Thursday, January 10, 2019

ኤርትራውያን ሃብታማት፡ ገንዘብ ብክሻ ርእሲ ግን ተበላሽያ!



ሃብታማት ኣብ ባር ተኣኪቦም ዓው ኢሎም ክስሕቁ፡ ጣውላኦም ድማ ብምዕቡላት ሞባይላትን መፋትሕ ናይ ማኪናን መሊኡ መስተ መቐመጢ ቦታ ክስእን እንከሎ ዝገብርዎ ሓራካት ዘኪርክሞ ኣለኹም’ዶ። በራሕ ርእሶም ከንጸባርቕ፡ እቲ ተርባብ ከብዶምን ድማ መላጉም ካሙቻ ክቱክስ ዝደለየ ክመስል ትርኢት ከየገደሰን ጽቡቓት ሞዴል ዝመስላ ኣዋልድ ሓቊፈን ሃህ ኢለን ዕላላቶም ክሰምዓ ምርኣይ ንብዙሓት ኣጉባዝ ኣይወርደሎምን እዩ።
ድኻን በራሕን ሓጺርን ምስ እትኸውን ቸካይስ ናይ ምርካብ ዕድልካ ኣዝዩ’ዩ ዝጸብብ። ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይ ምድዋር ከስርዓካ ከምዝኽእል ድማ ይንገር። ገለ ተፈላሰፍቲ ስነ-ምድዋር ከም ዝብልዎ በዞም ኣሉታውያን ሮቃሒታት ዝተጸልወ ወዲ - ሓጻር፡ ቆርጫጭ፡ ንግንግ ኢላ፡ ወይ ድማ ፍዝርዕ ዝበለት ጓል ጥራይ እዩ ከርግጽ ዝኽእል ዝብል ስነ-ሓሳብ ኣስሚሮሙሉ ይርከቡ። እየ እዛ ርግምቲ ዓለም!  " ንመን ትመጾ - መን ይመጻ ትመጾ"
በዚ ምኽንያትን ካልእን ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ንጽልዋ ገንዘብ ኣብ ምድዋር ኣዋልድ ንምምካት ተባሂሉ ምጫወ ወይ ድማ Seduction ዝተማህዘ። ዓለም ድማ ብሓሰውቲ ድቂ-ተባዕትዮ ከተዕለቕልቕ ተገደደት። ‘ወይ ክሻ ሓሶት ወይ ድማ ክሻ ገንዘብ’ ዝብል ቀመር ተጀመረ። ደቂ-ተባዕትዮ ልዕሊ ቁምነገር ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዝያዳ ክደፍኡ ጀሚሮም! ( ሞተረ ገዲፍካስ ጋቢና) ወይ ጉድ!!!

ሃብታም ምዃን ጽቡቕ፡ መልክዐኛ ምዃን ጽቡቕ፡ ምሁር ምዃን ድማ ግርም። እንተኾነ ግን ነዞም ነገራት ከመይ ጌርካ ትጥቀመሎም፡ ንምንታይ ትጥቀመሎም፡ እንታይ’ከ ይገብሩልካ ምፍላጥ ድማ እቲ ዝዓበየን ኣገዳሲን ነገር እዩ።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዕላላቶም ካብ ገንዘብ ምውናን ምሁር ምኳን ይሓይሽ ዝብል ስነ ሓሳብ እዮም ክስዕቡ ዝፍትኑ። እዚ ስነ-ሓሳብ ግን ክሳብ ሓዳር ዝገብሩ እዩ። ድሕሪ ሓዳር ዝበዝሕ ምሁር ወይ ድማ ሞያዊ ደድሕሪ ገንዘብ ክጎዪ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምሁር ክርገጹ፡ ዝበሎም ክገብሩ፡ ወይ ድማ ኣብ ሃብታም ቤተ-ሰቦም ክጽግዑ ምርኣይ ልሙድ ነገር ስለ ዝኾነ።
ርድኢት ወይ definition ጽባቐ  ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዙሕ ምፍልላይ ኣለዎ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝበለጸ ነገር ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትኮኖ እትኽእል ነገር ደጋዊ ጽባቐ ምስ ዝህልዋ’ዩ ዝብል ርድኢት ኣለወን። ሃብታም ከምኡ ውን ንጉስ ከይተረፈ ዛን-ዛን ከተብሎ ትክእል ዝብል እምነት ስለ ዘሎ እዩ። ንታሪኽ ናይ ንግስቲ ግብጺ ኪልዮ ፓትራ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። መልክዕ ኣምበር ውሕልነት ካብ ጎረቤተይ ድዩ ዝተባህለ? ጎረቤት ከምኣ ቦሶሮ እንተጸኒሓ ኣቤት ዘሎ ውርደት!!!
እቲ ዝበለጸ ነገር ወዲ ተባዕታይ ክኾኖ ዝኽእል ነገር ድማ ሃብታም ኮይኑ ከምድላዩ ኣዋልድ ክቐያይር እዩ፡ ዝብል ስነ-ሓሳባት ንልዕሊ 2000 ዓመታት ንዓለም ዘሪጉዋ’ዩ። ጉዳይ ስልጣን ከይተንከናዮ እንተሓለፍና ይሓይሽ፡ ሓሸውየ ከይኮነንና። እቲ ቀደምስ ኳ ምዝራፍ ኔሩ። ኣብዚ ምዕቡል ግዜ ግን ኣብ ዱጋና ዶ ክትበሊ ኮይንካ፧ ዘበነ ማዕርነት ዩ።
ብዙሓት ኤትርዋውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ገንዘብ ዘለወን ኣረኣእያ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ጎረባብትናን ብምውድዳር ማለት እዩ። እንተኾነ ኣብ ኡጋንዳ ወይ ጁባ ዝነበረ ሰብ፡ ገንዘብ ንሰብ ከመይ ከም ዝልውጦን ከመይ ከም ዝጸልዎን ኣጸቢቑ ‘ዩ ዝፈልጥ። እዚ ማለት፡ ሓደ በዓል ጸጋ ከም ድላዩ ኣዋልድ ክቕይር፡ ሰብ ሓዳር ከይተረፋ ደድሕሪ ሃብታም ዛን-ዛን ክብላ። ዘሎ ጎበዝ ብዝተጋነን ኣኽብሮትን ትሕትናን ሰላም ክብሎም ምርኣይ ዳርጋ ልሙድ እዩ። ካምፓላ ትመስክር!

