Sunday, August 18, 2019

ምስ በዓል ኩስቶ ደኣ ‘like’ መጋብርቲ ዘይኮንና!


      ወልፊ ኮመንት ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ኩሉ ዝኣምነሉ ሓቂ’ዩ። እዞም ሰባት ኮመንት ዝበዝሓ ጉዳይ ወይ ኣርቲክል ኣብ Facebook ምስ ረኸቡ፡ በቃ መውዓሊ ረኺቦም።
ሸት-ተዓርገም ኣንታ ወዲ…….’
ሎሚ ለባም-ለባም ዝጻወት ጽሉል ዝበሖ ወለዶ በጺሕና ኣሎና፡፡ ኩሉ ይወራዘ ኩሉ ይዛረብ ዝሰምዕ ዘየሎ። ጽሑፍ ኣምቢቡ ዘይኮነ ኮመንት ኣምቢቡ ኮመንት ዝህብ፡ ብዙሕ ድማ ናይ ምውርዛይ ወልፉ ንምርጋፍ ብወኒ ካሙቻኡ ሰብሲቡ ይረጋረግ። 
ኮተቴ ዘመነ ግርምቢጥ
ይደሊ ሓንቲ ፖስት
ዘለዋ ብዙሕ ኮመንት
ይረክብ ከኣ ላዕልን ታሕትን ገይሩ ዘይስሕት፡
ትሕዝቶ ዘይዓጦ፡ ይጽብጽብ ንባዓል መን ከምዝፈልጥ፡
ሹዑ ይወጣወጥ እንታይ ከም ዝሕንጥጥ ኣይፈልጥ!
        እዞም ሰብ ወልፊ ሓንቲ መዐየሪት ኣላቶም! ማለት ንኹሉ ነገር ብሓደ ኣተሓሳስባ’ዮም ዝርእይዎ። እቲ ዘለዎም ደረጃ ፍልጠት ድማ መዐዘቢ ጥራይ ክኸውን ዝግባኦ መፍረዲ ይጥቀሙሉ።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ባህልና ሰቲሩና ነይሩ! ስደት ስዲ ግን ጎሓፍናን ጽላሌናን ባቃ ናብ ደገ ጀረሰ። ዝተሰማዓካ ክትዛረብ ፈጣሪ ዝሃበካ መሰል‘ዩ። እንተኾነ ንኻልእ ሰብ ዝሃሲ ከይከውን ጥንቃቐታት ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብዚ ግዜ ንነብስኻ ዘይምምሳል ገኒኑ ይረአ’ሎ። ደጋፊ ስለ ዝኾንካ ከም ናይ ዓምና ጌርካ ክትዛረብ፡ ከም ወዳኢ ኮንካ ክትቀርብ ግን ነውሪ። ተቓዋሚ ኮንካ ድማ ግድን ተኣሲረ ክትብል፡ ወይ ዘላ ሕማቕ ነገር ከምዘሕለፍካ ክትዛረብ? …….. በጃኻትኩም ሓደ ሃገርን ህዝቢን ከመሓድር ዝኽእል ሃናጺ ስነ-ሓሳብ ክህልወና ኣለዎ። ጸርፊን ትምክሕቲን ንጎረባብትና ኣይጠቐሞምን። ሆ ይበሃል ኣሎ ኢሎም ብዘይ ራኢ ሆ ዝበሉ ኣበይ ኣለዉ ተዓዘቡ?!

