Sunday, August 18, 2019

መግለጺ ህዝባዊ ሕርፍና ኣዝማሪኖታት

                                                    ሓራይፍ ከመይ ድዮም? ዉዱኣት!

ሓሪፍ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተላሓጺጹን ምስ ኩነታት ተናጒዑን ወፊሩ ዝኣቱ፡ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ዘይዛረብን፡ ሰብ ዘኽብርን ንዝተደርበሹ ድማ መጀመርያ ብማዕዳ ዳሓር ከኣ ቁሩብ ኣሕፍስ ኣቢሉ ዝኖክዕ’ዩ።
ብዙሓት ደቂ ኣስመራ፡ ኣዝማሪኖታት ኢና ኢሎም ሰብ ክጻረፉን ብሓውሲ ሕጨጫ ሰብ ከዳኽሙን ክዝልፉን ልቸንሳ ከምዝተዋህቦ ገይሮም ዝወሰድዎ ኣይተሳእኑን። ሓራይፍ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ካብ ደቂ ኣስመራ ፋራታት ምዃኖም ኣንዳዕዲዖም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሜድያታት ገሊጾም’ዮም።
ስነ-ጥበበኛ ሲልቫና፡ ወዲ ኣስመራ ‘የ ዝፈቱ፡ ወዲ ኣስመራ ኣሕሊፉ ኣይህበካን’ዩን ካልእን ብምባላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዋዕ-ዋዕ ኣቢላታ ቀንያ።
ወሃቢ ቃል ናይ ሕማመይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ሂወትካ ክትልውጥ ትኽእል ሓንቲ መጽሓፍ እኳ ኣንቢብካ ዘይትፈልጥ ጎደናታትን ካፈታትትን ኣስመራ ከም ጻዕዳ ኢድካ ስለዝፈልጥካዮም ኣዝማሪኖ ከስምየካ ይኽእል’ዩ፡ ሓሪፍ ግን ኣይገብረካን’ዩ። ስለዚ ኣዝማሪኖ ካብ ናዕ-ናዕ፡ ሴዴኖ፡ በርሰሜሎን መፍለይ የብለንን’ ዝብል’ዩ።
ሓሪፍ ክልዓል እንከሎ፡ ፍርነት ክለዓል ግድን’ዩ። ፍርነት ብ ፍር-ፍር ዝበሃል ቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ኮይኑ፡ ክቱር ዘይምትሕብባር፡ ናይ ዘራዓይ ኣዘራርባ ምጥቃም፡ ነገራት ዘይምርዳእ፡ ኣብ ኩሉ ከም ፈላጥ ጦብሎቕ ምባል፡ ዘየጸብቐልካ ክቡር ክዳውንቲ ተኸዲንካ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ምፕስታት፡ ብሓጺሩ ኣብ ዘይ-ኣርማድዮኻ ከም ምእታውን ካልእን ዝንጸባረቐሉ ባህርያት’ዩ። ንመተሓሳሰቢ ግን ዘይተማህረ ወይ ፊደል ዘይቆጸረ ምስ ፋራታት ኣይቁጸርን’ዩ። ተማሂሩ ወይ ፊደል ቆጺሩ ጠቕላላ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ዘይልወጥ ግን ኤእ. . . መዝገበ ቃላት ሓራይፍ ኢረር(error) ኢላትና።

ካብ ኩሉ እታ ማራ ንሓራይፍ ተተግግ ግን፡ ፋራታት ንዓርኮም ኣብ ከንፈራ እንዳሰዓሙ ኣብ Facebook ዘእትዉዎ ስእሊ’ያ። በዚ ምኽንያት ድማ’ይዮም ናይ ሕማመይ ን ፋራታት ጉዑሎት ኢሎም ክጽውዕዎም ዝጀመሩ። ካብ ዘይበሰለ ጉዕ ዝረዓመ ምዃኑ’ዩ።
እዞም ፍሉይ ባህላዊ ሳጓታት ዝጸዋዉዑ ኣህዛብ ወንጌል ሓራይፍ መእንቲ ክበጽሖም ሓደ ዝተቸመከ ሰባኺ ባሕሪ ሊብያ ሰጊሩ ከምዝበጽሖም ክግበር ከምዘለዎ ተነብዩ’ዩ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ድማ ኣብ ተሌቪዥን መደብ ሓራይፍ ክፍኖ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ድማ ካብ ካርቱም ወይ ካምፓላ ፈነወ ሬድዮ ክህሉ ኣስሚሮሙሉ።

