Wednesday, February 10, 2021

ሰላም እንታይ`ዩ?

 

ዓለም እትህበኒ "ሰላም" ነባሪ ሰላም ኣይኮነን። ወላ' እንተሃበትኒ ውን ምሉኡነት የብሉን። መሲሉኒ'ምበር ከም እንስሳ ሓጋይን ክረምትን መጻእን ከያድን ህጣራን ዕባራን ሰላም ምዃኑ'ዩ። ናይ ሰላም ሕቶ ደኣ መን' ዝምልሶ! እዛ ወዲ-ዝነብረላ ከም ድሌቱ ዝገላብጣ ዓለም ክሳብ ሕጂ ፍትሓዊት ኮይና ኣይትፈልጥን። እንተኾነት'ውን ፍርቀ-ፍርቂ ደኣ'ምበር ምሉኡነት ዘለዎ ሰላም ኣተኣናጊዳ ኣይረኣኹዋን። ነዚ ዝገበረ ከኣ ስርዓተ-ሰብ ዝብሃል ናብዛ ዓለም ምምጻኡ`ዩ።

Teklu Tesfazgergish @ Norderney

ስርዓተ-ሰብ ተዘይህሉ ነይሩ ፖለቲካን ኲናትን ዓሌትን ዝብሃል ካብ ገጽ ምድሪ ንዘልኣለም ምተሰወረን ኣይምነበረን ውን። ብመጠኑ ግን ስርዓተ እንስሳ ዝበልጸሉ እንዳ-ኾነ`ዩ። ሕጊ እንስሳ ሕጊ ተፈጥሮ ክበሃል ይከኣል። ብስርዓተ እንስሳ ውን ሰላም ኣስፊና ኣይተረኣየትን።  እንተኾነ ግን ኣብ ነንሕድ-ሕዶም ደኣ'ምበር ኣብ ገጽ-ምድርን ከባቢኣን ዘስዕብዎ ጉድኣት ብመጠኑ ኢዩ ክትብል የድፍር።

ወዲ-ሰብ መምህር እንስሳ' እንተኾነ፥ ዝያዳ ግን ወዲ ሰብ` ካብ እንስሳ ብተፈጥሮ ክምሃር ንዕዘብ። ንኣብነት፥ ኣንበሳ ንጉስ እንስሳታት ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ገባርን ሓዳግን ኢዩ። ወዲ ሰብ ካብዚ እንታይ ይምሃር እንተ'ይልና ኣብ ዎንበር ምስ ደየብካ ካብ' ዝተሓተ ጽፍሒ ክሳብ' ዝለዓለ ምሕደራ ወይ ስርዓተ ሕጊ ገበርትን ሓደግትን ናይ ምዃን ድሌቶም ካብ እንስሳታት ይቀስምዎ።


እቲ
ዝገርም ግን ናይ ሰላም ሕቶ ንሶም ዝውስንዎን ዝምልስዎን ኮይኑ ስለዝመስሎም ኢዩ። ወዲ-ሰብ ፍትሒ ምበር ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ሰላም በዓል-ቤት ግን ሓደ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሰላም ከውሕስ ተባሂሉ ቆይሙ። ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እውን ንሰላም ይመክር። ናይ ሰላም ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ ከቶ ክምልሶ ኣይከኣለን። ምናልባት እቲ ዓለም ትኣምነሉ ሰላም ብረት ከይቶኮስካ ምሕዳር ዝብላዕን ዝስተን ዘይምስኣን ክከውን ይኽእል ኢዩ። ብመጠኑ ናይ ሰላም ክፋል' እንተበልና ምሉእነት ዘለዎ ኮይኑ ግን ኣይተረኣየንን።



Teklu Tesfagergish @ Norderney
ሰላም ማለት ግን ብእምነትን ቅንዕናን ዝመጽእ ርጉእ መንፈስ ኢዩ። ወላ ኣብ ኲናት ዘለዎ ቦታ'ውን እንተኾነ ብዘይ ስክፍታ ልብኻን ዉሽጥኻን ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ምስ ዝህልዎ ጥራይ ኢዩ። ናይ ዉሽጢ ሰላም ንዘልኣለም ነባሪ ሰላም ኢዩ። ነዚ ሰላም እዚ ዝምልሶ እቲ እንኮ ናይ ሰላም ጅግና ሓደ ፈጣሪ ጥራይ ኢዩ።

ናይ ወዲ ሰብ ሰላም ብዕቅንን ቑንጫል ሰላምን ኢዩ። እዚ ነዓይ እቲ ሓቀኛ ሰላም ኣይኮነን። ብሂወት ክንንቀሳቐስ ይሕግዘና ይኸውን ናይ ዉሽጢ ሰላምን ርግኣትን ግን ከምጽኣለይ ኣይክእልን ኣብተን ምዕቡላትን ሃገራት ዲሞክራሲ ዝምሕደራ ሕብረት ኤውሮጳ ውን እንተኾና ናይ ሰላም ሕቶ ክምለስ ኣይተኻእለን። መራሕትና ሕጊ ኣምላኽ ተኸቲሎም ተዝመርሑና ግን ዓለም ንዘልኣለም ሰላም ምሰፈና ዘየብል ኣይኮነን። ሰላም ኣብ ዉሽጥና ተደኲና እትርከብ ናይ መንፈስ ግብርን ኣቓልቦን እትሓትት ኢያ። ካብ ሰላም ኢልና ንጽውዕን ንደልይን ነቲ ናይ ሰላም በዓል ቤት ምስ እንደልዮ ጥራይ`ዩ!!

‘’ዓለም ሓንሳእን ንሓዋሩን ሰላም ምኾነት!’’

09.02.2021 ተኽሉ  ተስፋገርግሽ

3 comments:

  1. ጽቡቅ ስራሕ ዶን ሓወይ

    ReplyDelete
  2. ንኡድ ስራሕ፡ ዓቢ ምኽሪ ነዞም ሰብ ክነሶም ኣካይዳ እንስሳ ዝኽተሉ ደቂ-ሰባት።
    ቀጽሎ ተኽሉ!

    ReplyDelete
  3. ንኡድ ስራሕ፡ ዓቢ ምኽሪ ነዞም ሰብ ክነሶም ኣካይዳ እንስሳ ዝኽተሉ ደቂ-ሰባት።
    ቀጽሎ ተኽሉ!

    ReplyDelete

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...