Sunday, August 18, 2019

ሰረቕቲ ጥበብ ሃገርና - ብዘይ ጠስምኻ ወለል፡ ብዘይ ዙርያኻ ሸነን ይኣክል!


ስነ-ጥበበኛታትን ጋዜጠኛታትን ነናሓድሕዶም ክከባበሩ እጽንሓለይ ዘይበሃል ናይ ስራሕ ስነ-ስርዓት’ዩ። ወልቀ ሰብን ስራሕን ፈላሊኻ ምርኣይ ድማ እቲ ብዙሕ ኤርትራዊ ዘይፈልዮ ነገር ኮይኑ’ሎ።
ንኣብነት Ella records ኣልዒልካ ርእይቶ ምሃብ ቅቡል’ዩ፡ ዮኤል ኢልካ ምዝራብ ግን ነውሪ። ምኽንያቱ ኣብ ውልቃዊ ሂወት ሰብ ምእታው ስለ ዝኸውን። ፊልሞን ሓጎስ ወይ ዘካርያስ ካብ EriSat ፈሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ኮምፕዩተር ተባላሽያትካ ቢልጌትስ ኣዳኹሙኒ ምባል ዝዓይነቱ’ዩ……..።
ስነ-ጥበብ ሃገርና ክምዕብል ዘይደሊ ኤርትራዊ የልቦን። ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ግን እቲ ዝምነዮ ስርሓት ክሳብ ሕጂ ጭሕሚ ሰበይቲ’ዩ ኮይንዎ ዘሎ። እዚ ተሳኢኑ ክንሱ፡ ፊልም ተመሪቓ፡ መጽሓፍ ተመሪቓ፡ ሓዳስ ቻነል ወጺኣ ዝብል ዜናታት ጸሚምና። ጥበብ ኣብ ርቀት ፈጠራዊ ስራሕ ደኣ እምበር ብመጠን እቲ እትሳተፈሉ ናይ ጥበብ ዓውድታታን እተፍርዮም ብዝሒ ፍርያትን ኣይኮነን ዝምዘን።
ካብ ኩሉ ዝመረረ ግን ሱር ዝሰደደን ዝተጠልዐ ስርቂ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዋንነት ሳዕሪሩስ ንርኣይኡን ሰማዒኡን እውን ዘሕፍር ኰይኑ ኣሎ። እዚ ግህሰት እዚ፡ 'ሳዕሪሩ ተለሚዱ' ቢልካ ክግደፍ እንተ ዀይኑ፡ ዕንወት ነቲ ብዘገምታዊ ጕዕዞ ክሳለ ዝጸንሐ ስነ-ጥባባዊ ስርሓት ሃገርና ጥራይ እዩ ከስዕብ።
ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ሃገርና ኣብ ርእሲ’ቲ ትሑት ኣታዊታቱን ትሑት ተሞኲሮኡን፡ ልዑል ናይ ስርቂ ኩነታት ዝረኣዮ ኢንዱስትሪ’ዩ። ብፍላይ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ዝተረኽበት ቃለ-መሕትት፡ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባዊ ስራሕና ሰሪቖሞ እናክብሉ፡ እናሰማዕናዮ ዝዓበና ደርፊታት ኤርትራ ናትና’ዩ ክብሉ ጸሚምና። ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ድማ ናይ ፊልም ስክሪፕት፡ ግጥሚ፡ ዜማን ካልእን ምስራቕ ልሙድ’ዩ።
እዚ ተርእዮ ግን ብምኽባር መሰል ደረስቲ (Copyright) ጥራይ እዩ ክፍወስ ዝኽእል።
