Thursday, July 12, 2018

ኲናት ኣዝማሪኖታትን ፋራታትን!


ኣዝማሪኖን ፋራን ዝበሃላ ቃላት ብተደጋጋሚ ንሰምዐን ቃላት እየን። ወላ’ኳ መብዛሕትና ገለ ኣፍልጦ እንተሃለወና ኣብዚ ግዜ ግን ኣንፈተን ዝሰሓታ ይመስላ ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ ኣዝማሪኖ እትብል ቃል ምስ ደቂ-ኣስመራ ክትደናገር ተዓዚብና ንኸውን ኢና።
ሓደ ሰብ ኣዝማሪኖ ክበሃል ኣብ ኣስመራ ክውለድ ኣለዎ። ማለት ኣብ ሓሊበት፡ ኦሮታ፡ ሓዝሓዝን ካልኦትን ዝኣመሰላ መደበር ጥዕናታት መድሓንቱ ዘውረደ፡ወይ ድማ ካብ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ ዝተማህረ ከምዝኾነ ብዙሓት ይሰማምዕሉ። ተቐማጦ ከባቢ ኣስመራ ከም ዓዲ ጓዕዳድ፡ ጸሎት፡ ቑሸት፡ ዓዲ ኣበይቶ፡ እምባደርሆ፡ በለዛ ከምኡ ውን ዓዲ ንፋስን ካልኦትን ምስ ምዕባይ መጎዓዝያ መጀመርታ ከባቢ ዝብል ቅጽል ስም ደሓር ከኣ ቀዋሚ ማዕርግ ደቂ ኣስመራ ከምዝተዋህቡ ታሪኽ ይሕብር።
Asmara, Eritrea 

እንተኾነ ግን ኩሉ ወዲ ኣስመራ ኣዝማሪኖ ኣይኮነን። ማለት ብዙሕ ናይ ‘style and Harakat’ ጸገማት ዘለዎም ደቂ-ኣስመራ ስለ ዘለዉ። Style ከም ስሙ ኣለባብሳን ካልእንን ዝውክል ኮይኑ፡ Harakat ከኣ ከም መግለጺ sexiness ‘ዩ ዝሕሰብ። ገለ ሰባት ውን ሓደ ሰብ ሓሪፍ ክበሃል ኣብ ግዜ ንእስነቱ ክልተ ገረወኛ ካፑቺኖ ( Cappuccino)ን ሓደ ፍርቂ ፊስቶ ሻሂን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጎደና ሓርነት ዝሰተየ፡ አንተወሓደ ድማ ሓደ ገንኢ ቢራ ካብተን ናይ ኣዝማሪኖታት ባራትን ለይታዊ ትልሂታትን (ዲስኮታት) ዝቐድሐ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝርዝራዊ መጽናዓቲ ኣሎ። ተወሳኺ ድማ ቸካይስ (ኣዋልድ) ዝቐያየረ። ሕክያ ድማ ኣርማን ማሕተምን ኣዝማሪኖ ኢሎም ዝኣምኑ ኣኽረርቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ንኣዝማሪኖ ብዝበለጸ ክገልጾ ዝኽእል ነገር ግን፡ ኣብ ግዜ ሽግር ተሓጋጋዝን ተዓጻጻፍን ማለት ፈታሒ ሽግርን ረኻቢ ኣቋራጫትን ዝብል እዩ። ካብ ኣዝማሪኖታት ዝተፈንጨሉ ናይ ሕማመይ ዝበሃሉ Radicals ግን ኣዝማሪኖ ዘይፈርሕን፡ ከም መሸማዕ ዓሰርተ ግዜ ተኣሲሩ፡ ዓሰርት ግዜ ዝፍታሕ ምዃኑን ኣብ ቀዳማይ ገጽ መጽሓፎም ከምዘስፈርዎ ገለ ክኢላታት ዓውዲ ስነ-ሕብረተሰብ ይትንትኑ። ፋራታት ግን ምትዕጽጻፍ የለ ንብጻየይ ይጥዓሞ የለ፡ ዝብል ልቦና የብሎምን ብምባል ኣዝማሪኖታት ይምጉቱ።
Hard working Eritrea young man.

