Thursday, July 12, 2018

ሰብ መኪናን ኣጋርን ኣብ ኣስመራ፡ ኣሃዱ መካናይዝድ VS ኣጋር


ሓደ ወዲ ኣብ ዓይባይ ክለብ ኣስመራ (Aiba Club Asmara) ምስ ጀምዓ ኣዋልድ ኣምሰየ። መሕደሪ ስለ ዘይነበረን ድማ ናብ እንዳኮርያ ዝነበረ መንበሪ ገዛኡ ወሰደን፡ ሓንቲ ካብተን ጀምዓ ኣዋልድ፡ ኣነ ማራ ጁዕ ተላሒሰ ኣለኹ ኢላ ምድረ ሰማይ ቀውጢ ገበረታ። ኣብቲ ገዛ ዝኾነ ዝብላዕ ስለ ዘይነበረ፡ ወደ’ያት ተጣቢቡ ገለ ሳላጣ መሳሊ (ሽጉርቲን ኮሚደረን ጉዕን) ብባኒ ገይሩ ነዘን ኣዋልድ ቀረበለን። እዘን ኣዋልድ ከምዛ ከይበልዓ ዝቐነያ ዱግ በላኦ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣብ ኤክስፖ ካብ ዝርከባ ክለብ ክኣቱ እንከሎ ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ረኣየቶ። ኣብ ኣስመራ ናይ ለይታዊ-ትልሂት ሂወት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ብስም እትውንና ወይ እትሕዛ ማኪና እየን ዝጽውዓ። ንኣብነት፦
እዉይ kia ደኣ እንታይ ድዩ ኢሉኒ መስለኪ……
Avensis ደዊሉ ነይሩ
RAV 4 ክመጽእ እየ ኢሉ ወዘተ………
ዓርከተ ክሓልፍ ብዝረኣየኦ ግን’ እውይይ ……’ሰላጣ’ ረኣየኦ ብምባል ብዓውታ ሃሃሃሃሃ ።……. እዚኣስ’ ወሬና ኣይትግበራ እያ ተብል።
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ወዲ መኪና ተለቂሑን ተመርቂሑን ከምዝወነነ ይንገረሉ።
እንተኾነ ግን፡ ቸካይስ ኣስመራ ኣብ Twitter ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ ንወዲ ተባዕታይ፦ ቁመቱ፡ ደሓር ኣቃውማኡ (ሰፊሕ መንኮብ)፡ ጽፉፍ፡ ዘመናዊ ኣከዳድና ዘዘውትር፡ ማዕዳ ዘይኮነስ የዕሊሉ ዝኽእል፡ መስሓቕ ዓይነት (ኮሜድያን ግን ዘይኮነ)፡ ኩነታት ኣንቢቡ ግቡእ ስጉምቲ ዝወስድ (right move @ the right time፡ shoot and run)፡ ዝብል ዝርዝር ጥራይ እየን ሂበን። መኪና ዘይምግላጸን ድማ ንብዙሓት ሰብ መኪና ኣገሪሙ እዮ።
Cinema Odeon, Asmara, Eritrea.

