Friday, January 14, 2022

ፋራ መኳለሚ

 ዘመነ ተክኖሎጂ ንብዙሓት ሰባት ኳልኩሌተር ከይሓዙ ናብ ሞባይል ኣስጊሩ፣ ዘመነ ማሕበራዊ ሜድያ ከኣ ኣወዳት ሎሚ ስእሊ ናይ ቸካይስ ኣብ ፖርቶፊልዮኦም ሒዞም ከይተዛወሩ እንሄልካ ቪድዮ ናይ ኣዕሩኽቶም ብላይቭ ይፍንዉ። ዘመነ ስደት ከኣ ኣስመራን ባጽዕን ከይረኣዩ Paris ወይ New York ዝርእዩ ፋራታት ኣፍርዩ። በዚ ድማ`ዩ `ፋራ መኳለሚ’ ተባሂሉ ! ጉድ ተረኺቡ`ኳ… ገለ እንተ ጸሓፍካ ዘይሓወስካና ይብሉ፣ እንተ-ተዋዘኻ እታ ዲክሽነሪኦም ብጌጋ እንዳ-ተርጎመት ኣዋሪዳትና። ነዚኣ መድለዪ-ቃል ብ ጎ-ፋንድ-ሚ ከነመሓይሻ ኣሎና። በዓል ኩስቶ`ኳ ጸረ ድሮን ብመሸማዕ ሓቢእና ከነእትዎ ኢና ኣዋጽኡ ጥራይ እንዳበሉ`ስ... ካብ ጉዳይ ሓራይፍ ዝዓቢ ጉዳይ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ !!

‘ፋራ ክርእይ እንከለኹ ኣልዕል ኣቢለ`የ ዝሓርቕ !’ ዘረባ ሓደ ሓሪፍ`ዩ። ስለዚ ድማ ፋራ ክልተ ግዜ ክጽፋዕ ኣለዎ ይውስኽ። እታ ቐዳመይቲ ከምዚ ጴንጠ ዝብልዎ ጋኔነ-ፋርነት መውጽኢ ክትከውን እንከላ፣ እታ ካልኣይቲ ከኣ ንሓራይፍ ኣልዕል ኣቢሎም ስለ ዘሕሩቑ`ዩ። ኣብዛ ነጥቢ ብዙሓት ሓራይፍ ይሰማምዑ እዮም።

ንስኻ ብዛዕባ ፋራ ስለምንታይ ብዙሕ ትጽሕፍ እትብሉ ኣዕሩኽ ኣለኹም። እቲ ምስጢረ ኤውሮካ`ኳ ኣብ ስደት`የ ረኺበዮ። ዓመተ 2014-15 ኢድ ፋራታት ኣብ ጁባ ሱዳን ጥዒመያ። በቃ ኣይጻወት ኣይማወት ኣቢሎሙኒ።
ጨርሒ ኣባሻውል ምስክረይ ! ወላ ክቖምሩካ እንከለዉ መእተዊ ገዛ ዘይብልካ`ዮም ዝሰዱኻ ገጾም ትርሓቕ።

ኣብ ካምፓላ ፋራታትን ሃብታማትን ናይ ጁባ ክትርእዮም እንከላኻ ምውራድ`ዩ ዝኣብየካ። ወላ ፊስቶ ማይ ስተ… ፋራታት V-8 ላንድክሩዘር እንተ-ሒዞም እታ ማኪና ላምትሬታ ወይ ካሮሳ ኮይና`ያ ትስመዓካ። ወላ (ልዊ-ቪቶ) LV ክዳውንቲ ይውደዩ፣ ናይ ሓራጅ ኮይኑ`ዩ ዝስመዓካ። በቃ ኩሉ`ዮም ዘበላሽዉ። ሓንቲ ኬፍ ዘለዋ ሑርማ ሒዞም እንተ-ተራእዮም፣ እታ ጓል ኣባጊዕ ወፊራ ዝወዓለት ኮይና`ያ ትስመዓካ። በቃ ዘራጊቶታት`ዮም። ኣብ ሓራይፍ ዝወረደ ስነ-ኣእምራዊ በደል መወዳድርቲ የብሉን። እንሄልካ ገለ ክዳውንቲን መካይንን ብሰንኮም ተሓሪምናዮ። ኣ-ይ-ፎን ከማን ኣጠቓቕማ በርቲዓቶም ገዲፎምልና እምበር እንድዒ በቃ። ተስላ ጥራይ ከይሕዙ፣ ክሓምም`የ፣ እዛ ናተይ ክጉሕፋ`የ ማለት`ዮ ሃ ሃ…

ናይ ሓደ ሃብታም ናይ ጁባ ዝገበሮ ከዕልለኩም። እዚ ዱልዱል ፋራ ማኪና ትበላሸዎ`ሞ ናብ ሓደ ጋራጅ የእትዋ። እታ ማኪና ተዓርያ ምስ ተወደአት ኣብ ጉዳይ ሕሳብ ነቲ መካኒክ ዋጋ ኣኽቢርካለይ ኢሉ ይዛረቦ። መካኒክ ዓርከይ ከኣ ኩሉ ዝቐየረላ ኣቑሑ ነገሮ። እቲ ፋራ እስከ እንታይ ገይሩ? ወልሓንቲ ዘይግጥም ክነሱ ነታ ማኪና ከፊቱ ሞተር ሸይፍዎ ጸኒሑ ነታ ማኪና ኮሊልዋ። ዓጀብ ዘብል`ዩ በቃ...

እቲ ፋራ ምስ ጨረመ እስከ እንታይ እንዳበለ የዕልል ነይሩ። ዘይተኾለለት ጓል ኣይምሮዖን`የ። ስለዚ ድማ`ዩ ወላ ነታ ማኪና ኮሊልዋ። ፖርካ-ላ-ሚዘርያ …..ኩላልያ ዝኾኑ ፍጡራት

ካብ ፋራ መኳለሚ የድሕነና ፈጣሪ።
ናይ ዓርቢ ናይ ኬፋት ጽሕፈት…. ኣብ ቀጻሊ የራኽበና። ብሩኽ ቀዳመ ሰምበት ይግበሮ !!

Happy Friday Y'all



 

 

No comments:

Post a Comment

ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ምንታይካ ምዃኑ ዘይርደኣካ ተዘዝታ ዝፈጥር ሃዋህው እዩ ዘለዎ። በዓል ፋሲካ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ሃገርና ኤርትራ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ድሙቕ ትርጉም ዘለዎ በዓል እዩ። ድሮ በዓለ ትንሳኤ ብልምዲ ...