Friday, November 25, 2022

ካብ ዓለም 39 ኣንስቲን 94 ቆልዑን ዘለዎ ሰብኣይ


 እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ዚዮና ቻና ይበሃል። ኣብ ዓለም ዝዓበየ ስድራ ዘለዎ ሰብ`ዩ። እዚ ህንዳዊ ኣብ ሚዞራም ዝበሃል ክፍለ ሃገር ህንዲ ይቕመጥ። ሃይማኖታዊ ኣቦ ናይ ሓንቲ ዓዲ ኮይኑ፣ እቶም ዓዲ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ክምርዖ ዘፍቅድ ባህሊ የዘውትሩ። ዚዮና 39 ኣንስቲ 94 ቆልዑ 33 ደቂ ደቁ ነይሮሞ። ስለዚ 180 ዝብዝሓ ስድራ ነይራቶ ማለት`ዩ። ኩሎም ድማ ኣብ ኣርባዕተ ዝደርቡ ዓብዪ ህንጻ ይቕመጡ። ኣብዚ ህንጻ ውን ንደቂ-ደቁ ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ኣሎ።

እዛ ዓባይ ኣገራሚት ስድራ ብህቡብነታ መስሓብ ቱሪስት ኮይና ብርኩት ኣታዊታት ክትገብር ክኢላ`ያ። መዓስ እዚ ጥራይ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓዳር ተቋሪንካ ምንባር ከቢድ ምኳኑ ኩሉ ሰብ ሓዳር ዝኣምነሉ ሓቂ ክነሱ፣ እዘን 39 ኣንስቲ ግን ኣብ ሓደ ህንጻ-ፖላሶ ጎድኒ ሰብኣየን ዘለዋ ነኣሽቱ ክፍልታት ዝነብራ ምዃነን ንኩሉ በጻሒ ዝገርሞ ነገር`ዩ። ኣብ ዓመት ምስ ሰብኣየን ምርኻብ ናይ ሓንቲ ሰሙን ዕድል ኣለወን፣ ኣብዛ ግዜ እዚኣ ከኣ እየን ዘዕቁራ።

ዚዮና ቻና ብ1945`ዩ ተወሊዱ። ቀዳመይቲ ሰበይቱኡ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ`ዩ ተመርዕይዋ። ንሳ ካብኡ ብ 3ዓመት ትዓብዮ ነበረት። ዝዮና ብ 2021 ኣብ መበል 75 ዓመቱ ዓሪፉ።

ፍዮና ቻና፣ ዝበዝሑ ቆልዑን ኣንስቲን  ዘለዎ ሰብኣይ

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...