Saturday, March 5, 2022

ወዲ ኣባሻውል ኣብ ፓሪስ፣ 2ይ ክፋል

 ሓደ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝርከብ ፈረንሳዊ፣ `ንስኻ ልክዕ ከምዞም ብራዚላውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኢኻ’ በለኒ። እንታይ ማለትካ ኢኻ እንተበልክዎ፣ ማለት`ሲ ኣብ ጎደናታት ኩዕሶ እንዳ ተጻወትካ ዓቢኻ ደሓር ኣብ ዓበይቲ ስታድዩማት ዓለም ትረአ በለ። ኣዋልድ ፐሪስ ዛን-ዛን ከብል ምርኣዩ ምውራድ ዝኣበዮ ይመስል። ከመይ ዲና-ዘ-ብሄረ ኣባሻውል….ኣስሊ ኮንካ ምዕባይ ደኣ ሞ፡ ምሽር-ሻር ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ብፎርማስ መን ዶ ይኽእለና እዩ ፧ ዘ-ብሄረ የዓኽ።

ኣብ ሓደ እዋን ምስ ናይ ጣልያን ዓሌት ዘለዋ ፈረንሳዊት ንቁሩብ ግዜ መሳርሕቲ ኔርና፣ ከምዚ ሓውሲ ሑብ ሒዝዋስ ምሳይ ተላጊባ ነይራ። ኣጋኒኑ ከይትብሉ እምበር ጸዓዱ ክለግባ ከለዋ መፍረሕ፣ ክርስዓኻ ከለዋ መደንጸው እየን። ምስዛ ጎርዞ ኣብ ተመሳሳሊ ክላስ ኢና ትምህርቲ ንዓበይቲ ንውሰድ ዝነበርና፡ ማስትሺ ድያ ኣታካ-ትኮ ገሪሙኒ ኔሩ፡ ቅንይ ኢላ እንዶ`ሞ ምሎኽያ ኮይና ሸተት-ሸተት። ኣነ ዳጋሪባልዲ 'ዳ ኣከልካዮ ዝረግእ ጮጌ በሊዐ ዝዓበኹ እሞ ቅጭጭ ዶ ክብለኒ ኮይኑ ፧ ላሽ ኢለያ።  ዝገርመኒ እባ፡ ኣዋልድ እንታይ ከምዝኾና በዓል ሓዳር እንተኾንካ ጽግዕ-ግዕ እየን ዘብዝሓልካ !! ብዛዕባ እዚ ነገር ምስ ሓደ ዓርከይ ኣብ ዘዕልለሉ ዝነበርኩ ኣጋጣሚ። ኣንታ ተሜ ዓርከይ፣ ``እቲ ቐደም`ሲ እንታይ ኮይነን እየን ኣዋልድ ዘይግደሳለይ ነይረን ፧ ሕጂ ግን ባዕለን ይመጻ፣ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ።’’ ኢለ ሓደ መዕለሊ ኣርእስቲ ኣልዓልኩ። ``ዶን ዓርከይ እቲ ቐደም ደኣ ውትራንካ ኣብ ግንባርካ እንድዩ ዝንበብ ነይሩ`` ኢሉኒ። ኣንታ እዞም ገሊኦም እኮ ክዛረቡ …ሃ ሃ..ሃ። ዝተገንጸለ መጽሓፍ ኢና ኔርና ማለት እዩ እኮ፡ ዘርከበ ዘንብበና፡ ዶና ከተንብበካ ከኣ`ሞ ኬፍ የብሉን ይዓኽ….ሃሃሃሃ

