነገር ብዘየገድስ፣ ኣብዚ ሓድሽ ወርሒ እንደገና ሓድሽ ዕድል ተዋሂብካ ከምዘለኻ ንነብስኻ ንገራ፣ ኩሉ ዝከኣለካ ፈቲንካ ነዚ ሓድሽ ዕድል ዝበለጸ ግበሮ::

No comments:

Post a Comment

ፍርቂ ዓመት በጺሕና፣ 2023 ግን ናበይ እያ ትጎዪ ዘላ

ወርሒ ሰነ ምጅማር ወቕተ- ሓጋይ እያ እተመልክት፣ ውዑይ መንፈስን ኣወንታዊ ድባብን ዝመልአ ሃዋሁ ውን`ያ ተንጸባርቕ ። ብርግጽ ሰነ ፍሉይ ጽባቐን ስሕበትን ሒዛ እያ እትመጽእ ። ኣብ ብዙሕ ክ...