Wednesday, July 11, 2018

ሂወት ኣብ ሃይስኩል፡ High School life!

ካብ መፋርቕ 90ታት ክሳብ መጀመርታ 2 ሽሕ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲታት ዝዞራ ዝነበራ ብልሙድ ኣጸዋውዓ ኣውቶግራፍ/ኣጀንዳ ተባሂለን ዝጽውዓ ጥራውዝቲ ትዝክርወን’ዶ?
እዘን ኣጀንዳታት እዚአን ኣብ ቀዳማይ ገጻት ሕጊታት እዩ ዝጸሓፈን ዝነበረ። ንኣብነት
- ልዕሊ ክልተ ገጽ ኣይትጠቐሙ
-ልዕሊ ሰለስተ መዓልታት ምሓዝ ኣይፍቀድን’ዩ
- ቻርኮል ምጥቃም ክልኩል እዩ ….
ዝተረፈ ካብ ተዘክሮኹም ፈይ ኣብሉልና!

Barka secondary school in Asmara. (@ break time)

እዘን ኣጀንዳ እዚአን፡ ብዙሓት ብቀይሕ፡ ሰማያዊ፡ቀጠልያ ከምኡ ውን ብጸሊም ፒሮ ዝተቐለማ ወርወር /ጭማራ/ ዝተሸኽተ ልቢታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዝተለበጣ እየን። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተሳእለ መጸበቒ ኣጀንዳ ከኣ፡ ከም ጸሊም ዕምባባ፡ ሰማያዊ ቆጽሊ፡ ወይ ድማ ቀጠልያ ዕምበባ ምስኣል ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብቲ ግዜ ሓንቲ ጓል ንሓደ ወዲ ጸሓፈለይ/ቀልመለይ ኢላ ኣጀንዳኣ እንተሂባቶ፡ ብሓጎስ ይቕበልን ፍሉይ ክብሪ ማለት Sexy guy ኮይኑ ከምዝስምዖን ይንገር፡ መስኪናይ ድማ ንመዓልታት ፒሮ ሓኾኽ ክብል ይቕኒ ማለት እዩ።
ኣብዚ ግዜ ብዙሕ ሃልኪ ናይ ቀይሕ ፒሮ ከምዝነበረን ኣዝዩ ኣኽሳቢ ዓይነት ንግዲ ከምዝነበረ ብዙሓት ወነንቲ ስተሽነሪታት የዘንትዉ። ኪኢላታት ለኸይቲ ብወርወር/ጪማራ ዝተበስዐት ልቢ (Cupids heart) ድማ ምስ Van Gogh (ፍሉጥ ቀባኣይ) ዝመዓራረ ዝና ኣብተን ቤት ትምህርቲታት ይወሃቦም ከምዝነበረ ይዝንተወሎም።
በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ብዙሓት ተማሃሮ pen friends’ዶ ገለ መለ ክብሉ ብዙሕ ግዜ ዘህልኹ ዝነበሩ፡፡

Asmara Semaetat secondary school

ኣብ’ዚ ዘመን ዝነበረ ተማሃራይ High-school ብርቱዕ ድኽነት ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ስለ ዝነበሮ ነዘን ኣጀንዳታት ብዝገንጸልካየን ምግንዛብ ይከኣል። ምስ ሕማቕ ጽባቐ-ጽሕፈት ወሲኽካ ድማ ዳርጋ ብዙሓት ገጻት ናይዘን ኣጀንዳ ተነባቢ ኣይኮነን።
ናይቲ ግዜ ኣዝየን ህቡባት ዝነበራ ጥቕሲታት ምስ ንዕዘብ!
Black is black ….love is ሃላክ!
Go to east go to west ….. You are the best!
Keep it up the way you are!
You have nice discipline!
You have good characteristics!
ኩስቶ ሓወይ ዓርኮብኮባይ፡ መን ኣሎ ከማኻ ጎይታ ጠባይ! ክንጠቅስ ንኽእል፡፡
ኣብዘን ኣጀንዳታት ዝልጠፍ ዘነበረ ኣሳእል፡ ናይ ታሴራ ጉርዲ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ተረፍ ካብ ንቤት ትምህርቲ ኣምጽእዎ ዝተባህሉ ስእሊ ምንባሩ ድማ ይፍለጥ። እዚ ወለዶ ወላ ኣብ ግዜ ቀትሪ ቫዘሊን ይጥቀም ስለ ዝነበረ፡ ኣንጸባራቒን ዘይልሙድ ድሙቕ ሓመዳዊ ዝኾነ ሕብሪ ቆርበት ከምዝነበሮም ካብ ኣሳእሎም ምዕዛብ ይከኣል።
ኣብ መጀመርታ ናይ 2000 ግን ኣብ ፎቶ ኣስመራ ሪጋ ብምግባር ዝተመሓየሸ ስእሊ ናይ ኣውቶግራፍ ምስኣል ከም ከምዝጀመረ ታሪኽ ይሕብር 
Some photos of early 2000's. Commonly known as autograph in Asmara. 

