Saturday, August 4, 2018

ናይ ሕማመይ ኣብ Facebook



ብዕትሮን ጀሪካንን ማይ ካብ ሩባ እንዳ ወረዳ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዓበያ ናይ ሕማመይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ፡ እተረክሰን ሓንቲ ጉዳይ ኣላ!  ..... ወላ 'ኳ ኣከዳድና: ጸጉሪ ኣታሕዛን ካልእን ኣስሊ ይኹን፡ Stilettos ኣዝዩ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ እንክገብራ እንከለዎ ዝብላኦ ጻሕተር-ተር’ዩ። እቶም ኩፒያአን ዝኾኑ ናይ ሕማመይ ደቂ ገጠር ድማ ኣካይዳ ናይ ኣጣል ከምዘዘኻኽሮም ምስ ጨረሙ ይዛረቡ።
ጸሊም ሪስቶ lipstick ምስ ቀመጽመጽ ተወሲኽዎ ኣብ Instagram video ን ዝረኣዮ ሰብ ዘስደምም ‘ዩ። ከምዚ ኢለን እንዳሳዕሳዓ ዘጋጠሞ ሰብ፡ ንጽባሒቱ ንዝረኣያ ጓል ትሕንኮል ዘላ ኮይና ከም ትስምዖ ይንገር።

Eritrean young women fetching water. (Villagers)

ምስ ምብዛሕ ስደት መንእሰያት ተጠቐምቲ Facebook ብናህሪ ከም ዝበዝሑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ እዩ። ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ Facebook ኣብ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ 2007 እዩ ህቡብ ክከውን ጀሚሩ። ኣብ ኣስመራ ዝቕመጡ ሓራይፍ ዝበሃሉ ኣወዳት ናይ ጫርምን ናይ ጀምዓ ኣሳእል ኣብ Facebook; Post ምግባር የዘውትሩ፡ እተን ኣዝማሪኖታት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብብዝሒ ናይ መርዓ ስእሊ ምጥቃዕ ከምዘዘውትራ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
Azmarinos having fun in Asmara Eritrea 

ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘለዉ ናይ ኣስመራ ሓራይፍ ነበር ድማ ኣብ ጽቡቕ ዝብልዎ ጎደናታትን፡ ኣብ ደገ ኮፍ መበሊ እንዳ ባር፡ ቢራ ሒዞም ተሳኢሎም ኣብ Facebook Post ከምዝገብርዎ ይንገረሎም።
ኣብ ኤርትራ ሓረስቶት ዝነበሩ ደቂ-ዓዃይ ብፍላይ ድማ ዕባይ ገጠር ዝኾኑ፡ ኣብ ሳዕሪ ዘለዎ ፓርክታት ናይ ከተማታት ኣውሮጳ ተሳኢልካ ኣብ Facebook ምጥቓዕ ከም ዘዘውትሩ ይሕመ። ነዚ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝግበረሉ ልሙዕ ፓርክታት ክሪኡ እንከለዉ፡ምስ ሕዛእቲ ናይ ጎዶቦ ዓዲታቶም ብምውድዳር ኣበይ እሞ ከብቲ ናይ ዓድና ዘይረኽባኦ ክብሉ ይስምዑ ይብሃል።
Cergy Pontoise ile de loisirs.


ኣብ ኤውሮፓ ዝነብሩ ኤርትራውያን መናእሰይ ብፍላይ ድማ ናይ ሕማመይ Genetic mutation ኣጋጢምዎም ዝብል ትንታነታት ኣሎ። ካብ እምብዛ ምድቃስን ስራሕ ዘይምውፋርን ከንፈሮም ሮዛ ሕብሪ ክሕዝ ይረአ ስለ ዘሎ ከይኮነ ኣይተርፍን። እቶም ሽጋራን ሽሻን ምትካኽ ዘዘውትሩ ድማ ሓምራዊ ሕብሪ ከናፍር ክረኣየሎም ጀሚሩ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ምንጪታት ይገልጹ።
ኣብ ሱዕድያን ኣውሮጳን ዘለዋ ኮተቴታትን ናይ ሕማመይ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሽቃቕ ኮይነን ምስኣል ከም ዘዘውትራ ይንገር፡፡ እቲ ምኽንያት ናይ ሽቓቕ መብራህቲ ናይ ስቱድዮ መብራህቲ ኮይኑ ከም ዝስምዐን ናይ መርዓ ሰኣልቲ ከም ዕላል ክዛረቡ ይስምዑ። ሓደ ዓርከይ ብዝበሎ እንተኾይኑ ድማ፡ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃመን ወይ ምስ ኣፋዃሳ ስእሊ እንተተስኢለን ገለ ፍኹስ ዝበለ ክምስታ ይረኣየለን ይብል።

