Saturday, October 13, 2018

ዓለም Kiki Do you love me ትብል፡ ኤርትራውያን ከኣ መቐለ ዘይከደ ፋራ ይብሉ !

ካብ 1996-2006 ተማሃራይ High school ዝነበረ መንእሰይ፡ ፐርምን ጀልን ዝበሃላ ክልተ ኣብ ጸጉሪ ርእሲ ዝልበጣ መሐረፊ ይጥቀም ነይሩ። ጀል ፍሪዝ ንምግባር (ንምጥቕላል) ጸጉሪ ዝጠቅም ኮይኑ፡ ፐርም ድማ መልመሺ ጸጉሪ ርእሲ ነበረ። ናይዚ ግዜ ተማሃሮ ጸጉሮም ብምንዋሕ ሓንቲ ካብዘን ልባጣት የዘውትሩ ነበሩ። ነዘን ልባጣት ዝጥቀሙ ዝነበሩ ኮተቴታ ካብ ስድራኦም እንዳተሓብኡ ከምዝልበጡ ዝነበሩ ንብዙሓት ኣዕሩኽቲ ሓቲተ ካብ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ የረጋግጽ።፡ ኣብ 90ታት ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብ ወለዲ ዝፍቀድ ዝነበረ ቁመት ጸጉሪ ርእሲ ወዲ ተባዕታይ ካብ 3 ሰ.ሜ ዘይሓልፍ ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ድማ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ ዓቢ መኽሰባት ዝሓፍሳሉ ግዜ ምንባሩ ምርዳእ ኣየጸግምን።
Keih Bahri secondary school Asmara Eritrea

The most contemporary haircut,commonly called as Casco in Eritrea


እዞም ናይዚ ግዜ ፍሪዝ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ብሰንኪ እቲ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ምንጩን መበቆሉን ዘይፍለጥ ልባጣት ወነንቲ ዘንጸባርቕ ብርሒ ኮይኖም ከምዘለዉ ድማ ይፍለጥ። ……ንእስነት ዕዳ!
ሓደ በረኸት ዝበሃል ዓርኪ ኣሎኒ። ንስድራቤት በረኸት ዝመቅዝ ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ነበረ፡ በሬ ዓርከይ ድማ ከም ድላዩ እንዳ ኸደ ይምቀዝ ነበረ። እዚ ባርቤሪ ግን ነዚ ዓርከይ ካብ ሓንቲ ሰንቲሜተር ንላዕሊ ቁመት ዘለዎ ጸጉሪ ርእሲ ኣይገድፈሉን ዝነበረ። እዚ ከማን ጸሓይ ን መንበስበስቲ ጽቡቕ ኣይኮነን ዝብል ፍልስፍና ስለ ዝነበሮ እዩ እምበር፡ ምጉግ ኣቢሉ ታይሰን ምገበሮ ነይሩ። በረኸት ኣብ ዕላላቱ ነዚ ሰብኣይ ከይዘከሮ ኣይሓልፍን እዩ።
Eritrean independence day show at Asmara Stadium





ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝነበራ ኣፍላ ደቂ ኣንስትዮ ብስድራቤተን ኣዝዩ ሓያል ምቁጽጻር ይግበረለን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ስለዚ ካብ ገዛ ንኽወጻ ኣዝዩ ኣእማኒ መመኽኔታ እንተዘይ ሃልይወን፡ ንኽወጻ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ዳርጋ ኣብ ኩለን ስድራ ቤት ፎብሪ-ፎኮ (ሰዓታት እቶ እቶ) ካብ ሰዓት 6፡30 ይጅምር ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቶም ኣዝዮም ዲሞክራሲያዊያን ዝበሃሉ ወለዲ ድማ ክሳብ 8፡30 የፍቅዱ ከምዝነበሩ ይንገረሎም። ስለዚ እዘን ቸካይስ ኣብ ግዜ ኣይሮቢክስ (ልምምድ ምርኢት ስታድዩም ን በዓል ናጽነት ኤርትራ) ኣዝየን ዝሃርፋአንን ዝከያየፋለንን ከም ኬፈን ዘምስያለን ኣዋርሕ እየን ነይረን። ነዓአን ደልዩም ናብ ኣስመራ ስታድዩም ዝመላለሱ ዝነበሩ ኮተቴታ ከይተረደኦም ፍቕሪ ስፖርት ከም ዝሓዞምን ኣብዚ ግዜ’ዚ ዓበይቲ ኣትለታት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ሕክያታት ኣሎ።ኣብ ልቢ ብዙሓት መናእሰይ’ዚ ዘመን ዝሰፈራ ቀጻሊ ውን ኣብ ግዜ ናይ high School life ዕላላቶም በጨቕ ዘብልወን ዝዝክርወን ነዚ ግዜ ዘዘኻኽራ ደርፊታት ኣለዋ።
Nelly ን Kellyን ዝበሃሉ ደረፍቲ Dilemma እትብል ደርፊ ምስ ኣውጽኡ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣጉባዝ ገፊሕ ስረ ከዘውትሩ ከምዝጀመሩን፡ ካብዛ Clip ብምቕዳሕ፡ ችሮቶ ኣብ ገጾም ጠቂዖም ይዛወሩ ከምዝነበሩን ን ከተማ ኣስመራ ድማ ብዙሓት ገጾም ዝተላሕሙ ኣጉባዝ ልባ ጠፊእዋ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣዋልድ እዚ ዘመን ድማ፡ Shakira እትባሃል ደራፊት ዘምጸኣቶ Dirty jeans ዝበሃል ቅዲ ጅንስ የዘውትራ ከምዝነብራ ይፍለጥ። ነዚ ረሳሕ ዝመስል ስረታት ድማ ገለ ጭራ ፈረስ ዝመስል ዝንጥልጠል ቁልፊ ይገብራሉ ከምዝነበራ ይንገር።
ንድሕሪት ትምልስ ምስ እነብል ድማ ኣብ 80ታት ምውቃጥ ግርጻን ከም ሓደ ፋሽን ይሕሰብ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብቲ ግዜ’ቲ ውን እሾኽ ገረብ ጨዓ ወይ ድማ ሰራው ኣዝዩ ብዙሕ ተጠላብነት ከምዝነበሮ ይንገር። ወረ ኣብ ገለ ግዜ’ሲ ኣንስቲ ን ሻሽ ዝምጽዕዳዉ ብ መወጽ እንዳተኸናኸና ዝዓቀባኦ ኣስናነን ሞዝሒቐን ብ ወርቂ-ስኒ ይትከኣኦ ነይረን። ሹዑ ክርትም ኢለን ክስሕቃ እንከለዋ፡ ኣብ ግዜኡ ኣዝዩ ተባሃጊ ትርኢት እዩ ነይሩ። ከምዚ ሕጂ ኣዝዩ ደስ ዘየብል ትርኢት ከይተሓስበ እንከሎ ምዃኑ እዩ።
A photo from the clip of the song Dilemma

