Friday, December 21, 2018

ናይ ሕማመይ: ቅንያት በዓል ልደት ብዓይኒ ኣዝማሪኖታትን ተዘክሮን!



ህጻናት ሃገራት ምዕራብ ህያባት ካብ ባባ ናታለ ወይ ኣቦ ልደት ክጽበዩ እንከለዉ ኤርትራውያን ቆልዑ ድማ ስድረኦም ማዓሮም ሓድሽ ክዳን ክግዘኣሎም ይጽበዩ።  እዘን ዝተገዝኣ ክዳውንቲ ክሳብ መዓልቲ ኣውደኣመት ኣይልበሳን’የን። ድሕሪ ቤተ ክርስትያን ምብጻሕን ምስላምን ድማ እየን ዝውደያ። ህጻናት ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት ነዚ ሓደስቲ ክዳውንቶም ከየበላሽዉ ኢሎም ድማ ከምድላዮም ከይተጻወቱ  ይውዕሉ፡ ‘ረኣዮ ባባየ ገዚኡለይ! ማማየ ገዚኣትለይ’ እንዳ በሉ ከኣ ንዝረኸብዎ ሰብ ብተዳጋጋሚ ክሕብሩ ይውዕሉ። ኣየ ቆልዓ ምዃን ክጥዕም !!
መዓልቲ ኣውደኣመት ንብዙሓት ሰባት ክብድ ከም ዝብሎም ይፍለጥ። ብዙሓት ነዚ መዓልቲ ዘካብድዎ ሮቋሒታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ንኽጥዕም ግን ዕድመን ጾታን ፈሊኻ ምርኣይ ይሓይሽ።
ከም ልምዲ ኣብ ሃገርና ንቆልዓ ዝገፍሖ ክዳውንቲ እዩ ዝግዘኣሉ። ከም ሓሳብ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ስድራስ ኣዝዩ ዝተጋነነ’ዩ። ሓደ ግዜ ኮመድያን ግርማይ ሳንድያጎ፡ ‘ክሳብ ሰለፍካ ንውሽጢ ዝዕጸፍ ስረ እዩ ዝግዘኣልና ነይሩ፡ ቁሩብ ምስ ጎበዝና ከኣ ኣደታትና እንዳ ፈትሓ ቁመት ወሲኸን ይሰፍያልና ነይረን።’ ክብል ተዋዝዩ ኔሩ።
Asmara Eritrea during Christmas season

ኣጉባዝ ኣብዛ መዓልቲ ብዝሒ ስብሒን ፕሮቲንን ዘለዎም መግቢታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣጽዒቕካ ምብላዕ የዘውትሩ፡ ልዕሊ ዓቐን  ዝተጻዕነት ከብዲ ድማ ድቃስ ጥራይ እያ ትደሊ፡፡ ኣውደኣመት ዝኣክል መዓልቲ ከኣ ደቂስካ ከተሕልፎ ዓብዪ ክሳራ እዩ። ስለዚ ገለ መለክያታት ኣረቂ-መሎቲ ኣውሪድካ ኣውደኣመትካ ምቕጻል እያ እታ ኣማራጺ። ብመንጽሩ ውን ሽቓቓት ኣስመራ ብሰንኪ ቢራን ብዝሒ ጸብሒ ዝግኒን ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ስራሕ ግዜ የሕልፉ። ጎራዙ ብወገነን ስራሕ (ምምታር ስጋ፡ ድሎትን ምኽሻንን) ስለ ዝበዝሐን ኣድካሚትን ሃለኽለኽ ዝበዝሓ መዓልቲ እየን ዝውዕላ። ኣደታት ብወገነን ካብ 5-6 ፈናጅል ሓያል ኒኮቲን ዘለዎ ባህላዊ ቡን ስለ ዝሰትያ nicotine high ኮይነን፡ ርስንስን ዝበለ ዝኾነ ኩነተ ኣእምሮ ከም ዘንጸባርቓ ይፍለጥ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ጉዳይ መስመር ቴሌፎን ኤሪተል’ዩ። ካብ እምብዛ ጻዕቂ ደወልቲ፡ ካብ ዝኾነ ዓዲ ደዊልካ ን ስድራኻን መቕርብካን ምዕላል ዳርጋ ሎቶሪ ከምዝበጽሓካ እዩ ዝሕሰብ ይብሉ ተጫረቕቲ።
Eritrean traditional stove MOGOGO



ደቂ ኣስመራ ክጉቡዙ ካብ ዝጀመሩ ድሮ-ለይቲ ኣውደኣመት ኣብ ለይታዊ ትልሂታት እዮም ዘሕልፍዎ። ኣጀማምራ ናይዚ ነገር ድማ፡ ድሮ በዓል ትንሳኤ ቤተ-ክርስትያን ክንሓድር ኢና ኢሎም ናብ ለይታዊ ትልሂታት ምኻድ ከምዝጅምሩ ዝገበርናዮ ጽጹይ መጽናዕቲ ይሕብር። ኮተቴታት 18 ምስ መላኡ እቶም ኣወዳት ምስ ወለዶምን ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ዕግርግር ብምግባር ናይ ምምሳይ ፍቃድ ከምዝወሃቦም ውን ናይ ሕጂ ሰብ ሳላሳታት ናይ መጀመርያ 2000 ኮተቴ እንዳ ሰሓቁ የዕልሉ። ኮተቴታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ እንዳ መሓዛይ ኢለን ናብ ክለባት ከምዝውሕዛ፡ ንኸይክለኣ ንሰሙናት ጠባይ ከምዝገብራን፡ ገለ ውን ከይወጻ ከምዝቕንያ ይንገረለን።
ቅንያት ልደት ዓቢ ናይ ንግዲ ወቕቲ ካብ ዝኸውን ዳርጋ ሓደ ዘመን ኣቑጺሩ ኣሎ። ስለዚ ድማ’ዩ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከይተረፈ ጽሕዲ ልደት ክስለም ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብዚ ቅንያት ርእሲ ከተማና Piccolo Roma ኣስመራ ሽኮር ብጽሕዲ ልደትን ሕብራዊ መብራህቲታት ልደትን ኣዝያ እያ ትውቅብ ጽባቐኣ ድማ  ይኹላዕ።
Asmara Eritrea, Presidential palace during Christmas season

