Monday, December 11, 2023

ሓንቲ ስእሊ ክንዲ ሽሕ ቃላት፣ ጽባቐ ኣደ

ኣደ ምስ ዕሸላ
ኣደታት ናብ ዓለም ሓድሽ ህይወት ንምምጻእ ዝኸፍልኦ ንምእማኑ ዘጸግም ኣካላውን ስምዒታውን መስዋእቲ ምርዳእን ምድናቕን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣደታት ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጠን ክቡር ህይወት ስለ ዝስከማን ዝምግባን ፍሉያት ፍጡራት እየን።  ምስ ጥንሲን ወርሓዊ ጽግያትን ዘሎ ኩሉ ኣካላዊ ብድሆታት፡ ኣደታት ንደቀን እንዳ ኣዕበያ ንበዓል ቤተን ከኣ ይኣልያ። ምስ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ከኣ፣ ንበዓል ቤታ መልክዐኛ፣ ቅርጻ ዝሓለወት፣ ጽፍፍቲ ኮይና ክትቀርብ ጥሕተት።

ብፍላይ ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪን ሕርሲን ክመጽእ ዝኽእል ኣካላዊ ለውጢ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ሰሓብቲ ንኽኾና ዝግበር ሕብረተሰባዊ ትጽቢታት ዘይክውንነታውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣደታት ኣብ ኣካላዊ መልክዕ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ፍቕረንን ሓልዮተንን ርእሰ-ምትእምማንን ዝወጽእ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ኣለወን።
እታ ትኽክለኛ ክውንነት ናይ ዓለም እዛ ንርእያ ዘሎና ጽብቕቲ ስእሊ`ያ።


No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...