ፋራታት ድማ ዘምጽኣና ኣጸቢቕና ስለ ንፈልጥ ብኸመይ ውልቃዊ ጉዳይና ከምነጻፍፍ ከነርእየኩም ኢና ብምባል ልዕሊ ኣዝማሪኖታት ምዃኖም ይሕብሩ።
ኣዋልድ፡ ብልሙድ ኣጸዋውዓ ኣዝማሪኖታት ቸካይስ(Chekays)፡ እቲ ብዙሕ ካብ ናይ ስራሕ ግዜ ኣዝማሪኖታት ዝሕንኩኽ ኣርእስቲ እዩ፡፡ ኣደዳ ልቓሕ ግዜን ገንዘብን ዘእትዎም ጉዳይን ከምዝኾነ ውን ይንገረሉ። ካብ ዘመነ ስደት ኤርትራውያን ናብ ሃገረ እስራኤልን ደቡብ ሱዳንን (ጁባ) ኣትሒዙ፡ ቑጠባ ናብ ካልኦት ዞባታትን ከተማታትን ኤርትራ ክዘጥጥ ብምጅማሩ፡ እቶም ብዙሕ ኣፍልጦ ናይ ኣዝማሪኖ የብሎምን ዝበሃሉ ፋራታት ከም ዝና ዘርኢሰናይ ታደሰን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓብላልነቶም ከም ዘረጋገጹ ይንገር። ነታ ኣዝማሪኖታት ዝምኩሑላ ኣስመራ ድማ ‘እንተዘይ ውሒጥኩሞስ ጉሰምዎ’ ዝዓይነቱ ሓያል ናይ ፈተነ ግዜ ምንባሩ ይዝከር። ምስኡ ከኣ ወነንቲ ዝበዝሓ ሞዴል መካይን ከም Rav4 ;jumbo Avances; Prado፡ Hyundai ን ካልኦትን ብምዃን ዓብላልነቶም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ከምዘውሓሱ ናይ ሓጺር ግዜ ተዘክሮ እዩ፡፡
Harnet avenue Asmara, Eritrea

‘ወላ ሞደል infinity ትሃልዎ ፋራ ሕጂ ውን ፋራ እዩ’ ዝብል ዘመተ ብኣዝማሪኖታት ይግበር ከም ዝነበረ ይዝከር። እዚ ድማ ተወዳዳርነት ፋራታት ኣብ ጉዳይ ኣዋልድ ንምጉዳል ምዃኑ ዝሰሓት ኣይነበረን።

ምስ ግዜ ከኣ፡ ኣብ ስደት ሓይሊ ቑጠባ ብዙሓት ፋራታት ጸብለል ከምዝበለን፡ ነዚ ዘስተብሃሉ ፋራታት ድማ “ኣዝማሪኖታት ዘረባ እምበር ስራሕ ኣይፈትዉን ኢዮም’ ሕክያ ተመሲሖም ምውርዛይ እዮም ዝድረሩ ዝብል ዘመተ ብምግባር፡ ዝነበሮም ሓያል ናይ ቁጠባን ስራሕን ባህሊ ተጠቒሞም፡ ኣብ ልዕሊ ኣዝማሪኖታት ጽቕጢ ክፈጥሩ፡ ብዓንቀጽ 101/01 ሕጊ ፋራታት ኣብ facebook ከምዝኣወጁ ይዝከር።

ነቲ ‘‘ዘመደይ ኣብ ወጻኢ ( ፎር-ኤን) ኣሎኒ’’ ዝብል ኣዘራርባ ኣዝማሪኖታት፡ ፋራታት ድማ ‘’ስድራይ ናብ ኣሜሪካን ካናዳን ኤውሮፓን ሰዲደዮም ወይ ከኣ ኣምጺኤዮም’’ብምቕያር፡ ‘ንስኹም ትዛረቡ ንሕና ነተግብር’ ዝዓይነቱ ዓቢ ሽንድሒት ንኣዝማሪኖታት ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።
እዚ ጽሑፍ ግን ንናይ ሕማመይ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ጉዳይ ናይ ሕማመይ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ።
ኣዝማሪኖ’ዶ ፋራ ምዃን ይሓይሽ?

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...