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኣስመራ ዝርከባ stationaries  ዕሙር ዝኾነ ናይ ዕዳጋ ግዜ ከምዘሕልፋ ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ምስ ምስፍሕፋሕ ተክኖሎጂ ዳርጋ ኩሎም ደቂ- ኣስመራ ናይ ገዛእ ርእሶም ካርቶሊና ሰሪሖም ክሸጡ ከምዝጀመሩ ወረ በጺሑና ኣሎ። ኣብ ከተማ ዝረኸብካዮ ሰብ ድሕሪ ቁሩብ ዕላል ዝሽየጥ ኮርቶሊታት ኣሎኒ ኢሉ ካብ ጁባኡ Sample ከም ዘውጽእን ብዝተፈላለየ ዓቐንን ብዝሒን ብወረድ ደይብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝሽየጥ ድማ ጸብጻባትና ካብ ኣስመራ ይሕብሩ።
ካብ 2010 ንደሓር ኣብ ኣስመራ ብግኑን ክረአ ዝጀመረ ፍሉይ ነገር ኣሎ። ህያባት ምልውዋጥ ክገንን ጀሚሩ! ። ንሓደ መቕርብካ ኤርትራዊ ህያብ ምስ እትህቦ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኣይከፍቶን እዩ። ስለዚ ኩሉ ዝስምዖ ሓጎስ ወይ ድማ ዘይ ዕግበት ምስ ሕሜት ድሕሪ ሕቖ ወሃቢ ገጸ-በረኸት ይኸውን ማለት እዩ። ኢጣልያውያን ድማ ብከምዚ ዓይነት ባህርያት ከምዝሕመዩ ይንገር። ንሶም’ዶ ደኣ ን ኣቦሓጎታትና ነበርቲ Piccolo Roma ኣላሚዶሞም ከይዶም? ብኣንጻሩ ኣብ ፈረንሳ ንሓደ ሰብ ህያብ ምስ እትህቦ ኣብ ቅድሜኻ እዩ ዝኸፍታ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ ርእይቶኡ ይህብ። ወላ ውን ፓስተ ወይ ቾኮላታ ሒዙልካ ዝመጸ ጋሻ፡ ኣብ ቅድሜኡ ብምኽፋት ኢኻ ብሓባር ትቋደሶ። እንተዘይኮይኑ ኣነ ኣምጺኤሉ’ስ በይኑ በሊዑዎ ይብሉኻ ማለት እዩ።
ህያብ ካብ ልቢ ዝነቐለን ሕሱርን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ፍልይ ዝበለ ህያብ ዝህበን ሰብ ፍጹም ኣይርስዖዖን እየን ይበሃል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ‘ን ቸካይስ ሕሱር ህያብ እንተሂብካየን የማርራ’ ዝብሉ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ ምስ ብዙሓት ኣሓት ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ ኣብ ዘዕለልክሉ፡ ሓቂ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን! ብኣንጻሩ ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ እንታይ ዓይነት ህያብ ከምዝህባኦም እዩ ዝጨንቀን። ምኽንያቱ ንጓል ጨና፡ዴዶራንት፡ ሕስር ዝበለ ናይ እዝኒ፡ ካትም፡ ንእሽቶ ባምቡላ ከም ቴዲ ቢር፡ ክዳውንቲ፡ ኣዝማልቶን፡ ከም መሳንይቲ ድማ ካርቶሊና ምስ እትህባ ሕጉስቲ እያ።
Baskets made by Eritrean traditional artists

ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን ህያባት ኣዝዩ ክቡርን ውሑድን እዩ። ምኽንያቱ ኣወዳት ሎሚ ካሙቻ ከም ገጸ በረኸት እንተተዋህቡ ኣይሕጎሱ፡ ካራባታ እንተ ኣምጺኤናሎም እሞ ክዓብዱ እዮም ዝደልዩ። ስለዚ ዘመን ኣምጽኦ ፍርያት ተክኖሎጂ ጥራሕ እዮም ዝጽበዩን ዘሓጉሶምን። እዚ ድማ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣጨናቒ ኩነታት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ዕላላተን ይስማዕ።
ፈይስቡክ ከምዝሕብሮ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት እዮም ዕለተ ልደቶም ዝበዕሉ። እዚ ድማ ንኤውሮፓውያን ኣዝዩ ዘገረመ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ብዝኾነ፡ ንብሎ የብልናን ጥራሕ ርሑስ በዓል ልደት Birthdayን Christmassን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልኩም ንብል።
ቐዳዊትና ዓመት ይግበሮ!

*ነዛ ጽሕፍቲ እተንብብዋ ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ኣውደኣመት ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም ምቁር ግዜ ቁልዕነት ከምተሕልፉ ዝገበሩ ስድራኹም በጃኻትኩም ደዊልኩም ስለ እቲ ክቡር ተዘክሮ ኣመስግንዎምን ደሃይ ግበሩን!
ኣብ ጥብቆ ናይ ሚኪኤል ወልደኣለም ግጥሚ ብaudio ኣላትኩም ኣውሪድኩም ተጠቐሙ፡፡
-


No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...