Sunday, August 18, 2019

ዕዳጋታ መርዓ ኣዲስ ኣበባን ካምፓላን

        ምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱን፡ ገለ ድማ ናብ ኡጋንዳን ኬንያን ከምዝወረዱን ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብ ከተማታት ኣዲስ-ኣበባን ካምፓላን ልዑል ናይ ዲያስፖራ ናይ መርዓን ዕዳጋ-መርዓን process ዝኸፈተ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እዞም ምስ ሰላም ኤሪ-ኢትዮ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝወጹ ብዙሓት መንእሰያት ብ ‘ዙር ኣቢ’ ከምዝፍለጡ ትፈልጡ’ዶ?
መብዛሕትኦም ካብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ናብ ኣፍሪቃ ከይዶም መርዓት ዝቖልቡ ኣጓብዝ ገለ ሽግር ዘለዎም ምዃኖም ኩሉ ሰብ ዘውርያ ነገር’ያ። እንታይ ኮይኑ ኣፍሪቃ ወሪዱ፡ ኣብ ኣውሮጳ ጎራዙ የለዋን ድየን ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ። መልሲ ነዓኹም………..
እዚ ግን ንብስድራ ዝግበር ጉዳያት መውስቦን ንናይ በሓቂ ፍቑራን ዝነበሩ ኣይምልከትን’ዩ።
ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ኣዝዩ ዝተጋነነ ብዝሒ መርዓታት ክካየድ ከምዝቐነየ ምንጪታት ካብ ከተማታት ኣዲስን ካምፓላን ይሕብሩ። እዚ ኩነታት ድማ ነቲ ብናጻ ዕዳጋ ከም ዝቕለስ ዝንገረሉ ዓዳጋታት ፕሮሰስ-መርዓ ምድፋእ ዋጋታትን ከምዝተራእየሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ ሓድሽ ዝተሸነነ ዋጋታት ከምዚ ይመስል፦
በልጁም 16ሽሕ
ሽወደን 19 ሽሕ
ካናዳን ኣመሪካን ካብ 25-30 ሽሕ
              ኣብ ካምፓላ ዘሎ ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት ብሃብታማት ናይ ጁባ ዝቕለስ ከምዝኾነ ይንገረሉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሊሞዚን ተር ኣቢሎም ከምዝኸዱ ውን ይንገር። እታ ተሪፋ እትበሃል ናይ ዉልቂ ነፋሪት’ያ እምበር ሄሊኮፕተር’ሲ ኤርትራውያንን ተመርዕየሙላ’ዮም (youtube ተመልከቱ)። ስለ’ዚ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ኩሉ ብሉጽ ነገር ተጠቒሞሙሉ’ዮም ። ስእልታት መርዓ ካምፓላ ኣዝዩ ደስ ዘብልን ፍሉይን’ዩ። ብፍላይ እቲ መሓዙትን ኣዕሩኽቲን ጥራይ ዝሰኣልዎ ስእሊ ድማ መዓልቲ ተፈልዩ ዝግበር ምዃኑ ይሕበር። ስለዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ናይ መርዓ ግዜን ሃለኽለኽን፡ ተወሳኺት ናይ ሃልኪ መዓልቲ ከምዝወሰኹ ተፈሊጡ’ሎ። ሓሙስ ወይ ዓርቢ ናብ ጂንጃ ወይ ምኞኞ ብምኻድ እትግበር ምዃናን፡ ብርክት ዝበለ ናይ ክራይ ክዳውንቲ ሒዝካ ብምኻድ ድማ እንዳለዋወጡ/ጣ ከም እትትግበር ድማ ይንገር።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰባት ከም ርዱእ ዝወስድዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ካብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ጽቡቕ ወዝ ጥራይ ዘለዎም ኮይኖም ብዙሕ ገንዘብ ከምዘይብሎም’ዩ፡፡ ካብ ኣመሪካ ወይ ድማ ካብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ግን ኣዝዮም ለጋሳትን ዳህራናትን ምዃኖም’ዮም ዝዛረቡ።