ሂወት ኣብ ፓሪስ ኩሉ ጸጽቡቑ ብዓይንኻ ምርኣይ ጥራይ`ዩ። ከምታ ኣብ ኣስመራ window shoping ንብላ ዝነበርና (ጉርሽ ተዘየለ ብቬትሪና ጫማን ክዳንን ሸያይፍካ ምኻድ እያ)፡  ፐርከ እንተበልካ ዓርከተ… ኩሉ ጽቡቕ ነገር ጁባ ዝሓትት`ዩ፣ ዶሞዝ እዚ ዓዲ ከኣ ትካቦ`የን። ግደፍ ከም ወዲ ሹቕ ኣለኹምዶ ስድራ ዘብዝሕሲ ንሓደ ዘይንቀሳቀስ ከማን ኣይኣኽላን፡ ደሞዝ ተጀሚረ ብፕሮ-ሉንጋ (እንዳ ኣናዋሕኩ ከረብርበኩም`የ) ናብታ ሚኒ-ማይዝ ጌርናያ ዝጸናሕና ግዳ ንመለስ። እንታይ`ስከ፡  ዋላ እተን ክረምቲ ሓጺር ስረ ከምኡ’ውን ረቂቕ ስረ ኣብ ላዕሊ ዓጢቐን ነቲ ስረ ኣብ መፈላለይ መቐመጫቐን ከምዝውተፍ ዝገብራ መልዕኸኛታት ጎራዙ ፓሪስ ኣዝየን ኩቡራት`የን። ማለት ኣብዚ ከተማ ንሓንቲ ጓል ድፍር ኢልካ ሓቲትካያ፣ ንዕናይ ክጋብዘኪ እንተኢልካያ ኖእ ትብል ዳርጋ የላን። ጥራይ በዓል መዓንጣ ኩን፡ ጃይ ዶ ኢልካ ምእታው ጥራይ እዩ። ልዕሊ 80ሽሕ ጎራዙ ኣብ `ቲንደርን መቲችን
` ዝበሃላ ናይ ምውራዝ/መላለዩ ኣወዳት መርበብ ሓበሬታታት ምዝጉባት እየን። ሓንቲ ካብዚኤን ኣጋጢማትካ ናብ ሬስቶራንት ሒዝካያ ምስ እትኸይድ፣ ኣየወ ኣስማቱ ሰሚዕካዮ ዘይትፈልጥ መግቢን ነቢትን ጨላጊማ ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ደሞዝካ ኣብ ሓደ ጣውላ ትቑርምደልካ፡ ዝገርመኒ እስከ ነቲ ዝእዝዝኦ መግቢ ብዓይነቱ ድየን ዝመርጽኦ ብዋግኡ ግርም እዩ ዝብለኒ፡ ወይ እቶም ቤት መግቢ ኮሚሽን ይሓስቡለን ከይኮኑ እምበር፡ ድዋዕ-ዋዕ ኣቢለናኻ ምንም ከይመሰለን ክኸዳ ከለዋ ሰልሃው እዩ ዝብለካ። ኢ…. ሻዕብያ ከማን ኣብ ዓመት 2 ካብ ሚእቲ ጥራይ`ዮም ዝሓቱ። እዘን ጎራዙ ሓንሳብ ከምዚ ገይረን ስምባደ ምስ ኣእተዋልካ፣ ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ዝብል ምስላ ኣቦታትና እታ ቀዳመይቲ ድሕሪ ዓሰርት ትእዛዛት ትዝክራ ሓረግ ትኸውን። ስለዚ ድማ ኣብ ማክዶናልድን እንዳ ከባብን ዝረኸብካያ ጥራይ ክትናጓዕ ትፍትን።



ብሓፈሻ ኣብ ፓሪስ ዘሎ ነገራት መብዛሕትኡ ንቱሪስት ተባሂሉ ዝተገብረ`ዩ። ወዲ-ፓሪስ ኮንካ እንተ ጎሚሙካ ከኣ ቦኣ-ድ-ቦሎን ዝበሃል እንዳ ክፍት ዕጽው ኣሎ፡ (ነቶም ዘይትግጥምዎ እንዳ ሾርቲ) ኣሎና። ኣብኡ ዘለዋ ኣዋልድ ኣብ ዓራት ዘለወን መካይን እየን ንዓማዊል ዘአንግዳ። ኣብ ጉስነት እንከሎኻ ኣብ ሩባ ተዕልብ እንተኔርካ ከኣ፣ ተሞኩሮኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ፣ ማለት ኣብ ሳዕሪ ዝረጋረጋ`ውን ኣለዋ። ነገር ሎሚ ግን መጥባሕቲ ገይሮም ኣዋልድ ዝቕየሩ ኣወዳት ስለ ዝበዝሑ….. ወዲ ከየደርብሸካ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ነገር`ዩ። መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከም ዝበሃል ምስ ወዲ ፓሪስ እንተኸድካ ዝሓሸ`ዩ። ተዘይኮይኑ ለይቲ-ለይቲ ክትብህርር ኢኻ። ክክክክ

ባህሊ ኤርትራን ናይ ፈረንሳ ልምድታትን ዝተፈላለየ`ዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ህንጥሾ ምባል ኣነዋሪ`ዩ። ማለት ሰብ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣፍንጫኻ ዓጺኻ ኢኻ ክትህንጥስ ዘሎካ። ኣፍካ ከይከደንካ እንድሕር ኣምባሂቕካ`ሞ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር`ዩ ዝሕሰብ። ኣብዚ ዓዲ ኣብ ናይ ጉጅለ-ስፖርት ከኣ እንዳጠረጥካ ምኻድ ልሙድ ነገር`ዩ። ከምዚ ሒቕታ ጌርኩም ውሰድዎ። ሓደ ግዜ ፈረንሳዊ ክኸውን ፈቲነልኩም፣ ማለት`ሲ ተኣኪብካ ናይ ጎቦ ማርራቶን ምግባር ተጸንቢረ። ፖው….ዓቐበት እንተኮይና ኩላ እያ ባጡቓ ትኽፈት። ዛጥ ዛጥ ወዶም ጓሎም…. ቊቕ-ቛቕ