እዘን ኣጀንዳታት ከም ውልቃዊ ታሪኽ ተመሃራይ ኮይነን ስለእተሰነዳ ከኣ ኣብዚ ግዜ መማህርትኻ ዝነበሩ ኣብትናፍቐሉ ጽቡቓት መወከሲ ኮይነን ይርከባ፡፡
ምጥፋእ ናይዘን ኣጀንዳታት ከኣ ምስ ምምጻእ ኢንተርነት ብምዃኑ ናይ ሎሚ ዘሎ ወለዶ፡ ናይ መማህርቱ ኣጀንዳ ኣብ ፌስቡክ facebook ቀይርዎ ይርከብ።
ክንደየናይ’ኳ ከምቲ ናይ ኣጀንዳ ከይምቅር፡ የግዳስ ወድሓንኩም፡፡ ዝተረፈ ከኣ ሸረር ምባል ኣይትሕመቑ፡ ወይ ጽሒፍኩም፡ ወይ ኣጽሒፍኩም ኢኹም!
ኣብዚ ግዜ ዝነበረ ኣቆማቕማ fido-dido hair ነዊሕ ፍሪዝ ዘለዎ ፓንከር ኮይኑ፡ ትርኢቱ ድማ ደስ ዘየብል ነበረ ይበሃል። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ግዜ ዝነበሩ ተመሃሮ ኩሎም ኣዝዮም ዕባራታት ምስ ምንባሮም ትርኢቶም ኣዝዩ ጤግራር ክመስል ስለ ዝገብሮ ማለት እዩ።
ናይዚ ግዜ’ዚ ኣሳእል እንተሪኢና፡ ‘ካብ እምብዛ ቅጥኒ’፡ ዳርጋ ኩሎም ተማሃሮ ከቢድ ጽልዋ ናይ ዓጸቦ ዝነበሮም እዮም ዝመስሉ።

Fido Dido hair style. (Commonly known as Panker in Asmara)