Eritrean girl taking selfie in a bath room


እቶም ኣብ ኣስመራ ወይ ከተማ ዓቢና ዝብሉ ናይ ሕማመይ ድማ ኣብ ማኪና ኮንካ ብምስኣል ን facebook የንደቕድቕዋ። ኣብ ኣውሮጳ ኣብ መንእሰያት ስደተኛታት ብርቱዕ ሕማም ውሕጠት ወይ ድማ Obsession ናይ መኪና ምውናን ከምዘሎ ሓዲሽ ምጽናዕቲ ይሕብር።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዙሕ ትንታነ ክወሃብ ይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ትዕዝብቲ ብዙሓት ከም ዝትንትኖ፡ ማኪና ኣብ ሞንጎ Canton ዞባታት ከምኡ ውን ሃገራት ዘሎ መስርሕ መውስቦ Cross pollination ልዑል ተራ ከምዘለወን ይንገር። እዚ ጉዳይ ውን ኣብ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። ከም ልምዲ እዞም ሰብ መኪና ናብ ካሊእ ከተማ ጉዳይ ወሲብ ኣሳሊጦም ናብ መዓስከሮም እንክምለሱ እንከለዉ Facebook Live ኣትዩም ን ኹሉ ሰብ ብብሩህ ገጽ ድሕሪ ሰላምታ፡ ደርፊ ብዓውታ ከምዝጋብዙ ይፍለጥ።
ነገሩ፡ ‘ሳላ መኪና ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ’፡ ዝዓይነቱ እዩ! 

ንኣብነት ናብ ስዊዘርላንድ እግርኻ የእትው ከተብልን፡ Ausfahrt ን Autobahn ን ዝብላ ቃላት ክትሰምዐን ሓደ እዩ። ሓደ ንብዙሕ ዓመታት መምርሒ መኪና ፍቓድ ከውጽእ ብዙሕ ዝደኸመ ናይ ሕማመይ፡  ፈተና ናይ ምምርሒ ፍቓድ ምስ ሓለፈ ኣብ ደቓይቕ ምስ መኪና ተጸጊዑ ብምስኣል End of chapter one ኢሉ ኣብ Facebook Post ከምዝገበረ ይንገር።  (ስእሊ ተመልከት)

A guy posts a photo on Facebook the moment he passed his driving licence exam

እዞም ናይ ምፍልሳፍ ልምዲ ዘለዎም ብሽቕለት ኣልቦነት ዝተዳኸሙ ኣጉባዝ ናይ ሕማመይ ፡ ኣብ live video ብምእታዉ ዝምልከቶምን ዘይምልከቶምን ከምዝዛረቡ ይንገረሎም። ሓደ ሰፍ ዘይብል ዓቢ ኣርእስቲ ብምልዓል ድማ ዓለም ከንቅሕዋ ይፍትኑ።
ነቲ ኣብ 80ታት ዝነበረ ጭርሖ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ‘ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ’ ዝብል ድማ፦
-ናይ ሕማመይ፡ ገንዘብ Social ምስ ወረደ፡ ይጭረም፡
-Facebook Live video ይእቶ፡
-ከምገለ እተሓሪቑ ድማ ኣብ live እንከሎ ይጻረፍ ቀይሮሞ ኣለዉ።
 ሓደ ግዜ ሓደ ኣብ Facebook live ብዙሕ ዘይፍልጦ ፍልስፍና ናይ ፖለቲካን ጸርፊን ዘዘውትር ሰብ ነበረ። ኣዝማዱ ተሰኪፎም፡ ‘ኣንታ ክቡር ሓውና ኩሉ ወግዒ ኣለዎ፡ ጸርፊ እንተገደፍካዮ ዝሓሸ እዩ! ወረ ዘይባህልና ፡ ከይተኽዕበና ግደፎ ክንልምነካ፡ ብርክኻ ክንወድቀካ በልዎ።’  ዓርከተ ከኣ “ሰክቱ እዚ እኮ ቃልሲ‘ዩ” በሎም ንብለኩም። ኣንታ ናይ ሎሚ ዘመን ቃልሲ’ሲ…….

