Thursday, July 12, 2018

ናይ ሕማመይ - ማራ ሰብኡት!!


ሲርየሰይ ትምት( I am serious) ………’’ኣዝማሪኖታት ፋራታት ኢኹም፡ ወላ ኣንጻርና ዘመተ ክትገብሩ ፈትኑ፡ ሳክት ኢኹም በሃልቲ ዮም - ናይ ሕማመይ ። ንኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ተቖጻጺርና ዘሎናን ንህሉን፡ ማራ ሰብኡት ኢና በሃልቲ ምዃኖም’ዩ ዝንገረሎም።
ናይ ሕማመይ መብዛሕትኦም ኣብ 90 ታት ህጻናት ከምዝነበሩ እዮም፡፡ ኣብ ዘመነ ቁልዕነቶም ከኣ ኣዝዩ ከቢድ ማሕኩማ ካብ ፍርዝን ዝበሉ ኣዝማሪኖታት ይወርዶም ምንባሩ ብኣስተንትኖ ይዛረቡ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ንቸካይስ ጸውዓለይ እንዳበሉ ኮለል የብልዎምን የፈራርሕዎምን ከምዝነበሩ ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ከኣ፡ ዓብላልነቶም ምስ ኣረጋገጹ ነያታቶም ዘዋርዱን ዘነኣእሱን ዘለዉ።
ብርክት ዝበላ መጻሕፍቲ ኣብ ቤት ማሕተም ሳቡር ከምዘሕተሙ ዝንገረሎም ናይ ሕማመይ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ኣዝማሪኖታት ንዝወረዶም ዓመጽን ዲክታቶርነትን ግብረመልሲ ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡን፡ ‘ንርስዖ ከይመስለኩም! ከማኹም መገሰም ተራእዩ እኮ ኣይፈልጥን፡ ብካልሲ ኲዕሶ ሰሪሕኩም ኣብ ገመድ ኣሲርኩም ኣብ ፓሎታትን ከተኳልሉ ትዉዕሉ ዝነበርኩምን፡ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ከም ወኻርያ ኣብ ጸልማት ሲነማታት ቸካይስ ትምስጉ ዝነበርኩም ኢኹም።’ ድሕሪ ሲነማ ንሻሂ ዝኸውን ፋካ ዘይነበረኩም ሓላታት፡፡’
ካልእ ከኣ ተሰርጊኹም (ተመርዒኹም) ኣብ ሕጽኖት ተሸብዑ (ተጥንሱ) ኬፋት ዘይትግጥሙ ብወድኹም ትምርዓዉ ፋራታት ኢኹም ዝብሉ መልስታት ኣብ ገጻት ናይታ መጽሓፎም ብኮንፌ (confidence) ወቒሮሞ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ፍሊጰስ….. ሓደ ካባኹም ከይክልም፡ ያ ማራ ኢና ሰብኡት! ኣብ ዳሕረዋይ ገበር መጽሓፍ ናይ ሕማመይ ብዓቢ ተጻሒፉ ኣሎ፡፡

ታሪኽ ኣመጻጽኣ ናይ ሕማመይ። The theory of evolution nay Hmieks
ብልሙድ ኣጸዋውዓ ኣዝማሪኖታት ዘመነ Back Street Boys ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጀመርያ 21 ክፍለ ዘመን ሓደ ፍሉይ ኲትትና ክቀላቐል ከም ዝጀመረ መዛግብ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡ ምስ ምሉእ ምጥፋእ ናይቲ ግዜ ፋሽናዊ ዝነበረ ሃይማኖት pentacostal: ብዓብላሊ ፋሽንን ሓዲሽ ፍልስፍናን ሓደ ዓቢ ጉጅለ ተፈጥረ። ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ከኣ ኣምቸታት ሓዲሽ መንነት ክፈጥሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኮይኖም ይስምዖም ነበረ፡፡
ጀልጋፍ ስረ፡ Hip Hop Music ከምኡ ውን ጸወታ Basket ball ዝፈትዉ፡ ጨጉሮም ወንጨርጨር ዘብሉን ዝቑነኑን፡ ብዙሓት ኣምቸታት ዝርከብዎም ኮተቴታት ናይ ለውጢ ዘመን ከምዝኣኸለ ኣወጁ። ጎደናታት ኣስመራ ድማ ብጠረብታ ናይ ኩዕሶ ባስኬትን ክሞልቕ ዝደለየ ስሬታትን ተናወጸት። ከም Nelly, Dr.Dre, Eminem, Jarule ዝኣመሰሉ ደረፍቲ ድማ ከም ጣኦታት ኣብ ፎቖዶ እንዳ ባርቤሪን ስተሽነሪታትን ስእሎም ኣስፋሕፈሐ። እዞም ናይ ከምዚታት ወለሃርያ (ቆለ) ዝነበሮም መናእሰይ ድማ መጀመርያ FBF ማለት Foreign by Force ደሓር ድማ What’s up ዝብል ስም ተዋህቦም። ኣብዚ ጉጅለ ክትጽንበር (Criteria’s for inscriptions) ክብድ ዝበለ ከምዝነበረ ብዙሓት መናእሰይ ናይቲ ግዜ ይገልጹ። ገለ ካብቲ ሮቓሒታት ድማ ኣዝዩ ዝገፍሓካ ክዳውንቲ ክትክደን ዘገድድ ሕጊን፡ ከምኡ ውን ገለ ደፍታት ናይ ‘Rap’ ራፕ ዝዓይነቱ ሙዚቃ ትርጉሙ ብዘይ የገድስ ንኽትሽምድዶ ስለ ዘገድዱ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተሸምደዳ ደርፊታት ክንደይ ‘ሞ ክበሃላ’የን። ኣበይ’ሞ ኣብ ምህሮ ኣይከውንን።
Bocciofila Asmara