ሓፈሻዊ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝገልጾ፡ ሓንቲ ጓል ዓርካ በዓል መኪና እንተኾንይኑ ታኬት ጫማ hills ምግባር ከም እተዘውትር። ብኣንጻሩ ድማ ዓርካ መኪና ዘይብሉ እንተኾኑ ኣዲዳስ sneakers ምምላስ ከም ተዘውትር ይሕበር።
ካብ ዓመተ 2009 ኣትሒዛ ኣስመራ ኣብ ክልተ ኣሃዱታት ደቂ ተባዕትዮ ተኸፍለት። ንሶም ድማ ሰብ መካይንን (ኣሃዱ-መካናይዝድ) ከምኡ’ውን መኪና ዘይብሎም (ኣጋር ሰራዊት) እዮም። እዞም ኣዝዮም ዝፋቐሩ ዝነበሩን ብሓደ ዝዓበዩን ዝተማህሩን በጽሒታት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓለለኸ ማሕበራዊን ኣንነታውን ምትህልላኽ ክኣትዉ ዝሓሰቦን ዝወጠኖን ኣይነበረን። ምስ ዘመነ ስደት ጁባ-ኣንጎላ-እስራኤል . . . ግን ከም ናይ ሰሜን ኮርያን ደቡብን ኮርያን ዝመስል ፍልልይ ኣጥረዩ።
ብሓፈሻ፡ ኣጋር ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራን ፉግራታትን መናፈሻታትን መጥቃዕቲ ናይ ድወራ ከምዘዘውትሩ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይዛረቡ። እዚ ጉጅለ፡ ነቲ ብሰብ መካይን ዝወርዶ ዕብለላ ንምምካት ኣብ ተክኖሎጂ ከም laptop, smartphone, Tabletን ካልእን ብዙሕ ወፍሪ investment ከምዝገብርን፡ ጫማን ክዳንን ድማ ኩሉ ብሉጽን ክቡርን ጽሩይን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘጽደቑ ይንገረሎም።
ኣሃዱ-መካናይዝድ ድማ ናብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ መናፈሻታትን ሆቴላትን ብፍላይ ድማ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ኤክስፖ፡ መናሃርያ ዘላ እንዳ ነዳዲ፡ ሰምበሊኖ፡ ድርፎን ናይ ችቸሮን parking ብብዝሒ ከምዝረኣዩን፡ መድፈሪ 2-3 ቢራ ሰቲኻ ምዝዋር ከምዘዘውትሩን፡ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን ዘቃልዖ ሓቂ እዩ። ኣጋር ሰራዊት ከኣ በቲ ዘለዎም ዓቢ ተራ ኣብ ምጽባብ ሆቴላት ናይ ኣጋይሽ ሚኒስትሪ ቱሪዝም መጠንቀቕታ ምስ ረሲታት ናይ ሆቴል ከምዝሃቦም እዮም ዝገልጹ። እዚ ነገር ድማ ንሰብ ኣጋር ዘቕሓረን complexity ከጥርዩ ዝፈጠረ ኩነታት ምዃኑን ታሪኽ ይሕብር።
ኣጋር ሰራዊት ካብ ዋጋ ክብሪ ታክሲ ጀሚሮም ክሳብ ኣብ ግዜ ክረምቲ ዘጋጥም ምግጫብ ዝዓቖረ ማይ ብሰብ መካይን ብብዙሕ እዮም ዘማርሩ። ብፍላይ ካብ መኪና እንዳወረዱ ከለዉ ቀስ ኣቢልካ ዕጸዎ እትብል ሓረግ ኣዝዮም እዮም ዝጸልእዋ። ሓራሙ ኣስመራ መኪና ዘለዎ ወዲ እየን ዘሐብያ በሃልቲ ድማ እዮም። ኣብ ካፈታት ኣስመራ (ባር ሮያል፡ዶልቸ ቪታ፡ ማስክ፡ ኣልባ፡ ሳንሻይንን ካልኦትን) ኮይኖም ንዝኣበየቶም ጓል ብወረ ሓመዳ ንላዕሊ ክሳብ ትኸውን ከምዘዳኽምዋ ውን ይውረየሎም። ነዚ ወረ ክጻወራኦ ዘይከኣላ ብርክት ዝበላ ቸካይስ፡ ዓው ኢልካ ዘይዝረብ ኮይንወን እምበር ነዞም ሓሰውቲ ምኸሻሕናዮም ኔርና በሃልቲ እየን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስ ሰብ ኣጋር Walkers ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ከጥርያ ከም ዝተገደዳ ይዛረባ።
ኣሃዱ መካናዝድ ድማ ንሕና ገንዘብ ስድራና ጫሕ ኣቢልና ዘጥረናየን መካይን እንታይ ግበሩ ትብሉና በሃልቲ እዮም። ኣዝዮም ሓራካት ዘብዝሑን ኣይትጹርኒ በሃልቲን እዮም። ነታ ብ Fiat 600 ዘውጽእዋ መምርሒ ፍቓድ 3-4 ግዜ የሐዲሰያ እንዳበሉ ብተሞኩሮ ኣውቲስቶም ክዛረቡ ውን ብዙሕ ግዜ ይስምዑ። 
Italian car. Fiat 600 in Asmara