One of the most famous Eritrean social media celebrities.


ነዚ ኩነታት ገለ ተጫረቕቲ ክትንክንዎ እንከለው፡ ናይ ሕማመይ Live video ኣትዩ ናይ ምጽራፍ ልምዲ እንተሃልይዎ፡ ገለ Genetic Error ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ በሃልቲ እዮም። እቲ ምንታይ’ሲ ማዕረ መውስቦ ዝኸልእ ኩነታት ስለ ዝኾነ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤውሮጳ ንሕና ጽሩያት ዓጽሚ፡ Live video ዝኣቱ’ኮ ዘይብልና ዝበሃል ዘረባታት ኣብ እዋን ትብጻሕኩም ክስማዕ ሰለ ዝተጀመረ እዩ።

እዞም ወለዶ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ወላ ይቀመጡ ቋንቋ ናይቲ ዝነብራሉ ዓዲ ኣይዛረቡን እዮም። በቲ ቋንቋ ዝነብሩሉ ዘለዉ ዓዲ ክዛረቦም ዝፈተነ ሰብ ድማ፡ ዝወራዘየሎም ዘሎ እዩ ኮይኑ ዝመስምዖም። ሓወይ ናተይ፡” ቋንቋ ኮ መረዳድኢ ጥራይ ‘ዩ” እትብል ሓረግ ብዙሕ ግዜ እዮም ዝጥቐሙላ።
እዛ ዘረባ ብተደጋጋሚ ዘዳኸመቶ ሓደ ዓርክና፡ ‘እሞ CV ብትግርኛ ምጽሓፍ እያ እኮ ተሪፋትኩም’ ኢሉ ይጨርቕ።

Beautiful Eritrean Juveniles


ናይ ሕማመይ ኣብ Facebook ዝፍለጡሉ ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ኣብ ናይ ዘይፈልጥወን ኣዋልድ ስእሊ Like  ብምግባር፡ ብብዝሒ ናብ ዘይፈልጥወን ኣዋልድ Add Request ምስዳድ፡ ብዘይዝኾነ ፍቓድ ድማ ኣብ ዝኾነ ሰዓት Online ንዘላ ጓል ከም ዝድውሉ ይንገረሎም። እቶም ወናማት ድማ ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ኣትዮም ኣብ ኮመንት ከምዝካትዑ ይፍለጥ።


ሞባይላት ናይ ሕማመይ ብኣሳእልን ብዝሒ ገይማትን ዘየድልዮ Applications  ልዕሊ ዓቕመን ዝተጻዕና እየን። መዓልታዊ Ringtoneን Wall Paper ስእሊ ስክሪን ናይ ሞባይል ምቕያር (ካብ Facebook ዝወረደ) ከም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ምዕባለ ከምዝሓስብዎ ይንገረሎም። መብዛሕትኦም ድማ ወነንቲ ካብ 2 ክሳብ 3 Smart Phone ኮይኖም፡ Laptop ከም ዘይውንኑ ይፍለጥ።

ናይ ሕማመይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ብዙሕ ናይ ኣሳእል መተዓራረዪ ዝመስል ግን መበላሸዊ ስእሊ ዝኾነ Applications ዝተጻዕና ሞባይላት ከምዝውንና ይፍለጥ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ ፕላስቲክ ዝመስል ገጻት ኣብ Facebook ዝረአ ዘሎ። እዚ ጉዳይ ድማ፡ ነተን ማዳ ዘለወን ምሕብኢ ዝሕሰብ ክኸውን ከሎ፡ እተን ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዮ ግን ከም ፋሽን እየን ዝሓስባኦ።


እዘን ወለዶ እዚአን ኣብ ኢንስታግራም ብብዝሒ ክቀላቐላ ጀሚረን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ዝኾነ መግቢ ወይ ቡን ስእሊ ክስእላ ሰብ የዳኽማ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
 ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ሕማመይ ን Twitter ዝበሃል ድሕረ ገጽ ብፍጹም ኣይጥቀሙሉን እዮም። ስለምንታይ ይመስለኩም!?

ምስጋና ን ኤዲተር፡ ተመስገን ኣብራሃ









No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...