ፓሪስ ኮዝሞ-ፖሊታዊት ከተማ ኮይና፣ ዳርጋ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝመጸ ሰብ እዩ ዘሎ። ብሓፈሻ ግን ፓሪሳውያን ብዙሕ ሕውሳት ኣይኮኑን። ምዃን ከመይ ኢሎም ክሕወሱ፣ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ምጭራም ጥራይ`ያ እታ ኬፎም። ዓኽ ንሕና ደኣ ተኸያይፍናሉ እንዲና ካብ ዳ ቬንቲ-ኡኖ ናብ ዳ ወይኒ፡ ዳ ኩመል ጸኒሕካ ኣርባዕተ ደረጃ ክላእ ርእየ ዘይትብል ነብሲ እወ የዓኽ፡ ኣንገት ማስገብያ (መትሓዚ ዛህር ጥራይ ሒዝካ) ድርግም ትብል እሞ፡ ጨራሪምካ ገዛኻ። እዋይ እዚ ፍልልይና ንሕና ዘይብልና ለጋሳት፡ እዚኦም ከኣ…። ሓደ ግዜ ናይ ለይቲ ስራሕ ይሰርሕ ነይረ፡ ሰዓት 7 ንግሆ ስራሕ ወዲኤ ክወጽእ ከለኹ ኣብ እንዳ ጎሓፍ እቲ ከተማ ወዶም ጓሎም ብዙሕ ጠራሙዝ ጨርባሕ ከብሉ እየ ተዓዚበ። እቲ ዝሰተይዎ ናይ ኣልኮል ጠራሙዝ ምዃኑ`ዩ።

ፓሪሳውያን ከምናይ ዓድና ቡን ወይ ቢራ ክጋብዙ ዘይሕሰብ`ዩ። እንድሕር ጋቢዞሙኻ ከኣ ገለ ደልዮም ኣለዉ ማለት`ዩ።  እንድሕር ገለ ተተፋሓፊሕካ ግን እዚ ጌረልካ ከምዚ ኢልካኒ ከምዚ ጌርካኒ ምጽብጻብ መዓት እዮም። ሕሳብ ምውርራድ ከኣ ክፈትውዋ መዓት እዮም። እንታ እዞም ገሊኦም`ኳ ምግራምካ ዘወድኡ ሰባት`ዮም። መተዓቢቲ ኣለኻ ዶ ፧ ዘክሮ እሞ ፋካ ስለዘይነበረኒ ሰምፕረ ሰንበት ኮርሶ ሒዝካኒ ክትዳኽል፡ እሞ ድማ ኣንጻርካ ጋንታ እናደገፍኩ፡ እዚኣስ ወላ ጽልእዋ ንሕና ፍሉያት ኢና እዋእ…


ኤርትራውያን ኣዋልድ ብዙሕ ቀናኣት ኣይኮናን፣ ነግራማት ውን ኣይኮናን፣ ብዘይካ እተን ክልተ ተቖኒነን ናይ ስነ-ልቦና መጽሓፍ የንብብ `የ ዝብላ ላይቭ ዝኣትዋ ማለተይ እየ (እቲ ዘንብብኦ መጽሓፍ ባዕለን ዝደረስኦ ወይ ክደርስኦ ዝሓስባ ከይከውን እንበር፡ ከም ኣደይ በለጠሽ ነግራም ዝገብር ፍልጠሲ ኣይረኣናን)። ግን እዚ ናተይ እዚ እውን እናበለት ትሕንበብ ዓለም ተዘርጠን ትኸውን እምበር፡ ዋንነተን ወገነን ክገብራኻ ትንፋሰን ይሞልቃ ግደ ሓቀን እየን I phone, I pad, I tune በዚሕወን ይኸውን I bed, I car ከይመጸ እንከሎ ናተን ክገብርኦ ይማወታ መሳኪን። ዓለም ግን ከምኡ እያ ትኸውን ዘላ መስለኒ፡  ሓደ ግዜ ይብለኩም ሓንቲ ንእሽቶ ኮርስ ይወስደልኩም ነይረ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝተዓዘብክዎ ፍሉይ ነገር ተማሃሮ ቀልጢፎም እዮም ጉጅለ ዝፈጥሩ። ኣብ ዕረፍቲ ከኣ ምስ ጉጅለኻ ኮንካ ኢኻ ጎጀም ትብል። ኣነ`ውን ብወገነይ ምስ ሓንቲ ቱርኪ ጀሚዐ ሙሰል-ሰላ ዝኾነ ዕላል የዕልል ነበርኩ፣ ንጽባሒቱ ሓንቲ  ጸላም-ኣፍሪቃዊት ኤርትራ ገለ ኢላ ሕክያ ብምጅማር ኣቓልቦይ ተሳሒበ መስኣ ቱት ክብል ውዒለልኩም። ንጽባሒቱ ምስታ ቱርኪ ኮፍ ክብል እንተበልኩ፣ ያ ላ ኪድ ምስ መሓዛኻ ተባሂለ። ኢ..ው… 

ክሰሪ ኢሉኪ እምበር ኣነ ደኣ`ሞ ማራ ኣስሊ ወዲ ኣባሻውል ኢለ ይብለኩም !….ብሓደ ኣፊቱ I Don ክትገብረኒ ሓሲባ። ሃሃሃ…. ይቕጽል

 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...