መብዛሕትኦም ሰብ ጸጋ ብዙሕ ትምህርቲ ዘይቆጽሩ እዮም። ስለምንታይ ኢና ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ምሁራትን ኬፍ ዘለዎም ሃብታማት ከነፍሪ ዘይከኣልና? ሰፊሕ መጽናዕቲ ክግበረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ከም ሕክያ ኣብ ኣንጎላ ዘጋጠመ ነገር ከዕልለልኩም፡ ገለ ሃብታማት ዝርከብዎም መተዓብይቲ ብሓባር ኮይኖም ይዘናግዑ ነበሩ! ደሓር ጠለቦም ስለ ዝመጸ በብሪጋ ኣእዳዎም ተሓጺቦም ክመጹ ነይርዎም። እቲ ቤት መግቢ ብናይ ቀደም ቅዲ ዝተሰርሐ ዓይኒ ምድሪ እዩ ነይርዎ። እቲ ርቡኔቶ ድማ እግሪ ብምርጋጽ እዩ ዝሰርሕ ዝነበረ። መብዛሕትኦም ካብዞም ጀምዓ፡ እታ ሩቡኔቶ ከመይ ትሰርሕ ስለ ዘይፈለጡ ምስራሕ ኣበየቶም! ዳርጋ መብዛሕትኦም ድማ ተሓጺብና መጺእና ብምባል፡ ከይተሓጸቡ መኣዲኦም በልዑ ፡ ድሕሪ መግቢ ግን ውርደት ምቕባላ ዩ። ከመይ እያ ትሰርሕ ኢልካ ምሕታት እንታይ ነውሪ ኣለዎ። መን ‘ከ እዩ ሃብታም ኩሉ ‘ዩ ዝፈልጥ ዝበለ?! ............ወይ ሃብታማት ኤርትራ፡ ቪላ ብዘይ ሽቓቕ!
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ፋራ ሃብታም ንገለ ሓራይፍ ናይ ድራር ዕድመ ገበረሎም፡ ደሓር ይግበር ኢሉ ክቡር ዝዋግኡ ናይ 1970 ነቢት ኣምጺኡ ከፈተሎም፡ ብዛዕባ እቲ ነቢት መግለጺ ድሕሪ ምውሃብ ድማ፡ ዝያዳ ከደንቖም ኢሉ ካልኣይቲ ዝተፈለየት ነቢት ከፈተ። ፋራ ደኣ ኩሉ ግዜ ፋራ እዩ እምበር፡ ነቢት ቀስ ኢልካ ዝስተማቐር መስተ እዩ። ክልተ ዓይነት ክትሕውስ ውን ዘይከውን እዩ። ፋራ ኢሎሞ!
 መብዛሕትኦም ሃብታማት ገለ ዓሙቊ ፍልጠት ዝሓትት ዕላል እንተተኣሊኾም መውጽኢ ጥራይ እዮም ዝደልዩ። ገለ ውን ዝሽከሉ ኣይሰኣኑን። ቀልጢፍካ ርእሰ ተኣማንነት ናይ ምጥፋእ ነገራት ውን ይረኣዮም። ስለዚ ከም መሸፈኒ ብጸርፊ ይኣትዉኻ። ናይ ጁባ ሃብታማት ሓንቲ ናይ ሓባር ሮቛሒ ኣላቶም። ‘ካብ ስራሕ ሰብ ምብራር ድሕር ኣይብብሉን፡ ሰዓብቲ ምሁር እንተኸደ ምሁር ይመጽእ ዝብል ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ ድማ እዮም።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውሽጣዊ ጽባቐ ካብ ሃብቲ እበልጽ ዝበሃል ፍልስፍና ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ንኸውን ኢና። እንተኾነ፡ ኣዝዩ ውሑድ ሰብ እዩ ብዛዕባ እዚ ዝግደስ። ልዕሊ 90% ክርእዮ ፈቲኑ ውን ፍጹም ከምዘይረኣዮ ኩላትና እንኣምነሉ ሓቂ እዩ። ልቡ ጥዑይ እዩ ወላ ገለ ዝብል ዘረባታት ድማ፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ እንትርፎ ሓደ ኣምላኽ ካሊእ ልቢ ዝርእይ የሎን በሃሊ እዩ። እሞ ውሽጣዊ ጽባቐ እተርኢ ራጂ ( x-ray) ሒዝና ክንዛወር እምበር።
ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዙሕ ናይ ቁጠባ ፍልልይ የሎን። ኩሉ መምርሒ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ማኪና ይሕዝ፡ እኩል ምንበሪ ገዛ ድማ ይውንን። ብመንጽሩ ኣብ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ ጸቢብን ፍልልይ ዘይብሉን እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውን ሃብታምን ድኻን ምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ዘሎ ክቡር ክዳውንቲ ተኸዲነን ኣብ ኢንስታግራም ዝጥቅዓ/ዑ፡ ካብ ሰበን ጸብለል ክብላ ንማለት እዩ።
ዲያስፖራ ደቂ- ተባዕትዮ ብወገኖም ሞዴል መኪና ብለቃሕ ምግዛእ ድሕር ከምዘይብሉ ይፍለጥ። ጽልዋ ናይቲ ሒዞሞ ዝዓበዩ ግጉይ ስነ-ሓሳብ ከይኮነ ኣይተርፍን። ኣብ መርዓታት ምስ ዝዕደሙ፡ ክረኣዩ ኣብ ክንዲ 10ታት ኤሮ ከፊሎም ብባቡር ዝመጹ፡ ኣማኢት ኪሎሜተራት ብመኪና ናይ ኣማኢት ወጻኢታት ገይሮም ደበኽ ይብሉ። ደሓር ውን ማኪናኦም ክትረአ፡ ብሓይሊ ኣዋልድ ክማልኡ ኣቤት ዘሎ ገልጠምጠም። ወረ ገለ’ሲ ን መርዓውቲ ኣብ መኪናይ ተጸጊዕኩም ተሳኣሉ ኢሎም ሓሳብ ከም ዝህቡ ሰሚዕና ንኸውን ኢና።

