Saturday, September 7, 2019

እንታይ ከም እትምነ ተጠንቀቕ፡ Be careful what you wish for!



     ሓደ ዓርክና’ዩ ኣብ ኣስመራ እንከሎና መኪና ምዝዋር ክፈቱ ጉዳም’ዩ ነይሩ። ዝበዝሐ ካብ ዕላላቱ ድማ ብዛዕባ መኪና ነበረ። ንዝረኸቦ በዓል መኪና ዓርኪ፡ ኣዘውረኒ ባ፡ ፓርኪንግ ክገብረልካን ካልእን እንዳበለ የሸግሮም ነበረ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ ከም ሰቡ ተሰደ፡ ኣብ ኣመሪካ ከኣ ኣውቲስታ ናይ Uber (ኮንትራት ታክሲ ብኢንተርነት) ኮይኑ ን 5ዓመታት ኣብ ኮረሻ ማኪና ኮፍ በለ፡፡ 
    ነቲ ኣዝዩ ዝምነዮን ዝሓለሞን ስራሕ መጀመርያ ኣዝዩ ደስ ይብሎ ነይሩ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን ከሰልችዎ ጀመረ። ካልእ ኣማራጺ ናይ ስራሕ ንምርካብ ድማ ሃሰው ኣብ ምባል ተዋፈረ። ግዜ እንዳ ነውሐ ብዝኸደ ግን፡ ካብ’ዚ ስራሕ ክገላገል ጥራይ ጸሎት ክገብር ጀመረ…………
ሓደ ግዜ ምስ’ዚ ዝፈትዎ ዓርከይ ኣብ ዘዕልለሉ ዝነበርኩ ግዜ፡  ብቓላቱ፡ ‘ኔው በለለይ ስራሕ ኡበር (Uber) ናይ እንስሳ’ዩ፡ ብምባል ገሊጽለይ…….’ ንውሓት ናይ ስራሕ ሰዓታቱን ለውጢ ዘይብሉ ምዃኑን እንዳ ኣስተንተነ። ኣነ ድማ ትቕብል ኣቢለ ዋይ ብርሂን ዓርከይ፡ ከማኻ’ኳ ማኪና ምዝዋር ዝፈቱ ሰብ ዘይነበረ፡ እንዳበልኩ እቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ወግዑ ከዘክሮ ጀመርኩ፡ እንተኾነ ዕላለይ ከይወዳእኩ፡ ‘ዶን ሓወይ፡ ጽቡቕ ኣሎኻ፡ እንተኾነ ሕጂ ታሃን ናይ ማኪና ወጺእለይ’ዩ።’ በለኒ ብ ልዙብ ኣባህላ።
ድሕሪ ዕላልና፡ ኣብ ርእሰይ ሓንቲ ኣብ ብዙሓት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ዘንብባ ሓረግ ዘከርኩ፡ ‘እንታይ ከምትምነ ተጠንቀቕ!’  እወ ‘እንታይ ከምትምነይ ተጠንቀቕ!’