Eritrean Journalist/Camera man in Mekele Ethiopia 
ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ኤውሮጳ ብርትዕ ዝበለ ዋዒ ዝተራእየሉ ግዜ ነበረ፡ መናእሰያትን ተማሃሮን ፓሪስ ብ ለቪስ/ ለቪ ዝብል ብቐይሕ ጽሑፍ ዘለዎ ናይ እንዳባራቶለ ዝመስል ጸዕዳ ማልያን ናይ 80ታት ቅዲ ፋሽን ዝነበረ ጅንሳትን ወድየን ን ፍቕራዊት ከተማ ፓሪስ ኣጨኒቐናኣ ወሪሐን። ብዘዕባ እዘን ማልያታት ኣልዒልና ምስ በሬ ዓርከይ ኣብ ነዕልለሉ ዝነበርና ግዜ ድማ፡ ‘ወዳኢተይ ዶ፡ ኣነ’ስ ነዚ ናይ ባራቶለ ማልያ 50 ኤሮ ክኸፍለሉ’ ክብል እዩ ዝማስየን።
መዓስ እዚ ጥራይ፡ ኣብ ማእከል ጽርግያ ኣጸምዉ ኣቢሎም ካብ መኪና ወሪዶም kiki do you love me ደሪፎም ሳዕሲዖም ጎዮም ብዝስቀሉ ኮተቴታት’ዚ ዘመን ኣዝዩ እዩ ሰልችዩና ዘሎ። ነዛ ናይ ጸለል መለል ስራሕ ድማ Kiki Challenge እዮም ዝብልዋ። ሓደ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ሸንጋባይ ዝብልዎ ኤርትራዊ ተዋሳኢ ውን kiki ቪድዮ ሰሪሑ ኣብ Social media ዘርጊሕዎ ኣሎ። ወይ kiki ትገብሪ!ኣብዚ ግዜ’ዚ መናእሰይ ኤርትራ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ኬድካ ተሳኢልካ ኣብ Facebook ምጥቃዕ ፋሽን ኮይኑ። እወ’ዶ?
ንሓደ ኣብ መቐለ በጺሑ ዝተመልሰ ዓርከይ ከመይ ነይሩ ዙረት ኢለ ኣብ ዝተወከስኩሉ፡ ኬፍ ኣለዎ፡ ብዙሕ ሒዝካ ዕዝር (Take a way) እንዳ በላዕና ሓሊፍናዮ ኢሉ ተዋዚለይ። ሓደ'ውን መቐለ ሽኮር ዝብል ጽሑፍ ወሲኹ ነቲ ኣብ መቐለ ዝተሳእሎ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ለጢፍዎ ተዓዚብና ንኸውን ኢና። ፋሽን ናይ ሎሚቅነ ከኣ መቐለ ተዛዊርካ ምምላስ እያ'ሞ ኣነ’ውን ከም ወዲ ኣስመራስ መቐለ ተዛዊረ ክምለስ ሓሲበ ኣለኹ። ምሳይ ዝኸይድ እንተሎ? ፋራ ከይንበሃል! እንታይ ደኣ'ሞ?
ባጉም-ባጉም-ባጉም ዙረት ትደልዩ ንመቐለ ክንማላኣኩም ክክክክክክክ
* ወፊርና ወይ'ውን ተዛዊርና ብሰላም ንምለሰሉ እዋን ዝመጸ ይመስል ኣሎ።
* ማርያም ኣስመረይቲ ንኹሉ ሓሳብ ልብና ተስምረልና ደቂ ኤረይ!
ኣብ ቀጻሊ … … … … …

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...