 ኣብ ኣመሪካ ካብ ባንካታት እንዳ ተለቃሕካ ዝግበር ናይ ሸመተ ሃውታትያ ኣዝዩ እዩ ዘሰምብደካ። እቲ ዕላማ ድማ ልዕሊ ሰብካ ኮንካ ምርኣይ ጥራሕ እዩ። ኣንጸባራቒት መኪና ብለቓሕ፡ ገዛ ብለቓሕ፡ ንብረት ገዛ ብለቓሕ፡ ገፊሕ መርዓ ብለቓሕ፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕ ዩ ወዘተረፈ ኢልና ግዳ ክንሓልፎ።
ሓደ ግዜ ሓንቲ በሃም ሓፍቲና፡ ካብ እምብዛ ገንዘብ ምፍታው፡ ንሓደ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ዘለዎ ሃብታም መሳሊ ሰብኣይ ተመርዓወትልኩም! ኣደዳ መዋጽኦ ዘይብሉ ዕዳ ድማ ኮነት! ወላ ተፋቲሓ ድማ፡ ገለ ክፋል ካብቲ ሰብ ዘይብል ዕዳ ክትስከም ግድን ኮነ። ዕድል ገለ ‘ኮ ፌንቲ እዩ።
ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን ስለዚ ኣሕዋት ነስተብህል!
ኣሕዋተየ፡ ስለዚ’ስ
ንመሃር፡ ጽቡቕ ስራሕ ክንረክብ
ንስራሕ=> ገንዘብ ክንገብር
ነንብብ=> ን ቸካይስና ሮማንቲክ ዕላል ከነዕልለን
ነመግን=> ርጉእ ሂወት ክንመርሕ
እወ ነመስግን ነመስግን ነመስግን




No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...