Thursday, July 12, 2018

ከይሓሰብካ ምዝራብ ዘምጾ መዘዝ!


ኣነ ምስ መብሬ ዓርከይ ናብ ሓንቲ ቢልያርዶ/billiards ዘለዋ ባር ስቴካ ክንጻወት ኣተና። እቲ ጸወታ ዕላል ዝዓብለሎን መሕለፊ ግዜን መዘናግዒን እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸናሕና ሓደ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ዝመበቆሉ ሓደ ጉልቡትን ቆማትን በዓል ገፊሕ ኣፍንጫ ተዛራባይ ቋንቋ ፍረንሳ ተሓወሰና፡ ኤርትራውያን ዲኩም ኢሉ ድማ ዘረባ ጀመረ። እወ ከመይ ኣሎኻ ça va? ኢልና ናብ ጉዳይ ጸወታና ኣቓለብና፡ ወደያት ኣዝዩ ተዛራባይን ውዕይ ዝበለን እዩ። ካብ ዝሕወሰና ኣትሒዙ ብዛዕባ ኣጸውታናን ካልእን ብዙሕ እዛረብ ነበረ። ጽንሕ ኢሉ ድማ፡ ሰበይተይ እኮ ኤርትራዊት እያ በለና። ‘ኦ ቤላ እምበር’ ኢልና መልሲ ድሕሪ ምሃብ ናብ ጸወታና ኣቓለብና። ከምዘይተገደስናሉ ስለ ዝተረድኦ ነታ ዘረባ ደገማ። ንሕና ውን ዘረባኡ ክመረና ስለ ዝጀመረ ኣሕጽር ኣቢልና ኤርትራዊት እኮ ኣይመስለናን በልናዮ።
Billiards

‘Comment tu dis ça?’ ከመይ ኢልኩም ከምኡ ትብሉ ማለቱ እዩ ብ ቋንቋ ፈረንሳ። እዛ መልሲ ዘይብላ ዘረባ ብምንጣር……….. ስማ መን ትበሃል ኢልና ሓተትናዮ። ‘ኣበና’ ኢሉ መለሰልና።
ስማ ብዝሰማዕና ጥራይ ኤርትራዊት ከምዘይኮነት ርግጸኛታት ስለ ዝኾንና ከነረድኦ ፈተንና። እብለኩም እንድየ ዘለኹ ካልእን እንዳበለ ገለ ኣሳእል ከርእየና ፈተነ። ጸኒሑ ከኣ ኣነ እኮ የሕዋተይ ኢለ እየ ጓል ዓድኹም ከላልየኩም ዝሓሰብኩ እምበር ካልእ ኣይኮነን በለና።
መብሬ ዓርከይ ከኣ፡ ‘ንሕና እኮ ሕማቕ ኣይተዛረብናካን Mr. Oscar፡ ብንጹር ዝመስለና ተዛሪብናካ ከነረደኣካ ውን ፈቲንና’። ወደያት ዘረባና ከይወዳእና ገዲፍና ዕዝር በለ፡ንሕና ውን ፍኹስ ኢሉና ጸወታና ቐጸልና………..

La chapelle metro station area.Paris.

ድሕሪ ልክተ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሓደ እንዳሻሂ እንከሎና ብፊት ምስ ረኣየና ተሳጊሩ መጺኡ ሰላም በለና። ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ምሳና ኮፍ ክብል ቦታ ኣዳለናሉ፡ ‘እንዳሓለፍኩ’የ መጻእኩ’ ኢሉና ሓዲግና ከደ። ድሕሪ 5 ደቒቕ ኣቢሉ ምስ ሓንቲ ጓል ኣብታ ዝነበርናያ ካፈተርያ ተመለሰ’ሞ ‘በሉ ኣፍቃሪተይ እናሃለት በለ’። ንሕና ከኣ ብትሕትና ሰላም ድሕሪ ምባል ብቋንቋ ትግርኛ፡ ‘ከመይ ኣሎ ናብራ ፓሪስ?’ ኢልና ሓተትናያ።
‘እኔ 'ኮ ትግርኛ ኣይችልም፡ ኢትዮጵያዊት ንኝ’ በለት።
መብሬ ከኣ ህውኽ ኢሉ ፡ ሬእኻ ኤርትራዊት ኣይኮነትን በሎ። እታ ጓል ጽቡቅ ከምዘይተሰመዓ ኣብ ገጻ እንበብ ነይሩ። Oscar ኩሉ ዘረባ ክርድኦ ኣይከኣለን ግን ኢትዮጵያዊት ምዃና ክርዳእ ከኣለ። ‘Tu es Ethiopienne?’ ስለምንታይ ደኣ ዘይትነግርኒ ‘Ce n'est pas bein. Tu me menti’ በላ (ሓሲኽኒ ዝዓይነቱ ዘረባ እዩ)። ‘ኣበና’ ቑርምርም እንዳበለት ሒዛቶ ካብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ሒዛቶ ወጸት።

La chapelle metro station.

ድሕሪ ገለ ሰሙናት እቲ ወዲ ንመብሬ ዓርከይ ብምድዋል ከምዚ በሎ።
‘’ኣነ ከማኹም ዓሌታውያን ሪእየ ኣይፈልጥን፡ ኣብ መጀመርታ ስማ ከይሰማዕኩም ኤርትራዊት ኣይኮነትን ኢልኩም ተዛሪብኩም፡ ከይገረመኒ ውን ኣይተረፈን፡ ክገልጸልኩም ብዝፈተንኩ ድማ ብዙሕ ኣይተገደስኩምን። ንስኹም ካብዞም ጸዓዱ ዝገደድኩም ዓሌተኛታት ኢኹም።’’
……… መብሬ ኣብ ቴሌፎን ፦
‘ስማዕ እስከ ዲናር! ንሕና ዓሌታውያን ኢና ማለት ድዩ?’
….. ‘EEEEEEEEEEWWWW ‘
-------ዘልኩኹም’ሲ ብዘይ ፍላጥ Relationship crashers ተቐይርና!!
Don Dinar @Don

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...