Sunday, July 22, 2018

ናይ ሕማመይ ዝዓይነተን ቸካይስ ኣስመራ



 ናይ ሕማመይ ዝበሃላ ኣዋልድ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዳ ኣዋልድ ኮይነን መብዛሕትአን  ዮሃና፡ ሓሬና፡ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነት፡ ሶልያና እዩ ዝስመን።
 እዘን ኣዋልድ ናይዚ ግዜ ‘ዚ ኮተቴትት፡  ሕፍረት ዘይድግፋ፡ ኬፋት ዝፈትዋ፡ ንዓርከን ሰብኣየይ ኢለን ዝጽውዓ፡ ብዙሕ ፍሽኽታ ዘብዝሕ ወዲ ድማ ሓጎስ ኢለን ከምዝጽውዕኦ ዝንገረለን ወለዶ እየን። ኣብ ኩሉ ነገራት ድማ ተወሳኺ ቐመም ከም ዘዘውትራ ይፍለጥ።
ንኣብነት ፦
ኣብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ዝያዳ ምሽፍፋን፡ ኣብ ክለብ ዝያዳ ምክፍፋት፡ ሕብሪ ገጸን ዝተሳእላ ዝመስላ (ሜክኣፕ ዘብዝሓ)፥ ኣብ ሰሓቕ ዝያዳ ዓውታ፡ ኣብ እዋን ምውርዛይ ድማ ዝያዳ ጀላዕላዕን ናይ ጎደና ቁንቁኛ ከም ዘዘውትራ ይንገረለን። መብዛእትኡ ግዜ ድማ ከም ኣባሻውል፡ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ ኣኽርያ፡ ገዛ ታኒካ፡ገዛ ማንዳ ሓበሻ ዝፈርያ ኮይነን። ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ኣስመራ ውን ኣብ  ከም በዓል ጎዳይፍን ሰምበልን ከምዝርከባ GPS ናይ ኣስመራ ይሕብር።
Habesha chicks dancing in a club.

ከከም ከባቢአን ከኣ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ባህርያት ከም ዘንጸባርቓ ይንገር። ንኣብነት፦ ከባቢ  ዞባ-ቃዛ ዝርከባ ናይ ሕማመይ ብዙሕ ናይ ሹቕ (Slung)  ቋንቋ ከምዝጥቀማ ይፍለጥ።
ኣብ ከባቢ እንዳኮርያን፡ ቲራቮሎን እምባጋልያኖን ዝርከባ ድማ ኣብ ከም ኣምባሳደር ሆቴል ላዕሊ ሬስቶራንት፡እንዳ-ሰመርኣብ ፡ባር ኣለም ፡በኒፈር፡ ዓይባ ክለብ ዝኣመሰላ ፉግራታት ተሸኒግካ ሽጋራ ምስሓብን ምጭራምን የዘውትራ ይበሃል።
Kebabi Abashawl, Asmara Eritrea

ኣብ ዞባ-ቃዛ ዝርከባ ናይ ሕማመይ ኣዝየን ዳዕወኛታት እየን፡፡ ነዓአን ክምክት ዝኽእል ዕባይ ቓዛ ክኸውን ኣለዎ ይበሃል። እቲ ምኽንያት ድማ ዝጥቀማሉ ምኩሽሻም ን ወዲ ማማ ዝኹነ ወዲ (Home Boy) ክጻወሮ ከቢድ‘ዩ ይበሃል።
ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዝነበረ ዓብላልነት ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ዘይድግፋን፡ ልኡም ወዲ ድማ ከም ሰበይታይ ዝሓስባን፡ ዝተሃራረም ወዲ ድማ ኣብ ገለ ኩነታት ከም Romantic ኣብ ገለ ድማ፡ ፊት ንፊት ባዕለን ከም ዝገጥማኦን፡ ከምዚ ዘጋጠሞ ወዲ ድማ ዕድመ ልክዑ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ሕማቕ ርድኢት ከም ዝህልዎ ይንገር።
ሓደ ግዜ፡ ሓደ ሕያዋይ ሓውና ንሓንቲ ከምዚአን ዓይነት ጓል ይቖጽረልኩም፡ ካፒቺኖ ጋቢዙ እንዳ ኣፋነዋ እንከሎ፡ ኩነታት ኣየር ቤላ እያ ዘላ ኢሉ ናብ ማንጉስ ዝመስላ ኣሌቶኣ የእዳዉ ወስ የብለልኩም።  ናይ ሕማመይ ቺኮ ድማ፡ ‘ኣንታ ሃለው፡ ካፑቺኖ ብዘይፓስተ ጋቢዝካ’ሲ ናይ Usher moves ትፈታትን። ከምዚ Mood ገለ ዝብሉ ቃላት ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ምሽ፡’ ድሕር ሕጂ ከምዚ ኣይግበርን ‘ዩ ኢላ ኣብ ግምባሩ ስዒማ ከም ዘፋነወቶ ሕክያታት ኣሎ።
Clubbing in Asmara Eritrea

