Sunday, January 27, 2019

ፊልምታት ኤርትራ ኣብ ዩ-ትዩብን ካልእን ንዝምታ!


ፊልምታት ዓለም ናይ ኣታዊ ቅልውላቅ ካብ ዝኣትዎም 10ታት ዓመታት ኣቁጺሮም ኣለዉ። ኤርትራውያን ዓየይቲ ፊልም ግን ነዚ ኣርእስቲ ዝፈልጥዎ ኣይመስለኒን። እዚ ቅልውላው ድማ ንዕብየት Netflix, you tube, amazon video ካሊእን ዓብዪ ተራ ተጻዊቱን እጻወት ኣሎን። Netflix ሓደ ሰብ 7ኤሮ ንወርሒ ብምኽፋል ኣሽሓት ብሉጽ ፊልምታት ናይ ምሉዕ ዓለም ምርኣይ ዘኽእል መርበብ እዩ። እዞም ኣብ Netflix ዝረኣዩ ፊልምታት፡ ኣብ ሲነማታት ተራእዮም ዝተጸግቡን ካልኣይ ግዜ ግን ናብ ሲነማታት ክምለሱ ዘይክእሉ ወይ ድማ ኣብ ሲነማታት ኣታዊታት ዘይተረኽቦም ብሉጻት ፊልምታት እዮም።
ሲነማ ኣብ  1895 ኣብ ፈረንሳ ተጀሚሩ። ክሳብ መወዳእታ 90ታት ፊልምታት’ዛ ሃገር ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ነይርዎም። ሃገረ እንግሊዝ ገዲፍካ ፈረንሳ ኣብ ኤውሮጳ ጸላዊ ዝኾነ ኢንዱስትሪ ፊልም ነይርዋ። ኣብዚ ግዜ ብሰንኪ ምጉዳል ዕዳጋ ፊልም ፡ፈረንሳ ኣዝዩ ዉሑድ ዝኾነ ፊልምታት እያ እተፍሪ። ምኽንያቱ ዝፈርዩ ፊልምታት ወጻኢታቶም ንኸምልሱ ዓመታት ስለ ዝወስዱ። ኢንዱስትሪ ፊልምታት ኢጣልያንን ጀርመንን ድማ ተመሳሳሊ ዕጫ ዝበጽሖም ምዃኖም ይፍለጥ።
ልዕሊ 60 ሚእታዊት ኣብ ሲነማታት ፈረንሳ ዝርኣዩ ፊልምታት ናይ ሆሊዉድ እዮም። ንኣታዊታትን ምዕባለን ቋንቋ ፈረንሳ ተባሂሉ፡ ኣብ መዓልታት ብኽትኣምኖ ዘጸግም ርቀት ይትርጎም ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እዞም ፊልምታት ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተሰርሑ እዮም ዝመስሉኻ።
One of the biggest Eritrean YouTube channels
ኣብ ኤርትራ ኢንዱስትሪ ፊልም ምስ ናጽነት እዩ ክዓቢ ጀሚሩ። ኣብ መጀምርያ ወላ እኳ ናይ ተክኖሎጂ ጸገማት ይንበር ሓይሊ ናይ ጽሑፍ ከምዝነበሮም ኩላትና ንሰማምዓሉ ሓቂ እዩ። ባሩድ 77፡ ፈቲሐ’ዶ ክምርዓወኪ፡ ባሕሪ፡ ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይን ካልኦትን ፊልምታት ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዘለወንን ብሉጽ ዓቕሚ ዘንጸባረቓ ምዃነን ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል።
ኣብዚ ግዜ ዝፈርዩ ፊልምታት ሃገርና ግን ኣታዊታት ንምኽዕባት ወይ ድማ ን Commercial interest ዝዓለሙ እዮም። እዚ ሽግር ኣብ ሆሊዉድ ብዝገደደ መልክዑ ‘ዩ ተኸሲቱ ዘሎ። ሓዲሽ ሓሳብ ዝርከቦም ሓደስቲ ፊልምታት ናይ ሆሊዉድ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ እዮም!
ኤርትራውያን ስነ ጥበበኛታት ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ናይ ትምህርቲ፡ ተሞኩሮ፡ ብልሒ፡ ተክኖሎጂን ጸገማት ኣብ ነንሕድሕዶም ውን ኣይሰማሞዑን እዮም። ንዝኾነ ስነ ጥበበኛ ኣብ ተዕልለሉ ኣጋጣሚ፡ ንኻልእ ስነ-ጥበበኛ ከዳኽሞ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ እዩ።ከም መርኣያ እዚ ድማ ብዙሓት ብውልቂ ዝውነና ተሓታቲን ቤት ጽሕፈትን ዘይብለን ቻነላት ናይ youtube ቆይመን ንርኢ ኣሎና።
እዘን ቅድሚ 10 ዓመታት ንዝተሰርሐ ፊልምታትን ክሊፓትን New Eritrean Film, New eritrean music clip እንዳበላ ዝጽዕና ትካላት፡ ፍርያት ስነ ጥበብ ሃገርና ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ሓገዝ እኳ እንተሃለወን፡ እምብዛ ምብዘሐን ግን መኣዝነን ዝሰሓታ ይመስላ። ወላ ውን ኣፍቀርቲ ፊልምታት ትግርኛ ንሓደ ፊልም ክደልዩ ልዕሊ 15 ደቓይቕ ይወስደሎም። እቲ ሽግር ካብ ኣቀማምጣ ክሳብ Description ኣርእስቲን ዕለት፡ ናይ ኣዘራዝራ ፊደላት Spelling ጌጋ፡ ዝተሰርሓትሉን ዝወጸሉን ግዜ ኩሉ ሕውስውስ ዝበለ ስለ ዝኾነ እዩ።
One of the biggest Eritrean YouTube channels