ከም ባህሊ ድማ ዓው ኢልካ ምስሓቕ ዘዘውትሩን መፍትሕ መኪናን ሞባይልን ኣብ ጣውላ ናይ እንዳሻሂ ፋሕ ኣቢሎም ከም ዘቐምጡ ይፍለጥ። ‘ሓፍተይ ከነብጸሓኪ’ እትብል ሓረግ ድማ ከም መዓልኪ ከምዝጥቀሙላ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ lift ዝኾና ቸካይስ ይዛረባ።
ኣጋር ሰራዊት ጫማኦም ክሳብ ዝሓቅቕ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ንችክሶም ከምዘከያይፍዋን ክምለሱ ከለዉ ድኻም ከምዘይተሰምዕም፡ መጥቃዕቶም ከኣ ዕዉት ከም ዝነበረን ብትምክሕቲ ክዛረቡ ይስምዑ። ደሓር ውን ካብ እምብዛ ኮለል ምባል ቅርጺ ኣካላቶም ዝተሓለወ ምዃኑ ይንገረሎም። ነዚ ዘለዎም ልዑል ተሞኩሮ ድማ Application google maps ከም መወከሲ ከምትጥቀመሎም ይፍለጥ።
ሓደ መራሕ ጋንታ ኣጋር-ሰራዊት፡ ሓንቲ ቺክ ይቃጠበልኩም። እዛ ጓል ሕጽርን ድልድልን ዝበለት ፈዛው ነበረት። ካብ እምብዛ ብፉግራ ኮለል ምባል፡ ትርኢታ ካብ መቦኮርያ መሳሊት ናብ ብርለ ከምዝተለወጠ’ ክልተ ስእሊ ካብ ፖርቶፊልዮ ብምውጻእ ከምዚ ናይ MTV show; ቅድሚን ድሕሪን (Now and then) ዝዓይነቱ Reality Slide show ከምዝገብር ኣድነቕቱ ይገልጹ። ንስኻ Fitness coach ክትከውን ኣሎካ ኢሎም ከምዝደፋፍእዎ ድማ ኣብ ዕላላቱ ገሊጹ።
Couples talking a walk in the streets of Asmara.

መካናይድ ወላ እኳ ብዙሕ ግዜ መኪና ይሓዙ፡ ናይ ስድረኦም መካይን ስለ ዝኾና ብዙሕ ሽግር የጓንፎም እዮ። ሓደ ግዜ ፡ ሰምበት ንግሆ፡ ሓደ በዓል መኪና ንልዕሊ 20 ዓረይቲ መኪና (መካኒክ) ክድውል ወዓለ። እቲ ምኽንያት ከኣ ሰዲሎ ናይቅድሚት ኣንቃዕሪሩ ምትንሳእ ስለ ዝኣበዮ እዩ። ናይ ኣቡኡ መኪና ከም ምዃና ከኣ፡ ንኣቡኡ እንታይ ይበሎ? ሓደ ውን ኣብ መኪና ርክብ ፈጺሙ ዝተጠቕመሉ ላስቲክ ረሲዕዎ ንጽባሒቱ በዕልቲ ቤቱ ስለዝረኸበቶ ኣብ ፍትሕ ከምዝበጽሑ ናይ ቀረባ ምንጪታት ሰኒዶሞ ኣለዉ፡፡ (ኣቤት ክፋእ…) ካሊእ ድማ ኣብ ቦሎፎን/ናሕሲ ናይ ማኪና (ቴቶ) ስታምባ ናይ እግሪ ስለ ዝተረኽበሉ ብ ወላዲኡ ንሓዋሩ ማኪና ከይሕዝ ከምዝተኣገደን፡ ምስ ኣጋር ዕርቂ ብምግባር ናይ sergent ማዕርግ ከምዝተዋህቦን ኣብ መዛግብቲ ሰፊሩ ኣሎ። ገለ ውን መኪና እናዘወሩ ክስዕሙ ክብሉ ምስ ሽባኻ ዝተራጸሙ ከምዘለዉ እሙናት የዕሩኽትና ይምስክሩ። kiss accident! lol
ኣጋር (Walkers) ኣብ ግዜ ምሸት ዝጥቀሙሉ ፉግራ ብግዜ ቀትሪ ኮለላ ከምዝገብሩን። ኣድላይ እንተኾይኑ ውን ንናይ ጎደና መብራህቲታት ብወንጭፍ ብምስባር Dimlight ከምዝፈጥሩ ይንገረሎም። በዓል መዚ ኤሌትሪክ SEDAW ድማ ብኣዋጅ ከቢድ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ይዝከር።
መካናይዝድ ኣዝዮም ግፍዐኛታት ምዃኖም እዮም ኣጋር ዝዛረቡ። ጓል ኣብ ዝረኽቡሉ ኣጋጣሚ ሹዑ ንሹዑ ን ምስኦም ዘሎ ኣጋር (Walker) ዓርኮም ናብ ድሕሪት ኮፍ መበሊ (ሴዲሎ) ክቕይር እዮም ትእዛዝ ዘመሓላልፉ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ኣብ ዘይኮነ ቦታ ከም ዘውርድዎም ኣብ ናይ ብዙሓት ኣጋር Diary ሰፊሩ ኣሎ። ከምዚ ኩነታት ዘጋጠሞም ኣጋር ናይ UNK ዝተባህለ ኣውለኛ (Raper) Walk it out እትብል ደርፊ ምስማዕ ከምዘዘውትሩ ይንገር።
በላሊጥ ኣስመራ ትዕቢት ሰብ መካይን ቅጭ ከምዘምጸለን እየን ዝገልጻ። ሰብ መካይን ውን ብዙሕ ናይ ዕላል ክእለት ከምዘይብሎምን ኣብ እዋን ቀትሪ ጸሓይ ኣቃጺላተን ኣንከላ ከይተረፈ የእዳዎም ናብ ኣስላፈን ገጾም ከምዝውርውሩን፡ ክንዲ ዘሐክዩ ድማ ሙዚቃ ክቕይሩ መንገዲ ከምዝውድእዎን ኣብታ Mood killers እትብል blog ኣስፊረናኦ ኣለዋ። ብኣንጻሩ ሰብ ኣጋር ኣብ ክንዲ ዕላሎም ዝገብሩ፡ ካብ ሰብ መኪና ተጠንቀቓ ክብሉ ብዙሕ ከምዝሃልኩን፡ ኣብ ታክሲ ምኽፋል ድሕርሕር ከምዘብሉን እየን ዝዛረባ። ዳሓር ውን ኣጋር ሓቚፎምኻ ክጓዓዙ ኣዝዩ መናኩበን ድኻም ከምዝስምዐን ኣብ’ታ blog ኮፍ ኣቢለናኣ ኣለዋ። 
Young Eritrean girls taking a walk on the streets of Asmara.