ሓደ ናይ ሕማመይ ምስ ሓንቲ ናይ ሕማመይ ጓል ኣብ ዞባ ቃዛ ክደዋወሩ ምስ ትሰምዖም ኣዝዩ ኣገራሚ ዝኾነ ቁንቁኛ ‘ዩ ዘለዎም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝሰማዕክዎ ከዕልለኩም፦
ወዲ፦ ናይ ሕማመይ ማራ ኢኺ ኬፍ፡ ፌንቲ፡ ተረድእለይ። ሲሬሰይ ትምት።
ጓል፦ ሑብ ቤላ’ዩ! ግን ከሐክየካ፡ ሳኽት ዝእለኽ (I am not sexually available) ከይመስለካ
ከምዚ ዓይነት ጉራማይለ (Jargons) ብምጥቃም ን ሰዓታት ዝወስድ መስርሕ ምርድዳእ ይውድእዎ!!
ኣዝዮም ኣገረምቲን ፈንጠጋርን ዝኾኑ ወለዶ እዮም።
ሓደ ወዲ ንሓንቲ ጓል ኣብ ሓውሲ ጸላም ጽምዋ ቦታ ክስዕማ፡ ወይ ክደራርዛ ምስ ዝፍትን እሞ ኸኣ ደስ እንተዘይ ኢልዋ፡  እታ ጓል ጓል ማማ እንተደኣ ኮይና፡ እዉይ በጃኻ ከይንበኣስ፡ ኣነ ክጸልኣካ እየ፡ ብሓቂ! ወይ ድማ ክልምነካ ግደፍ ከምትብሎ ሰብ ተሞኩሮ የዕልሉ።
 ካብ ቃዛን ከባቢኣን እንየኾይና ግን፡ ሓወይ እንታይ ደኣ ግብኣተ ኣቦታትካ ትፈታትን ኣሎኻ? ብዛዕባ 5 ማኖ ገለ ሓበሬታ የብልካን ድዩ። ገለ ወስ ክብል ብዝፈተነ ኸኣ።
……….ኩስቶ ይበሃል! ብ መድፍዕ ዘይደሃል ኢለን ከምዝፋለማ ይንገረለን።

ካብዘን ፋህም smart ዝኾና ኣዋልድ ናይዚ ወለዶ ነጥቢ ኣምጺአን ናብ ኮለጃት ዝኣተዋ ተማሃሮ ብዙሓት እየን፡፡ ካብ ዞባ ቃዛን ነጥቢ ዘየምጻ መሳቱአን ኣዝየን ዝተፈለየ ጠባይ ከምዘለወን ይንገረለን።ናይ ኣመሪካ እንግሊዘኛ ዝጥዕም ኣወጻጽኣ ቃላት (accent) ቋንቋ እንግሊዘኛ ከምጥቀማን ካብ ደገ ክበጽሑ ንዝመጹ ኤርትራውያን Diaspora ፍጹም ዕባይ ኣስመራ ኮይነን ከምዘይስምዕኦም ይንገር። ብዙሕ ናይ ፍቕሪ መጽሓፍቲ ምንባብ ስለ ዘዘውትራ ድማ፡ ዝኾነ ወዲ ንፍቕሪ ክሓተን እንከሎ ዝሓትኦ CV ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ተሳተፍቲ’ዚ ጉዳይ ዝኹኑ ደቂ-ተባዕትዮ ይሕብሩ፡፡
Young Eritrean Orthodox girl 