ዘመነ What’s up ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ ኣቓልቦ ደቂ-ኣንስትዮ ምስሓቦምን ብዙሓት ክጽንበራኦም ምኽኣለንን ምዃኑ መዛግብ ታሪኽ ይሕብሩ። ገለ ተጋደልቲ ውን ኣብ 80ታት ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ንሜዳ ዝወረዳሉ ግዜ የዘኻኽሮም ከምዝነበረ ይዛረቡ። ብዙሓት ካብዘን ኣዋልድ Dirty jeans ረሳሕ ዝመስል ጅንስ ስረ ካብ ከም በዓል Shakira, Kellyን Ashantyን ዝኣመሰላ ደረፍቲ እንዳቐድሓ ክኽደና ከምዝጀመራ ይንገር። ቋንቋን ‘ሞ መትሓዚ የብሉን ፍርቁ እግሊዝኛ ፍርቁ ትግርኛ ፍርቁ ከኣ ዓረብኛ••••• ክክክክክክክክ
ሰምበት ናብ እንዳ-ማርያም፡ ጅምዓት ድማ ናብ መስጊድ ዝበጽሕ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሕብረተሰብ፡ ሓደስቲ ኑቕጣታት ከም ባር ሮያል፡ ማስክ፡ ባር ሆሊዉድ Casa de l’italy ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ፡ ከም ሞካምቦ፡ ክለብ ዓይባይ፡ ላጌቶን ኣጓዱን ከኣ ሰሙናዊ ምብጻሕ ዘገድድ ሕጊ ድማ ኣጽዲቖም፡፡
እዞም ኮተቴታት‘ዚኦም ብዘይ ተፈልጠ ምኽንያት ካብ 2007 ንደሓር ካብ ጎደናታት ኣስመራ ተሰወሩ። 

ካብ ዓመተ 2008 ኣትሒዙ ድማ ዘመነ ናይ ሕማማይ ተኣወጀ። ናይ ሕማመይ ብቑጠባ ካብ Whats app ኣዝዮም ዝትማሓየሹን ነቲ ዝነበረ ምዕራባዊ ጽልዋ ፍጹም ዘይቅበሉን፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ዘይፈልዩ ኣዝዮም Local እዮም። ነቲ ናይ 90ታት ኣዝማሪኖታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መደወሪ ቸካይስ ደርፍታት ህንዲ ፍጹም ዝንዕቕዎን ናይ ምዕራባውያን ደርፍታት እዝኒ ዘይብሎም ደርፊ ትግርኛን ካልኦት ብሄራት ኤርትራን ኣምሓርኛን ጥራይ ዘዘውትሩ ከምዝነበሩ ይንገረሎም። ሓውሲ ክብሪ ባህሊ ዝሕሰብ ድማ፡ ከም ‘ማማ-ሓፍተይ’ ከምኡ ውን ‘ባባ-ሓወይ’ ዝብሉ ናይ ሸቐጥ ሸፈጥ ቋንቋታት ብምትእትታዉ ንወለዲ ከታልሉ ምጅማሮም ገለ ተመራመርቲ (Sociology) ስነ-ሕብረተሰብ ይትንትኑ።
ናይ ሕማመይ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ብዙሕ ካብቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ዚወጸ (ዝዘንበለ) ብምትእትታው፡ ጽልዋኦም ከምዘሐየሉ ይንገር። ብ ገዛውታዊ ቀቢላ ከም ዝማሓደሩን ብርቱዕ ገዛውታዊ ስምዒት ከምዝነበሮምን ይንገረሎም። ደሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ገዛውቲ ስመን ኣዝዩ ከም ዝገነነን ናብ ብሄራት ከም ዘማዕበልወንን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ከም ኣብነት ድማ፡ ዘ-ብሄረ- ኣባሻውል፡ ዘ-ብሄረ- ገዛ ባንዳ፡ ዘ-ብሄረ ዕዳጋ ዓርቢ ዘ-ቢሄረ ማይተመናይን ካልኦትን ምግላጽ ይከኣል።