ኣብ ዝፈርዩ ዘለዉ ሓደስቲ ፊልምታትን ኮሜዲታትን ናይ ብሉጻት ስነ-ጥበበኛታት ደርፊታትን ክላሲካልን ቆራሪጾም ክጥቀሙ ይረኣዩ’ለዉ፡ እንተኾነ ንዋና ናይዛ ደርፊ ዝኸፍልዎ ነገር ከምዘለዎም ዝፈልጡ ኣይመስለኒን፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ፍቓድ ምሕታት ኣገዳሲ’ዩ። እንተኾነ ካብዚ ዓመት’ዚ ኣብ YouTube ጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ናይ Copyright ንኣፍረይቲ ብሉጽ ስራሕ እፎይታ ዝህብ’ዩ።
ኣብ Youtube ዝኾነት እትኣቱ ቪድዮ ልዕሊ 30 ካልኢታት ንሓንቲ ደርፊ እንተተጠቒምና፡ ንወናኒ ጥበብ እንኸፍሎ ገንዘብ ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግበኣና። እዚ ድማ ብ Signwave detector ብዓቐን ህርመት ናይ ደርፊ ብምውድዳር ከምዝትግበር ይፍለጥ። ኣብ’ቲ ደርፊ ዝኾነ ለውጢ ወላ ይገበር ድማ እዚ detector ብዘይ ዝኾነ ሽግር ከለልይ ከምዝኽእል ይንገር።
ኩሉ ስነ-ጥበበኛ ነዚ ኣገልግሎት ኣብ https://www.lelanetwork.com ክረኽቦ ከምዝኽእል ክንሕብረኩም ንፈቱ። ስለዚ ህርመት ምስራቕ ዝተርፈሉ ግዜ ቀሪብና ኣሎና! እንቋዕ ሓጎሰና……. እዚ Platform ምሉእ ብምሉእ ብኤርትራውያን ዝውነን ምዃኑ ውን ደስ ዘብል ነገር’ዩ። ሰስኑልና!!!
ናይ ቀደም ብሉጻት ደርፊታት Contemporary hits ከምድላዮም ገይሮም ዝምስርሑ ደረፍቲ ውን ተዓዚብና ኣሎና። ምስ ባህልና ብምትእስሳር እንተ ወሓደ ንዝምልከቶ ኣካል ከፍቅዱ ይግባእ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብቂዑ ብ PPR copyright (Public Performing Right) ወይ ድማ መሰል ክብረት ደረፍቲ ዝትከኣሉ ግዜ በጺሕና ኣሎና። በዚ ድማ ክሳብ 50 ሚታዊት ካብ ኣታዊታት ‘ቲ ዝተመስርሐ ደርፊ ናብ ወናኒ መበቆላዊ ደርፊ ይኣቱ፡፡ ኣብዚ ውዕል ተረባሒ ንምዃን ድማ Mechanical License ብምእታው ኣታዊታትካ ኣሻቡ ናብ ሕሳብ ዝምልከቶ ይወርድ።
እዞም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከምድላዮም ዝሰርቁ ውን Facebook content ID ዝብል ናይ መሰል ደራሲ ጉዳያት ከምዘሎ ምፍላጥ ጽቡቕ’ዩ። Account ናይ Facebook ምዕጻውን፡ ከቢድ ጉዳይ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ዘየድልየኩምን ዘይትወጽዎን ቁጠባዊ ቅልውላው ከይትኣትዉ ምፍላጥ ኣድላይ’ዩ። ስለዚ’ስ ብዘይ ዙርያኻ ሸነን ሕደጉ ደኣ።