እዘን ኣዋልድ ጉዳይ ወዲ እንተተላዒሉ ቀዳማይ ዝሰርዖኦ ጉዳይ፡ ኣህራሪ ዕላልን ነጻ ዓይነት ሰብ Spontaneityን እዩ። እዚ ማለት፡ ሓደ ወዲ ድራር ጋቢዙ፡ ምስ ጥዑም ዕላል Desert (መጠዓዓሚ) ድሕሪ መግቢ ፡ ከም መሕቐቒ ድማ ገለ ቀይሕ ነቢት ዘውርድ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ምስ ተወደአ ድማ ብታክሲ ወይ ብ መኪና ገይሩ ናብ ክለብ ዘቐጽለን ድሕሪ ፍርቂ-ጥርሙዝ ኣሞሬላ ወይ ድማ ገለ ቁሩብ Cocktails ከም Sex on the beach ድማ ናብ ጽምው ዝበለ ጽፉፍ መዕረፊ ዘምረሐን ክኸውን ኣለዎ።
ነዚ ምስጢር ዝፈልጡ ኣወዳት ዉሑዳት እዮም። ካብቶም ዝፈልጡ ከኣ፡ ነዚ ጉዳይ ንምትግባር ናይ ወርሒ ድሞዙ (በዚ ግዜ’ዚ) ኣብ ሓደ ማዓልቲ ጸጥ ኣቢልወን ከምዝወጽእ ስለ ዝገብር። ኣብ ኣዝያ ኣገዳሲት ሑርማ ጥራይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ይንገር።
Aiba club. Asmara Eritrea 

እዘን ወለዶ ኣብ ቀብዘር-ዘርን ኾሸምሸምን (Flirting) ኣዝየን ሓያላት እየን። ብፍላይ ኣዒንተን ጉልሕምሕም ኣብ ምባል ዝኽእለን ሰብ የሎን። ነቲ ዝነበረ ናይ ሕፍረትን ድንን ምባል ልምዲ ናይ ዓበይቲ ኣሕዋተን ፍጹም ዘይቅበላኦ ምዃነን ይንገረለን። ከምዚ ብምግባር ድማ ንደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትዋኦም፡ ብፍላይ እቲ ወዲ ፋራ ኩን ዝበለ እንተኾይኑ፡ ተገብረ ኢሉ ኣብ ዘይክእሎ ወጻኢታት እየን ዘእትዋኦ።

ናይ ኤርትራ ደረፍቲ ከም ናይ Hollywood celebrities ገይረን ዝግልጻ ናይ ፕያኖ ባር ሕማም ዘለወን ውን ኣዝየን ብዙሓት እየን። ቀዳመ-ሰምበት ናብ ደስ ዝበለን ደራፊ ዝርከቦ ክለብ ምኻድ ከኣ ከም ሞያ ዝሓሰባኦ ውን ዉሑዳት ኣይኮናን። ነዚ ንምትግባር ከኣ፡ ሓደ ደልዳላ  ወፍሪ ዝገብር ዕንፈ ዝኾነ ተባዕታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ምዃኑ ከም ዝኣምና ብገለ ምንጪታት ዝሞለቐ ሓበሬታ ኣሎ።
Spontaneity ከም ሓደ ዓቢ መምርሒ ዝኽተሉ ደቂ-ኣስመራ ወላ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክጥቐምሉ ከምዝፍትኑ ይንገር። ሓደ ወዲ ኣስመራ ኣብ መቐለ ንሓንቲ ትግራወይቲ ይድውር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ በቃ- ጽባሕ ምሸት ካፕሬቶ ክጋብዘኪ’የ ደሓር ከኣ Night club ክንከይድ ኢና በላ። ኣብቲ ሬስቶራንት ምስ እታ ወይተር ነቲ-ካፕሬቶ ዝበሎ ምስ መጸ፡ ‘ኣይ- ኣነ ደሞ ካሊእ መሺሉኒ፡ጥባሕ ጤል ምዃኑ’ኡ’ በለቶ’። እዚ ደኣ ‘ሞ በብምዕልቱ ኣብ ገዛ’ሎ ኻውሬቶ ድኻ ደልካዮ ብምባል ነቲ ዝተሓስበ Mood ቀተለቶ ንብለኩም።

ምስጋና ን ኤዲተር @Temesghen Abraha

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...