ብዘይካ’ዚ እዘን ትካላት ሓደስቲ Applications ዘርጊሐን ኣለዋ። ዕላማአን ድማ ሰብ ገንዘብ እንዳኸፈለ ፊልም ክርኢ እዩ። እቲ ዝዓበየ ሕቶ ድማ ሓደ ሰብ ንሓንቲ ፊልም ክንደይ  ክኸፍል እዮም ዝጽበዩ?
ናይ ዓለም ብሉጽ ፊልምታት ብ7ኤሮ ኣብ Netflix ክርእዮ እንዳኸኣለ፡ ናይ ሓንቲ ትካል ፊልምታት ብክንደይ ክርእየሎም እዮም ዝጽበዩ። ኣዝዩ ዘስደምምን ድንቁርና ዝበዝሖ ታሪፍ ድማ ንርኢ ኣሎና!
ተኸታታሊት ፊልም መርበብ ብ 2.50 ዶላር ን ሓንቲ ክፋል Episode! እዛ ፊልም 20 ክፋል እንተሃልይዋ ክንደይ ይኸውን ዋጋኣ ማለት? እተን ክስርሓ ኣማኢት ሚልዮናት ዝወደኣ ፊምታት ናይ ሆሊዉድ ከም Avatarን Game of Thrones ከማን ብኸብምዚ ክብሪ ዋጋ ኣይተራኣያን። መኽሰብ ዓለም ብ10 ኤሮ ኣብ ኣውሮጳ ከም እትርአ ዝነበረት ውን ይዝከር። እቲ ዘገርም ድማ  እዚ ዋጋ ኣብ ሲነማ ዘይኮነስ ኣብ ናኣሽቱ ኣደራሻት እዩ። ዘስደምም’ዩ!
ሕጂ ድማ ናይ መንእሰያት ፊልም (romance/ adult movie) ተባሂላ ልዒሊ 5 ኤሮ ከፊልካ ኣብ ኤላ ቲቪ ተዘርጊሓ ኣላ። ግርም እባ ……..ተጎምባሓለይ ክድስቐካ እዩ።
ስለምንታይ እየን እዘን ትካላት ኩለን ሓቢረን ሓደ application ዘይሰርሓ። ሓንቲ ስድራ ድማ ወርሓዊ ሕስር ዝበለ ገንዘብ እንዳኸፈለት ጽፉፍ ፊልምታት ትከታተል። እንተዘይኮይኑ ኣብ ሓደ ገዛ ዝተፈላለየ ዓይነት ፊልምታት ደስ ዝብሎም ስድራ እንተኾይኖም መዓልታዊ ነናቶም እንዳኸፈሉ ፊልምታት ናይ ሃገርና ስለዝኾነ ኢሎም ልዕሊ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ምሕሳብ ንፊልምታት ሃገርና ዘርብሕ ዘይኮነስ ሒዝዎ ንድሕሪት ከምዝምለስ ብዘይጥርጥር የረጋግጽ።
One of the biggest Eritrean YouTube Channels

