Saturday, November 17, 2018

Facebook Live video ኣቲኹም ምስ ወዳእኩም ሸይንኩም ደቕሱ!!


ኤርትራውያን ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ኣብ Facebook ብዙሕ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ ወይ ድማ እወንታዊ ኣተሓሳስባ positive thinkning ዘተባብዕ ጽሑፋት ምጥቃዕ ወይ ከኣ ኣብ ላይቭ (live) ምዝራብ ከዘውትሩ ይረኣዩ። ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ድማ እቶም ካብ ከተማታት መጺእና ዝብሉ ሓራይፍ ምስ ዘመናውያን መካይንን ፖላሶታትን ቢራታትን ኮይኖም ተሳኢሎም ይጥቅዑ። እቶም ናይ ገጠራት ድማ ኣብ ልሙዕ መናፈሻታትን ምስ ቤተሰቦምን ኮይኖም ተሳኢሎም Facebook Post ከምዝገብሩ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝተገብረ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ካልኦት ናይ ቀረባ ተኸታተልቲ ውን፡ እዚ ዓይነታት Post፡ መናእሰይ ኤርትራ መንገዲ ወይ ስግረ ዶብ ንክሓስቡ ከም ዓቢ መተባብዒ ምዃኑ ዮም ዝምጉቱ።
Add caption