ኣብ Style ዓቢ ለውጢ ከም ዘምጹኡን፡ ነቲ ዝጸንሐ ገፋሕቲ ክዳውንቲ ናብ ጸበብቲ ስረን ቦዲ ዝዓይነቱ ካምቻታትን ማልያታትን ብምቕያር ንኣስመራ ብናይ ቻይና ክዳውንቲ ኣጨነቕዋ። ሰብ ጸቢብ ክዳን ‘Slimfit’ ክገብር ኣለዎ ኢሎም ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ Facebook ከም ዝዘርግሑ ድማ ይዝከር። እቲ ካብ ዓሊባበ ናይ ኣቦታትና ኢና ወሪስናዮ ዝብልዎ ነዊሕ ፍሪዝ ጸጉሮም ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳነውሐን፡ ካብ ብዝሒ ቲንታ ምጥቓም ድማ ጸጉሮም ክሪ ክመስል ምኽኣሉ ብዙሓት ዘስተብህልዎ ሓቂ እዩ። ነዚ ኩነታት ድማ ‘The dying hair’ እትብል ኣብ 2011 ዝተዘርገሐት መጽሓፍ ኣብ ገጻታ ኣስፊራቶ ኣላ። ሸቃጦ ባህላዊ መኾስተራት ዕዳጋ ለኻ ድማ ምዝሓል ናይ ስራሕ፡ ሰብ ኣስመራ ንናይ ሕማመይ ከም መኮስተር ገምጢሉ እጥቀመሎም ከይህሉ ጥርጣሬታት ከም ዘሕደሩ ይዝከር።
ናይ ሕሜክስ ብብዝሒ ምትካኽ ሽጋራ ዝውቀሱን ብዝፈጠርዎ ናይ ኣከባብያዊ ብከላ ኣብ Paris summit ብተደጋጋሚ ከም ዝተኾነኑ ይዝከር።
ካብ መወዳእታ 2012 መጽሓፍ ‘ዘ ገድሊ ማራ-ሰብኣይ’ ከምዝዘርግሕዋ ዝንገረሎም ናይ ሕማመይ፡ ህላዌኦም ኣብ ምሉእ ዞባታት ኤርትራ ከምዝኾነ ክረጋገጽ ተኻእለ። ነዛ መጽሓፍ ከንብቡ ዝፈተኑ ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ክትርድኦም ከምዘይከኣለትን ካብ መጽሓፍ ኣቶ በየነ ሃይለ ‘ድኳን ትበርህ’ ይፍለጥ።
ገለ ትሕዝቶ ቃላት ናይታ መጽሓፍ ነዚ ይመስል፦
ናይ ኣድናቖት ቅጽላት፦ ናይ ሕማመይ፡ መሰንገለይ፡ ምቃል ጎድነይ፡ ወዲ-ሹቐይ ፡ወገነይን ካልኦትን ክንጠቅስ ንኽእል።
ሲርየሰይ ትምት =ሓቀይ እየ
ኣምነ ኣሬ= ኣቡነ-ኣረጋዊ
ዓምና =ፕረሲደንት
መሳጅን =ቤት-ማሕቡስ
ተሰሪጋ= ተመርዕያ
መለዓሊ= ሰራቒ
በያዒ= ሸቓጢ
ኣቦስቶ፡ ዕሩይ = ከመይ ውዒልካ
ክልዉም= ክድቅስ
ኣታ ሃለው= ስምዓኒ
ሲሬስ (serious) = ዘይግደስ
ኬርለስ (careless) = ማራ ግዱሳት
ምኽራድ= ምልቃሕ
ፈንጂ= ዕዳ
ፈንቲተ= ሃለዋት ምጥፋእ
ግእዝ= ናይ ቀደም style ዝኽደን ሰብ፡ ወይ ድማ ዕድመ ዝደፍአ ሰብ
ኣቃቂ ዘራፍ= ቱታ ኣይትሓዙኒ በሃሊ
ኣብዚ ግዜ ምስ ኩለን ዞባታት ብፍሉይ ናህሪ ከምዝተዋሰቡን ብሓደ ተኣኪቦም ናይዝኾነ ብሄር ባህላዊ ሳዕስዒት ብሓባር ተገፋጪሎም ከምዝስዕስዑ ኣብ ናይ Propaganda videos ብተደጋጋሚ ግዜ ክዝርጋሕ ተዓዚብኩም ትኾኑ ኢኹም።
● ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ኣዝማሪኖ እየ በሃላይ ወዲ ንሓንቲ ናይ ሕማመይ ጓል፡ ‘ እክብ ኢልኪ ዘይትስዕስዒ በላ’
ጓል ኣያት ከኣ፡ ከንፈራ ጀላዕላዕ እንዳበለት ‘ ክትፋሓፋሕ ኣይደልያን እየ ሓወይ ናተይ’ ኢላ ከም ዝመለሰትሉ ፡ ኣብ መዛግብ መጺሔት ‘ከመይ ዲና’ ሰፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።……EWWWWW……….priceless
ኣቱም ሃለው፡ ያጀምዓ፡ ኖርሜክስ ምሽ፡ መሻግር የለን። ኩሉ ሰሊም እዩ። ማራ ሰብኡት! ሓደራኹም ግን በታ ሞያና ከይትመጹና (ባእሲ ምዃኑ’ዩ) ከይንድብሓኩም፡፡
እዋእ ኣታ ብሕጂ ኸ እንታይ.........
@don dinar

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...