Thursday, July 12, 2018

ግዜ - ሚዔ ዶ ሳርጋይ ወዲ ኣረጋይ!


ዘይርስዑ፡ ክርትርስዖም ደሊኻ ውን ዘይከኣል ወለዶ እዮም። መወዳእታ ሰማንያታት ክሳብ 1997 ኣዝዮም ዓብለልቲ ነበሩ፡ ኣዝዩ ፍሉይ Bizarre ገጸ ባህሪን ቅዲ ኣከዳድናን ኣመቓቕዛን ዝነበሮምን፡ ኣብ ዱካን ተኣኪብካ ምውዓል ዘዘውትሩ ዝነበሩ ወለዶ ‘ዮም።
ኣብ ማዓንጣ ዝተሸንቈቘ (ጾታ ዘይፈሊ) ሌዘር ጃኬት፡ ጆን-ትራ ቮልታ (ናይ ጻዕዳ ጸጕሪ ብኣፍሮ!) ምምቃስ ዘዘውትሩ፡ ኣብ መዓንጥኡ ገፊሕ ኣብ እግሩ ኣዝዩ ጸቢብ ሕብራዊ ስረ (ዝበዝሕ ግዜ ውጹእ ቀይሕ)፡ ወርቂ/ብሩር ስኒ፡ ናይ 70ታት መነጽር Police sunglasses( ወላ ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ)፡ ዘይተኣደነ ዝብጦታትን ካትማትን፡ ናይ ጸጋም ሕንቅሊቶ ነዊሕ ረሳሕ ጽፍሪ፡ ነታ ናይ ቀለቤት ጽፍሪ ኣንዊሖም ኣዝማልቶ ይለኽይዋ ከምዝነብሩ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ኣስመራ ሰፊሩ ኣሎ፡፡
Ermile, Eritrean actor. One of the Mie do Sargay generations.

ናይ ኣስመራ ቡት ጫማ ፡ኣብ ከባቢ ኣፉ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ነዃላት ዘለዎ፡ ገለ ውን ብሓጺናዊ ዑንቂ (Botton) ገይሮም ንጫማታቶም ይፍሽልዎ ከምዝነበሩ ይንገር። ናይቲ ግዜ ጎራዙ፡ ናይዚ ግዜ ድማ ነኣሸቱ ኣዴታት፡ ነዘን ጫማ እንተዘኪርካለን፡ ‘ጨና በዳን ሮጊድ ካልሲ’ እሞ ድማ ቀዳድ ኣብ ቅድሚኡ ከም ዝዝከረንን መብዛሕተአን ሕማም ኣለርጂ ወይ ከኣ ኣዝማ ከምዘስዓበለን ይዛረባ።
ምስ ግዜ ድማ ብብዝሒ ናብ ጂለ ወይ ገፊሕ ሕብራዊ ክሬሽን ዝተሰጋገሩ መናእሰይ፡ ንጎደና ሓርነት ዝነውሐ ግዜ ዝሳዕስዑላ ምዃኖም ይፍለጥ። ብሓፈሻ ካብ 1991-1997 ኣብ ጉደና ሓርነት ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ዝሳዕስዑሉ ግዜ (Credit hours)። ነዚ ዘሎ ወለዶ ክሳብ 30 ግዜ (ዓመታት) መዓልቲ ናጽነታት ከምዘድልዮ ተመራመርቲ ይገልጹ።
Photos from 1990's