ብሓፈሻ ተጠቐምቲ Facebook ብዙሓት ዓይነቶም’ዮም። ሃይማኖታውያን፡ፖለቲከኛታት፡ ዓሌተኛታት፡ ነግራማት፡ ፋራታት፡ ወሃማት፡ ሃዳኖ፡ ወረኛታት፡ ጉጅለ selfie ……… ወዘተ ክንጠቕስ ንኽእል።
ጉጅለ Selfie፡ ኣዝያ ኣገራሚትን ብጎራዙ ዝተዓብለለት ጉጅለ እያ። ብሞባይል ባዕለን ተሳኢለን ብኤዲቲንግ Filters ዝለመጸ ኣሳእል Post ምግባር ከም ዘዘውትራ ድማ ይንገረለን። ኣብዚ ጉጅለ ዝርከባ ጎራዙ ቅርጸን ጽቡቕ ኣንተደኣ ኮይኑ ምሉእ ስእሊ ምውሳድ ከዘውትራ እንከለዋ፡ እተን ገለ ዕቑር ስብሒ ኣብ ዙርያ መዓንጣአን ዘቐመጣ ድማ ኮፍ ብምባል ዝያዳ ኣብ ገጸን ዘተኮረ ስእሊ ከም ዝሰኣላ ይፍለጥ። እተን ሓጸርቲ ድማ በይነን ምስኣል ከም ዘዘውትራ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ። ቴማ ናይዛ ጉጅለ ‘Life is good’ ዝብል ኮይኑ፡ ልዑል ስልዖት ባጀት ኣብ ሓደስቲ ሞባይልን ሓደስቲ ክዳውንቲን ዘተኮረ ሂወት እየን ዝመርሓ። እዘን ንግሆ ተንሲኤን ምስ ሞባይለን ናብ ዓይኒ ምድሪ ከምዘምርሓ ዝንገረለን ጎራዙ፡ ኣብ ሽቓቕ ጉዳይ ተፈጥሮ እንዳኣማላኣ ክንደይ Like ተገይርለን ከምዝሓደረ ምቑጻር የዘውትራ። ነዚ ኣሳእል ብምርኣይ ሓገዝ ናይ ገንዘብ ዝሓቱ ቤተሰብ ኣብ ዝድወለለን ግዜ ድማ ወይ ቴሌፎን ኣይቅበላን ወይ ድማ ናይ ኪሮስ ደርፊ፡ ‘ኣነ ከመይ ከም ዘለኹ ዝፈልጥ ኣነ ጥራይ ‘የ ‘መዓት ወረ’ ኢለን ከምዝደርፋ ዕላላት ኣሎ። ኣብ Facebook ንሕና ጽሩያት ዓጽሚ ባሃልቲ ፍሉያት ዓሌታውያንን ኣውራጃውያንን ክቀላቐሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ስነ-ሓሳብ ብ ስነ-ፍልጠት ክትንተን እንከሎ፡’ እዞም ሰባት ኣብ ኣዕጽምቶም ብዙሕ Calcium ኣለዎም’ ማለት እዩ። lol …………. ኣብዞም ባሃማት ዝተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣውራጃነት ዝና ንምግባር ዝጥቀሙሉ ሸፈጥ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ብዙሕ ሃናጺ ዘይኮነ ሓሳባት ክለፍልፉ ኮነ ክጽሕፉ ዝውዕሉ ከኣ ናብራኦም ረሲዖም ስራሕ ወይ ምህሮ ኣብ ክንዲ ምንዳይ ከም ኣንጸርጽሮት ኣብ ማሕበር ፋይስቡክ ክቀላቐሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ካብ ከምዚኦም ይኽደነና ኣይንሃገር ኣይንቑምነገር ከምዝበሃል ማለት ዩ።
Social Media ዝበሃል ካብ ዝመጽእ ብዙሓት ጎሓፋትን ደናቁርን ፖለቲከኛታት ክፈርዩ ከምዝጀመሩ ብዙሓት ዝኣምኑሉ ሓቂ እዩ። ደገፍቶም ወላ ተቓውምቶም ብዘይ የገድስ ኣብ ክንዲ ብስለት ዘለዎ ዘረባ ሃተፍተፍ፡ ኣብ ክንዲ ዉርዙይን ርጡብን ኣቀራርባ፡ ጸርፊ ብምዝውታር፡ ንመሰል ሓሳብካ ምግላጽ Freedom of speech ብዘይ ግቡእ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ንኹሉ ዘሕዘነ ተርእዮ’ዩ። 
በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ኤዲተረይን ዓርከይን ተመስገን ፡ ‘Facebook live video ሰሪሕኩም ምስ ወዳእኩም፡ ሸይንኩም ደቅሱ’ ዝበለ። እቶም ምኩራትን ኣንበብቲን ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ደገፍቲን ተቓወምቲን ተባሂለን ዝፈላለያ ማዕከናት ዜናን መርበብ ሓበሬታን ጽሑፋቶም ከበርክቱን ክምግቡን ኣብ ግንባር Facebook ክዛበጡ ግዜ ስለ ዘይብሎም፡ ጎላጉል Facebook ብስራሕ-ኣልቦ ሰባት ፋንድያ ጨንያ ዝብሉ ተንተንቲ ብዙሓት እዮም።
ኣብ Facebook ብርክት ዝበሉ ሰባት እተጠቓልል ዓባይ ኣሃዱ ኣላ። ኣሃዱ ነግራማት ድማ ትበሃል፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ናይ ሕማመይ ዘጠቓለለ ኣሃዱ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ነገር ዝምልከቶም ኮይኑ እዩ ዝስምዖም። ዳርጋ ኣብ ኩሉ Facebook pages ዝተመጽገቡ subscribe ኮይኖም፡ ኣብ ኩሉ ከም ድላዮም Comment ክገብሩ እዮም ዝረኣዩ። እዞም ጉጅለ ብሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝን ብርቱዕ ሽግር ናይ ኣዘራዝራ ቃላት (Spelling) ከምዘለዎም ይፍለጥ። እዞም ዓይነት ሰባት ካልእ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕርቕን ስርሓት ናይ Digital Art በተን ዘለዋኦም ናይ ተልመዴን ደረጃ photoshop ኣቀናቢሮም ከቕርቡ እፍትኑ። 