       ብጽሖ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፥ ሰባት መሓዝቶም ንዝጠቅዕዎ ትሕዝቶ ኮመንት ወይ ላይክ እንተዘይገበሩ፡ ኣብ መጻኢ ዘካፍልዎ ፖስት ሰማዒን ረኣይን ኣይህልዎን እዩ ንዝብል ስክፍታ እቲ ኣዝዩ ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። በቃ ማሕበራዊ ሜድያ ግበረለይ ክግብረልካ ኮይኑ ተሪፉ። ንገሊኡ ይጸርፍ ንዝፈልጦም ይውድስ፡ መምጽኢ ነገር ተገዲፉ ካልእ ሌላን ጉሌላን ይፍጠረሉ፡ መን ንመን ይድግፍ ምህላዉ ንጹር መልስን ግብረመልስን ትስእነሉ። እቲ ብደገ ዝዕዘብ ካልእ ምንባብ ገዲፉ ብተምሳጥ ጸርፊ ከንብብ ጭንን ክብል ጸሓይ ትዓርቦ።
ብሂል ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ።


‘እዛ እገለ ዝጸሓፋ ደስ ክትብል፡ Like እባ በለሉ!’ ኖ ምስ በዓል ኩስቶ ደኣ Like መባህልቲ ዘይኮንና።' ድዩ ዝበለ Dan Haile Malu
ቀደም ኣቦታትና ክምስሉ እንከለዉ፡ ዘረባ ብደመና ጸሎት ብጽሞና ይብሉ ነይሮም። ኣብ ዘመንና ድማ ጸሎት ብላይቭ፡ ኣሜን ብኮመንት፡ ቤተ-ጸሎት ኣብ Facebook page ኮይኑ። ከምዚ ውድድር፡ እዋእ ኩስቶ ኣጸላልያኡ ክጽብቕ። ናይ ኩስቶ’ሞ ገለዓይነት ክበሃል ጀሚሩ’ሎ። ንሕና ንፈልጥ ጸሎት በይንኻን ገዛ ዓጺኻን፡ ሎሚ ግን እንድዕሉ……
ኮተቴ ወለዶ ሎሚ ምስ ልቢና ኢና ተወሊድና፡ ካብ ኣያታትና ዝኾነ ማዕዳ ኣየድልየናን ብዝዓይነቱ፡ ብዘይ ስኽፍታ ድላዮም ከም መንደረጋሕ ዉልቃዊ ሂወቶም ኣብ ላይቭ ቪድዮ ዝዝርግሑ፡ ትንግርቲ ዝኾኑ ወለዶ’ዮም። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝራባሕ ዘሎ ምጽልላምን ጸርፍን ኣብ ማእከልና ዝጭበጥ ኣሕባሪ ሓሳብ ከይህሉ ይገብር ብምህላዉ፡ ኽትበዳደል ጥራይ ትውዕለሉ መድረኽ መለሳኡ ውድቀትን በይንኻ ምትራፍን ጥራይ ምዃኑ ምግንዛብ።
ሹም ዑቕቢት ግርሙ፡ ከምዚ ክብል ማሰ ኢሉ …..
በዓል ዒንቶ
ኣባ ጅጎ ኢሎም በዓል ዒንቶ !
ኸምዚ ኸማይ ሰበይቱ ትሙቶ
ካብ እንጌርኡ ክስእን ንእሽቶ
ካብ ቆሎኡ ክስእን ዕኳቶ
ካብ ጸባኡ ክስእን ፍያቶ
ሰብ ዝኾነ ንገዝኡ ምስ ኣቶ
ንበይኑ ኽተርፍ ኣብታ ባይቶ።
ዝገርመኒ ነገር፡ ሃለውለው ምባል ከም ስራሕ ዝሓዝዎ ብዙሓት’ዮም፡ ከም ናይ በዓል ኩስቶ ዝኣመሰላ ባህላውያን ተራፒስት ምክትታልን ናተን ቪድዮ ሼር ምግባርን ምስ ምንታይ ይቑጸር? ብዙሓት’ኳ ኣለዉና ሰብ-ቁምነገር።
ካብ መሃሪ ትሕዝቶ ርሒቑ ናብ ላግጽን ምትራኽን ዝቐርብ ትሕዝቶታት ዘካፍሉ “ኣርሓታት-ጓይላ ፈይስቡክ” ዕላማኦም ብዝሒ ኮመንት/ላይክ ኣዋህሊልካ ወነንቲ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ንምዃን ጥራይ ከምዝኾነ ምርዳእ !
ኤዲተር፡ Temesghen Abraha

No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...