Tuesday, February 16, 2021

ኣብ ፍቕሪ ርዒመ


ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ነፍሲ-ወከፍ ናይ' ዘመን በጽሒ ጎበዝ ዘይገለጸን ዘይነበበን፣ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ነቢብካን ጸዊኻን ጥራይ ድዩ'  ዝጎልሕን ዝፍለጥን ዝርዳእን፧ ኣይመስለንን ኢዩ መልሰይ። ካብታ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸልኩላ ናይ ክሊ ዉዑይ ዕድመይ ኣትሒዘ ብዛዕባ ፍቕሪ ከስተማቕር ሃቂነን ሃሰው ኢለን ኢየ።

ኣብ ጀርመን ዝተወስደ ስእሊ

እንተኾነ ግን፥ ንነዊሕ ዓመታት፣ ነዛ ሂወት ንበይነይ ክገጥማን ከሰንፋን ጸኒሐ`የ።  እምበኣርከስ ፍቕሪ ዝብልዎ ካብ ቖላሕታን ናይ መጀመርታ መስታን ኣዒንትን ኢዩ ዝጅምር ክብል`የ ገልጾ።

ካብ ነይሩኒ" ኣሎኒ። ኢዩ ነገሩ። ምክንያቱ፥ ነዚ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ንእስነት ጉዕዞ ሂወተይ ብብሕታውነት ዝቐዘንኩዎን ዝጸመኹዎን፣ ብናይ ቛሕ ሰም መስታ ከም በርቀ ነጎዳ ብትንትን ኣቢላ፣ ብዘይ ፍቓደይ ኣብ ዉሽጠይ ክትቅመጥ ዝኸኣለት፣ እታ ንኩሉ ህዋሳተይ እተለዓዕል፣ ብዓይነይ ስለዝረኣኹዋ ምስክርነተይ ብቑዕ ይገብሮ። ኣብ ፍቕሪ ዘይተጸምደ በጽሒ፣ ካብ ምንባር ተኣልዩ፣ ንዝነብሩ የናብር ከይህሉ ምስ ዉሽጡ ምምይያጥ ዘድልዮ ኮይኑ`ዩ ምዓኒ።

ኣብዚ ሕጂ ኮይነ፣ ነቲ ነታ ናይ ልበይ ንምድላይ ኣብ ኮለል ዘሕለፍኩዎ ዓመታት ክዝክሮ እንከለኹ፣ ኮምፓስ ዘይብላ መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተንሳፍፍ ከምዝነበረት ጌረ ይገልጾ። ኣብቲ ግዜያት' "ቖፎ" ልበይ ከፊታ ከም መዓር በርቢራ፣ ንዉሽጠይ እትስዕርን እትማርኽን  ሄዋን ዘይምርካበይ የሕዝነን የጉህየን። 

ምስ ብዙሓት ሄዋናት እኸይድ። ኣብ ልዕሊኤን ግን ዝኾነ ስሚዒት ኣይፈጥረለይን። ንሰን ስለ'ዝተማረኻለይ ኣነ ክማረኸለን ግድነት ክኾኖ ኣሎኒ ዝብል እምነት የብለይን።  ፍቕሪ ድፋዓቱ ኣዳልዩ፣ ኣብ ናይ ዕርዲ ቦታ ተቓጽዩ፣ ንዝደረቐ ልበይ ብኲናቱ ከይወገኦ ንብዓት ፍቕርን ደም ልብን ኣይክዛርይን ኢሉ ሓንጊዱ ዝነበረ" እንሆ ሎሚ ከም ማይ

ተክሉ ተስፋገርግስ ኣብ ጀርመን
ነሃሰ፣ መትሓዚ ተሳኢንዎ ክዛሪ ይርከብ። እምበኣረከስ ፍቕሪ ከም ዝተቶኮሰት ዓረር ኢዩ ዝወግእ። ልክዕ ፍቕሪ ኣብ ሓንቲ ናይ ቛሕ ሰም ኢዩ ዝፍጠር።

ዝተፈላለየ ፍቕሪ ክህሉ ኣይክእልን ይብል የለኹን። እንታይ ደኣ ብዝተረደኣንን ብዝኣመንኩሉን ኢዩ። ካብታ ብወርወር ፍእሪ ዝተወጋእካላ ህሞት ምንባር ጀሚርካ'ሎኻ ማለት ኢዩ። ፍቕሪ ትርጉም ምንባር ኢዩ። ብዘይ ፍቕሪ ወላ ሓደ' ሂወት ኣሕሊፈ ክብል ኣይደፍርን። ኣብ' ሕሉፍ ከርፋሕ ሂወት፣ ምንባር ክሕርብተኒ፣ ዓለም ክትውሕጠኒ እንከላ' ኣበይ ደኣ ነይርካ ፍቕሪ?..... ነባቢ ክምልሶ ከፋት ቦታ ደኣ ይገድፎ ምበር ዓቕሚ ብለይን ክገልጾ። ሰላም ክህልወካ ፍቕሪ ክሕዘካ ኣለዎ ዝብል ሓዲሽ ስምምዕ ኣሎኒ። ፈጣሪ ክፈትወካ ብእዋንካ ፍቕሪ ይዕድለካ። ለካ ፈጣሪ ፍቕሪ ብኣካሉ'ዩ።  ፍቕሪ እንተይልካ ፈጣሪ ኢልካ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ነዓይ ሰብ ዝገበረኒ ፍቕርን ፈጣርንዩ። ዘልኩ ሲኒ፣ ንምሉእ ዘመናት ካብ ፍቕሪ ኮብሊለ፣ ተሓሲመን ሓንጊደን፣ ኣንፈተይ ኣጥፊኤ ኣብ ኮለል እንከለኹ" ሃንደበት ብገለ ኣጋጣሚ፣ ጎፍ ዝበልክኒ ልበይ ዝመለስኪ ምልኣት ሂወት፣ ዓለምን ሂወትን ኣፍሊጥክኒ። ትርጉም ሰብን ሰብኣውነትን፣ ምኽንያት ምፍጣርን ምንባርን ኣላሊኽኒ። እነኹ ሰብ ኮይነ" ሰብ-ሰብ ይሽትት፥ ፍቕሪ ይቕዳሕን ይስተን ይሰትይን። ብስለ መን ከምስግነኪ ይፈልጥ የለኹን። መግለጺ ዝኸውን ዓቅምን ቃላትን ሲኢነ'  `ፍቕራ ሪዒመኢለ ኣብዚ ምስክረይ ክዓጹ።


2 comments:

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...