ብፍላይ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጹ ኣጋይሽ፡ ካብ እምብዛ ጤባ ምዃኖም፡ ምስ ካሜራ ማን ኣቐዲሞም ብዛዕባ ሕሳብ ብዙሕ ከምዝጨቓጨቑ ይውረ። እተን ናጻ ቐረጽ ዘእትውወን ዊስኪ ድማ መመክሒ ይጥቀሙለን ኢሎሞም። ሰብ-እንግሊዝ ……… እዚ ኹሉ ብጸሊም’ዶ ብጻዕዳ ስራሕ ኣሎ እትብልዎ ኣበይ ደኣ ‘ሎ እናበሉ እቶም ካምባናታት ጭልምልም እናበሉ ግዜኦም የሕልፉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ናይ መርዓ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ Guest House (በዓል ምሉእ ንብረት ገዛ ንክራይ) ክሕዝ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ሆቴል ኣዝዩ ኣሸጋሪን፡ ክቡርን ስለ ዝኾነ ድማ ተመራጺ ኣይኮነን። ኣብዛ ከተማ በዓል ሰለስተ መደቀሲ ዘለዎ ገስት ሃውስ ንወርሒ ክሳብ 1ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሕ ይፍለጥ።
        ሓደ ካሜራ ማን ከዕልለኒ እንከሎ፡ ሓንቲ ማእከላይ መልክዕ ዘለዋ ምጭውቲ ጓል ቅድሚ መርዓ ምስ ሰብኣያ ናይ ባነር ክትሰኣል ከላ ክትርእያ እንከሎኻን ኣብ መዓልቲ መርዓን ብዙሕ ፍልልይ ከምዘለዋ’ዩ ዝዛረብ። መብዛሕትአን ኣዋልድ ጸጉረን ደሓን እንከሎ ተለቃቢ ጸጉሪ Human hair እክገብራ፡ ገጻ ብርህ ዝበለ ሰዊት ዝመስል እንከሎ እትፈልጦን ዘይትፈልጦን ሓርጭ ገይራ ንገጻ ለቢጣ፡ ገለ ባምቡላ ዝመስል ዘይ-ተፈጥራዊኣዊ መልክዕ ከምዝህልዋ ኮይና ትውዕል።
ብዛዕባ ‘ዛ ጉዳይ ክሓስብ እንከለኹ፡ ምናልባት እተን ክሬም ወዲ ክሬም ዝልብጠአን መሓዙተን ይቐንኣ ከይኮና ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ። እንታይ ደኣ’ሞ ክብል ጽቡቕ ነይርካ’ዶ መወዳእታኡ ሓሙኹሽቲ መሲልካ ትውዕል ኢኻ። ጸላኢና…….
ምስ ብዙሓት ቀረጽቲ ቪድዮ ናይ መርዓ ኣብ ዝገብርክዎ ዕላላት ኣዝዩ ዘገርም ነገራት እየ ረኺበ። እቲ ወዲ ዕንዝዝ ዝበለ እንተኮይኑ፡ መርዓት ንቀራጺ ቪድዮ፡ ሓወይ ኣይተገጥመኒ እንዶ ኖርማል ሕልፍ ሕልፍ በሎ ኢለን ትእዛዝ ከምዘመሓላልፋን፡ ገለ ውን ማራ ምሽ ፋራ እንዳበላ ከምዘዳክማኦ የዕሊሎሙኒ። ስደት ስዲ ኢልና ጥራይ ንሕለፎ። እቲ ዘፍርሕ ግን ገለ ካብዚ መርዓታት ናይ ብሓቂ ምዃኑ’ዩ። ብጊሓቱ ከምዚ ካብ ኮነ ንለይቱ ክትሓስቦ ዘስደምም ነገር’ዩ?!
         ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውን ዝነብዓ መርዓውቲ ከምዘለዋን፡ እንታይ ደኣ ኣደኺ ዲኺ ዘኪርኪ ኢልካ ምስ ትሓተን? ግደፈኒ ነዓይ ካልአ’ዩ ዘንብዓኒ ዘሎ ኢለን ከም ዝምልሳ ይንገር። ሓደ ሮምዮ ጠንጢነን ይምርዓዋ ኣለዋ ማለት’ዩ። እቲ ጥልመት ግን ኣብ ቀዳማይ ዓለም ምስ ኣተዋ ውን ከምዝቕጽላኦ ይፍለጥ። በቃ ሂወት ፋሕ ትብለን። እዞም ከምዚ ዘጋጠሞም ድማ ኣብ ፈይስቡክ ብሕልፍ ዝበለ ምረት ንቸካይስ ከማርሩን ከዳኽሙን ይረኣዩ ኢሎሞም። ገለ ከኣ፡ ቁሒሞማ ከምብሓድሽ ይጅምሩ! ሂወት………….
        ፌክ መርዓ፡ ኦርጂናል ዝቕየረሉ ኩነታት ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ሕሳብ ግን ከመይ ከምዝኸውን ዝነግረና ስኢንና። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ! ኣይመርገም ኣይምረቓ!!
ኣብ ዓድና ለውጢ ምስ መጸ ዘሎ ኩነታትን ጨረታን መርዓ እንታይ ከምዝመስል ንኽትግምቶ ብዙሕ ኣሸጋሪ ኣይመስለኒን።
እሞ ኣብ ዕዳጋታት ካምፓላን ኣዲስን ዶ የራኽበና። ተሞክሮኹም ከኣ ኣካፍሉና።
ምስጋና ን Entisar Misgna
ስእሊ Fil Mon

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...