ንነብሱ እናሓባበላ ዝኸይድ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝፈርየሉ ዘሎ ዘመን በጺሕና ኣሎና። እቲ ዒፈል ወይ ‘ውን ጐርቢ ስነ ጥበበኛ እናሰወደ፡ እቲ ሓቀኛ ስነ-ጥበበኛ ድማ እናተደቝሰ እኸይድ ኣሎ። እቲ ሞያዊ መጽሓፍቲ ገንጺሉ ኣብ ጉግል ሰዓታት ወሲዱ፡ ናይ ትሕዝቶ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ሰብ ከየጋጊ መእንቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ስራሕ ክደኽመላ እንክትርኢ፡ ገለ ድማ ዘይሓላፍነታዊን ዘይምዕሩይን ሓበሬታ ከይተሰከፉ ክዝርግሑ ይረኣዩ። ዓገብ!
ስለዚ ካብዚ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዕንባብኡ እንከሎ ዝጕዳእ ወይ ድማ ምስ ሸወተ ዝጉናእ ፍርያት ጥበብ ሃገርና ኣይክህሉን’ዩ። እፎይታ ነቶም ናይ ብሓቂ ጥበባውያን! ሕድሕዳዊ ምክብባር ስነ ጥባባኛታት ሃገርና ክሕይልን ሱር ዘለዎ ጽልኢ በኒኑ፡ ሱር ዘለዎ ፍቕሪ ከም ዘስፋሕፍሕ ርዱእ እዩ። ኩሉ ሰብ ድማ በብሞያኡ ነጢፉ ዝዓብየሉ ዘመን ዝመጽእ ዘሎ ይመስል፡፡ ኩሉ ፈላጥ ምዃን ምፍታን ይግደፎ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ጠስምኻ ወለል ምስ ጠፍአ መሕብኢ ፌክ ጥበባውያን ክድምሰስ ስለ-ዝኾነ፡፡ ሃገርና ወናኒት ክኢላታትን ብቑዓትን ስነ-ጥበባውያን ዝምራሕ ኢንዱስትሪ ፊልምን ስነ-ጥበብዊ ስርሓትን ስለ-እትኸውን።
ኣብዚ ግዜ ልዕሊ ኩሉ ክተርፍ ዘለዎ ነገር፡ ክስቶ ብዙሕ ተራእያትሉ ብዝብል ሓሳብ፡ ተመሳሳሊ ስራሕ ሒዞም ዝቐርቡ ስነ-ጥበበኛታት ሒደት ኣይኮኑን/ናን።
ብፍላይ ‘ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቪድዮ ክሊፕ ናይ ትግርኛ ዝርአ ዘሎ ኣብ ባር ተኣኪብካ ምስዕሳዕ ተዓዛቢ ከማርር ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ። እዚ ድማ ‘ሰይ ሰይ’ እትብል ደርፊ ምስ ወጽአት’ዩ ብብዝሒ ክርአ ጀሚሩ ዘሎ። ዳይረክተራት…..በጃኻትኩም ፈጠራዊ ሓሳብ ዘለዎ ለውጢ ንደሊ ኣሎና። በዓል ካሜራ ወይ ኤዲተር እንተሓሚቖም እቲ ሕምቀት ናይ ዳይረክተራት ምዃኑ ክትፈልጡ ኣለኹም። ምኽንያቱ ንሳቶም ብኣኻትኩም ስለዝእዘዙ።
ብሓፈሻ ናይ ሃገርና ዓበይቲ ቻነላት ናይ YouTube ደሓን ዝኾነ ናይ Copyright ኣፍልጦ ዘለወን ኮይነን ረኺብናየን። ገለ ካብአን ኣብ Believe ዝበሃል Platform ትካል ውዕል ብምግባር ዝሰርሓ ኮይነን።
Ella Channel ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ Copyright መሰል ድርሰት ከምዘለዋን ን 30 ዝበጽሓ ኤርትራውያን ቻነላት ኣገልግሎት ብሌላ ኔትዎርክ ከምእትህብ ክፈልጥ ክኢለ። ኣብ ቀጻሊ ድማ ካልኦት ቻነላት ዝሓሸን ዝበለጸን ተወዳዳርነት ንጥበባውያን ሃገርና ዝኸውን መደባት ሒዘን ክቐርባልና ንጽበ። 

እቲ ዝበለጸ ግን ኣብ ሃገርና ነዚ ናይ ኣእምሮ ንብረት (ረቂቕ ጥበብ) ኣፍልጦ ዝህብ ባንክ ወይ ትካል እንተዝኽፈት’ሞ እዞም ፈጠርቲ ጥበብ ንዘለዎም ሃብቲ ቀሲኖም መቐመጡ ነይሮም። ምኽንያቱ ንፈጠራዊ ስርሓቶም ምኽሪ ደልዮም ኣብ ዝኸድዎ ስለዝስረቑ። እቶም ከይተሰከፉ ዝሰርቁ በለጸኛታት ከኣ ከይተሰከፍካ ናብ ሕጊ ከተቕርቦም ምቐለለ ነይሩ።
Copyright ኣፋኲስና ከነቕርበልኩም ፍቲንና ኣሎና። ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ሰፊሕን ምዃኑ እንዳሓበርና፡ ናይ ሃገርና ሕግታት መሰል ድርሰት እንታይ ይመስል ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ ብ pdf file ክንሰደሉ ከምንኽእል ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ምስጋና ን
ስእሊ፡ Fil Mon

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...