ከም ተመላኢ ድማ ወነንቲ ሰይቸንቶን ቮልክስን (600 & volks) ማካይን ምስ ኣጋር ከምዝሓስባኦም ኣስሚረናሉ ይርከባ።
እቲ ልዕሊ ኹሉ ንኣጋር ዘዳኽም ነገር ግን፡ ኣብ ሆቴል ምስ ሓደሩ፡ ዝጥቀሙሉ ናይ በበይንኻ ምውጻእ ሜላን፡ ደሓር ውን ንግሆ ክሳብ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ዞባ ማእከል ዝጅምር ኣብ ከም ሲቲ-ሰንተርን ደዓሪትን ዝኣመሰላ ቤት ቁርሲታት ምጽናሕን፡ ምስ ድኻምካ ኣውቶቡስ ተሰቒልካ ምኻድ ምዃኑ ብዙሓት ብምረት ዝዛረብሉ ሓቂ እዩ።
ሓደ ግዜ ሓደ ኣጋር ንሓንቲ ሑርማ ፍረሽ ኣየር ክንወስድ ብምባል ቀትሪ ምድሪ ቤት ገርጊሽ ወሰዳ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ድማ ባኮታትን መሸማዕን ኣንጺፎም ረፋዕ ኢሎም ከዕልሉ ጀመሩ። ወደያት ድማ ምድረ ሰማይ ቤላ እዮ ዘሎ ኢሉ Warm up ጀመረ፡ ጓለ’ያት ከኣ ኩነታቱ ኣናቒጽዋ። ኣንታ ሓወይ ንዓመታት ንብር ነይረስ ኣብ መሸማዕ በለቶ ንብለኩም! lol
Keren, Direction Asmara sign board.

ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ምስ’ዚ ኣብዚ ሰሙን ዝስማዕ ዘሎ ሓዲሽ ወረታት፡ እዞም ክልተ ኣሃዱታት ሰላም ክገብሩ ተስፋታት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ከጋውሓ’ኳ እንተቐነያ፡ ኣጋር ሰራዊት፡ መኪና ኣዳፍኡና ንዝበለ ኣባል መካናይዝድ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይገብሩ ብምእዋጆም ንዝቕጽል ዓመታት ሕለፍያ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ ኣለዉ።
ምስጋና ንኤዲተር Temesghen Abraha

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...