እዚ ኣብ ኮንሰርት ናይ ነፍስሄር የማነ ባርያ ብግቡእ ዝተሰነደ ጉብዝና ናይቲ ግዜ መንእሰያት፡ ክድገም ዘይክእል መሰጋገሪ ፋሽን (ስታይል) ናብ ናይ ሎሚ ኰተቴታት ምዃኑ Elle magazine ኣብ ዓምዲታታ ኣስፊራቶ ትርከብ።
ቸካይስ ናይዚ ወለዶ፡ ማስቲካ እንዳሓየኻ ጢዕ-ጣዕ ምባል የዘውትራ ከምዝነብራን ነቲ ክትሕይኾ ንመንጋጋኻ ኣዝዩ ኣድካሚ ዝኮነ (bubble gum) ቡምባ ኣመሪካ ኢለን ይጽውዓኦ ነበራ። ምናልባት ኣብ ሞንጎ እናሓየኻ መግቢ እንተተቐሪበን ከኣ ኣብ ግንባረን ጠቂዐን የቐምጣኣ ከምዝነበራ ይዝከር፡፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ኮካ ናይ ፍሪጅ ክብር ይብል ስለ ዝነበረ ናይ ካሴታ ዉዑይ ኮካ-ኮላ የዘውትራ ከምዝነበራ ኣጉባዝ ናይቲ ዘመን ይዛረቡ።
እዞም መናእሰይ ኣብ ከረዴንሳ cupboard ተጸጊዕካ ምስኣል ብብዝሒ የዘውትሩ ነይሮም፡ እቲ ስእሊ ምስ ተሓጸበ ድማ ኣብ ቬትሮታት ናይ ከረዴንሳን ኣርማድዮን ከምዝቕርቕርዎ ይንገር፡፡ ቅድሚ ዝኾነ ስእሊ ምውሳዶም ድማ ምስንታር (ምምሻጥ) የዘውትሩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። በዚ እዩ ድማ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ቤት-ስእሊ መመሸጣት ክሳብ ‘ዚ ግዜ’ዚ ዝርከብ።
መናእሰይ ሚዔ፡ Walk man ጌርካ ቴፕ ካሴት (ናስትሮ) ምስማዕ የዘውትሩ ከምዝነበሩን፡ ሃልኪ ባትሪ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝነበረን ብምረት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕላላቶም ይስማዕ። ባትሪ ኣብ ምውድኡ ድማ እዘን ቴፕ ቀስ ኢለን ስለ ዝሰርሓ ዝነበራ፡ በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ግጥምታት ናይ ደርፊ ኣብ ምሓዝ ሓያላት ዝነበሩ።
Tape casette TDK. commonly know as 'Nastro' in Eritrea.

ኣብቲ ግዜ ሞባይል ወይ ቴሌፎን ናይ ገዛ ስለ ዘይነበረ፡ ገለ ሓራይፋቶም ኣብ ውሱናት ሰዓታት ቁጽሪ ቴሌፎን ናይ ባር ንበዓልቲ ባር እንዳ ኣፍተዉ ከም ቴሌፎን መቐበሊ ይጥቀሙ ነበሩ። ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ቴሌፎን ድማ፡ ብብዝሒ ናይ ሃብታማት ጎረባብቶም ቴሌፎን የመዝግቡ ከምዝነበሩ መዛግብቲ ኤሪ-ቴል ይሕብሩ።
መናእሰይ ሚዔ-ዶ-ሳርጋይ ንዝድውርዋ ጓል ኣብ ናይ ጐረቤት ቴለፎን ይቖጽርዋ ከምዝነበሩን፡ ወይ ከኣ ብቖልዓ ጌሮም የጸውዕዋ ከምዝነበሩን ይዝከር፡፡ እንተ ናይ ፍቕሪ ሕቶ’ሞ ብደብዳቤ ከምዝነበረ ናይቲ ግዜ ሰብ ዱኳናት ብኹርዓት የዘንትዉ፡፡
ነዞም መናእሰይ ብፍሉይ ዝዝከሩሉ ነገር ግን፡ ኣብ ሳልስቲ መርዓ ኣብ Pick-up Toyota ተሰቒሎም፡ “ሰይቲ ዓርከይ ኖኺላየ’ እንዳበሉ ሰለፍ ብዕራይ ተሰኪሞም ንከተማ ኣስመራ የጽምምዋ ምንባሮም ‘ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ መደበር ተለቪዥን TMZ፡ who’s hot & who’s not ኣብ ዝብል መደባ ኣጋዊሓቶ ከምዝነበረት ድማ ይፍለጥ።
እዞም መናእሰይ፡ እንዳኮርያ (ደምበ ሰምበል) ባዕልና ሰሪሕናዮ ብዘስምዕ ዘረባ ብዙሕ ከም ዝኾርዑ ገለ ናይ ባራት ዕላታት ኣሎ። ሰምበት ንግሆ ቅድድም ብሽክለታ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ከኣ ኣብ ከም በዓል እንዳ ሓጎስ፡ ጁኔር፡ 03 ካልእን ዝኣመሰላ በዓቲታት ቪድዮ ምርኣይን ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኩዕሶ ኣብ ምክትታልን ይውዕሉ ከምዝነበሩ ጋዜጣታት ይገልጻ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ተኣኪብካ ብገዛውቲ ባእሲ፡ ማለት ናይ ቃኘው፡ ሰላሳኣምስተኛ (ክልቲአን ድጋፍ ካብ ደርጊ ዝነበረን)፡ ገዛባንዳ፡ መደበር፡ ሻውልን ካልኦትን ደሚርካ ኣስመራ ቀሲንካ ናብ ካልእ ገዛውቲ ማለት ዘይግዝኣትካ ክትሓልፈላ ኣዝያ ኣጸጋሚት ጌሮማ ከምዝነበሩ ናይቲ ግዜ መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦታት ንበየነ ካራቲስታ (ኣብቲ ግዜ ሓንቲ ዓይኑ ዝሰኣነ) እናዘከሩ ንወለዶ ኣዝማሪኖን ናይ ሕማመይን ብምስትንዓቕ ይገልጹ።
ካልእ ፍሉይ ነገር ናይዞም ወለዶ፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣዝዮም ይፈትዉ ከምዝነበሩን፡ ኣብ ኣንጎሎታት ገዛውቶም ተኣኪቦም ዕላልን ጸወታ ጋዕዳ (ብክራር ምዝንጋዕ) የዘውትሩን ነይሮም’ዮም፡፡ ድሕሪ እዞም ወለዶ ዘይመቸአን ሲነማታት ኣዝመራን ካቲቶልን፡ መንእሰያት ሚዔ-ዶ-ሳርጋይ ዘልመድወን ዉዕዉዕ እዋናት እናዘከራ፡ ጽምዋ ከምዝተሰመዐን ናብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ጥርዓነን ከምዘቕረባ ልሒኹ ዝወጸ ሓበሬታ የነጽር።
እዞም መናእሰይ ብጅግልን ፍንጣጣን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብብዝሒ ይጥቅዑ ነይሮም’ዮም። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ መዛወሪ ቦታ ቤትገርግሽን ሸኽ ጀሚልን ኣብ ሳዕሪ ናይ ኤክስፖን ኣብ እዋን ምዝንጋዕ ኮንዶም ክትረክብ ኣጸጋሚ ከምዝነበረን የዘንትዉ። ዝበዝሓ ናይ ትምህርቲ ግብጃ Prom night ድማ ኣብ እዋናት ቀትሪ ኣብ ሳዕሪ ከምዘሕለፍዎ ዝነበሩ ይዕለለሎም።
1980's club photo.