በዚ መሰረት፡ ኣዝማሪኖን ጉዑሎት ዳርጋ ሓደ ደረጃ ከምዘለዎም ዝገልጽ ሓድሽ ስነ-ሓሳብ ይምዕብል ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። እዛ ሓዳሽ ጉጅለ ድማ ‘ጉጅለ ዘይውዱኣት’’ ተባሂላ’ላ።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ጸርፊ ምስ ናይ ሕማመይ ዝመጸ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ ሓቂ’ዩ። ናይ ሕማመይ ኣብ ብዙሕ ነገሮም ወዱኣት’ኳ እንተኾኑ፡ ስምዒታውያን ምዃኖም ሓራይፍ ኣያታቶም ወትሩ ዝገልጽዋ ቅሬታ’ያ።
ደቂ-ሹቕ ዝበሃሉ ክፋል ናይ ሕማመይ ድማ እቶም ንማሕበራዊ ሜድያ ተቖጻጺሮም ዘለዉ’ዮም። ዝተፈላለዩ ከዋክብቲ Youtube ደቂ ሹቕ ከይሓዝካ ዝኸውን ነገር ከምዘየለን፡ ደቂ ሹቕ ቤላ ዝበልዎ ቪድዮ ኩሉ ሰብ ከምዝርእዮን ይገልጹ።
ኣካየድቲ ስራሕ ናይ ዓበይቲ ቻነላት ኤርትራ ድሌታት ናይ ሕማመይን ደቂ-ሹቕን ንምምላእ ብዙሕ ሃለኽለኽ ከምዝብሉ ተዓዚብኩም ኣለኹም። እቲ ሓያል ናይ Dislike ኩነታት ኣብ ልዕሊ ገለ ስነ-ጥበበኛታት ብዕርቂ ምዝዛሙ ድማ ንገሊኦም እፎይታ ንገሊኦም ድማ ትምህርቲ ኮይኑዎም ከምዘሎ ተዓዚብና ኣሎና።
ሓደ ናይ ሕማመይ ዉዱእ ክኸውን ትሪም-ትሪም ኣቢሉ ጁባኡ ፋካ ክመልኣ ኣለዎ። ምኽንያቱ ፋካ ረኣየለይ ክብል እንተጀሚሩ፡ ናብ ደረጃ ካምባና ስለ ዝወርድ’ዩ። ንባዕላ እታ ውዱእ እትብል ማዕርግ ክትወሃበካ ‘ውን ብቁጠባ ርእስኻ ምኽኣል ኣስሚሮሙላ ኣለዉ።
ሓሪፍ ምስ ምዕባለታት ዓለም ማዕረ እንዳኸደ ንሂወት ክሓልፋ ብዙሕ ሽጣራታት ዝጥቀምን ምስ ግዜ ዝኸይድ ኣለባብሳ ዘዘውትርን እዩ። ኩሉ ሰብ ሓሪፍ ኮይኑ ክቐርብ’ዩ ዝፍትን፡ እንተኾነ እዘን ዝተጠቐሳ ነጥብታት ዘማልእ ሰብ ግን ኣዝዩ ወሑድ’ዩ። ስለዚ ሓሪፍ ዝበሃል ኣብ ጉጅለ ኣዝማሪኖ ጥራይ ዘይኮነ ዝርከብስ ኣኣብ ቦታኡ ዉዱኣት ሓራይፍ ከምዘለዉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይ ሓራይፍ ኣብቲ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ጉዳይ ኤርትራ ብዘይ ምትእትታው ሓራይፍን ናይ ሕማመይን ፍታሕ ከምዘይርከቦ ማእሙና’ዩ። ዓወት ሓራይፍ ናይ ግድን’ዩ። እንተኾነ ብዙሓት ሰባት ማዕርግ ሓራይፍ ዘይብሎም ክነሶም ኣብ ሶሽያል ሜድያ ከም ሓራይፍ ኮይኖም ንህዝባዊ ሕርፍና ኤርትራ ክመርሑ ይፍትኑ ምህላዎም ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ’ዩ።
እዞም ሰባት ድማ ዲጂታል ጎዑሎት ተባሂሎም ክጽውዑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ኤዲተር፡ ተመስገን ኣብርሃ
ስእሊ፡ ፊልሞን ኣለምሰገድ

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...