     ትርጉማ’ኳ ንጹር እንተኾነ፡ ብዙሕ ሰብ ኣቓልቦ ዘይህበላ እያ። ነዚ ስነ-ሓሳብ ንምርዳእ ናይ Rhonda Byrne መጽሓፍ The Secret ብምንባብ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብዚ መጽሓፍ ኣስሚራትሉ ዘላ ነገር ድማ፡ ሓሳባት ናብ ጭቡጥ ነገራት ከምዝልወጡ ዘእምን ስነ-ሓሳብ’ዩ። 
ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ዝጸሓፍዎ መጽሓፍቲ ምስ እነንብብ ውን፡ Think Big እትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ንረኽባ። እዚ ማለት ሓሳብና፡ ከምዚ ናይ ዝፈትዎ ዓርከይ ማኪና ምውናን ምዝዋርን ዘይኮነ፡ ሓደ ዕብይ ዝበለ ሕልሚ ክህልወና ዝምዕድ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ ስደት ዘሎና ድማ ስለምንታይ ኢና ካብዘን ናይ ጽሬትን ናይ ጉልበትን ታክሲን ስራሕ ወጺእና ኣብ ዓበይቲ ትካላት ብልዑል ደሞዝ ክንቁጸር ወይ ድማ ናትና ትካላት ክንገብር ዘይንሓስብ፡ ንሕና ካብ ሰብና እንተዘይ ነፊዕና ኣይንሓምቕን ኢና። 
     ብርግጽ ዓለም ንጸዓዱ Caucasiansን ኣፍሪቃውያንን በበይና’ያ። እዚ ማለት ጸሊም ምዃንካ እንተወሓደ ዕጽፊ ጻዕሪ የድልየካ። ሓሳባትካ ድማ ነዊሕ ዝጠመተን ዕምቆት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ። ነዚ ንምጭባጥ ድማ ካብ ኩሉ ክጸልወካ ዝኽእል ኣሉታዊ ስነ-ሓሳብን ኣሉታዊያን ሰባት ምርሓቕ የድልየካ ማለት’ዩ። ነዚ ስነ-ሓሳብ ዳርጋ ንምሉእ ዕድሜኡ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ፡ ጸሊም ኣመሪካዊ ዶክተር በን ካርሰን’ዩ። ንሱ፡ ኣብ ዓለምና ወትሩ ስሞም ካብ ዝለዓል ክኢላታት መጥባሕቲ ናይ ሓንጎል’ዩ። ኣብ 2016 ንፕረሲደንት ኣመሪካ ንምዃን ምርጫ ከምዝተሳተፈ ድማ ይዝከር።
ነዛ Think big እትብል ስነ ሓሳብ Dr. Ben Carson ኣብታ Think Big እትብል መጽሓፉ ብሓጺሩ ብከምዚ’ዩ ኣስፊርዋ ፡-

T- TALENT/TIME ዝምባለኻን ተውህቦኻን ብግቡእ ምልላይ፡ ብግቡእ ግዜኻ ምጥቃም፡
H፡ HOPE ተስፋ ምህላው ወይ ድማ ትስፉዉ ምዃን
I፡ INSIGHT ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ጌጋ ዘይምግባር፡ ካብ ጌጋታት ሰባት ውን ምምሃር
N፡ NICE ምቕሉላት ሰባት ክንከውን ኣሎና
K፡ KNOWLEDGE ፍልጠት ክህልወና ህንጡያት ክንከውንን ክንጽዕርን 

B፡ BOOKS ምሩጻት መጽሓፍቲ ምንባብ
I፡ IN DEPTH LEARNING ነገራት ኣዕሙቊካ ክትርዳእ ምፍታን
G፡ GOD ኹሉ ግዜ ህልውና ኣምላኽ ምእማን