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ግዜ ድማ ኮንዶም (Condom) ገዚእካ ናብዚ ብዙሕ ሳዕሪ ዘለዎ ቦታ (Green Hotel) ምኻድ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር ምንባሩን ብሓሙሽተ ቅርሺ full access ይረኽቡ ስለዝነበሩን ካብ ምኽንያታት መላብዒ’ቲ ሕማም ምዃኑ ይዛረቡ።

ድሕሪ 1991 ብ Style ናይ ተጋደልቲ (ብስፕሪት ቱታን ሬድዮን) ብዙሕ ናይ ፋሽን ተወዳዳርነት ከምዝወረዶም፡ ዝንገረሎም ሚዔ፡ ምስ ምጅማር ወራራት ወያነን ካልእን ከም ዳይኖሰር ከም ዝጸነቱ ተመራመርቲ ይገልጹ።
John Travolta with his famous hair cut style

እቶም ዝተረፉ ድማ ከም ተንቃሳቓሲ ቤተ-መዘክር ከም ዝተታሕዙ ጋዜጠኛ ባባ ሓሊብ (ከክያ) ከምኡ ውን ተዋሳኣይ ኤርሚለ ከምቲ ዘየለ፡ መሰታ ካቴድራለ ህያው ኣብነት እዮም። ከም ተዘክሮ ዘበነ ማዕያይን ሳርጌን ድማ ነዛ ግጥሚ፦
‘ኣባሻዉል ዓቢና ሓዲሽ ዓዲ
ኣይትብልዑ ኢሎም ወለዲ
ብሸራሙጥ ተወዲኡ ሰላዲ
ጎይና ከይንኣቱ ንሜዳ
ሰሪሕና ‘ዶ ከይንኸፍል ዕዳ
ያ ከልየና ክኸይድ እየ ጅዳ
ይብሉ ነበሩ፤
ምስጋና ን ኤዲተር @tegemsel

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...