ከም ኣብ ባህሊ ትግርኛ ዘሎ ብሂል ‘ከዕብደኒ ኢሉ ጎተናኻ’፡ ኣዝዩ ዕባራ ነዊሕ ፓንከር ዘለዎ ወዲ ብ ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝዩ ተመራጺ ከም ዝነበረ ይንገር። ብኣንጻሩ ድማ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝነበሩ ወለዲ መቐስ ኣብ ቀረባ የቐምጡ ከምዝነበሩን ልዕሊ ክልተ ኢንች ቁንጮ-ቁንጮ ዝገበረ ውላዶም ሃንደበት መቐስ ከም-ዘዳኽልሉ፡ ድሓር ድማ 5 ናቕፋ ብምሃብ ንዘበላሸውዎ ጸጉሪ ርእሲ ውላዶም ናብ ቤት-መላጸ ከምዝልእኩ ይንገረሎም።
ኣብ ኤሪ-ቲቪ እትፍኖ ዝነበረት መደብ ሙዚቃ Hot Tracks ኣዝያ ግኑን ስም ከምዝነበራ ብዙሓት ብኣስተንትኖ የዕልሉ። ኣብ ናይ ቀዳም ፈነወኣ ድማ ኩሉ ተማሃራይ ብሃንቀውታ ይጽበያ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ምስ ምምጻእ ዲሽ (Satelite TV) ድማ ዝናኣ እንዳ ጎደለ ከምዝመጸ ይፍለጥ።
እዚ ዘመን ብብዝሒ Action ፊልም ዝረኣየሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ትካላት መካረዪ ቪድዮ ካሴታት ብዙሕ ኣታዊታት ዝሓፍሳሉ ግዜ ድማ እዩ ነይሩ። ከም ኣብነት እንዳ ፓቸ ክንጠቕስ ንኽእል። ተኻረይቲ ቪድዮ ካሴት ንሓንቲ ፊልም ቕድሚ ምክራዮም ክንደይ ጥፍእ ኣለዋ ኢሎም ይሓቱ ከምዝነበሩ ይንገረሎም። ገለ ውን ኣሳሲኖ መን እዩ ኢሎም እሓቱ ከምዝነበሩ ዕላላት ኣሎ።
ከም እንዳ መሓመድ ሓጎስ፡ እንዳ ቕጫ፡ ባዶ ሰለስተ፡ ካርሸሊ፡ እንዳ ፓቸን ጁኔርን ዝኣመሰላ ዝኾነ ንፋስ መእተዊ ወይ መውጽኢ ዘይብለን ብቪድዮ ካሴትን ተለቪዥንን ፊልሚ ዘርእያ ገዛውቲ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ተመሃሮን መናእሰይን ገንዘብ ከምዝበልዓ ይንገረለን። እዞም መናእሰይ ፊልም ሪኦም ወዲኦም ክወጹ ከለዉ ን ሽታ ብረሃጽን ትኪ ሽጋራን ሰብ ዘየቕርቡ ከምዝነበሩ ይንገረሎም።
ስለዚ ኣብዘን ገዛውቲ ሓንቲ ፊልም ምርኣይ ማለት ከም ሳዉና ወይ ስቲም Sauna Bath/ Steam ምግባር ተመሳሳሊ‘ዩ ዝብል ርእይቶታት ኣሎ።
ነዚ ወለዶ ዓባይ ሰዓል ዘይወደኣቶ ኣዝዩ ዘገርም ምዃኑ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ክሰፍር ዘለዎ ነገር እዩ። ምዃን ‘ኳ ማርያም ኣስመረይቲ ‘ኮ ዝበሃል !!
ኣብዚ ዘመን እኹላት ኣጕባዝ ደቂ-ተባዕትዮ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ክኸዱ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ ነገር ነበረ፡፡ ወረ ተሓቛቘፉም’ዮም ንኪሎሜተራት ዝኸዱ ዝነበሩ።
Asmara Semaetat secondary school. (old uniform)

እተን ኣዝየን ፍሉያት ናይቲ ግዜ ዲቪዛ (Uniform) ገለ ካብኣተን መሕረቕ ሕብሪታት ዝነበረን ክዝከራ ናይ ግድን እዩ። ነዞም ሕብርታት ከም ዲቪዛ ዝመረጸ ሓላፊ ገለ ወረ-በላ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ በሃልቲ ብዙሓት እዮም። ወላ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኣብ ስእሊ እንተሪኢኹሞም ገለ ሕምብሊል ዝኾነ ስምዒት እዮም ዝህቡኻ። ብፍላይ ናይ ልኡል መኮነን፡ ባርካ፡ ከምኡ ውን ሓላይ ክንጠቅስ ንኽእል። እዘን ዲቪዛ እዚአን ወላ ዝበለጸ ስረን ጫማን መሪጽካ ተኸደን ፍጹም መልክዕ ዘይህባ ከምዝነበራ ናይ ብዙሓት ተዘክሮ እዩ።
ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ 11 ክፍሊ ኣብ ዝውድኡሉ፡ ድሕሪ ማትሪክ matriculation ገለ ውን ቅድሚ ማትሪክ ምፍታኖም ን መዘከርታ ተባሂሉ፡ ብብዝሒ ኣዘንጊዕካ Uniform ምቕዳድ ኣዝዮ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ገለ Wordrobe mal function የጋጥም ከምዝነበረ ይዝከር። ንሓንቲ ተማሃሪት ውን ኣብ ከምዚ ዉዕ ዉዕ ኣጋጣሚ፡ ብሓደ ካብ ቀረብታ ብድብያ ግዳይ ናይ-ምቕዳድ ዲቪዛ ብምዃና ጥራይ ዕርቃና ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ከምዝወጸት ይዝከር።
ብዙሕ ምስጋና ን ኤዲተር Temesghen Abraha
ከምኡ ውን ምስጋና ን Zecarias Gerrima 

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...