     ኤርትራውያን ጸላእኩ ዝብል ዝነበረ ሓደ ኤርትራዊ ነበረ፡፡ ከም ትምኒቱ ድማ ሓንቲ ጻዕዳ ጓል ነርወይ ተመርዕይልኩም’። ሰለስተ ቆልዑ ድማ ወለደ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ ክኣቱ ብዝበለ 3 ባልጃታት ክዳዉንቱ ዝመልኣ ኣብ ኣፍደገ ገዛኡ ጸንሓኦ፡፡ ዝኾነ ሕቶን ምርድዳእ ዘይብሉ ፍትሕ! እንታይ ኮንኪ እንተበለ?’ ናብራ ምሳኻ ሰልችዩኒ’ዩ ‘ቲ መልሲ። እዚ ሰብ ካብ ዝኾነ ኤርትራዊ መተዓብይቱ ርሒቑ’ዩ ናብራኡ ዝመርሕ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ድሌታት ናይ በዓልቲ ቤቱ ንሱ ስለ ዝነበረ። ኣብቲ ግዜ ጭንቀት ግን ምስኡ ደው ዝበሉ ኣጆኻ ወላ ተጋገ ሓውና ኢኻ ኢሎም መደቀሲን ስነ-ልባዊ ሞራልን ዝህብዎ ዝነበሩ ግን ደቂ ነርወይ ዘይኮኑ’ስ ፈተውቱ ኤርትራውያን እዮም።
Photo by Don Dinar, Franconville France 
ሓንቲ ሓብቲና ዉን ብተመሳሳሊ ካብ ሰባ ርሒቓ ምስ ሓደ ዓረብ ተዛሚዳ፡ እቲ ዝወለደላ ሰብ ድማ ጠለማ። ሕሱም ናብራ በይና ኣሕሊፋ፡ ጓላ ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሓ ምስ ቀረበት ግን ፈጣሪ ጸወዓ። ህዝብና ድማ ጠፊኣ ዝነበረት ሓብቲና’ያ ኢሉ ተሓባቢሩ ግቡኣ ኣማሊኡ ከም ሰባ ኣምሰላ። ጓላ ድማ፡ ማማ ደኣ ስለምንታይ እያ ካባኹም ርሒቓ ክትብል’ያ ተሰሚዓ።  እወ ኣደይ እንታይ ወሪድዋ ካብ ፍቕሪ ዝደልዩ ሰባ ርሒቓ!?
ወላ ናይ እንነብረሉ ዘሎና ዓዲ ዜግነት ይሃልወና፡ መበቆልናን ባህሊናን ክንርስዕ ዘይግቡእ’ዩ። ባህሊና ብናትና ኣገባብ ንዓቅቦ፡ ገለ ፍሉይ ሜላ ንፍጠር። ምኽንያቱ ክንዲ ዝሃደምና ሃዲምና፡ ናይ ከምዚ ዓዲ መበቆል ኣለዎ ከም እንበሃል ፍሉጥ’ዩ። ኣሽንኳይ’ዶ ነዓና ንፕረሲደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣይገደፍዎን። ስለዚ መሲልካ ንበር፡ መን ምዃንካ ግን ኣይትረስዕ’ዩ ነገሩ።  

     ሓደ ግዜ ጻዕዳ እንግሊዛዊ መሳርሕታ ንመሓዛና ሜሪ፡ ኩሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ንእትገብሮ ምንቅስቓሳትን ጎስጓሳትን ምስ ተዓዘበ፡ ግዲ ኤርትራ ዝብል ጥራይ ኮይኑ ጥዒምዎ፡ ኣነ ከማኺ ገይሩ ብስምዒት ናይ ሃገሩ ዝተወረመ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን በላ። ጓል ኣያት ድማ፡ ናይ ደመይ ዜግነት ኤርትራዊት እያ። ናይ ሕጊን ናብራን ዜግነተይ ግን እንግሊዛዊት’የ ኢላ ሕርሕራይ ገይራ መለሰትሉ።   
ስለዚ ኣብዚ ግዜ ዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ተቐይራትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፡ መንነትናን መቦቆልናን ከይረሳዕና፡ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ናይ ሂወትና ዕዉታት ኮይንና ክንከይድ ዓበይቲ ሕልምታት ኣብ ቅድሜና ክህልዉ ኣለዎም። ነዞም ሕልምታትና ንምጭባጥ ከኣ ለይትን ቀትርን ጽዒርና ከምንዕወት’የ ዝኣምን። እንተተዓዊትና ከኣ ንሃገርናን ህዝብናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ናይ ዓለም ውጽኢታውያን ኮይንና ክንቀርብ ኢና።
     ካብ ኣፍንጫና ኣርሒቕና ንሕሰብ!!



No comments:

Post a Comment

ኣርኣያ ክንከውን ግዴታ ኩላትና`ዩ

ንመንእሰይ ወለዶ ንንኡሳት ኣሕዋቱ ኣርኣያ ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቲ እንዛረቦ ዝሰምዑ ንሕና እንገብሮ እዮም ዝደግሙ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስና ከኣ ብደቂቕ ይከታተልዎ። ኣብ ...