ገለ ካብኡ፦
-ጸሓይ ብራቕ ስእሊ ብምግባር ብ ድሙቕ ቐጠልያ ተመስገን (ምጽሓፍ)
-ጸሓይ ዓራርቦ ስእሊ ኣምጺእካ፦ ፍቕሪ ምጽሓፍ
-ስእሊ ናይ ሓንቲ ጻዕዳ ጓል ኣምጺእካ፦ ናፊቐኪ ብቐይሕ ምጽሓፍ ንኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል!!
እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ ክንምልኣሉ ንኽእል ኢና. . .
ካልእ ሓንቲ ኣዝያ ብዙሓት መሰልቸው ሰባት ዝተዓብለለት ጉጅለ ኣላ፡ እዛ ጉጅለ ብወሃማት ዝተዓብለለት ኮይና ዝኾነ ዓይነት ጽሑፋት ብዘይ ዝኾነ መጽናዕቲ ሼር ምግባርን፡ ኣብ ዝግበር ምውዕዋዕ Fake news ዓቢ ተራ እትጻወት ጉጅለ እያ። ብዙሕ Like ስለ ዘይረኽቡ ድማ ኣብ Messenger ብ link እንዳ ሰደዱ ንናይ ብዙሓት ኣዕሩኽቶም ሞባይላት የርስንወን።
ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ኣዝያ ኣገራሚት ኣሃዱ ኣላ፡ ኣሃዱ ሃዳኖ! ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ጉጅለ ኮይኑ፡ ንዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ Add request ኣብ ምስዳድ ድሕር ዘይብሉን፡ እዚ ዕድል እንተረኺቦም ድማ ኣብ ደቓይቕ ዘይመልእ ግዜ ከምዝድውሉ ይንገረሎም። መልሲ እንተዘይ ረኺቦም፡ መዝገበ ቃላት ምሉእ ኣነወርቲ ጸርፊ ወርወርቲ ውን እዮም። ሓሙሽተ ዘይኣኽላ ምሉእ ሓሳባት ናይ ወግዒ Chat እንተደኣ በጺሖም ‘ስእሊ ስደድለይ’ እትብል ሕቶ ዘዘውትሩ ምዃኖም ውን ይንገረሎም። ኣዝዮም ተስፋ ዘይቆርጹን ብዙሕ ግዜ ዘለዎም ምዃኖም ውን ጎራዙ ዓድና ኣቃሊዐን። ኣብዛ ኣሃዱ ሓንቲ ንኡስ ጉጅለ ኣላ፡ ጉጅለ ጎሓፋት ድማ ትበሃል። ናይ profile ስእሊ ዘይብሉ Facebook ወነንቲ ኮይኖም ሓደ ወይ ክልተ የዕሩኽቲ ዘለዎምን’ዮም፡፡ ንኣወዳትን ንኣዋልድን ፈቴካ ፈቴኪ እንዳበሉ ሰብ ዘዳኽሙ ኮይኖም፡ ዳርጋ 90 ሚእታዊት block ናይ ምዃን ተኽእሎ ከምዘለዎም ይንገረሎም። ብሎክ እኳ ክውሕዶም።
ምስ ሓንቲ Mecky እትበሃል ለባም መሓዛይ ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና ኣጋጣሚ፡ ኣነ እኮ ካብ እምብዛ ኣወዳት ብሎክ ምግባር፡ ቅጽል ስመይ ናብ ናይ ጀርመን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ Michael Ballack ገጸይ ጸርየ ኢላ ተዋዝያትለይ።

እዚ ኩሉ ክንዛረቦ ዝጸናሕና ካብቲ ብዙሕ ኣዝዩ ዉሑድ ትዕዝብቲ ኢዩ። ስለዚ ዝኾነ ነገር ኣብ ግንባር ፌስቡክ ከነውርዶ ንደሊ ኣንተሎ ብዕላማን መጽናዕቲን ምስ ዝኸውን ተመራጺ ኢዩ። እንተዘይኮይኑ ግን "ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ " ናይ ዝበለ ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ትርጉም ናይ ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ ብዝግባእ ተጠቒምና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ክንዲ ንሓፍረሉ ወይ ከኣ ንሕብረተሰብ ካብ ነደናግረሉ፡ ናብ ረብሓና ቀይርና ክንኮርዓሉ እንተፈተንና ይምረጽ።
ስለዚ በብዘለና ቆለታት (ወለሃርያ) ኣብ ግንባር ፌስ ቡክ ተሃረፍቲ ኮይንና ክንቀርብ ቅድም ኣመት ኣራግጻና እንተጽናዕና ዝሓሸ ዩ።
ምስጋና ን ኤዲተር ተመስገን ኣብራሃ

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...