ናይ ሃገርና ኩነታት ሸርፊ ምስ ተለወጠ፡ ኣሃዛት እንዳከሸንካ youtube ኣየርባሓናን ምባል ምስ ምንታይ ይቑጸር። ኣብ ንግዲ እኮ መኽሰብ ኣሎ ክሳራ ውን ኣሎ! ደሓር ከኣ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ መኽሰብ ንምኽዕባት ንህዝቢ ብኽቡር ፍርያቱ ዘቕርብ ትካል ቀጻልነቱ ስለዘይረኣየካ ብኣጋኡ እንተዝሕሰበሉ ምሓሸ። እቲ ተበግሶ ዝነኣድ ዩ እንተ እቲ ጸደፍደፍ ግን ሕጂውን ከም ናይ ዩ-ትዩብ ንስነጥበበኛታት ሒዝዎም ከይጸድፍ።
እዚ ድማ መጽናዕቲ ከይገበርካ ዝግበር ጸደፍደፍ ምባል ‘ዩ ዘርእየካ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ‘ንሕና ንገብሮ ኩሉ ንዕብየት ስነ ጥበብ ሃገርና’ ዝብል ዘረባ ኣለዎም። ከምኡ እንተነይሩ ደኣ እሞ ስለምታይ ብሓባር ኮይኖም ዘይሰርሑ?
ኣብ ኣህጉር ኤስያ ብዝሒ ህዝቢ ምስ ምህላዉ፡ ኢንዱስትሪ ፊልም ቻይና፡ጃፓን፡ህንዲን ደቡብ ኮርያን ጽቡቕ ኣታዊታት ዝርከቦ ኢንዱስትሪ ፊልም እዩ። እንተኾነ እዚኦም ትካላት ውን ምስ ዕብለላን ምስፍሕፋሕን ሆሊዉድ ኣብ ሃገረን፡ ምስ ዓበይቲ ትካላት ሆሊዉድ እንዳተሰማምዑ እዮም ክሰርሑ ተገዲዶም። ኣብ ኣፍሪቃ ኢንዱስትሪ ፊልም ናይጀርያ Nollywood ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጽቡቕ ዕብየት የርእይ ከምዘሎ ይንገር። ብርትዓዊ ዋጋ ከምዝዝርጋሕ ድማ ይፍለጥ።
ንኣባላት እዘን ፊልምታት ኣብ Youtube ዝጽዕና ትካላት ኣብ ዘዕለልካሉ ወይ ዝሓተትካሉ ግዜ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማትን ሰሪቖም ዝዝርግሑ ሰባት ጥራይ እዮም ዝዛረቡ፡ እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ትካላት ዝጥቀሙሉ ሓደ ዝምቡዕ ናይ ምዝመዛ ኣገባብ ኣሎ። ንሓደ ስነ ጥበበኛ Video clip ንኽሰርሕ ገለ ዉሑድ ገንዘብ Flat payment ይህቡዎ’ሞ፡ እታ ክሊፕ ተሰሪሓ ምስ ኣተወት ድማ እቲ ደራፋይ ይርሳዕ። ዝሰረቐ ክስረቕ ድማ፡ ዝኸደ ተመለሰ ዝዓይነቱ እዩ! ነገር ዓለም። ምስ ሓደ ኪኢላ information technology ኣብ ዘዕለልናሉ ግዜ ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ‘ስነ ጥበበኛታት ኣታዊኦም ክሪእይዎ ዘኽእሎም’ ሓንቲ ንእሽቶ Platform የዳሉ ከምዘሎ ሓቢሩኒ፡ ተስፋ እገብር ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና እፎይታ ክረኽቡ።
One of the biggest Eritrean YouTube channels

ርሑቕ ከይከድና ውን ናይ ተቓወምቲ ይኹና ናይ ደገፍቲ መርበብ ሓበሬታታት፡ ጽሑፋት ብ ቋንቋ ትግርኛን እንግሊዝን ተደባሊቑ እዩ ዝጸንሓካ። እዚ ድማ ብኪኢላታት ክስረሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ! ምኽንያቱ ንህዝቢ ዝቐርብ ዘበለ ኩሉ ሓበሬታት፡ ንጹርን ደሊኻ ብቐሊሉ ዝርከብን ክኸውን ስለ ዘለዎ’ዩ።
እዞም ሰሪቖም upload ዝገብሩ ሰባት፡ እዚ እትገብርዎ ነገራት ብሕጊ ከምዘሕትትን፡ ኣዝዩ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዘለዎ ኣይትዘንግዑ ምባል ጥራይ ዘይኮነስ ንርሃጽ እቶም ለይትን ቀትርን ንሞይኦም ዝጽዕሩ ሰባት ምስራቕ ነውሪ ስለዝኾነ ንስነጥበበኛታትና ክብሪ ንሃቦም ።
እዚ ኣርእስቲ ነዊሕ’ኳ እንተኾነ ንዉሑድ ካብቲ ርእይቶታተይ ፈይ ኣቢለ ኣለኹ። ብወገንኩም ውን ቁሩብ እሕሕሕሕሕሕሕሕ እስከ በሉ።
ወ ደሓንኩም !



No comments:

Post a Comment

My memories of Palm Sunday in Asmara

Palm Sunday in Eritrea holds a profound significance, etched into the hearts of those who have experienced its vibrant celebrations. As a ch...